ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዕስራን ሓደን

ምስ ፍርህን ጥርጣረን ተቓለሰ

ምስ ፍርህን ጥርጣረን ተቓለሰ

1-3. ጴጥሮስ እንታይ ነገራት ኪፍጸም ከሎ እዩ ርእዩ፧ ለይቲኸ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧

ጴጥሮስ ምሉእ ለይቲ ኺጅልብ ብምሕዳሩ ኣዝዩ ደኺሙ ነበረ። ምድረ ሰማይ ጸልሚቱ ስለ ዝነበረ ኸኣ ብዙሕ ኣይርኣዮን እዩ ነይሩ። ብሸነኽ ምብራቕ ቂሐ ጽልሚ ዚመስል ብርሃን ምስ ረኣየ፡ ዚወግሕ ዘሎ መሰሎ። ነዊሕ ሰዓታት ብምጅላቡ ጭዋዳታት ሕቘኡን መንኩቡን ለሽ ኢሉ ነበረ። እቲ ንጸጕሩ ዚብትኖ ዝነበረ ንፋስ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ማዕበል ከም ዚፍጠር ገይሩ ነይሩ እዩ። እቲ ነታ ጃልባ ኣብ ቅድሚኣ ዚወቕዓ ዝነበረ ማዕበል ንጴጥሮስ ዝሑል ማይ ብምግጫብ የጠልቅዮ ነበረ። ንሱ ግና ምጅላቡ ቐጸለ።

2 ጴጥሮስን ብጾቱን ንየሱስ ኣብቲ ደንደስ ባሕሪ ንበይኑ ሓዲጎምዎ ኸይዶም ነበሩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሱስ ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ዝጠመዩ ህዝቢ ብሒደት እንጌራን ዓሳን ገይሩ ኺምግቦም ከሎ ርእዮም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ እቶም ህዝቢ ንየሱስ ኬንግስዎ እኳ እንተ ደለዩ፡ ንሱ ግና ኣብ ፖለቲካ ኢዱ ኼእቱ ኣይደለየን። ሰዓብቱ እውን ከምቲ ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዚህልዎም ኪገብር ቈሪጹ ነበረ። ካብቶም ህዝቢ ብምህዳም ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዮም ናብቲ ስግር ደንደስ ባሕሪ ኪኸዱ ነገሮም፣ ንሱ ድማ ምእንቲ ኺጽሊ ንበይኑ ናብ ከረን ደየበ።—ማር. 6:35-45፣ ዮሃንስ 6:14-17 ኣንብብ።

3 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ጕዕዞኦም ኪጅምሩ ኸለዉ፡ እታ ቖሎ እትመስል ወርሒ ብንጹር እያ እትርአ ነይራ፣ ጸኒሓ ግና ቀስ ብቐስ ናብ ሸነኽ ምዕራብ ገጻ ኽትጠልቕ ጀመረት። እቶም ሃዋርያት ሒደት ኪሎ ሜተራት ጥራይ እዮም ተጓዒዞም። ብሰንኪ እቲ ማዕበልን ንፋስን ድማ ንሓድሕዶም ኪዘራረቡ ኣይከኣሉን። ስለዚ፡ ጴጥሮስ ብሓሳቡ ገይሹ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ጴጥሮስ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት ካብ የሱስ ብዙሕ እኳ እንተ ተማህረ፡ ገና ግና ብዙሕ ይተርፎ ነይሩ እዩ

4. ጴጥሮስ ክንቀድሖ ዚግባእ ብሉጽ ኣብነት ዝገደፈልና ብኸመይ እዩ፧

4 ጴጥሮስ ብዙሕ ኪሓስበሉ ዚኽእል ነጥብታት ነይርዎ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሰዓቢ የሱስ ብዓል ናዝሬት ካብ ዚኸውን ልዕሊ ኽልተ ዓመት ገይሩ ነይሩ እዩ። ብዙሕ እኳ እንተ ተማህረ፡ ገና ግና ብዙሕ ይተርፎ ነይሩ እዩ። ምስ ከም ጥርጣረን ፍርህን ዝኣመሰለ ዕንቅፋታት እናተቓለሰ ንኺምሃር ፍቓደኛ ስለ ዝዀነ፡ ክንቀድሖ ዚግባእ ብሉጽ ኣብነት ገዲፉልና እዩ። ብዛዕባ እቲ ጴጥሮስ ምስ ጥርጣረን ፍርህን ዝገበሮ ቓልሲ እስከ ንርአ።

‘ንመሲሕ ረኺብናዮ’

5, 6. ጴጥሮስ እንታይ ዓይነት ህይወት እዩ ዚመርሕ ነይሩ፧

5 ጴጥሮስ ነታ ምስ የሱስ ብዓል ናዝሬት እተራኸበላ መዓልቲ ፈጺሙ ኣይርስዓን እዩ። እንድርያስ ሓዉ ናብኡ መጺኡ፡ ‘ንመሲሕ ረኺብናዮ’ ኢሉ ነገሮ። ነዘን ቃላት እዚአን ምስ ሰምዐ ድማ ህይወቱ ኪቕየር ጀመረ።—ዮሃ. 1:41

6 ጴጥሮስ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም እቲ ባሕሪ ገሊላ ዚብሃል ዘይጨዋም ቀላይ ኣብ እትርከብ ከተማ ቅፍርናሆም እዩ ዚነብር ነይሩ። ንሱን እንድርያስ ሓዉን ምስቶም ደቂ ዘብዴዎስ ዝዀኑ ያእቆብን ዮሃንስን ኣብ ዕዮ ምግፋፍ ዓሳ መሻርኽቲ እዮም ነይሮም። ጴጥሮስ ምስ ሰበይቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ሓማቱን እንድርያስ ሓዉን እዩ ዚነብር ነይሩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስድራ ቤት ዓሳ እናገፈፍካ ምድጋፍ፡ ኣበርቲዕካ ምዕያይን ጕልበትን ተባላሓትነትን ዚሓትት እዩ ነይሩ። እቶም ብዙሕ ሳዕ ለይቲ ለይቲ ኣብ መንጎ ኽልተ ጃለቡ መርበቦም ደርብዮም ኣብቲ ቐላይ ንዝረኸብዎም ዓሳ ዚእክቡ ዝነበሩ ሰብኡት ዚገብርዎ ጻዕሪ ኽንግምቶ ንኽእል ኢና። ነቶም ዓሳ ፈልዮም ኪሸጥዎምን ነቲ መርበብ ኬተዓራርይዎን ኬጽርይዎን ከለዉ ንዜሕልፍዎ ተካል መዓልቲ እውን ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና።

7. ጴጥሮስ ብዛዕባ የሱስ እንታይ እዩ ሰሚዑ፧ እቲ ዝሰምዖ ነገር ብስራት ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

7 እንድርያስ ወደ መዝሙር ዮሃንስ መጥምቕ ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ጴጥሮስ ነቲ እንድርያስ ብዛዕባ መልእኽቲ ዮሃንስ ዚነግሮ ዝነበረ ወረ ተመሲጡ ይሰምዖ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ሓደ መዓልቲ፡ ዮሃንስ ናብ የሱስ ብዓል ናዝሬት ብምምልካት፡ “እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ!” ኪብል ከሎ እንድርያስ ረኣዮ። ብኡብኡ ድማ እንድርያስ ሰዓቢ የሱስ ኰነ፡ ንጴጥሮስ ሓዉ ኸኣ እቲ መሲሕ ከም ዝመጸ ኣበሰሮ። (ዮሃ. 1:35-40) ካብቲ ግዜ እቲ ኣስታት 4,000 ዓመት ኣቐዲሙ ኣብ ኤደን ዕልወት ምስ ኣጋጠመ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ናይ ሓቂ ተስፋ ዚህብ ፍሉይ ውልቀ ሰብ ከም ዚመጽእ ኣተስፍዩ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 3:15) እንድርያስ ነዚ መድሓኒ ዝዀነ መሲሕ እዩ ረኺብዎ! ጴጥሮስ እውን ምስ የሱስ ኪራኸብ ብቕልጡፍ ከደ።

8. እቲ የሱስ ንጴጥሮስ ዘውጽኣሉ ስም እንታይ ትርጉም እዩ ነይርዎ፧ ገሊኣቶም እዚ ስም እዚ ንጴጥሮስ ዘይበቅዕ ኰይኑ ዚስምዖም ስለምንታይ እዩ፧

8 ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ጴጥሮስ በቲ ስምኦን ዚብል ስም እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። የሱስ ግና ምስ ረኣዮ፡ “ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮሃንስ ኢኻ፣ ንስኻ ኬፋ (ትርጉሙ፡ “ጴጥሮስ” እዩ፡) ኽትብሃል ኢኻ” በሎ። (ዮሃ. 1:42) “ኬፋ” ዚብል ቃል ልሙድ እዩ፣ “እምኒ” ወይ “ከውሒ” ዚብል ትርጉም ከኣ ኣለዎ። ቃላት የሱስ ትንቢታዊ ኸም ዝነበረ እምበኣር ንጹር እዩ። የሱስ፡ ጴጥሮስ ልክዕ ከም ከውሒ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ክርስቶስ ጽኑዕን ድልዱልን ከም ዚኸውንን ናይ ሓቂ ጽልዋ ኸም ዜሕድርን ኣቐዲሙ ፈሊጡ ነይሩ እዩ። ጴጥሮስ ግና ንርእሱ ኸምኡ ገይሩ ድዩ ዚርእያ ነይሩ፧ ከምኡ ገይሩ ዚርእያ ዝነበረ ኣይመስልን እዩ። ገሊኦም ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ኣንበብቲ ጸብጻብ ወንጌል እውን እንተ ዀኑ፡ ጴጥሮስ ምስ ከውሒ ዚመሳሰል ባህርያት ከም ዝነበሮ ገይሮም ኣይሓስቡን እዮም። ገሊኦም እሞ ኸኣ ከም ዘይጽኑዕን ወለቕ ዘለቕ ዚብልን ተወላዋልን ሰብ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።

9. የሆዋን ወዱን ኣብ ምንታይ እዮም ዜተኵሩ፧ ኣብ ኣረኣእያኦም ክንውከል ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

9 ጴጥሮስ ድኽመታት ከም ዝነበሮ ዚከሓድ ኣይኰነን። የሱስ እውን ነዚ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ልክዕ ከም የሆዋ ኣቦኡ ወትሩ ኣብቲ ኻልኦት ሰባት ዜርእይዎ ጽቡቕ ባህርያት እዩ ዜተኵር ነይሩ። እወ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዝነበሮ ተኽእሎ ይፈልጦ፡ ነዚ ጽቡቕ ባህርያት እዚ ኼማዕብል ድማ ይሕግዞ ነይሩ እዩ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋን ወዱን ኣብቲ ጽቡቕ ባህርያትና እዮም ዜተኵሩ። ግናኸ፡ ጽቡቕ ባህርያት ዚረኽቡልና ዀይኑ ኣይስምዓናን ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣረኣእያኦም ክንውከል፡ ልክዕ ከም ጴጥሮስ ክንስልጥንን ክንቅረጽን ድማ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና።—1 ዮሃንስ 3:19, 20 ኣንብብ።

“ደጊም ኣይትፍራህ”

10. ጴጥሮስ እንታይ ተኣምር እዩ ርእዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ ናብ ምንታይከ እዩ ተመሊሱ፧

10 ጴጥሮስ ኣብቲ የሱስ ዚገብሮ ዝነበረ ዕዮ ስብከት የሰንዮ ኸም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ኣብቲ ኣብ ቃና እተገብረ መርዓ ንማይ ናብ ወይኒ ብምቕያር ንዝገበራ ናይ መጀመርታ ተኣምር ርእይዋ ኪኸውን ኣለዎ። ልዕሊ ዅሉ ድማ የሱስ ብዛዕባ እቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚምልከት ዜደንቕን ተስፋ ዝሓዘለን መልእኽቲ ኺዛረብ ከሎ ሰሚዕዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብ የሱስ ተፈልዩ ናብ ዕዮ ምግፋፍ ዓሳ ተመልሰ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ግና የሱስ እንደገና ምስ ጴጥሮስ ተራኸበ። ሽዑ የሱስ ንጴጥሮስ፡ ምሉእ ብምሉእ ኪስዕቦ ሓተቶ።

11, 12. (ሀ) ጴጥሮስ ለይቲ እንታይ ዓይነት ስራሕ እዩ ኺሰርሕ ሓዲሩ፧ (ለ) ጴጥሮስ ስብከት የሱስ ምስ ሰምዐ፡ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚሓስብ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል፧

11 ጴጥሮስ ምሉእ ለይቲ ተስፋ ዜቝርጽ ስራሕ ኪሰርሕ እዩ ሓዲሩ። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ብተደጋጋሚ መርበቦም እኳ እንተ ደርበዩ፡ ዝሓዝዎ ነገር ግና ኣይነበረን። ጴጥሮስ ዓሳ ንምርካብ ተመክሮኡን ዘለዎ ዘበለ ኽእለትን ከም እተጠቕመ ዜጠራጥር ኣይኰነን፣ እቶም ዓሳ ኣበይ ይምገቡ ኸም ዝነበሩ ንምፍላጥ ድማ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት እቲ ቐላይ ፈቲኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ልክዕ ከም ካልኦት ገፈፍቲ ዓሳ፡ ነቲ እቶም ዓሳ ተኣኪቦምሉ ዘለዉ ቦታ ኺፈልጥ ወይ ብገለ መገዲ ገይሩ ናብ መርበቡ ኸም ዚመጹ ኺገብሮም ይህንጠ ኸም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። እዚ ግና ተስፋ ዜቝርጽ ጥራይ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ጴጥሮስ ንምዝንጋዕ ወይ ንባህታ ኢሉ ኣይኰነን ዓሳ ዚገፍፍ ነይሩ፣ ንሱ ዚናብዮም ሰባት ነይሮም እዮም። ኣብ መወዳእታ ግና ጥራይ ኢዱ ናብቲ ገምገም ባሕሪ ተመልሰ። ኣብኡ መርበብ እናሓጸበ ኸሎ ድማ የሱስ ናብኡ መጸ።

የሱስ ብዛዕባ እታ ቐንዲ መልእኽቲ ስብከቱ ዝነበረት መንግስቲ ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ ምስማዕ ንጴጥሮስ ፈጺሙ ኣየሰልከዮን

12 የሱስ በቶም ኪሰምዕዎ ተሃንጥዮም ዝነበሩ ብዙሓት ህዝቢ ተኸቢቡ ነበረ። እቶም ህዝቢ ንየሱስ ስለ ዝኸበብዎ፡ የሱስ ናብ ጃልባ ጴጥሮስ ደዪቡ ኻብ መሬት ቍሩብ ኣርሕቕ ኬብላ ሓተቶ። ድምጹ ብንጹር እናተሰምዐ ኸኣ፡ ነቶም ህዝቢ መሃሮም። ጴጥሮስ እውን ልክዕ ከምቶም ኣብ ገምገም እቲ ባሕሪ ዝነበሩ ሰባት ጽን ኢሉ ይሰምዕ ነበረ። የሱስ ብዛዕባ እታ ቐንዲ መልእኽቲ ስብከቱ ዝነበረት መንግስቲ ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ ምስማዕ ንጴጥሮስ ፈጺሙ ኣየሰልከዮን። ክርስቶስ ነዚ ተስፋ ዝሓዘለ መልእኽቲ እዚ ኣብታ ዓዲ ብምልእታ ኺሰብኽ ከሎ ምሕጋዝ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! ኰይኑ ግና፡ ጴጥሮስ ከምኡ ይገብር ደዀን ይኸውን፧ ከምኡ እንተ ገይሩኸ ንስድራ ቤቱ ብኸመይ እዩ ኺናብዮም፧ ምናልባት ብዛዕባ እታ ዋላ ሓደ ዓሳ ዘይረኸቡላ ለይቲ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ሉቃ. 5:1-3

13, 14. የሱስ ንጴጥሮስ እንታይ ተኣምር እዩ ፈጺሙሉ፧ ጴጥሮስከ እንታይ ተሰምዖ፧

13 የሱስ ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ ንጴጥሮስ፡ “ናብ ዓሚቝ ርሓቕ እሞ፡ ምእንቲ ኽትገፍፉ መርበብኩም ኣውርዱ” በሎ። ጴጥሮስ ግና ስለ እተጠራጠረ፡ “መምህር፡ ምሉእ ለይቲ ጽዒርና፡ ዋላ ሓንቲ ኣይሓዝናን፣ ብቓልካ ግና ነዚ መርበብ ከውርዶ እየ” ኢሉ መለሰሉ። ኣቐድም ኣቢሉ መርበቡ ሓጺቡ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ዓሳ ዘይምገቡሉ እዋን መርበቡ ኺድርቢ ኣይደለየን ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ እተባህሎ ገበረ። ነቶም ኣብ ካልእ ጃልባ ዝነበሩ መሻርኽቱ ኸኣ ኪስዕብዎም ምልክት ሂብዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ሉቃ. 5:4, 5

14 ጴጥሮስ ነቲ መርበብ ኪስሕቦ ኸሎ፡ ዘይተጸበዮ ኽብደት ኣጋጠሞ። ደንጽይዎ፡ ጽቡቕ ገይሩ ኺስሕብ ጀመረ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ኣብቲ መርበብ ፈለኽለኽ ኪብል ረኣየ። ብዉዕዉዕ ስምዒት ድማ ነቶም ኣብታ ኻልአይቲ ጃልባ ዝነበሩ ሰብኡት መጺኦም ኪሕግዝዎ ኣመልከቶም። ብዙሕ ከይጸንሑ ኸኣ ሓንቲ ጃልባ ንዅሉ እቲ ዓሳ ኽትስከሞ ኸም ዘይትኽእል ተገንዘቡ። ክልተ ጃለቡ እኳ እንተ መልኣ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ብምንባሩ ኪጥሕላ ጀመራ። ጴጥሮስ በቲ ዅነታት ኣዝዩ ተገረመ። ቅድሚኡ ንሓይሊ ክርስቶስ ብተግባር ርእዩ እኳ እንተ ነበረ፡ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ግና ንዕኡ ብብሕቲ ዚትንክፍ ኵነታት እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ የሱስ፡ ጴጥሮስን ብጾቱን ብዙሕ ዓሳ ኸም ዚሕዙ ብምግባር ዜደንቕ ተኣምራት እዩ ፈጺሙ። ጴጥሮስ ነዚ ምስ ረኣየ፡ ብፍርሂ ተዋሕጠ። ብብርኩ ተምበርኪኹ ኸኣ ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሓቕ” በሎ። ምስቲ ንሓይሊ ኣምላኽ በዚ መገዲ እዚ ናይ ምጥቃም ስልጣን ዘለዎ ሰብ ምቅርራብ ኪኸብዶ እምበኣር ሓቁ እዩ።—ሉቃስ 5:6-9 ኣንብብ።

“ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ”

15. የሱስ ንጴጥሮስ፡ ኪጠራጠር ወይ ኪፈርህ ከም ዘይብሉ ዝመሃሮ ብኸመይ እዩ፧

15 ይኹን እምበር፡ የሱስ ብለውሃት፡ “ደጊም ኣይትፍራህ። ካብ ሕጂ ሰባት ብህይወቶም ከለዉ ኽትገፍፍ ኢኻ” በሎ። (ሉቃ. 5:10, 11) እወ፡ ጴጥሮስ ዚጠራጠረሉ ወይ ዚፈርሃሉ ግዜ ኣይነበረን። ከም ምግፋፍ ዓሳ ብዛዕባ ዝኣመሰለ መዓልታዊ ጕዳያት ኪጠራጠር ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ዝነበሮ ጕድለትን ድኽመትን ዚፈርሃሉ ምንም ምኽንያት እውን ኣይነበሮን። ከመይሲ፡ የሱስ ንመጻኢ ደቂ ሰብ ዚጸሉ ዓብዪ ዕዮ ኺዓዪ እዩ ዚዳሎ ነይሩ። ኣገልጋሊ እቲ “ብዙሕ ይቕረ” ዚብል ኣምላኽ ከኣ እዩ። (ኢሳ. 55:7) ስለዚ፡ የሆዋ ንጴጥሮስ ብኣካላዊ ይኹን ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮ ዘበለ ዅሉ ኼማልኣሉ ይኽእል ነይሩ እዩ።—ማቴ. 6:33

16. ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ነቲ የሱስ ዘቕረበሎም ዕድመ ብኸመይ ተቐቢሎምዎ፧ ዝበለጸ ውሳነ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

16 ከምቲ ያእቆብን ዮሃንስን ዝገበርዎ፡ ጴጥሮስ እውን ቅልጡፍ ምላሽ ሃበ። “ነተን ጃለቡ ናብ ምድሪ መሊሶም ከኣ፡ ንዅሉ ሓዲጎም ሰዓብዎ።” (ሉቃ. 5:11) እወ፡ ጴጥሮስ ኣብ የሱስን ኣብቲ ዝለኣኾ ኣምላኽን እምነት ኣሕደረ። ዝበለጸ ውሳነ ኸኣ እዩ ገይሩ። እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ንፍርህን ጥርጣረን ሰጊሮም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ክርስትያናት እውን ተመሳሳሊ ዓይነት እምነት እዮም ዜርእዩ። ኣብ የሆዋ ምውካሎም ንኸንቱ ኣይኰነን።—መዝ. 22:4, 5

“ስለምንታይ ተጠራጢርካ፧”

17. ጴጥሮስ ብዛዕባ እተን ምስ የሱስ ዘሕለፈን ክልተ ዓመት እንታይ ተዘክሮታት እዩ ነይርዎ፧

17 ጴጥሮስ ምስ የሱስ ካብ ዚራኸብ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣቢሉ፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ እዛ ምዕራፍ እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ፡ ለይቲ ኣብቲ ብንፋስ ዚናወጽ ዝነበረ ባሕሪ ገሊላ ይጅልብ ነበረ። ሓቂ እዩ፡ ብዛዕባ ኣየኖት ተዘክሮታት ይሓስብ ከም ዝነበረ ኽንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ከመይሲ፡ ብዙሕ ተዘክሮታት እዩ ነይርዎ። የሱስ ንሓማቱ ኣሕውዩሉ ነይሩ እዩ። ኣብ ከረን እውን ስብከት ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ። ብትምህርቱን ብተኣምራቱን ኣቢሉ ሕሩይ የሆዋን መሲሕን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣርእዩ ነይሩ እዩ። ኣዋርሕ እናሓለፈ ምስ ከደ ግና፡ እቲ ኸም ጥርጣረን ፍርህን ዝኣመሰለ ድኽመታት ጴጥሮስ እናተኣለየ ኸደ። በዚ ድማ ሓደ ኻብቶም የሱስ ዝሓረዮም 12 ሃዋርያት ኰነ። ኰይኑ ግና፡ ጴጥሮስ እቲ ዝነበሮ ፍርህን ጥርጣረን ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይጠፍአ ጸኒሑ ተገንዚቡ እዩ።

18, 19. (ሀ) ጴጥሮስ ኣብ ባሕሪ ገሊላ እንታይ ከም ዝረኣየ ግለጽ። (ለ) የሱስ ንጴጥሮስ እንታይ ኪገብር እዩ ፈቒዱሉ፧

18 ኣብታ ራብዐይቲ ሓለዋ ለይቲ፡ ማለት ኣብ መንጎ ኸባቢ ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይትን ጸሓይ እትበርቀሉ እዋንን፡ ጴጥሮስ ሰምቢዱ ምጅላቡ ሓዲጉ ተዓነደ። ኣብ ማእከል እቲ ማዕበል ድማ ገለ ዚንቀሳቐስ ነገር ረኣየ። እቲ ናይ ወርሒ ብርሃን ኣብቲ ብማዕበል ዚጋፋዕ ዝነበረ ባሕሪ ዝፈጠሮ ነጸብራቕ ድዩ ዚርኢ ነይሩ፧ ኣይኰነን። እቲ ዚርእዮ ዝነበረ ነገር ንጐድኒ ዘይኰነስ ንትኹል ትኽ ዝበለ እዩ ነይሩ። እወ፡ ሓደ ሰብኣይ እዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ዚኸይድ ነይሩ። እዚ ሰብኣይ እዚ ናብኦም እናቐረበ ምስ መጸ፡ ብጥቓኦም ዚሓልፍ እዩ ዚመስል ነይሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣዝዮም ፈሪሆም ስለ ዝነበሩ፡ ምትሃት መሰሎም። ንሱ ግና፡ “ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፣ ኣይትፍርሁ” በሎም። እቲ ሰብኣይ፡ የሱስ እዩ ነይሩ።—ማቴ. 14:25-28

19 ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ እንተ ዄንካስ፡ ብማየ ማይ ክመጸካ ኣዝዘኒ” በሎ። ነዚ ተኣምር ምስ ረኣየ፡ ኣብ ፈለማ ትብዓት ተሰምዖ። በዚ ፍልይ ዝበለ ተኣምር ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰ፡ እምነቱ ብዝያዳ ኽትድልድል ደለየ። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ዚፍጸም ዝነበረ ነገራት ኪካፈል ደልዩ ነበረ። የሱስ ድማ ብለውሃት ናብኡ ኺመጽእ ፈቐደሉ። ጴጥሮስ ብጐድኒ እታ ጃልባ ነጢሩ ናብቲ ብማዕበል ዚናወጽ ዝነበረ ባሕሪ ኣተወ። ኣብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ደው ኪብል ብምኽኣሉ እተሰምዖ ስምዒት እሞ ሕስብ ኣብሎ! ናብ የሱስ ገጹ ኪኸይድ ከሎ ኣዝዩ ተደኒቑ ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ኻልእ ስምዒት ኪስምዖ ጀመረ።—ማቴዎስ 14:29 ኣንብብ።

“ህቦብላ ንፋስ ምስ ረኣየ ግና፡ ፈርሀ”

20. (ሀ) ኣቓልቦ ጴጥሮስ እተሰርቀ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ኣስዓበሉ፧ (ለ) የሱስ ንጴጥሮስ እንታይ ምሂርዎ፧

20 ጴጥሮስ ኣብ የሱስ እዩ ኼተኵር ነይርዎ። ከመይሲ፡ ንሓይሊ የሆዋ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ እቲ ብማዕበል ዚጻፋዕ ዝነበረ ማይ ከም ዚኸይድ ዝገበሮ የሱስ እዩ ነይሩ። የሱስ ከምዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ ጴጥሮስ ኣብኡ እምነት ስለ ዘሕደረ እዩ። ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስ ኣቓልቦኡ ተሰርቀ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ህቦብላ ንፋስ ምስ ረኣየ ግና፡ ፈርሀ” ይብል። ነቲ ምስታ ጃልባ እናተጋጨወ ዓፍራ ዚፈጥር ዝነበረ ማዕበል ምስ ረኣየ ጃጀወ። ናብቲ ባሕሪ ኣትዩ ኺጠልቕ ከኣ ተራእይዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብፍርሂ እናተዋሕጠ ብዝኸደ መጠን፡ እምነቱ ኸኣ ብእኡ መጠን እናደኸመት ከደት። እቲ ብምኽንያት ጽንዓቱ ምስ ከውሒ እተመሳሰለ ሰብኣይ፡ ብሰንኪ እታ ዘይድልድልቲ እምነቱ ልክዕ ከም እምኒ ቐልጢፉ ኺጥሕል ጀመረ። ጴጥሮስ ንፉዕ ሓምባሲ እኳ እንተ ነበረ፡ ሽዑ ግና ኣብዚ ኽእለቱ ኺውከል ኣይከኣለን። “ጐይታይ፡ ኣድሕነኒ!” ኢሉ ኸኣ ኣእወየ። የሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ኣውጽኦ። ገና ኣብ ልዕሊ እቲ ማይ ከሎ ኸኣ ንጴጥሮስ፡ “ኣታ ጐደሎ ዝእምነቱ፡ ስለምንታይ ተጠራጢርካ፧” ኢሉ ኣገዳሲ ትምህርቲ መሃሮ።—ማቴ. 14:30, 31

21. ጥርጣረ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ኽንቃለሶ እንኽእል፧

21 እታ “ተጠራጢርካ” እትብል ቃል ክሳዕ ክንደይ ብቕዕቲ ዀን እያ! ጥርጣረ ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ። ከመይሲ፡ እምነትና ኸም እትጠፍእን መንፈሳውነትና ኸም ዜንቈልቍልን እዩ ዚገብር። ስለዚ፡ ኣበርቲዕና ኽንቃለሶ ኣሎና። ብኸመይ፧ ወትሩ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነ ነገር ብምትኳር ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል። ብዛዕባ እቲ ዜፍርሃናን ተስፋ ዜቝርጸናን ካብ ኣገልግሎት የሆዋን ወዱን ከም እነስግል ዚገብረናን ነገራት ጥራይ ንሓስብ እንተ ዄንና፡ ጥርጣረና እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ። ይኹን እምበር፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ወዱን፡ ኣብቲ ዝገበርዎን ዚገብርዎ ዘለዉን፡ ከምኡ እውን ኣብቲ ነቶም ዜፍቅርዎም ሰባት ንመጻኢ ዚገብሩሎም ነገራት ነተኵር እንተ ዄንና ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ጥርጣረ ኸነወግዶ ኢና።

22. ኣስኣሰር እምነት ጴጥሮስ ክንስዕብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

22 ጴጥሮስ ንየሱስ ናብታ ጃልባ ኺስዕቦ ኸሎ፡ እቲ ማዕበል ኪሃድእ ረኣየ። ባሕሪ ገሊላ ድማ ጸጥ በለ። ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርትን ከኣ ንየሱስ፡ “ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” በልዎ። (ማቴ. 14:33) ወጋሕታ ምስ ኰነ፡ ልቢ ጴጥሮስ ብሓጐስ መልአ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ዝነበሮ ፍርህን ጥርጣረን ቀንጢጡ ኺድርብዮ ኽኢሉ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ከምቲ የሱስ ኣቐዲሙ እተነበዮ ጴጥሮስ ምስ ከውሒ ዚመሳሰል ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ ብዙሕ ጻዕሪ ኺገብር የድልዮ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ዕቤት ኪገብር ቈሪጹ ነበረ። ንስኻኸ ኸምዚ ዓይነት ቈራጽነት ጌርካዶ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣስኣሰር እምነት ጴጥሮስ ምስዓብ ረብሓ ኸም ዘለዎ ብርግጽ ክትርኢ ኢኻ።