ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 4

ንኣቦኣን ንየሆዋን ኣሐጐሰቶም

ንኣቦኣን ንየሆዋን ኣሐጐሰቶም

ይፍታሕ ንየሆዋ እንታይ ኢሉ እዩ ተመባጺዑሉ፧

ጓል ይፍታሕ ነቲ ኣቦኣ እተመባጽዖ መብጽዓ ምፍጻም ዚኸብዳ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሳ ግና ፈጸመቶ

ነዛ ኣብዚ ስእሊ ዘላ ጓል ትርእያዶ ኣለኻ፧— ጓል ሓደ ይፍታሕ ዚብሃል ሰብኣይ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ስማ ኣይነግረናን እዩ፣ ንኣቦኣን ንየሆዋን ከም ዘሐጐሰቶም ግና ንፈልጥ ኢና። ብዛዕባኣን ብዛዕባ ኣቦኣ ይፍታሕን እስከ ንምሃር።

ይፍታሕ ንፉዕ ሰብኣይ ነበረ፣ ንጓሉ ድማ ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ይምህራ ነበረ። ሓያል ሰብኣይን ንፉዕ መራሕን እውን ነበረ። ስለዚ፡ እስራኤላውያን ኣብቲ ምስ ጸላእቶም ዚገብርዎ ውግእ ኪመርሖም ሓተትዎ።

ይፍታሕ ምእንቲ ኺስዕር፡ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ደልዩ ጸለየ። እንተ ስዒሩ ኸኣ፡ ነቲ ኺምለስ ከሎ ፈለማ ኪቕበሎ ኢሉ ኻብ ቤቱ ዚወጽእ ሰብ ንየሆዋ ኸም ዚህቦ ተመባጽዐ። እቲ ሰብ እቲ ምሉእ ዕድሚኡ ኣብ ማሕደር የሆዋ ኺነብርን ኣብኡ ኼገልግልን ነበሮ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ማሕደር፡ ሰባት ንኣምላኽ ኬምልኹ ዚኸዱሉ ቦታ እዩ ነይሩ። ይፍታሕ ድማ ኣብቲ ውግእ ሰዓረ! ኪምለስ ከሎ፡ እቲ ፈለማ ኪቕበሎ ኢሉ ኻብ ቤቱ ዝወጸ መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧—

እወ፡ ጓል ይፍታሕ እያ ነይራ! ይፍታሕ ከኣ ብዘይካኣ ኻልእ ውላድ ኣይነበሮን፣ ድሕርዚ ግና ኪሰድዳ ነበሮ። እዚ ኸኣ ብዙሕ ኣጕሃዮ። ተመባጺዑ ኸም ዝነበረ ኣይትረስዕ። ጓሉ ድማ ብኡብኡ፡ ‘ኣቦየ፡ ንየሆዋ ተመባጺዕካ ኢኻ እሞ፡ ከም ቃልካ ግበር’ በለቶ።

ዓመት ዓመት፡ መሓዙት ጓል ይፍታሕ ኪበጽሓኣ ይኸዳ ነበራ

ጓል ይፍታሕ እውን ጕህያ ነበረት። ኣብቲ ማሕደር፡ ክትምርዖን ክትወልድን ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ይኹን እምበር፡ መብጽዓ ኣቦኣ ኽትፍጽም፡ ንየሆዋ ድማ ከተሐጕሶ ደለየት። ከምኡ ምግባር፡ ካብ መርዓን ውላድን ንላዕሊ የገድሳ ነበረ። ስለዚ፡ ካብ ቤታ ናብቲ ማሕደር ከይዳ፡ ምሉእ ዕድሚኣ ኣብኡ ትነብር ነበረት።

እቲ ዝገበረቶ ነገር ንኣቦኣን ንየሆዋን ኣሐጒስዎምዶ፧— እወ፡ ኣሐጕስዎም እዩ! ንስኻ እውን ንየሆዋ ትእዘዞን ትፈትዎን እንተ ዄንካ፡ ከም ጓል ይፍታሕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ንወለድኻን ንየሆዋን ከኣ ከተሐጕሶም ኢኻ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ