ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 1

“መንግስትኻ ትምጻእ”

“መንግስትኻ ትምጻእ”

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

ነቲ የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝመሃሮ ምምርማር

1, 2. የሆዋ፡ እቶም ሰለስተ ሃዋርያት የሱስ እናሰምዕዎ፡ እንታይ ኢሉ ተዛረበ፧ ንሳቶምከ እንታይ ገበሩ፧

 የሆዋ ኣምላኽ ባዕሉ ሓደ ነገር ክትገብር መምርሒ እንተ ዚህበካ፡ እንታይ ምላሽ ምሃብካ፧ ክትገብሮ ዚሓትተካ ነገር ብዘየገድስ፡ መምርሒኡ ንምስዓብ ኣይምተሃንጠኻንዶ፧ ብርግጽ ምተሃንጠኻ!

2 ጰንጠቈስጠ 32 ድ.ክ. ካብ ዚሓልፍ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሰለስተ ሃዋርያት የሱስ፡ ማለት ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን፡ ከምኡ ኣጋጢምዎም እዩ። (ማቴዎስ 17:1-5 ኣንብብ።) ምስ ጐይታኦም ናብ “ነዊሕ ከረን” ምስ ደየቡ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ግርማዊ ሰማያዊ ንጉስ ዚዀነሉ ግዜ ብራእይ ረኣዩ። እቲ ራእይ ናይ ሓቂ ይመስል ስለ ዝነበረ፡ ጴጥሮስ ኣብኡ ኺሳተፍ ፈቲኑ ነበረ። ጴጥሮስ ኪዛረብ ከሎ ግና፡ ደበና ኣጐልበቦም። ድሕሪኡ፡ ጴጥሮስን ብጾቱን ነቲ ሒደት ሰባት ጥራይ ኪሰምዕዎ እተዓደሉ ድምጺ የሆዋ ሰምዑ። የሆዋ ድማ፡ የሱስ ወዱ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ብንጹር፡ “ንዕኡ ስምዕዎ” በለ። እቶም ሃዋርያት ነቲ መምርሒ እቲ ስዒቦምዎ እዮም። ነቲ የሱስ ዝመሃሮ ትምህርቲ ሰሚዖም፡ ንኻልኦት ከኣ ከምኡ ኺገብሩ ኣተባቢዖም እዮም።—ግብ. 3:19-23፣ 4:18-20

የሱስ ካብ ካልእ ጕዳይ ብዝያዳ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ተዛሪቡ

3. የሆዋ ንወዱ ኽንሰምዖ ዝደልየና ስለምንታይ እዩ፧ ንሕናኸ ብዛዕባ እንታይ ጕዳይ ኢና ኽንምርምር ዘሎና፧

3 እተን፡ “ንዕኡ ስምዕዎ” ዚብላ ቓላት፡ ንጥቕምና እየን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊበን ዘለዋ። (ሮሜ 15:4) ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ፡ የሱስ ኣፈኛ የሆዋ እዩ፣ ኪምህር ኢሉ ኣፉ ብዝኸፈተ መጠን ድማ፡ ነቲ ኣቦኡ ኽንፈልጦ ዚደልየና ነገር እዩ ኣካፊሉ። (ዮሃ. 1:1, 14) የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ማለት ብዛዕባ እታ ብክርስቶስ የሱስን በቶም 144,000 መጋዝእቱን ዝቘመት መሲሓዊት መንግስቲ፡ ካብ ካልእ ብዝያዳ ስለ እተዛረበ፡ ነዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ተጠንቂቕና ኽንምርምሮ ኣሎና። (ራእ. 5:9, 10፣ 14:1-3፣ 20:6) ፈለማ ግና፡ የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ስለምንታይ ክሳዕ ክንድዚ ኸም እተዛረበ እስከ ንመርምር።

“ካብ ምልኣት ልቢ . . .”

4. የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ልቡ ኸም ዚግደስ ብኸመይ ኣርኣየ፧

4 የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ልቡ እዩ ዚግደስ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ ኽንብል እንኽእል፧ ቃላት ከም መስኰት ልቢ እዩ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣ ማለት፡ ቃላትና ብዛዕባ እቲ ንዓና ብሓቂ ዜገድሰና ነገር ይሕብር እዩ። የሱስ ባዕሉ እኳ፡ “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 12:34) ኣብ ኵሉ እቲ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝራብ ኣፉ ይኸፍት ነይሩ እዩ። ኣብተን ኣርባዕተ ወንጌላት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ልዕሊ 100 ሳዕ ተጠቒሳ ኣላ፣ ንመብዛሕትኡ ኻብኡ ድማ የሱስ እዩ ጠቒስዎ። የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ፍረ ነገር ስብከቱ እዩ ገይርዋ ነይሩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ፡ “ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ከተማታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከበስረን ይግብኣኒ እዩ” ዝበለ። (ሉቃ. 4:43) ድሕሪ ትንሳኤኡ እውን ከይተረፈ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንደቀ መዛሙርቱ ኻብ ምዝራብ ኣየቋረጸን። (ግብ. 1:3) እምበኣር፡ ልቢ የሱስ በቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎ ሞሳ ጀርቢቡ ብምንባሩ፡ ብዛዕባኣ ኺዛረብ ብርግጽ ተደሪኹ ኪኸውን ኣለዎ።

5-7. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ልቡ ኸም ዚግደስ ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ብምሳሌ ኣረድእ። (ለ) ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ልብና ኸም እንግደስ ከመይ ጌርና ነርኢ፧

5 የሆዋ እውን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ልቡ እዩ ዚግደስ። እዚ ኸም ዝዀነ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ከም ዝለኣኾ፡ ምንጪ ዅሉ እቲ ወዱ ዝበሎን ዝመሃሮን ከኣ ከም ዝዀነ ኣይትረስዕ። (ዮሃ. 7:16፣ 12:49, 50) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ምንጪ ዅሉ እቲ ኣብተን ኣርባዕተ ወንጌላት እተመዝገበ ዛንታ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ እዩ። እዚ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ እሞ ሓንሳእ ሕስብ ኣብሎ።

ነፍሲ ወከፍና፡ ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ልበይ እግደስ ድየ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና

6 ናይ ስድራ ቤት ስእልታት ኣብ ሓደ ኣልቡም ትጥርንፍ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ብዙሕ ስእልታት ስለ ዘሎካ፡ እኹል ምርጫ ኣሎካ፣ እቲ ኣልቡም ግና እተወሰነ ጥራይ እዩ ኺሕዝ ዚኽእል። እሞኸ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ እተወሰነ ስእልታት መሪጽካ ጥራይ ኢኻ ኣብቲ ኣልቡም እተእቱ። ወንጌላት እውን ብዛዕባ የሱስ ንጹር ስእሊ ኸም ዚህብ ናይ ስእልታት ኣልቡም ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። የሆዋ ንጸሓፍቲ ወንጌል ኵሉ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝበሎን ዝገበሮን ኪምዝግቡ ኣይኰነን ብመንፈሱ ደሪኽዎም። (ዮሃ. 20:30፣ 21:25) ኣብ ክንዳኡስ፡ ዕላማ ኣገልግሎት የሱስን ንየሆዋ ልዕሊ ዅሉ ዜገድሶ ነገርን ክንርዳእ ዚሕግዘና ቓላትን ተግባራትን ኪምዝግቡ እዩ መንፈስ የሆዋ መሪሕዎም። (2 ጢሞ. 3:16, 17፣ 2 ጴጥ. 1:21) ወንጌላት በቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ትምህርትታት የሱስ ዝመልአ ኻብ ኰነ፡ የሆዋ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ልቡ ኸም ዚግደስ ክንድምድም ንኽእል ኢና። ሕስብ እሞ ኣብሎ፡—የሆዋ ብዛዕባ መንግስቱ ኽንፈልጥ ይደልየና እዩ።

7 እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ልበይ እግደስ ድየ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። ንግደስ እንተ ዄንና፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝበሎን ዝመሃሮን፡ ማለት ብዛዕባ ኣገዳስነት እታ መንግስትን መዓስ ከም እትመጽእን፡ ንምስማዕ ህንጥዮት ኪሓድረና እዩ።

“መንግስትኻ ትምጻእ”—ብኸመይ፧

8. የሱስ ንኣገዳስነት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ገሊጽዎ ኣሎ፧

8 ነታ ኣብነት ክትከውን እተዋህበትና ጸሎት እሞ ሕሰበላ። የሱስ ኣብኣ፡ ኣገዳስነት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ማለት ንሳ እንታይ ከም እትዓምም፡ ብቐሊልን ብንጹርን ቃላት ገሊጹ ኣሎ። እታ ጸሎት እቲኣ፡ ሸውዓተ ልማኖ ሒዛ ኣላ። እተን ቀዳሞት ሰለስተ ምስ ዕላማታት የሆዋ፡ ማለት ምስ ምቕዳስ ስሙን ምስ ምምጻእ መንግስቱን ምስቲ ኸም ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ዚኸውን ፍቓዱን ዚተሓሓዛ እየን። (ማቴዎስ 6:9, 10 ኣንብብ።) እዚ ሰለስተ ልማኖ እዚ ንሓድሕዱ ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ እዩ። እታ መሲሓዊት መንግስቲ፡ የሆዋ ንስሙ ንምቕዳስን ፍቓዱ ንምፍጻምን ዚጥቀመላ እያ።

9, 10. (ሀ) መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ኢላ እያ እትመጽእ፧ (ለ) ኣየናይ ተስፋ መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም ኢኻ ብሃረርታ እትጽበ፧

9 መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ኢላ እያ እትመጽእ፧ “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢልና ኽንጽሊ ኸለና፡ እታ መንግስቲ ወሳኒ ስጕምቲ ኽትወስድ ኢና እንሓትት ዘለና። መንግስቲ ኣምላኽ ምስ መጸት፡ ምሉእ ስልጣና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽትጥቀም እያ። ነዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ስርዓት ዓለም፡ እንተላይ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ኣወጊዳ፡ ሓዳስ ዓለም ከተምጽእ እያ። (ዳን. 2:44፣ 2 ጴጥ. 3:13) ድሕሪኡ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብዘላ ምድሪ ገነት ክትከውን እያ። (ሉቃ. 23:43) እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ኸኣ፡ ኪትንስኡን ምስ ዚፈትውዎም ሰቦም ኪሓብሩን እዮም። (ዮሃ. 5:28, 29) እዙዛት ሰባት ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ድማ ኪረኽቡ እዮም። (ራእ. 21:3-5) ኣብ መወዳእታ፡ ምድሪ ምስ ሰማይ ምሉእ ብምሉእ ክትሳነ፡ ፍቓድ የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ከተንጸባርቕ እያ። እዚ ተስፋታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም ከሎ ኽትርእስ ሃረር ኣይትብልንዶ፧ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ብዝጸለኻ መጠን፡ እዚ ኽቡር ተስፋታት እዚ ኺፍጸም ትጽሊ ኸም ዘለኻ ኣይትረስዕ።

10 ግናኸ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ዘሎ ልማኖታት ንምፍጻም ገና ኸም ‘ዘይመጸት’ ንጹር እዩ። ሰብኣውያን መንግስትታት ክሳዕ ሕጂ ይገዝኣ ኣለዋ፣ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም እውን ገና ኣይመጸትን። ሓደ ብስራት ግና ኣሎ። መንግስቲ ኣምላኽ ቈይማ ኣላ፣ ነዚ ድማ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ክንርእዮ ኢና። ሕጂ እምበኣር፡ የሱስ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትቘመሉን እትመጸሉን ግዜ እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንመርምር።

መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ቘይማ፧

11. የሱስ ብዛዕባ ምቛም መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ሓቢሩ፧

11 ደቀ መዛሙርቱ እተፈልየ ትጽቢት እኳ እንተ ነበሮም፡ የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ከም ዘይትቐውም ሓቢሩ እዩ። (ግብ. 1:6) ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት ኣብ ዘዘንተዎ ኽልተ ምሳሌ እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ።

12. ምሳሌ ስርናይን ክርዳድን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ከም ዘይቈመት ከመይ ገይራ ትሕብር፧

12 ምሳሌ ስርናይን ክርዳድን። (ማቴዎስ 13:24-30 ኣንብብ።) ኣብ ከባቢ ጽድያ 31 ድ.ክ.፡ የሱስ ነዛ ምሳሌ እዚኣ ድሕሪ ምዝንታዉ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ገሊጹሎም እዩ። (ማቴ. 13:36-43) ጽማቝ እታ ምሳሌን ትርጕማን እዚ ዚስዕብ እዩ፦ ድሕሪ ሞት ሃዋርያት፡ ድያብሎስ ኣብ መንጎ እቲ ስርናይ (“ደቂ መንግስቲ” ወይ ቅቡኣት ክርስትያናት)፡ ክርዳድ (ኣምሰሉ ክርስትያናት) ዘርአ። ክልቲኡ እቲ ስርናይን እቲ ኽርዳድን ኣብቲ ኽሳዕ እቲ እዋን ቀውዒ፡ ማለት “መደምደምታ ስርዓት ዓለም፡” ዘሎ ዚዓብየሉ እዋን ብሓደ ኺዓቢ ተሓድገ። ግዜ ቀውዒ ምስ ጀመረ፡ እቲ ኽርዳድ ይእረ። ድሕሪኡ፡ እቲ ስርናይ ይእከብ። በዚ ኸምዚ፡ እታ ምሳሌ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዘይኰነስ፡ ድሕሪ እቲ እዋን ምዕባይ ከም እትቐውም ይሕብር እዩ። እቲ እዋን ምዕባይ ኣብቂዑ፡ እዋን ቀውዒ ዝጀመረሉ ግዜ ድማ ብ1914 እዩ።

13. የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ ብኡብኡ መሲሓዊ ንጉስ ኰይኑ ኸም ዘይሽየም ከመይ ገይሩ ብምሳሌ ኣረዲኡ፧

13 ምሳሌ ምና። (ሉቃስ 19:11-13 ኣንብብ።) የሱስ ነዛ ምሳሌ እዚኣ ዘዘንተዋ፡ ብ33 ድ.ክ. ንመወዳእታ ግዜ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ እዩ። ገለ ኻብቶም ሰማዕቱ፡ ናብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ፡ መንግስቱ ዜቕውም መሲልዎም ነበረ። የሱስ ነቲ ሓሳብ እቲ ንምእራምን ምቛም እታ መንግስቲ ገና ምዃኑ ንምሕባርን፡ ንርእሱ ምስ ሓደ “ንግስና ተቐቢሉ ኺምለስ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር” እተጓዕዘ “ወዲ ዓበይቲ” ኣመሳሰላ። a ንየሱስ ብዚምልከት፡ እቲ “ርሑቕ ሃገር” ተባሂሉ ዘሎ፡ እቲ ኻብ ኣቦኡ ስልጣን ንግስና ዚቕበለሉ ሰማይ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ መሲሓዊ ንጉስ ኰይኑ ዚሽየም፡ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ ብኡብኡ ዘይምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጡ ኽሳዕ እቲ ምዱብ ግዜ ኺጽበ ነበሮ። እዚ ትጽቢት እዚ ኸኣ፡ ንብዙሕ ዘመናት እዩ ቐጺሉ።—መዝ. 110:1, 2፣ ማቴ. 22:43, 44፣ እብ. 10:12, 13

መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ እትመጽእ፧

14. (ሀ) የሱስ ነታ ኣርባዕተ ኻብ ሃዋርያቱ ዝሓተትዎ ሕቶ ብኸመይ መሊስዋ፧ (ለ) ፍጻመ ትንቢት የሱስ ብዛዕባ እቲ ንሱ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋንን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን እንታይ ይነግረና፧

14 ሒደት መዓልትታት ቅድሚ ሞት የሱስ፡ ኣርባዕተ ኻብ ሃዋርያቱ፡ “ምልክት ኣብዚ እትህልወሉ እዋንን መደምደምታ ስርዓት ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ማቴ. 24:3፣ ማር. 13:4) የሱስ ድማ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24ን 25ን ተመዝጊቡ ዚርከብ ሰፊሕ ትንቢት ብምዝንታው መለሰሎም። ነቲ ንሱ ‘ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን’ ከም ምልክት ኰይኑ ዜገልግል እተፈላለየ ዓለምለኻዊ ፍጻመታት ከኣ ዘርዘረ። ኣብ መጀመርታ እቲ ንሱ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ትቐውም፣ ኣብ መወዳእታ እቲ ንሱ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ድማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ትመጽእ። ካብ 1914 ኣትሒዙ፡ እቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት ይፍጸም ከም ዘሎ እኹል መርትዖ ኣሎ። b ስለዚ፡ እቲ ንሱ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ዝጀመረሉን መንግስቲ ኣምላኽ ዝቘመትሉን ግዜ፡ በታ ዓመት እቲኣ እዩ ነይሩ።

15, 16. እተን “እዚ ወለዶ እዚ” ዚብላ ቓላት ንመን የመልክታ፧

15 መንግስቲ ኣምላኽ ግና መዓስ እያ እትመጽእ፧ የሱስ እዚ መዓስ ከም ዚኸውን ብልክዕ ኣይገለጸን። (ማቴ. 24:36) ኣዝያ ቐሪባ ኸም ዘላ ኼረጋግጸልና ዚኽእል ነገር ግና ተዛሪቡ እዩ። የሱስ፡ “እዚ ወለዶ እዚ” ፍጻመ ትንቢታዊ ምልክት ድሕሪ ምርኣዩ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እትመጽእ ሓቢሩ እዩ። (ማቴዎስ 24:32-34 ኣንብብ።) እተን “እዚ ወለዶ እዚ” ዚብላ ቓላት ንመን የመልክታ፧ ንቓላት የሱስ እስከ ብደቂቕ ንመርምሮ።

16 “እዚ ወለዶ እዚ።” የሱስ ብዛዕባ ዘይኣመንቲ ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ሰማዕቱ መን ከም ዝነበሩ እሞ ሕሰብ። የሱስ ነዚ ትንቢት እዚ፡ ነቶም ‘ብሕት ኢሎም ናብኡ ዝቐረቡ’ ሒደት ሃዋርያቱ እዩ ኣዘንትዩሎም። (ማቴ. 24:3) እቶም ሃዋርያት እቲኦም፡ ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኦም እዮም። ነቲ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት እውን እሞ ርአ። የሱስ ብዛዕባ እቲ “እዚ ወለዶ እዚ” እተባህለ ቕድሚ ምዝራቡ፡ “ካብ ኦም በለስ፡ እዚ ምሳሌ እዚ ተምሃሩ፦ ጨናፍራ ምስ ጠጥዐን ምስ ለምለመን፡ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ፡ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ረኣኹም፡ ንሱ ናብ ኣፍ ደገ ምቕራቡ ፍለጡ” ኢሉ እዩ። ነቲ ንሱ እተነበዮ ነገራት ዚርእዩ፡ ነቲ ትርጕሙ ድማ ዜስተውዕልዎ፡ ማለት የሱስ “ናብ ኣፍ ደገ ምቕራቡ” ዚፈልጡ፡ ዘይኣመንቲ ዘይኰኑስ፡ ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስ እዮም። ስለዚ፡ የሱስ፡ “እዚ ወለዶ እዚ” ኢሉ ኺዛረብ ከሎ፡ ብዛዕባ ቕቡኣት ሰዓብቱ እዩ ዚሓስብ ነይሩ።

17. ትርጕም እተን “ወለዶ”ን “እዚ ዅሉ”ን ዚብላ ቓላት እንታይ እዩ፧

17 “እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ . . . ኸቶ ኣይኪሓልፍን እዩ።” እዘን ቃላት እዚአን ብኸመይ እየን ዚፍጸማ፧ ነዚ ንምምላስ፡ ክልተ ነገራት ክንፈልጥ ኣሎና። ትርጕም እተን “ወለዶ”ን “እዚ ዅሉ”ን ዚብላ ቓላት ክንፈልጥ ኣሎና። እታ “ወለዶ” እትብል ቃል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እተፈላለየ ዕድመ ንዚርከቡ ኣብ ሓደ እዋን ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ተመልክት። ንውሓት እቲ ወለዶ፡ ብዘይ መጠን ነዊሕ ኣይኰነን፣ መወዳእታ ኸኣ ኣለዎ። (ዘጸ. 1:6) እተን፡ “እዚ ዅሉ” ዚብላ ቓላት ከኣ፡ ንዅሉ እቲ የሱስ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን፡ ማለት ካብቲ እቲ እዋን ዚጅምረሉ 1914 ክሳዕ እቲ እዋን ዚውድኣሉ “ብርቱዕ ጸበባ፡” ብትንቢት ተነጊሩሉ ዝነበረ ፍጻመታት የጠቓልላ።—ማቴ. 24:21

18, 19. ነተን “እዚ ወለዶ እዚ” ዚብላ ቓላት የሱስ ብኸመይ ኢና እንርድአን፧ ኣብ ምንታይ መደምደምታኸ ኽንበጽሕ ንኽእል፧

18 እተን “እዚ ወለዶ እዚ” ዚብላ ቓላት የሱስ ብኸመይ ክንርድአን ንኽእል፧ እቲ ወለዶ ኣብ ሓደ እዋን ንዚነብሩ ኽልተ ጕጅለ ቕቡኣት ዜመልክት እዩ። እቲ ቐዳማይ ጕጅለ፡ እቲ ምልክት ብ1914 ፍጻመኡ ኺጅምር ከሎ ዝረኣዩ ቕቡኣት ዘጠቓለለ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ጕጅለ፡ ምስቶም ኣብቲ ቐዳማይ ጕጅለ ዚርከቡ ኣብ ሓደ እዋን ዚነብሩ ዝነበሩ ቕቡኣት ዘጠቓለለ እዩ። እንተ ወሓደ ገለ ኻብቶም ኣብቲ ኻልኣይ ጕጅለ ዘለዉ፡ ብህይወት ጸኒሖም መጀመርታ እቲ ዚመጽእ ጸበባ ኺርእዩ እዮም። እቶም ክልተ ጕጅለ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ኰይኖም ኣብ ሓደ እዋን ዚነብሩ ዝነበሩ ስለ ዝዀኑ፡ ሓደ ወለዶ እዮም ዜቝሙ። c

19 ኣብ ምንታይ መደምደምታኸ ኽንበጽሕ ንኽእል፧ ምልክት እቲ የሱስ ብሓይሊ መንግስቱ ኣብዚ ዘለወሉ እዋን ኣብ ብዘላ ዓለም ብንጹር ይርአ ኣሎ። እቶም ክሳዕ ሕጂ ብህይወት ዘለዉን ክፍሊ “እዚ ወለዶ እዚ” ዝዀኑን ቅቡኣት ከኣ ብዕድመ ይደፍኡ ኸም ዘለዉ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ቕድሚ ምጅማሩ፡ ኵላቶም ሞይቶም ኣይኪውድኡን እዮም። ስለዚ፡ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር እዋን መንግስቲ ኣምላኽ ከም እትመጽእን ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግዝኣታ ኸም እተስፍንን ክንድምድም ንኽእል ኢና! ፍጻመ እታ የሱስ ዝመሃረና፡ “መንግስትኻ ትምጻእ” እትብል ጸሎት ምርኣይሲ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን ኪኸውን እዩ!

20. ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኣገዳሲ ዓውዲ እዩ መጽናዕቲ ኪቐርብ፧ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

20 ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ወዱ፡ “ንዕኡ ስምዕዎ” ኢሉ ኻብ ሰማይ እተዛረቦ ቓላት ከቶ ኣይንረስዓዮ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ነቲ መለኮታዊ መምርሒ እቲ ንምስዓብ ንህንጠ ኢና። ኵሉ እቲ የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝበሎን ዝመሃሮን ነገር ኣጸቢቑ የገድሰና እዩ። እቲ እታ መንግስቲ ድሮ ዝዓመመቶን ኣብ መጻኢ እትገብሮን ነገር፡ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ መጽናዕቲ ዚግበረሉ ኣገዳሲ ዓውዲ እዩ። እዛ እትቕጽል ምዕራፍ፡ ኣብ ከባቢ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እተወልደትሉ ግዜ እተፈጸመ ዜገርም ምዕባለታት ክትምርምር እያ።

a የሱስ ነዛ ምሳሌ ኺምስል ከሎ፡ ሰማዕቱ ብዛዕባ ኣርኬላዎስ ወዲ ሄሮድስ እቲ ዓብዪ ዘኪሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሄሮድስ ቅድሚ ሙማቱ፡ ንኣርኬላዎስ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ይሁዳን ካልእ ከባቢታትን ወራሲኡ ገይሩ ሰይምዎ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ኣርኬላዎስ ምግዛእ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣውጉስጦስ ቄሳር ምእንቲ ኼጽድቐሉ፡ ናብ ሮሜ ነዊሕ ጕዕዞ ኺገብር ነበሮ።

c እቶም ብ1914 “መጀመርታ ቕልውላው” ዝረኣዩ ቐዳማይ ጕጅለ ብምሉኦም ሞይቶም ምስ ተወድኡ እተቐብአ ዘበለ፡ ክፍሊ እቲ “እዚ ወለዶ እዚ” ተባሂሉ ዘሎ ኣይከውንን እዩ።—ማቴ. 24:8