ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 9

ኤርምያስ ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ምዝራብ ኣየቋረጸን

ኤርምያስ ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ምዝራብ ኣየቋረጸን

እቶም ሰባት ንኤርምያስ እተቘጥዕዎ ስለምንታይ እዮም፧

የሆዋ ንኤርምያስ ኣድሓኖ

ሓድሓደ እዋን፡ ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኽንነግሮም ከለና፡ የላግጹልና ወይ ይቝጥዑና እዮም። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ኣምላኽ ካብ ምዝራብ ከም እነቋርጽ ኪገብረና ይኽእል እዩ። ከምኡ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧— መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ ንየሆዋ ዜፍቅሮ ዝነበረ፡ ግናኸ ብዛዕባኡ ኻብ ምዝራብ ኬቋርጽ ኢሉ ዝነበረ ሰብ ይነግረና እዩ። ንሱ ኤርምያስ ይብሃል። ብዛዕባኡ እስከ ንምሃር።

ኤርምያስ መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቶም ህዝቢ፡ ሕማቕ ተግባሮም ኪሓድጉ፡ ኬጠንቅቖም የሆዋ ነገሮ። ከምኡ ምግባር ንኤርምያስ ከቢድዎን ኣፍሪህዎን ነበረ። ንሱ ኸኣ ንየሆዋ፡ ‘እንታይ ከም ዝብል ኣይፈልጥን እየ። ገና ቘልዓ እየ’ በሎ። የሆዋ ግና፡ ‘ኣይትፍራህ። ኣነ ኽሕግዘካ እየ’ በሎ።

ስለዚ፡ ኤርምያስ ነቶም ህዝቢ፡ እንተ ዘይተለዊጦም፡ ከም ዚቕጽዑ ኼጠንቅቖም ጀመረ። እቶም ህዝቢኸ ኸምቲ ኤርምያስ ዝበሎም ገይሮምዶ፧— ኣይገበሩን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣላገጹሉ፡ ኣዝዮም ከኣ ተቘጥዕዎ። አረ ገሊኣቶምሲ ኪቐትልዎ እውን ደለዩ! ኤርምያስ እንታይ ተሰሚዕዎ፧— ስለ ዝፈርሀ፡ ‘ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ የሆዋ ኣይዛረብን እየ’ በለ። እሞኸ፡ ተሓሊሉ ምዝራብ ሓዲግዎዶ፧— ኣይሓደጎን። ንየሆዋ ኣዝዩ የፍቅሮ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባኡ ኻብ ምዝራብ ኣየቋረጸን። ስለ ዘይተሓለለ ድማ፡ የሆዋ ይሕልዎ ነበረ።

ንኣብነት፡ ሓደ እዋን፡ ክፉኣት ሰባት ንኤርምያስ፡ ጭቃ ናብ ዝመልኦ ዓሚቝ ጕድጓድ ደርበይዎ። ኣብኡ ምግብን ማይን ኪረክብ ኣይክእልን ነበረ። እቶም ሰባት፡ ኤርምያስ ኣብኡ ኺመውት ደልዮም ነበሩ። ሳላ ሓገዝ የሆዋ ግና፡ ካብ ሞት ኣምለጠ!

ካብ ኤርምያስ እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧— ሓድሓደ እዋን ይፈርህ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ምዝራብ ግና ኣይቋረጸን። ንስኻ እውን ብዛዕባ የሆዋ ኽትዛረብ ከለኻ፡ ሰባት የላግጹልካን ኣዝዮም ይቝጥዑኻን ይዀኑ። ትሓፍርን ትፈርህን እውን ትኸውን። ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ምዝራብ ግና ኣይተቋርጽ። ከምቲ የሆዋ ንኤርምያስ ዝሓገዞ፡ ንዓኻ እውን ኪሕግዘካ እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ