ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 6

ዳዊት ኣይፈርሀን

ዳዊት ኣይፈርሀን

ክትፈርህ ከለኻ እንታይ ኢኻ እትገብር፧— ሓገዝ ደሊኻ፡ ናብ ኣቦኻን ኣዴኻን ትኸይድ ትኸውን። ካልእ ኪሕግዘካ ዚኽእል ግና ኣሎ። ንሱ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ሓያል እዩ። መን ምዃኑ ትፈልጦዶ፧— እወ፡ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዳዊት ዚብሃል መንእሰይ እስከ ንርአ። ንሱ፡ የሆዋ ዅሉ ሳዕ ከም ዚሕግዞ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ኣይፈርሀን።

ወለዲ ዳዊት ንዳዊት ካብ ሕጻንነቱ ኣትሒዞም፡ ንየሆዋ ኼፍቅሮ ምሂሮምዎ ነበሩ። ከምኡ ምግባሮም ከኣ፡ ዳዊት ዜፍርህ ነገራት ኬጋጥሞ ኸሎ እውን ከይፈርህ ሓገዞ። የሆዋ ዓርኩ ኸም ዝዀነን ከም ዚሕግዞን ይፈልጥ ነበረ። ሓደ እዋን፡ ዳዊት ኣባጊዕ ኪሕሉ ኸሎ፡ ሓደ ዓብዪ ኣንበሳ መጺኡ ንሓንቲ በጊዕ ብኣፉ ሓዛ! ዳዊት እንታይ ከም ዝገበረ ትፈልጥዶ፧ ነቲ ኣንበሳ ኣሳጒጉ፡ ብኢዱ ጥራይ ቀተሎ! ሓደ ድቢ ንኣባጊዑ ምስ ኣጥቅዐን ድማ፡ ንዕኡ እውን ቀተሎ። ንዳዊት ዝሓገዞ መን ይመስለካ፧— እወ፡ የሆዋ እዩ።

ዳዊት ፍሉይ ትብዓት ዘርኣየሉ ኻልእ እዋን እውን ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እስራኤላውያን፡ ፍልስጥኤማውያን ምስ ዚብሃሉ ህዝቢ ይዋግኡ ነበሩ። ሓደ ኻብቶም ወተሃደራት ፍልስጥኤም ከኣ፡ ኣዝዩ ገዚፍ፡ ዓርሞሸሽ ነበረ! ንሱ ጐልያድ ይብሃል። እዚ ዓርሞሸሽ ሰብኣይ እዚ ንወተሃደራት እስራኤልን ንየሆዋን የላግጸሎም ነበረ። ጐልያድ ንወተሃደራት እስራኤል ናብኡ መጺኦም ኪዋግእዎ ሓተቶም። ኵሎም እስራኤላውያን ግና ምስኡ ምውጋእ ፈርሁ። ዳዊት ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ ግና፡ ንጐልያድ፡ ‘ኣነ ኽዋግኣካ እየ! የሆዋ ስለ ዚሕግዘኒ፡ ክስዕረካ እየ!’ በሎ። ዳዊት ተባዕ ደይኰነን፧— እወ፡ ኣዝዩ ተባዕ እዩ ነይሩ! ድሕርዚ እንታይ ከም ዝዀነ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧

ዳዊት ወንጭፉን ሓሙሽተ ልሙጽ እምንን ሒዙ ምስቲ ዓርሞሸሽ ኪዋጋእ ከደ። ጐልያድ ድማ፡ ዳዊት ንእሽቶ ምዃኑ ምስ ረኣየ፡ ኣላገጸሉ። ዳዊት ግና፡ ‘ንስኻ ሰይፊ ሒዝካ ትመጸኒ ኣለኻ፣ ኣነ ግና ብስም የሆዋ እመጸካ ኣለኹ!’ በሎ። ሽዑ፡ ሓንቲ እምኒ ኣብ ወንጭፉ ገይሩ፡ ናብ ጐልያድ ጐየየ እሞ፡ ትኽ ኣቢሉ ናብኡ ወርወራ። እታ እምኒ ድማ ንጐልያድ ኣብ ግምባሩ ወቕዓቶ! እቲ ዓርሞሸሽ ከኣ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ሞተ! እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ፡ ኣዝዮም ስለ ዝፈርሁ፡ ኵላቶም ሃደሙ። ዳዊት ንእሽቶ ኽነሱ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ነቲ ዓርሞሸሽ ኪስዕሮ ኽኢሉ፧— የሆዋ ስለ ዝሓገዞ እዩ፣ የሆዋ ኻብቲ ዓርሞሸሽ ይሕይል እዩ!

ዳዊት፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዞ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ኣይፈርሀን

ካብ ዛንታ ዳዊት እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧— የሆዋ ኻብ ኵሉ ዝሓየለ እዩ። ዓርክኻ እውን እዩ። ስለዚ፡ ድሕሪ ሕጂ እንተ ፈሪህካ፡ ተባዕ ንምዃን የሆዋ ኺሕግዘካ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ!

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ