ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 15

መጽናዕትኻ ኽትቅጽል ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

መጽናዕትኻ ኽትቅጽል ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

1. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምቕጻልካ ብኸመይ ይጠቕመካ፧

እቲ ብዛዕባ መሰረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝቐሰምካዮ ሓፈሻዊ ፍልጠት፡ ነታ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኸም ዘደልደላ ፍሉጥ እዩ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ እናደልደለት ክትከይድ ከኣ ቀጻሊ ኽትትል የድልያ እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:2) ነቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋኻ ኽትረኽቦ እትኽእል፡ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ፡ ወትሩ ናብ ኣምላኽ እንተ ቐሪብካ ጥራይ እዩ።—ዮሃንስ 17:3፣ ይሁዳ 21 ኣንብብ።

ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎካ ፍልጠት እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን ከኣ፡ እምነትካ እናደልደለት እያ እትኸይድ። እምነት ድማ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኽትሕግዘካ እያ። (እብራውያን 11:1, 6) ተነሲሕካ፡ ኣብ ናብራኻ ኣድላዪ ለውጢ ኽትገብር እውን ክትድርኸካ እያ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:19 ኣንብብ።

2. እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎካ ፍልጠት ንኻልኦት ኪጠቕሞም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ምስ የሆዋ ፍሉይ ርክብ ኪህልወካ ይኽእል እዩ

ነቲ እተምሃርካዮ ንኻልኦት ክትነግሮም ከም እትደሊ ፍሉጥ እዩ። ኵላትና ብስራት ክንነግር ባህ እዩ ዚብለና። መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከለኻ፡ ነቲ ኣብ የሆዋን ኣብቲ ብስራትን ዘሎካ እምነት ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ንኻልኦት ብኸመይ ከም እትገልጸሎም ክትምሃር ኢኻ።—ሮሜ 10:13-15 ኣንብብ።

መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ብስራት መጀመርታ ንፈተውቶም ወይ ንኣዝማዶም እዮም ዚነግርዎም። ነቲ ብስራት ክትነግር ከለኻ፡ ሜላ ተጠቐም። ነቶም ሰባት ሃይማኖቶም ቅንዕቲ ኸም ዘይኰነት ኣብ ክንዲ እትነግሮም፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘተስፈዎ ተስፋታት ንገሮም። ብተወሳኺ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንሰባት ብዝያዳ ዚማርኾም ዘረባኻ ዘይኰነስ፡ እቲ ለዋህ ጠባይካ ምዃኑ ኣይትረስዕ።—2 ጢሞቴዎስ 2:24, 25 ኣንብብ።

3. ምስ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ርክብ እዩ ኺህልወካ ዚኽእል፧

ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕካ፡ ብመንፈስ ንኽትዓቢ ኺሕግዘካ እዩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ምስ የሆዋ ፍሉይ ርክብ ይህልወካ። ኣባል ስድራ ቤቱ ብምዃን ድማ ናቱ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—2 ቈረንቶስ 6:18 ኣንብብ።

4. ቀጻሊ ዕቤት ክትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ብቐጻሊ ቓል ኣምላኽ ምስ እተጽንዕ፡ ብመንፈስ ክትዓቢ ትኽእል ኢኻ። (እብራውያን 5:13, 14) ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ገይሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህረካ ሕተቶ። ቃል ኣምላኽ ብእተምሃርካ መጠን፡ ኣብ ህይወትካ ዝያዳ ኣሳልጦ ኽትረክብ ኢኻ። መዝሙር 1:1-3፣ 73:27, 28 ኣንብብ።

እቲ ብስራት ካብቲ ሕጉስ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እዩ ዚመጽእ። ንኣምላኽ ምእንቲ ኽትቀርቦ ድማ፡ ናብ ህዝቡ ኽትቀርብ ኣሎካ። (እብራውያን 10:24, 25) ኵሉ ሳዕ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ እንተ ጽዒርካ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ህይወት ዝዀነ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረኽቦ ኢኻ። ካብቲ ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ እትገብሮ ጻዕሪ ዚበልጽ ነገር የሎን።—1 ጢሞቴዎስ 1:11፣ 6:19 ኣንብብ።