ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 3

የሆዋ ዕላማኡ ይገልጽ

የሆዋ ዕላማኡ ይገልጽ

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

የሆዋ ብዛዕባ ዕላማኡ ነቶም ዚፈርህዎ ጥራይ በብደረጃኡ ይገልጸሎም

1, 2. የሆዋ ዕላማኡ ንደቂ ሰብ ከመይ ገይሩ እዩ ዚገልጸሎም፧

 ሓለይቲ ወለዲ ንደቆም፡ ኣብቲ ንስድራ ቤት ዚምልከት ጕዳይ የዘራርብዎም እዮም። ግናኸ፡ ብዛዕባ እቲ ዚነግርዎም ሓበሬታ ይጥንቀቑ እዮም። ብስለት ደቆም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከም ዓቕሞም እዮም ዝርዝር ነገራት ዚገልጹሎም።

2 ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ፡ ዕላማኡ በብደረጃኡ እዩ ዚገልጸሎም። ነዚ እውን እንተ ዀነ፡ ግዜኡ ምስ ኣኸለ ጥራይ እዩ ዚገልጸሎም። የሆዋ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ታሪኽ ወዲ ሰብ ከመይ ገይሩ ሓቅታት ከም ዝገለጸ ሕጽር ዝበለ ሓሳባት እስከ ንርአ።

መንግስቲ ኣምላኽ ስለምንታይ ኣድልያ፧

3, 4. የሆዋ ንታሪኽ ደቂ ሰብ ኣቐዲሙ ወሲንዎ ድዩ፧ ግለጽ።

3 ኣብ ፈለማ፡ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ኽፍሊ ዕላማ የሆዋ ኣይነበረትን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ንሰባት ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡ ስለ ዝፈጠሮም፡ ንሰብኣዊ ታሪኽ ኣቐዲሙ ኣይወሰኖን። ስለዚ ድማ፡ ንኣዳምን ንሄዋንን፡ ነቲ ብዛዕባ ደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኺገልጸሎም ከሎ፡ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” በሎም። (ዘፍ. 1:28) የሆዋ ነቲ ብዛዕባ ጽቡቕን ክፉእን ዘውጽኦ ስርዓታት ኬኽብሩ እውን ይደልዮም ነበረ። (ዘፍ. 2:16, 17) ኣዳምን ሄዋንን እሙናት ኪዀኑ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ንሳቶምን ዘርኦምን ከምኡ እንተ ዚገብሩ ነይሮም፡ ዕላማ ኣምላኽ ንምፍጻም፡ ብክርስቶስ እትግዛእ መንግስቲ ኣይመድለየትናን። ሕጂ፡ ብዘላ ዓለም ንየሆዋ ብዜምልኹ ፍጹማት ሰባት ምመልአት ነይራ።

4 ዕልወት ሰይጣንን ኣዳምን ሄዋንን፡ የሆዋ ነቲ ንምድሪ ብፍጹማት ሰባት ንምምላእ ዝነበሮ ዕላማ ኸም ዚሓድጎ ኣይገበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ ነቲ ነዚ ዚፍጽመሉ ሜላኡ ኸም ኵነታቱ ኣዐረዮ። ዕላማኡ ኸምቲ ናብ ቦታኣ ኽትበጽሕ ብሓደ መገዲ ጥራይ ክትጐዓዝ እትኽእል፡ ብተግባር ካልኦት ድማ መገዳ ኽትስሕት እትኽእል ባቡር ኣይኰነን። የሆዋ ሓንሳእ ዕላማኡ ምስ ገለጸ፡ ከይፍጽም ኪዓግቶ ዚኽእል ሓይሊ የልቦን። (ኢሳይያስ 55:11 ኣንብብ።) ሓደ ብድሆ ንሓደ መገዱ ኺዓግቶ እንተ ኢሉ፡ የሆዋ ኻልእ መገዲ ይጥቀም እዩ። a (ዘጸ. 3:14, 15) ኣድላዪ ዀይኑ ምስ ተራእዮ፡ ንእሙናት ኣገልገልቱ ብዛዕባ እቲ ዕላማኡ ንምፍጻም ዚጥቀመሉ ሓድሽ ሜላ ይሕብሮም እዩ።

5. የሆዋ ኸም ምላሽ እቲ ኣብ ኤድን እተገብረ ዕልወት እንታይ ገበረ፧

5 የሆዋ ኸም ምላሽ እቲ ኣብ ኤድን እተገብረ ዕልወት፡ መንግስቲ ኬቕውም ዓለመ። (ማቴ. 25:34) ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ እተፈጸመ ጸሊም ነጥቢ፡ የሆዋ ብዛዕባ እታ ንደቂ ሰብ ናብ ዝነበርዎ እትመልሶምን ነቲ ሰይጣን ስልጣን ኪምንዝዕ ዝገበሮ ኸንቱ ፈተነ ዘስዓቦ ጕድኣት እተዐርን መሳርሒት ገለጸ። (ዘፍ. 3:14-19) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብዛዕባ እታ መንግስቲ፡ ኵሉ ነገር ብሓንሳእ ኣይኰነን ገሊጹ።

የሆዋ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ሓቅታት ኪገልጽ ጀመረ

6. የሆዋ እንታይ እዩ ዘተስፈወ፧ ግናኸ፡ እንታይ እዩ ዘይገለጸ፧

6 ኣብታ ቐዳመይቲ ትንቢት፡ የሆዋ፡ ሓደ “ዘርኢ” ነቲ ተመን ከም ዚጭፍልቖ ኣተስፈወ። (ዘፍጥረት 3:15 ኣንብብ።) እንተዀነ ግና፡ መንነት እቲ ዘርእን መንነት ዘርኢ እቲ ተመንን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣይተገልጸን ነይሩ። የሆዋ ን2,000 ዓመት ዚኣክል ኣብዚ ጕዳይ እዚ ተወሳኺ ብርሃን ኣየብርሀን ነይሩ። b

7. ኣብርሃም እተሓርየ ስለምንታይ እዩ፧ ካብዚኸ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና እንምሃር፧

7 ድሕሪ ግዜ፡ የሆዋ ንኣብርሃም፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ ዝመጸሉ መስመር ወለዶ ኪኸውን ሓረዮ። ኣብርሃም እተሓርየ፡ ‘ቃል የሆዋ ስለ ዝሰምዐ’ እዩ። (ዘፍ. 22:18) ካብዚ ኸኣ ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና እንምሃር። የሆዋ ዕላማኡ ነቶም ንዕኡ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ዘለዎም ጥራይ እዩ ዚገልጸሎም።—መዝሙር 25:14 ኣንብብ።

8, 9. የሆዋ ብዛዕባ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ እንታይ ሓቅታት እዩ ንኣብርሃምን ንያእቆብን ዝገለጸሎም፧

8 የሆዋ ንፈታዊኡ ኣብርሃም ብመልኣኽ ኣቢሉ ኺዛረቦ ኸሎ፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ፡ ሰብ ኪኸውን ምዃኑ፡ ንፈለማ ግዜ ገለጸ። (ዘፍ. 22:15-17፣ ያእ. 2:23) እቲ ሰብ እቲ ግና፡ ከመይ ገይሩ እዩ ነቲ ተመን ዚጭፍልቖ፧ እቲ ተመንከ መን እዩ፧ ጸኒሑ እተገልጸ ነገራት፡ ኣብዚ ሕቶታት እዚ ተወሳኺ ብርሃን ኣብርሀ።

9 የሆዋ፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ በቲ ኣብ ኣምላኽ ዓባይ እምነት ከም ዘላቶ ዘርኣየ ንኣብርሃም ወዲ ወዱ ዝዀነ ያእቆብ ኣቢሉ ኺመጽእ ወሰነ። (ዘፍ. 28:13-22) የሆዋ ብያእቆብ ኣቢሉ፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ፡ ካብ ዘርኢ ይሁዳ ወዲ ያእቆብ ከም ዚመጽእ ገለጸ። እዚ ዘርኢ ይሁዳ እዚ ንስልጣን ንግስና ዜመልክት “በትሪ” ወይ “ዘንጊ” ኸም ዚቕበል፡ ንዕኡ ድማ ‘ህዝብታት ከም ዚእዘዝዎ፡’ ያእቆብ ተነበየ። (ዘፍ. 49:1, 10) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሆዋ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ፡ ገዛኢ ወይ ንጉስ ኪኸውን ምዃኑ ሓበረ።

10, 11. የሆዋ ዕላማኡ ንዳዊትን ንዳንኤልን ዝገለጸሎም ስለምንታይ እዩ፧

10 ካብ ግዜ ይሁዳ ኣስታት 650 ዓመት ምስ ሓለፈ፡ የሆዋ ብዛዕባ ዕላማኡ ነቲ ኻብ ዘርኢ ይሁዳ ዝዀነ ንጉስ ዳዊት ተወሳኺ ነገር ገለጸሉ። የሆዋ ንዳዊት፡ “ከም ልቡ ዝበለ ሰብኣይ” ከም ዝዀነ ገለጾ። (1 ሳሙ. 13:14፣ 17:12፣ ግብ. 13:22) ዳዊት ንኣምላኽ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ስለ ዝነበሮ፡ የሆዋ ምስኡ ኺዳን ኪኣቱ ወሰነ፣ ሓደ ኻብ ዘርኡ ንዘለኣለም ከም ዚገዝእ ከኣ ኣተስፈዎ።—2 ሳሙ. 7:8, 12-16

11 ድሕሪ 500 ዓመት ኣቢሉ፡ የሆዋ ብነብዪ ዳንኤል ገይሩ፡ እዚ ቕቡእ ወይ መሲሕ እዚ ናብ ምድሪ ዚመጸላ ዓመት ብልክዕ ገለጸ። (ዳን. 9:25) የሆዋ ንዳንኤል፡ “ኣዚኻ ፍትዊ ኢኻ” ኢልዎ እዩ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዝበሎ፧ ዳንኤል ንየሆዋ ብዙሕ የኽብሮን ወትሩ የገልግሎን ስለ ዝነበረ እዩ።—ዳን. 6:16፣ 9:22, 23

12. ዳንኤል እንታይ ኪገብር እዩ እተነግሮ፧ ስለምንታይከ፧

12 የሆዋ ብዛዕባ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ መሲሕ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ንምምዝጋብ፡ ከም ዳንኤል ዝበሉ እሙናት ነብያት እኳ እንተ ተጠቕመ፡ ኣገልገልቱ ንዅሉ እቲ ብመንፈሱ ዜጽሕፎም ነገር ምሉእ ብምሉእ ኪርድእዎ፡ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ኣይኣኸለን ነይሩ። ንኣብነት፡ ዳንኤል ብዛዕባ ምቛም መንግስቲ ኣምላኽ ራእይ ምስ ረኣየ፡ ክሳዕ እቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ነቲ ትንቢት ኪሓትሞ ተነግሮ። ኣብቲ ናይ መጻኢ ግዜ እቲ፡ ናይ ሓቂ ፍልጠት “እናወሰኸ ኪኸይድ” ምዃኑ እውን ተሓበሮ።—ዳን. 12:4

የሆዋ ብዛዕባ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ዝርዝር ነገራት ንምምዝጋብ ከም ዳንኤል ዝበሉ እሙናት ሰባት ተጠቕመ

የሱስ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ብርሃን ኣብርሀ

13. (ሀ) እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ መን እዩ፧ (ለ) የሱስ ኣብቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት ብርሃን ዘብርሀ ብኸመይ እዩ፧

13 የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርእን ንጉስ ኰይኑ ዚገዝእ ዘርኢ ዳዊትን ምዃኑ፡ የሆዋ ብንጹር ሓቢሩ እዩ። (ሉቃ. 1:30-33፣ 3:21, 22) የሱስ ኣገልግሎቱ ምስ ጀመረ፡ ንደቂ ሰብ ኣብቲ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎም ፍልጠት፡ ጸሓይ እያ በሪቓትሎም። (ማቴ. 4:13-17) ንኣብነት፡ የሱስ ንድያብሎስ “ቀታል ነፍሲ፡” “ኣቦ ሓሶት” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ብዛዕባ መንነት እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:14, 15 ተጠቒሱ ዘሎ “ተመን” ዝነበረ ጥርጣረ ኣወገደ። (ዮሃ. 8:44) ኣብቲ ንዮሃንስ እተዋህቦ ራእይ ከኣ፡ የሱስ ነቲ “ናይ ጥንቲ ተመን፡” እቲ “ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሃል” ኢሉ ጸውዖ። c (ራእይ 1:1፣ 12:9 ኣንብብ።) ኣብቲ ራእይ እቲ፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ ዝዀነ የሱስ፡ ንሱ ባዕሉ ኸመይ ገይሩ ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣብ ኤድን እተዋህበ ትንቢት ከም ዚፍጽሞን ንሰይጣን ጨፍሊቑ ኻብ ህልውና ኸም ዜጥፍኦን ገለጸ።—ራእ. 20:7-10

14-16. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ፡ ነቲ የሱስ ዝገለጸሎም ሓቅታት ምሉእ ትርጕሙ ዅሉ ሳዕ የስተውዕልዎዶ ነይሮም፧ ግለጽ።

14 ኣብ ምዕራፍ 1 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብሰፊሑ ተዛሪቡ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንደቀ መዛሙርቱ ዅሉ እቲ ኺፈልጥዎ ዚደልዩ ዝርዝር ሓበሬታ ዅሉ ሳዕ ይገልጸሎም ኣይነበረን። ዝርዝር ሓበሬታ ምስ ነገሮም እኳ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ንምሉእ ትርጕም እቲ ጐይታኦም ዝገለጸሎም ሓቅታት ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ አረ ሓድሓደ ግዜስ ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት እዮም ተረዲኦምዎ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

15 ብ33 ድ.ክ.፡ የሱስ፡ እቶም ንንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚሕግዝዎ መጋዝእቲ ኻብ ምድሪ ኺውሰዱን መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኖም ናብ ሰማይ ኪዓርጉን ምዃኖም ብንጹር ኣፍለጠ። ደቀ መዛሙርቱ ግና ብኡብኡ ነዚ እተገልጸሎም ፍልጠት እዚ ኣይተረድእዎን። (ዳን. 7:18፣ ዮሃ. 14:2-5) በታ ዓመት እቲኣ ኸኣ የሱስ፡ እታ መንግስቲ ኻብቲ ንሱ ናብ ሰማይ ዚዓርገሉ ግዜ ነዊሕ እዋን ከይሓለፈ ኸም ዘይትቐውም ብምሳሌታት ሓበሮም። (ማቴ. 25:14, 19፣ ሉቃ. 19:11, 12) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ነዚ ኣገዳሲ ነጥቢ እዚ ስለ ዘይተገንዘብዎ፡ ንየሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ “ኣብዚ ግዜ እዚዶ ናብ እስራኤል መንግስቲ ኽትመልስ ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ኣብቲ ግዜ እቲ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኺገልጸሎም ኣይደለየን። (ግብ. 1:6, 7) ብዘይካዚ፡ ካብቶም ምስኡ ዚገዝኡ “ሒደት መጓሰ” ዘይኰኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ከም ዚህልዉ መሃረ። (ዮሃ. 10:16፣ ሉቃ. 12:32) ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ካብቲ እታ መንግስቲ ብ1914 እተመስረተትሉ ግዜ ብርክት ዝበለ ዓመታት ቅድሚ ምሕላፉ፡ ንመንነት እዞም ክልተ ጕጅለታት ብግቡእ ኪርድእዎ ኣይከኣሉን ነይሮም።

16 የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንዓታቶም ብዙሕ ነገራት ኪነግሮም ይኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ኪጾርዎ ኸም ዘይክእሉ ግና ይፈልጥ ነበረ። (ዮሃ. 16:12) ብዛዕባ እታ መንግስቲ ዚሕብር ብዙሕ ፍልጠት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከም እተገልጸ ዜተሓታትት ኣይኰነን። እዚ ፍልጠት እዚ ኣብ ሰባት እናወሰኸ ዚኸደሉ እዋን ግና ገና ኣይኣኸለን ነይሩ።

ናይ ሓቂ ፍልጠት ኣብ “ዘመን መወዳእታ” እናወሰኸ ኸደ

17. ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ሓቅታት ንምርዳእ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ግናኸ፡ እንታይ እውን እዩ ዜድሊ፧

17 የሆዋ ንዳንኤል ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ብዙሓት ‘ኪምርምሩ’ ምዃኖም፡ “ምስትውዓል” ወይ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” (NW) ዕላማ ኣምላኽ ከኣ እናወሰኸ ኸም ዚኸይድ ኣተስፈዎ። (ዳን. 12:4) እቶም ነቲ ፍልጠት እቲ ዚደልይዎ፡ ንምርካቡ ኺጽዕሩ ኣለዎም። ኰይኑ ግና፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ሽሕ ሳዕ እኳ ኣጸቢቕና እንተ መርመርናዮ፡ የሆዋ ምስትውዓል እንተ ዘይሂቡና፡ ነቲ ሓቅታት እቲ ብግቡእ ክንርድኦ ኣይንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 13:11 ኣንብብ።

18. እቶም ንየሆዋ ዚፈርህዎ፡ እምነትን ትሕትናን ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

18 ከምቲ የሆዋ ቕድሚ 1914 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ብዛዕባ እታ መንግስቲ በብደረጃኡ ሓቅታት ዝገለጸ፡ ኣብ ዘመን መወዳእታ እውን ከምኡ ይገብር ኣሎ። ምዕራፍ 45ን እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዚሕብራኦ፡ ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመት፡ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ተረዲኦምዎ ዝነበሩ ነገር ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኬዐርይዎ ነይርዎም። ከምኡ ምዃኑ ግና ደገፍ የሆዋ ኣይነበሮምን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ይድግፎም ምዃኑ እዩ ዜርኢ። ስለምንታይ ከምኡ ንብል፧ ምኽንያቱ፡ እቶም ንየሆዋ ዚፈርህዎ፡ ንሱ ዚፈትዎ ኽልተ ባህርያት የርእዩ እዮም፣ እዚኣተን ከኣ እምነትን ትሕትናን እየን። (እብ. 11:6፣ ያእ. 4:6) ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ተስፋታት ከም ዚፍጸም እምነት ኣለዎም። እዚ ተስፋታት እዚ ብዛዕባ ዚፍጸመሉ መገዲ ብጌጋ ተረዲኦም ምንባሮም ኪእመኑ ኸለዉ ድማ ትሕትና የርእዩ እዮም። እዛ ትሕትና እዚኣ ኣብ ናይ 1 መጋቢት 1925 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ተንጸባሪቓ እያ፣ ኣብኣ ኸምዚ ዚብል ሓሳብ ወጺኡ ነይሩ፦ “ጐይታና ናይ ባዕሉ ተርጓሚ ምዃኑ፡ ማለት ቃሉ ንህዝቡ ብጽቡቕ መገዱን ብግቡእ ግዜኡን ከም ዚትርጕመሎም ንፈልጥ ኢና።”

“ጐይታና . . . ቃሉ ንህዝቡ ብጽቡቕ መገዱን ብግቡእ ግዜኡን ከም ዚትርጕመሎም ንፈልጥ ኢና”

19. ሕጂ የሆዋ እንታይ ክንርዳእ እዩ ፈቒዱልና ዘሎ፧ ስለምንታይከ፧

19 ብ1914 መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ቈመት፡ ህዝቢ ኣምላኽ፡ እቲ ነታ መንግስቲ ዚምልከት ትንቢታት ከመይ ኢሉ ኸም ዚፍጸም ብኸፊል ጥራይ እዮም ዚፈልጡ ነይሮም። (1 ቈረ. 13:9, 10, 12) ተስፋታት ኣምላኽ ኪፍጸም ከሎ ኽንርኢ ቕንኣት ስለ ዘሎና ኸኣ፡ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ናብ ጌጋ መደምደምታ በጺሕና ኢና። እቲ ኣብታ ኣብ ዝሓለፈት ሕጡብ ጽሑፍ እተጠቕሰት ግምቢ ዘብዐኛ ዘሎ ኻልእ ጥበብ ዝሓዘለ ሓሳብ፡ ሓቂ ምዃኑ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ነጺሩ እዩ። እታ ዓንቀጽ እቲኣ፡ “ትንቢት ክሳዕ ዚፍጸም ወይ ኪፍጸም ክሳዕ ዚጅምር፡ ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና ዚብል ሓሳብ ክንስዕቦ እንኽእል ዜተኣማምን ስርዓት እዩ” ኢላ እያ። ሕጂ፡ ኣብ ምጽንቃቕ ዘመን መወዳእታ ስለ ዘለና፡ ብዙሕ ትንቢታት መንግስቲ ኣምላኽ ተፈጺሙን ይፍጸምን ኣሎ። ህዝቢ ኣምላኽ ኪእረሙ ትሑታትን ፍቓደኛታትን ስለ ዝዀኑ፡ የሆዋ ብዛዕባ ዕላማኡ ብእተማልአ መገዲ ኽንርዳእ ፈቒዱልና ኣሎ። ናይ ሓቂ ፍልጠት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ!

ኣብ ግንዛበ ዚግበር ምትዕርራያት ንህዝቢ ኣምላኽ ይመምዮም

20, 21. ኣብ ግንዛበ ዚግበር ምትዕርራይ፡ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብኸመይ ጸልይዎም፧

20 የሆዋ ነቲ ብዛዕባ ሓቂ ዘሎና ግንዛበ ኼዐርዮ ኸሎ፡ ኵነታት ልብና ይፍተን እዩ። ብእምነትን ብትሕትናን ተደሪኽና ነቲ ለውጥታት ንቕበሎ ዲና፧ ኣብ መፋርቕ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተና ኣጋጢምዎም እዩ። ንኣብነት፡ በቲ ግዜ እቲ እትነብር ዝነበርካ ኣይሁዳዊ ክርስትያን ከም ዝዀንካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ንሕጊ ሙሴ ዓብዪ ኣኽብሮት ኣሎካ፣ ብውርሻኻ ኸኣ ትሕበን ኢና። ድሕርዚ ግና፡ እቲ ሕጊ ድሕሪ ደጊም ቀያዲ ዘይምዃኑ፡ የሆዋ ድማ ነቶም ብኣይሁድን ብኣህዛብን ዝቘሙ ብመንፈስ እስራኤላውያን ኪቕበል ኢሉ፡ ነቶም ብስጋ እስራኤላውያን ከም ዝነዓቖም፡ ብመሪሕነት መንፈስ እተጻሕፋ ደብዳበታት ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ ትቕበል። (ሮሜ 10:12፣ 11:17-24፣ ገላ. 6:15, 16፣ ቈሎ. 2:13, 14) እንታይ ምገበርካ፧

21 ትሑታት ክርስትያናት ነቲ ጳውሎስ ብመንፈስ ተመሪሑ ዝሃቦ መግለጺ ተቐበልዎ፣ የሆዋ ኸኣ ባረኾም። (ግብ. 13:48) ገሊኦም ግና በቲ ምትዕርራያት ኣይተሓጐሱን፣ ነቲ ግንዛበኦም ድማ ኪቕይሩ ኣይደለዩን። (ገላ. 5:7-12) እቶም ሰባት እቲኦም ኣረኣእያኦም እንተ ዘይቅይሩ ነይሮም፡ ንክርስቶስ መጋዝእቱ ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ምሰኣኑ።—2 ጴጥ. 2:1

22. ብዛዕባ እቲ ኣብ ግንዛበ ዕላማ ኣምላኽ እተገብረ ምትዕርራያት ከመይ ይስምዓካ፧

22 ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ የሆዋ ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ግንዛበ ኣተዓራርይዎ እዩ። ንኣብነት፡ ከምቲ ኣባጊዕ ካብ ኣጣል ዚፍለያ፡ እቶም ተገዛእቲ እታ መንግስቲ ዚዀኑ ሰባት ካብቶም ነቲ መልእኽቲ ዘይቅበልዎ ሰባት መዓስ ከም ዚፍለዩ ብንጹር ኣረዲኡና እዩ። ብዘይካዚ፡ ምሉእ ቍጽሪ እቶም 144,000 መዓስ ከም ዚመልእ፡ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌታት መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ማለት ምዃኑ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ቕቡእ ከኣ መዓስ ናብ ሰማያዊ ህይወት ከም ዚትንስእ ተማሂርና ኢና። d ነዚ ምትዕርራያት እዚ ብኸመይ ኢኻ እትቕበሎ፧ እምነትካ ድዩ ዜደልድለልካ፧ የሆዋ ንትሑታት ህዝቡ ይምህሮም ከም ዘሎ ዚሕብር መርትዖ ጌርካ ዲኻ እትወስዶ፧ እዚ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዘሎ ዚቕጽል ትምህርቲ፡ የሆዋ ነቶም ዚፈርህዎ በብደረጃኡ ዕላማኡ ኸም ዚገልጸሎም ዘሎካ እምነት ኬደልድለልካ እዩ።

a ስም ኣምላኽ ሓደ ረባሕታ እታ “ምዃን” እትብል ግሲ እብራይስጢ እዩ። ስም የሆዋ፡ ንሱ ፈጻሚ ተስፋታቱ ምዃኑ ይእምት። እታ ኣብ ገጽ 43 ዘላ፡ “ትርጕም ስም ኣምላኽ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

b እዚ ንውሓት ግዜ እዚ ሎሚ ኣዝዩ ሰፊሕ ዚመስለና እኳ እንተ ዀነ፡ ሽዑ ዕምሪ ሰብ ካብ ሕጂ ኣጸቢቑ ዚነውሕ ምንባሩ ኽንርስዕ የብልናን። ካብ ኣዳም ክሳዕ ኣብርሃም፡ ንሓድሕዱ ዚራኸብ ኣርባዕተ ዕምሪ ጥራይ እዩ ነይሩ። ኣዳም ንላሜክ ኣቦ ኖህ ኣርኪቡሉ ነይሩ እዩ። ላሜክ ከኣ ንሴም ወዲ ኖህ ኣርኪቡሉ ነይሩ እዩ። ሴም ድማ ንኣብርሃም ኣርኪቡሉ ነይሩ እዩ።—ዘፍ. 5:5, 31፣ 9:29፣ 11:10, 11፣ 25:7

c እታ “ሰይጣን” እትብል ቃል፡ ንሓደ ኣካል ከም መጸውዒ ዀይና 18 ሳዕ እያ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተጠቒሳ ዘላ። ይኹን እምበር፡ “ሰይጣን” እትብል ቃል፡ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ልዕሊ 30 ሳዕ ትርከብ። ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ነቲ መሲሕ ንምልላይ ኣብ ዚሕግዝ ሓበሬታ ደኣ እዩ ኣተኲሩ እምበር፡ ኣብ ሰይጣን ዘይግቡእ ኣትኵሮ ኣይገበረን። እቲ መሲሕ ምስ መጸ ድማ፡ ንሰይጣን ምሉእ ብምሉእ ኣቃልዖ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ተመዝጊቡ ኣሎ።

d ብዛዕባ እዚ ኣብ ግንዛበ እተገብረ ምትዕርራያት ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ርአ፦ 15 ጥቅምቲ 1995፡ ገጽ 23-28፣ 15 ጥሪ 2008፡ ገጽ 20-24፣ 15 ሓምለ 2008፡ ገጽ 17-21፣ 15 ሓምለ 2013፡ ገጽ 9-14