ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 10

ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ከተለልዮ ትኽእል፧

ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ከተለልዮ ትኽእል፧

1. ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ጥራይ ድያ ዘላ፧

“ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ።”—ማቴዎስ 7:15

የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ ሓንቲ ሃይማኖት፡ ማለት ብዛዕባ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ምሂርዎም እዩ። እዛ ሃይማኖት እዚኣ፡ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምስ እትመርሕ መገዲ ትመሳሰል እያ። የሱስ ብዛዕባ እታ መገዲ እቲኣ ኺዛረብ ከሎ፡ “እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 7:14) ኣምላኽ፡ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ኣምልኾ ጥራይ እዩ ዚቕበል። ኵሎም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ እምነት ዝሓበሩ እዮም።—ዮሃንስ 4:23, 24፣ 14:6፣ ኤፌሶን 4:4, 5 ኣንብብ።

ኣምላኽ ንዅሉ ዓይነት ኣምልኾ ይቕበሎ ድዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ

2. የሱስ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ክርስትያናት እንታይ ኢሉ፧

“ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፡ . . . ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ አለዉ።—ቲቶስ 1:16

የሱስ ነብያት ሓሶት ንክርስትና ኼበላሽውዎ ምዃኖም ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። ነብያት ሓሶት ብላዕለ ላዕሊ ኺርኣዩ ኸለዉ፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ እዮም ዚመስሉ። ኣብያተ ክርስትያኖም፡ ክርስትያናት ከም ዝዀና እየን ዚዛረባ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ናይ ሓቂ መንነት እዞም ሰባት እዚኦም ከተለልዮ ትኽእል ኢኻ። ከመይሲ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ጥራይ እዩ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኬፍሪ ዚኽእል፣ ንሳቶም እውን ብቐሊሉ ብባህርያቶምን ብመገድታቶምን ይልለዩ እዮም።—ማቴዎስ 7:13-23 ኣንብብ።

3. ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ብኸመይ ከተለልዮም ትኽእል፧

ነዚ ዚስዕብ ሓሙሽተ መለለዪ ኣቕልበሉ፦

  • ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ የኽብርዎ። ኣብ ናብራ ህይወቶም ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሑ ይጽዕሩ እዮም። ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኣብ ሓሳባት ሰብ እተመርኰሰት ኣይኰነትን። (ማቴዎስ 15:7-9) ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ነቲ ዚሰብክዎ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ እዮም።—ዮሃንስ 17:17፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ኣንብብ።

  • ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ የኽብርዎ። የሱስ፡ ሰባት ንስም ኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ብምግባር ንስም ኣምላኽ ኣኽቢርዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ኣፍሊጥዎምን ብዛዕባ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ኪጽልዩ ምሂርዎምን እዩ። (ማቴዎስ 6:9) ኣብቲ ንስኻ እትነብረሉ ኸባቢ፡ ስም ኣምላኽ እተፍልጥ ሃይማኖት ኣየነይቲ እያ፧—ዮሃንስ 17:26፣ ሮሜ 10:13, 14 ኣንብብ።

  • ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ። ኣምላኽ ንየሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኽ ለኣኾ። መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ፡ እንኮ ተስፋ ደቂ ሰብ እያ። የሱስ ክሳዕ ግዜ ሞቱ፡ ብዛዕባኣ ይዛረብ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 4:43፣ 8:1፣ 23:42, 43) ሰዓብቱ እውን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚሰብኩ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። ሓደ ሰብ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪነግረካ ኢሉ እንተ ዚመጸካ፡ ኣባል ኣየነይቲ ሃይማኖት እዩ ምበልካ፧—ማቴዎስ 24:14 ኣንብብ።

  • ሰዓብቲ የሱስ ካብዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ኣይኰኑን። ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ግጭት ኢዶም ስለ ዘየእትዉ፡ ከተለልዮም ትኽእል ኢኻ። (ዮሃንስ 17:16፣ 18:36) ብዘይካዚ፡ ደድሕሪ እቲ ጐዳኢ ተግባራትን ኣረኣእያታትን እዛ ዓለም እዚኣ ኣይስዕቡን እዮም።—ያእቆብ 4:4 ኣንብብ።

  • ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ንሓድሕዶም እተደንቕ ፍቕሪ ኣላቶም። ንዅሎም ዓሌት ኬኽብሩ ኸም ዘለዎም ካብ ቃል ኣምላኽ ይምሃሩ እዮም። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዚግበር ውግእ ኢዳ ተእቱ እያ። ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ግና ከምኡ ኣይገብሩን እዮም። (ሚክያስ 4:1-3) ኣብ ክንዳኡስ፡ ግዜኦምን ጥሪቶምን ተጠቒሞም ንኻልኦት ይሕግዙን የተባብዑን እዮም።—ዮሃንስ 13:34, 35፣ 1 ዮሃንስ 4:20 ኣንብብ።

4. ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከተለልያ ትኽእልዶ፧

ኣየነይቲ ሃይማኖት እያ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመርኰሰ ትምህርቲ ጥራይ እትምህር፡ ንስም ኣምላኽ እተኽብር፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንኮ ተስፋ ደቂ ሰብ ምዃና እውን እትእውጅ፧ ኣየነይቲ ጕጅለ እያ ፍቕሪ እተንጸባርቕን ኣብ ውግእ ዘይትካፈልን፧ እንታይ ምበልካ፧—1 ዮሃንስ 3:10-12 ኣንብብ።