ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 14

ንምልእቲ ምድሪ እትገዝእ መንግስቲ

ንምልእቲ ምድሪ እትገዝእ መንግስቲ

ብዛዕባ ኣየነይቲ መንግስቲ ንዛረብ ከም ዘለና ኽትግምት ትኽእልዶ፧— እወ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኢና እንዛረብ ዘለና፣ እዛ መንግስቲ እዚኣ ኸኣ፡ ንምድሪ ገነት ክትገብራ እያ። ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ብዝያዳ ኽትምሃር ትደሊዶ፧—

ኵለን መንግስትታት ነናተን ንጉስ ኣለወን። ንጉስ ድማ ነቶም ኣብ ሃገሩ ዚነብሩ ሰባት እዩ ዚገዝእ። ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧— የሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ኣብ ሰማይ እዩ ዚነብር። ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኺገዝእ እዩ! የሱስ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ምስ ነገሰ፡ ሕጉሳት እንኸውንዶ ይመስለካ፧—

ኣብ ገነት እንታይ ኪኸውን ኢኻ ብሃንቀውታ እትጽበ፧

እወ፡ ኣዚና ሕጉሳት ክንከውን ኢና! ኣብ ገነት፡ ሰባት ኣይኪብኣሱን እዮም፣ ኣይኪዋግኡን እውን እዮም። ኵላቶም ኪፋቐሩ እዮም። ዚሓምምን ዚመውትን እውን ኣይኪህሉን እዩ። ዕዉራት ኪርእዩ፡ ጸማማት ኪሰምዑ፡ ሓንካሳት ከኣ ኪጐይዩን ኪዘልሉን እዮም። ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ድማ ኪህሉ እዩ። እንስሳታት ንሓድሕዶም ኣይኪቀታተሉን እዮም፣ ምሳና ኸኣ ኪቀራረቡ እዮም። ሞይቶም ዝነበሩ ሰባት እውን ኪትንስኡ እዮም። ከም እኒ ርብቃን ረሃብን ዳዊትን ኤልያስን ዝኣመሰሉ ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ እተምሃርካዮም ሰብኡትን ኣንስትን ኪትንስኡ እዮም! ንሳቶም ኪትንስኡ ኸለዉ ኽትረኽቦም ትደሊዶ፧—

የሆዋ የፍቅረካን ክትሕጐስ ይደልየካን እዩ። ኵሉ ሳዕ ብዛዕባ የሆዋ እንተ ተማሂርካን እንተ ተኣዚዝካዮን፡ ኣብ ጽብቕቲ ገነት ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ! ከምኡ ዲኻ እትደሊ፧—