ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 7

ጽምዋን ፍርህን ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧

ጽምዋን ፍርህን ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧

ነዚ ኣብዚ ስእሊ እዚ ዘሎ ቘልዓ እሞ ርኣዮ። ጽምዋን ፍርህን እተሰምዖዶ ኣይመስልን፧ ንስኻኸ ኸምኡ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧— ኵላትና ሓድሓደ እዋን ከምኡ ይስምዓና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጽምዋን ፍርህን ብዛዕባ እተሰምዖም ኣዕሩኽ ኣምላኽ ይነግረና እዩ። ሓደ ኻባታቶም ኤልያስ እዩ ነይሩ። ብዛዕባኡ እስከ ንምሃር።

ኢዛቤል ንኤልያስ ክትቀትሎ ደለየት

ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት፡ የሱስ ገና ኸይተወልደ ኸሎ፡ ኤልያስ ኣብ እስራኤል ይነብር ነበረ። ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ግና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣይኰነን ዜምልኽ ዝነበረ። የግዳስ፡ ኣከኣብን ሰበይቱ ኢዛቤልን ነቲ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ዝዀነ በዓል የምልኹ ነበሩ። ኣብ እስራኤል ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት እውን ንበዓል የምልኹ ነበሩ። ንግስቲ ኢዛቤል ድማ ሕስምቲ ነበረት፣ ንኤልያስን ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ኻልኦት ሰባትን ከኣ ክትቀትሎም ደለየት! ኤልያስ እንታይ ከም ዝገበረ ትፈልጥዶ፧—

ኤልያስ ሃደመ! ናብ ርሑቕ፡ ናብ ምድረ በዳ ኸይዱ፡ ኣብ በዓቲ ተሓብአ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧— እወ፡ ፈሪሁ እዩ ነይሩ። ኤልያስ ግና ኪፈርህ ኣይነበሮን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ኺሕግዞ ኸም ዚኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ቅድሚኡ፡ የሆዋ ንኤልያስ ሓይሉ ኣርእይዎ ነበረ። ሓደ እዋን፡ የሆዋ ኻብ ሰማይ ሓዊ ብምስዳድ፡ ንጸሎት ኤልያስ መለሰሉ። ኤልያስ ኣብቲ በዓቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን፡ የሆዋ ኺሕግዞ ይኽእል ነበረ።

የሆዋ ንኤልያስ ከመይ ገይሩ ሓጊዝዎ፧

ኤልያስ ኣብቲ በዓቲ ኸሎ፡ የሆዋ ተዛረቦ እሞ፡ ‘ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ፧’ ኢሉ ሓተቶ። ኤልያስ ከኣ፡ ‘ኣነ ጥራይ እየ ንዓኻ ዘምልኸካ ዘለኹ። በይነይ ተሪፈስ ጸምዩኒ፡ ከይቀትሉኒ ድማ ፈሪሀ’ ኢሉ መለሰሉ። ኤልያስ፡ ኵሎም እቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ሰባት እተቐትሉ መሲልዎ ነበረ። የሆዋ ግና ንኤልያስ፡ ‘ከምኡ ኣይኰነን። ንዓይ ዘምልኹ 7,000 ሰባት ኣለዉ። ኣጆኻ፡ ትባዕ። ገና ኻልእ ስራሕ ክህበካ እየ!’ በሎ። ኤልያስ እዚ ምስ ሰምዐ ተሓጒሱዶ፧—

ካብቲ ንኤልያስ ዘጋጠሞ እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧— ጽምዋን ፍርህን ኪስምዓካ የብሉን። ንየሆዋ ዜፍቅርዎ፡ ንዓኻ እውን ዜፍቅሩኻ ኣዕሩኽ ኣለዉኻ። የሆዋ ብዙሕ ሓይሊ ስለ ዘለዎ ኸኣ፡ ኵሉ ሳዕ ኪሕግዘካ እዩ! ጽምዋ ኺስምዓካ ኸም ዘይብሉ ምፍላጥካስ ኣሐጒሱካዶ፧—

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ