ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 4

የሆዋ ንስሙ ልዕል የብሎ

የሆዋ ንስሙ ልዕል የብሎ

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

ህዝቢ ኣምላኽ ንመለኮታዊ ስም ግቡእ ኣትኵሮ ይገብሩሉ

1, 2. ትርጕም ሓዳስ ዓለም ንስም ኣምላኽ ልዕል ዜብሎ ብኸመይ እዩ፧

 ሰሉስ ንግሆ፡ 2 ታሕሳስ 1947፡ ኣብቲ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቤት-ኤል ኣብ ሓደ ጕጅለ እተጠርነፉ ሒደት ቅቡኣት ኣሕዋት፡ ሓደ ዓብዪ ዕዮ ኺዓምሙ ተላዕሉ። እቲ ዕዮ መሳጢ እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ ንዚቕጽል 12 ዓመት እዩ ተዓይዩ። ድሕሪ ነዊሕ እዋን፡ ሰንበት 13 መጋቢት 1960፡ ነቲ ሓድሽ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ዛዘምዎ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ ብ18 ሰነ 1960፡ ሓውና ናታን ኖር፡ እቲ ናይ መወዳእታ ጥራዝ እቲ ምሉእ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ምውጻኡ፡ ኣብ ማንቸስተር፡ ዓዲ እንግሊዝ ንእተኣከቡ ሕጉሳት ኣኼበኛታት ኣበሰረ። እቲ ተዛራባይ፡ ‘ሎሚ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መዓልቲ ሓጐስ እያ!’ ብምባል ንስምዒት ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ጽቡቕ ገይሩ ገለጾ። ሓደ ኻብቲ ነቲ ሓድሽ ትርጕም ብፍላይ ዜሐጕስ ዝገበሮ መዳይ፡ ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ዚጥቀም ምዃኑ እዩ።

ብ1950፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጕም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ) ብእንግሊዝኛ ኣብቲ ቲኦክራስያዊ ወሰኽ ዘርእስቱ ኣኼባ ወጸ

2 ሓያሎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ንስም ኣምላኽ ኣይጥቀመሉን እዩ። እቶም ቅቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ ዝወሰድዎ መትከል ግና፡ ምስቲ ሰይጣን ንስም ኣምላኽ ካብ ተዘክሮ ሰባት ንምድምሳስ ዝገበሮ ጻዕሪ ዚጻረር እዩ። መእተዊ እቲ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝወጸ ትርጕም ሓዳስ ዓለም፡ “ቀንዲ መዳይ እዚ ትርጕም እዚ፡ መለኮታዊ ስም ናብ ግቡእ ቦታኡ ምምላሱ እዩ” ይብል። እወ፡ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ነቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስም ኣምላኽ፡ ልዕሊ 7,000 ሳዕ እዩ ተጠቒሙሉ። እዚ ትርጕም እዚ ንስም እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ልዕል ዜብሎ!

3. (ሀ) ኣሕዋትና ብዛዕባ ስም ኣምላኽ እንታይ እዮም ኣስተውዒሎም፧ (ለ) ንዘጸኣት 3:13, 14 ብኸመይ ኢና ኽንርድኣ ዘሎና፧ (“ ትርጕም ስም ኣምላኽ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

3 ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዓመታት፡ እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስም ኣምላኽ፡ “እቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹ” ማለት ከም ዝዀነ እዩ ዚርድኦም ነይሩ። (ዘጸ. 3:14) ስለዚ፡ ናይ 1 ጥሪ 1926 ግምቢ ዘብዐኛ፡ “እቲ የሆዋ ዚብል ስም ብርእሱ ዚህሉ ምዃኑ፡ . . . እቲ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ምዃኑ የመልክት” በለት። እቶም ተርጐምቲ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዕዮኦም ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን ግና፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ስሙ ብርእሱ ዚህሉ ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብቐንዱ ናይ ዕላማን ናይ ንጥፈትን ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ዜመልክት ኬስተውዕሉ ሓገዞም። ስም የሆዋ ቓል ብቓሉ፡ “የኽውን” ማለት ምዃኑ ፈለጡ። እወ፡ ኵሉ ግኡዝ ፍጥረትን ኵሉ ኣስተውዓሊ ፍጥረትን ናብ ህልውና ኸም ዚመጽእ ገይሩ እዩ። ድሕሪኡ እውን፡ ፍቓዱን ዕላማኡን ከም ዚፍጸም ይገብር እዩ። ስም ኣምላኽ ልዕል ኪብል ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ግና ስለምንታይ እዩ፧ ስሙ ልዕል ኣብ ምባልከ ብኸመይ እዩ እጃም ኪህልወና ዚኽእል፧

ቅድስና ስም ኣምላኽ

4, 5. (ሀ) “ስምካ ይቀደስ” ኢልና ኽንጽሊ ኸለና፡ እንታይ ኢና እንልምን ዘለና፧ (ለ) ኣምላኽ ንስሙ ዚቕድሶ መዓስን ብኸመይን እዩ፧

4 የሆዋ ስሙ ልዕል ኪብል ይደሊ እዩ። ኣብታ ኣብነት ክትኰነና ኢሉ የሱስ ዝሃበና ጸሎት፡ ኣብ ፈለማ ተጠቒሳ ዘላ “ስምካ ይቀደስ” እትብል ልማኖ ኸም እትሕብሮ ኸኣ፡ ምቕዳስ ስሙ ብቐዳምነት ዚስራዕ ዕላማኡ እዩ። (ማቴ. 6:9) ነዛ ልማኖ እዚኣ ኸነቕርብ ከለና፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና እንጽሊ ዘለና፧

5 ኣብ ምዕራፍ 1 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ እታ “ስምካ ይቀደስ” እትብል ልማኖ ሓንቲ ኻብተን ኣብታ ኣብነት ክትኰነና ኢሉ የሱስ ዝሃበና ጸሎት እተጠቕሳ ምስ ዕላማ ኣምላኽ እተተሓሓዛ ሰለስተ ልማኖ እያ። እተን ዝተረፋ ኽልተ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ . . . ይኹን” ዚብላ እየን። (ማቴ. 6:10) ስለዚ፡ ከምቲ ንየሆዋ መንግስቱ ኸም እትመጽእን ፍቓዱ ኸም ዚኸውንን ንምግባር ስጕምቲ ኺወስድ እንልምኖ፡ ስሙ ንምቕዳስ እውን ስጕምቲ ኺወስድ ንልምኖ ኢና። ብኻልእ ኣባሃህላ፡ ንየሆዋ፡ ንስሙ ኻብ ኵሉ እቲ ኻብ ዕልወት ኤድን ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊኡ እተዀመረ ጸርፊ ናጻ ንምግባር ባዕሉ ስጕምቲ ኺወስድ ኢና እንልምኖ ዘለና። የሆዋ ንኸምዚ ዝበለ ጸሎት እንታይ ምላሽ ኪህብ እዩ፧ ንሱ ባዕሉ፡ “ነቲ ኣብ ህዝብታት ዝረኸሰ . . . ዓብዪ ስመይ ክቕድሶ እየ” ኢሉ ኣሎ። (ህዝ. 36:23፣ 38:23) የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ንዅሉ እከይ ምስ ኣወገዶ፡ ንስሙ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ ፍጥረት ኪቕድሶ እዩ።

6. ኣብ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ብኸመይ እጃምና ኸነበርክት ንኽእል፧

6 ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ ኣብ ምቕዳስ ስሙ እጃም ኪህልዎም ፈቒዱሎም እዩ። ልክዕ እዩ፡ ንስም ኣምላኽ ዝያዳ ቕዱስ ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ካብ ቀደሙ ምሉእ ብምሉእ ቅዱስ እዩ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና እንቕድሶ፧ ብዛዕባ እዚ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ፡ “ኣነ እግዚኣብሔር [“የሆዋ፡” NW] ጐይታ ሠራዊት በይነይ ቅዱስ ከም ዝኾንኩ ዘክሩ” ዚብል ኣሎ። የሆዋ ኸኣ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ብዛዕባ ህዝቡን፡ “ንሳቶም ንስመይ ኪቕድሱ፡ . . . ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ኪፈርሁ እዮም” ኢሉ እዩ። (ኢሳ. 8:13ትርጕም 1990፣ 29:23) እምበኣር፡ ንስም ኣምላኽ ካብ ኵሉ ኻልእ ስማት እተፈልየን ዝለዓለን ጌርና ብምዝካር ወይ ብምሕሳብ፡ ነቲ እቲ ስም ዚውክሎ ነገር ብምኽባር፡ ከምኡ ድማ ንኻልኦት ሰባት፡ እቲ ስም ቅዱስ ከም ዝዀነ ገይሮም ኪርእይዎ ብምሕጋዝ፡ ክንቅድሶ ንኽእል ኢና። ምናዳ ኸኣ ንየሆዋ ኸም ገዛኢና ጌርና ምስ እንቕበሎ፡ ብዅሉ ልብና እውን ምስ እንእዘዞ፡ ንስም ኣምላኽ ዘሎና ፍርሃትን ኣኽብሮትን ከነርኢ ንኽእል።—ምሳ. 3:1፣ ራእ. 4:11

ስም ኣምላኽ ንምጻርን ልዕል ንምባልን እተዳለዉ

7, 8. (ሀ) ህዝቢ ኣምላኽ ስሙ ኽሳዕ ዚጾሩ ግዜ ዝወሰደ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

7 ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ካብ 1870ታት ኣትሒዞም ንስም ኣምላኽ ኣብ ጽሑፋቶም ተጠቒሞምሉ እዮም። ንኣብነት፡ ናይ ነሓሰ 1879 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛን በታ ዓመት እቲኣ እተሓትመት ሶንግ ኦቭ ዘ ብራይድ ዘርእስታ መጽሓፍ መዝሙርን፡ ንስም የሆዋ ጠቒሰናኦ ኣለዋ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንህዝቡ ብግህዶ በቲ ቕዱስ ስሙ ኺጽውዑ ቕድሚ ምፍቃዱ፡ ነቲ ዓብዪ መሰል ዜድሊ ብቕዓታት ኬማልኡ ዝደለየ እዩ ዚመስል። የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጸወርቲ ስሙ ኪዀኑ ዘዳለዎም ደኣ ብኸመይ እዩ፧

8 ናብ መወዳእታ 1800ታትን መጀመርታ 1900ታትን ምልስ ኢልና ኽንርኢ ኸለና፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ነቲ ምስ ስሙ እተተሓሓዘ ኣገዳሲ ሓቅታት ብዝነጸረ ኺርድኡ ኸም ዘኽኣሎም ክንግንዘብ ንኽእል ኢና። ሰለስተ ኻብዚ ሓቅታት እዚ እስከ ንመርምር።

9, 10. (ሀ) ቀዳሞት ዓንቀጻት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ የሱስ ዜተኵራ ዝነበራ ስለምንታይ እየን፧ (ለ) ካብ 1919 ንደሓር፡ እንታይ ለውጢ ተገይሩ፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ ( ግምቢ ዘብዐኛ ንስም ኣምላኽ ብኸመይ ልዕል ከም ዘበለቶ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

9 ቀዳማይ፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ብዛዕባ ኣገዳስነት ስም ኣምላኽ ግቡእ ርእይቶ ሓዙ። እቶም እሙናት ቀዳሞት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመሰናድዎ በጃ ክርስቶስ ከም ቀንዲ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ። ስለዚ ኸኣ እያ ግምቢ ዘብዐኛ ብዙሕ ሳዕ ኣብ የሱስ እተተኵር ዝነበረት። ንኣብነት፡ ኣብታ እተሓትመትላ ቐዳመይቲ ዓመት፡ እታ መጽሔት ንስም የሱስ ካብ ስም የሆዋ ብዓሰርተ ዕጽፊ ኣዛይዳ እያ ጠቒሳቶ። ናይ 15 መጋቢት 1976 ግምቢ ዘብዐኛ፡ እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጀመርታ ንየሱስ “ሚዛኑ ዝሰሓተ ኣገዳስነት” ከም ዝሃብዎ ገሊጻ ነይራ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ የሆዋ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ዚህቦ ኣገዳስነት ከም ዜስተውዕሉ ገበሮም። እዚ ነቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ጸለዎም፧ እታ ኣቐዲምና ዝጠቐስናያ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኸም ዝሓበረቶ፡ ብፍላይ ካብ 1919 ንደሓር፡ “ነቲ ሰማያዊ ኣቦ እቲ መሲሕ ዝዀነ የሆዋ ዝያዳ ኽብሪ ኼርእዩ ጀመሩ” በለት። ኣብቲ ን1919 ስዒቡ ዝነበረ ዓሰርተ ዓመት፡ ግምቢ ዘብዐኛ ንስም ኣምላኽ ልዕሊ 6,500 ሳዕ ጠቐሰቶ።

10 ኣሕዋትና ኣብ ስም የሆዋ ግቡእ ኣትኵሮ ብምግባር፡ ንስም ኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ኣርኣዩ። ከምቲ ጥንቲ ዝነበረ ሙሴ፡ ‘ስም የሆዋ ኺነግሩ’ ተበገሱ። (ዘዳ. 32:3፣ መዝ. 34:3) ከምቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተተስፍዩ ዝነበረ ኸኣ፡ የሆዋ ነቲ ንስሙ ዘለዎም ፍቕሪ ርእዩ፡ ሞገሱ ኣርኣዮም።—መዝ. 119:132፣ እብ. 6:10

11, 12. (ሀ) ጽሑፋትና ድሕሪ 1919 ነዊሕ ከይጸንሐ ኣትኵሮኡ ዝቐየረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ንኣቓልቦ ኣገልገልቱ ናብ ምንታይ ከም ዜተኵር እዩ ዚገብር ነይሩ፧ ስለምንታይከ፧

11 ካልኣይ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ብኣምላኽ እተመደበሎም ዕዮ ብግቡእ ተረድእዎ። ድሕሪ 1919 ነዊሕ ከይጸንሑ፡ እቶም ነቲ ዕዮ ዚመርሑ ዝነበሩ ቕቡኣት ኣሕዋት ንትንቢት ኢሳይያስ ኪምርምሩ ተደረኹ። ድሕሪኡ ድማ፡ ትሕዝቶ ጽሑፋትና ኣትኵሮኡ ቐየረ። እቲ ምትዕርራይ ‘ብግዜኡ እተዋህበ ምግቢ’ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧—ማቴ. 24:45

12 ቅድሚ 1919፡ ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ኢሳይያስ፡ “ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW]” ኢሉ እተዛረቦ ቓል ብዝርዝር ገሊጻቶ ኣይትፈልጥን እያ ነይራ። (ኢሳይያስ 43:10-12 ኣንብብ።) ድሕሪ 1919 ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ንዅሎም ቅቡኣት ኣብቲ የሆዋ ብዛዕባኡ ኺምስክሩ ዝመደበሎም ዕዮ ኺሳተፉ ንምትብባዕ፡ ጽሑፋትና ነቲ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኼተኵረሉ ጀመረ። ካብ 1925 ክሳዕ 1931 ጥራይ፡ ኢሳይያስ ምዕራፍ 43 ኣብ 57 ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ተመርሚራ ኣላ፣ ኣብ ኵለን እተን ሕታማት ከኣ፡ ቃላት ኢሳይያስ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ዚምልከት እዩ ተገሊጹ ነይሩ። ብንጹር እምበኣር፡ ኣብተን ዓመታት እቲአን፡ የሆዋ ንኣቓልቦ ኣገልገልቱ ናብቲ ኺዓይይዎ ዘለዎም ዕዮ ኸም ዜተኵር እዩ ዚገብር ነይሩ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ ‘ብቕዓቶም ምእንቲ ኺምርመር’ ኢሉ እዩ። (1 ጢሞ. 3:10) እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስም ኣምላኽ ቅድሚ ምጻሮም፡ ብሓቂ መሰኻኽሩ ኸም ዝዀኑ፡ ብዕዮኦም ንየሆዋ ኼረጋግጹሉ ነይርዎም።—ሉቃ. 24:47, 48

13. ቃል ኣምላኽ፡ እቲ መዕለቢ ኺግበረሉ ዚግባእ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳይ እንታይ ምዃኑ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ዚገልጽ፧

13 ሳልሳይ፡ ህዝቢ የሆዋ ንኣገዳስነት ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ተረድእዎ። ኣብ 1920ታት፡ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ፡ መዕለቢ ኺግበረሉ ዚግባእ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳይ ምዃኑ ኣስተውዓሉ። ቃል ኣምላኽ ነቲ ረዚን ሓቂ እቲ ኸመይ ገይሩ እዩ ዚገልጾ፧ ክልተ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣምላኽ ንእስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጽኣሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ ነይሩ፧ የሆዋ ባዕሉ፡ “ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ” እዩ ዝበለ። (ዘጸ. 9:16) እስራኤላውያን ካብኡ ምስ ዓለዉ፡ የሆዋ ምሕረት ዝገበረሎምከ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብዚ እውን የሆዋ፡ “እዚ ዝገበርክዎስ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ . . . ህዝብታት፡ ከይትሐስር ኢለ እየ” እዩ ዝበለ። (ህዝ. 20:8-10) ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብዝን ካብ ካልእ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስን እንታይ ተማሂሮም፧

14. (ሀ) ኣብ መወዳእታ 1920ታት፡ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ኣስተውዓሉ፧ (ለ) እቲ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጥረይዎ ዓሚቝ ግንዛበ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት እንታይ ጽልዋ ኣሕደረ፧ (“ ክትሰብኽ ዚድርኽ ሓያል ምኽንያት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

14 ኣብ መወዳእታ 1920ታት፡ ህዝቢ ኣምላኽ ንኣገዳስነት እቲ ኢሳይያስ ቅድሚ 2,700 ዓመት ዝበሎ ኣስተውዒሎም ነበሩ። ንሱ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ንርእስኻ ኽቡር ስም ክትገብርሲ፡ ንህዝብኻ ኸምኡ ጌርካ መራሕካዮም” በለ። (ኢሳ. 63:14) እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ቐንዲ ጕዳይ ብሕታዊ ድሕነት ዘይኰነስ፡ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ምዃኑ ተረድኡ። (ኢሳ. 37:20፣ ህዝ. 38:23) ብ1929፡ እታ ፕሮፌሲ እትብሃል መጽሓፍ፡ “ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት፡ ስም የሆዋ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ” ኢላ ነዚ ሓቂ እዚ ብሓጺሩ ገለጸቶ። እዚ እተዓረየ ግንዛበ እዚ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኪምስክሩን ንስሙ ኻብ ጠቐነ ኼጽርዩን ተወሳኺ ድራኸ ዀኖም።

15. (ሀ) ብ1930ታት፡ ኣሕዋትና እንታይ እዮም ኣጥርዮም፧ (ለ) ሽዑ እንታይ ዚግበረሉ ግዜ እዩ ኣኺሉ፧

15 ኣብ መጀመርታ 1930ታት፡ ኣሕዋትና ብዛዕባ ኣገዳስነት ስም ኣምላኽ ግቡእ ኣረኣእያ ሓዙ፣ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝመደበሎም ዕዮ ድማ ዝሓሸ ግንዛበ ረኸቡ፣ ብዛዕባ እቲ መዕለቢ ኺግበረሉ ዚግባእ ቀንዲ ጕዳይ ከኣ ዝዓመቘ ልቦና ኣጥረዩ። ድሕርዚ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ ብግህዶ ስሙ ናይ ምጻር ክብሪ ዚህበሉ ግዜ ኣኸለ። እዚ ብኸመይ ከም ዝዀነ ንምፍላጥ፡ ገለ ሕሉፍ ፍጻመታት እስከ ንመርምር።

የሆዋ “ንስሙ ህዝቢ” ኣውጽአ

16. (ሀ) የሆዋ ብምንታይ ጕሉሕ መገዲ እዩ ንስሙ ልዕል ዜብሎ፧ (ለ) ቀደም፡ ንስም ኣምላኽ ዚዀኑ ህዝቢ ዀይኖም ኣብ ፈለማ ዘገልገሉ መን እዮም፧

16 የሆዋ ንስሙ ልዕል ዜብለሉ ሓደ ጕሉሕ መገዲ፡ ስሙ ዚጾሩ ህዝቢ ኣብ ምድሪ ኸም ዚህልዉ ብምግባር እዩ። ካብ 1513 ቅ.ክ. ንደሓር፡ ህዝቢ እስራኤል ንየሆዋ ዚውክሉ ህዝቢ ነበሩ። (ኢሳ. 43:12) ይኹን እምበር፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝኣተውዎ ኺዳን ኣይሓለዉን፣ ብ33 ድ.ክ. ከኣ፡ እቲ ምስኡ ዝነበሮም ፍሉይ ርክብ ሰኣኑ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ የሆዋ ‘ኻብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ንኣህዛብ ቈላሕታ ገበረሎም።’ (ግብ. 15:14) እቶም ካብ እተፈላለዩ ኣህዛብ እተዋጽኡ ቕቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ ዚርከብዎም ሓድሽ እተሓርዩ ህዝቢ፡ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ተባሂሎም ተፈልጡ።—ገላ. 6:16

17. ሰይጣን እንታይ ዝፈሓሶ ተንኰል እዩ ሰሊጥዎ፧

17 ብ44 ድ.ክ. ኣቢሉ፡ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ፡ ‘ብመለኮታዊ መምርሒ፡ ክርስትያናት ተባሂሎም ተሰምዩ።’ (ግብ. 11:26) ኣብ ፈለማ፡ እቲ ስም እቲ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ጥራይ ዚጽውዑሉ ብምንባሩ፡ ፈልዩ ዜለልዮም እዩ ነይሩ። (1 ጴጥ. 4:16) ይኹን እምበር፡ ከምቲ የሱስ ኣብታ ምሳሌ ስርናይን ክርዳድን ዝሓበሮ፡ ሰይጣን ነቲ ክርስትያን ዚብል ፍሉይ ስም ንዅሎም ዓይነት ኣምሰሉ ክርስትያናት ኪጥቀመሉ ዝፈሓሶ ተንኰል ሰለጦ። ስለዚ፡ ንሓያሎ ዘመናት፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ኣምሰሉ ክርስትያናት ብንጹር ተፈልዮም ኣይረኣዩን ነበሩ። ኣብቲ ብ1914 ዝጀመረ “ግዜ ቐውዒ” ግና እዚ ነገር እዚ ኪቕየር ጀመረ። ስለምንታይ፧ መላእኽቲ ነቶም ኣምሰሉ ክርስትያናት ካብቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኪፈልይዎም ስለ ዝጀመሩ እዩ።—ማቴ. 13:30, 39-41

መደብ ኣኼባ፡ 1931

18. ኣሕዋትና ሓድሽ ስም ከም ዜድልዮም ኪግንዘቡ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

18 እቲ እሙን ባርያ ብ1919 ምስ ተሸመ፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ እንታይ ዕዮ ኸም ዝመደበሎም ኬስተውዕሉ ሓገዞም። ኣብ በቤት እናኸዱ ምስባኽ፡ ካብ ኵሎም ኣምሰሉ ክርስትያናት ከም ዚፈልዮም ቀልጢፎም ተገንዘቡ። ነዚ ሓቂ እዚ ምስ ተገንዘቡ፡ እቲ “ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብል መጸውዒ ፈልዩ ዜለልዮም ስም ዘይምዃኑ ንምርዳእ ነዊሕ ኣይወሰደሎምን። ቀንዲ ዕላማ ህይወቶም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ምምስካርን ስሙ ምኽባርን ልዕል ምባልን እዩ። እሞኸ እንታይ ስም እዩ ነቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ ዕዮ ዚበቅዕ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ብ1931 ምላሽ ረኸበት።

19, 20. (ሀ) ብ1931 ኣብ ዓብዪ ኣኼባ እንታይ ዜሐጕስ ሓባራዊ ውሳነ እዩ እተገብረ፧ (ለ) ኣሕዋትና ነቲ ሓድሽ ስም ብኸመይ ተቐበልዎ፧

19 ኣብ ሓምለ 1931፡ ኣስታት 15,000 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓብዪ ኣኼባ ንምግባር ኣብ ኮለምበስ፡ ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ. ተኣኻኸቡ። ነቲ መደብ እቲ ኣኼባ ምስ ረኣይዎ እሞ፡ ነተን ኣብቲ ናይ ቅድሚት ገበር እተሓትማ JW ዚብላ ኽልተ ገዘፍቲ ፊደላት ምስ ረኣይወን፡ ደንጸዎም። ‘እዘን ፊደላት እዚአን እንታይ ማለት እየን፧’ ኢሎም ሓሰቡ። ብዙሓት እተፈላለየ ግምት ሃቡ። ሰንበት 26 ሓምለ ኸኣ፡ ሓውና ጆሴፍ ራዘርፎርድ፡ “በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ስም ክንፍለጥን ክንጽዋዕን ኢና እንደሊ” ዚብል ሓያል ቃላት ዝሓዘ ሓባራዊ ውሳነ ኣቕረበ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ትርጕም እተን ደንጽየናኦም ዝነበራ ፊደላት ተረድኦም፣ እተን ፊደላት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (ብእንግሊዝኛ Jehovah’s Witnesses) ዚብል ኣብ ኢሳይያስ 43:10 እተመስረተ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስም እየን ዜመልክታ ነይረን።

20 እቶም ተኣከብቲ ነቲ ውሳነ ብብርቱዕ ጭድርታን ብነዊሕ ጣቕዒትን ተቐበልዎ። እቲ ኣብ ኮለምበስ እተዋህበ ውዕዉዕ ምላሽ እቲ፡ ብረድዮ ኣብ ካልእ ጫፍ ዓለም ተሰምዐ! ኣብ ኣውስትራልያ ዝነበሩ አርነስት ባርበርን ኔኦሚ ባርበርን፡ “ኣብ ኣመሪካ ምስ ኣጣቕዑ፡ ኣብ ሜልቦርን ዝነበሩ ኣሕዋት ብድድ ኢሎም ኣጣቕዑ። ነዚ ፈጺምና ኣይንርስዖን ኢና!” በሉ። a

ስም ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ልዕል ይብል ኣሎ

21. እቲ ሓድሽ ስም ንዕዮ ስብከት ዘነቓቕሐ ብኸመይ እዩ፧

21 ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ስም ምሓዞም፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ንምስታፍ ተወሳኺ ብርታዐ ዀኖም። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበሩ፡ ኣብቲ ብ1931 ኣብ ኮለምበስ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ድማ እተኣከቡ ኤድዋርድ ግራይምስን ጀሲ ግራይምስን ዚብሃሉ ፈለምቲ ዝዀኑ ሰብ ሓዳር፡ “ካብ ቤትና ኽንወጽእ ከለና ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ኔርና፣ ክንምለስ ከለና ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና ዄንና። ስም ኣምላኽና ኸነዕቢ ዚሕግዘና ስም ምርካብና ኣሐጒሱና እዩ” በሉ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ እቲ፡ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብሓድሽ ሜላ ተጠቒሞም ከምኡ ኺገብሩ ጀመሩ። “ሓደ ኻብቶም መንግስቲ የሆዋ ኣምላኽና ዝሰብኩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እየ” ዚብል መልእኽቲ ዘለዎ ካርድ ንሰብ ቤት ብምሃብ ገዛእ ርእሶም የፋልጡ ነበሩ። እወ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ምጻር ኣሐቢንዎም እዩ፣ ኣገዳስነቱ ኣብ ኵሉ ንምእዋጅ ከኣ ድሉዋት እዮም ነይሮም።—ኢሳ. 12:4

“ካብ ቤትና ኽንወጽእ ከለና ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ኔርና፣ ክንምለስ ከለና ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና ዄንና”

22. ህዝቢ የሆዋ ፈሊኻ ዚልለ መንነት ከም ዘለዎም ዜርኢ እንታይ እዩ፧

22 የሆዋ ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋትና፡ ነቲ ፈልዩ ዜለልዮም ስም ኪቕበሉ ኻብ ዚድርኾም ሓያሎ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ኣብ መንጎኡ ኣብ ዘሎ ዓመታት፡ ሰይጣን ንመንነት ህዝቢ ኣምላኽ ብንጹር ከም ዘይልለ ገይሩዶ፧ ካብ ሃይማኖታት ዓለም ምፍላይና ኸም ዜጸግም ኣብ ምግባር ተዓዊቱዶ፧ ኣይፋሉን! ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ከም መሰኻኽር ኣምላኽ መጠን ፈሊኻ ዚልለ መንነትና፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ነጺሩ ኣሎ። (ሚክያስ 4:5፣ ሚልክያስ 3:18 ኣንብብ።) ምስ ስም ኣምላኽ ጥብቂ ምትእስሳር ስለ ዘሎና፡ ነቲ ስም እቲ ብብዝሒ ዚጥቀመሉ ሰብ፡ ብኡብኡ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑ እዩ ዚልለ። ናይ ሓቂ ኣምልኾ የሆዋ፡ ከም ኣኽራን ብዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ኣብ ክንዲ ዚኽወል፡ ‘ኣብ ርእሲ ኣኽራን ቈይሙ ኣሎ።’ (ኢሳ. 2:2) ሎሚ፡ ኣምልኾ የሆዋን እቲ ቕዱስ ስሙን፡ ብርግጽ ልዕል ኢሉ ኣሎ።

23. ብመሰረት መዝሙር 121:5፡ እንታይ ንየሆዋ ዚምልከት ኣገዳሲ ሓቂ እዩ ኣዝዩ ዜበራትዓና፧

23 የሆዋ ኻብቲ ሰይጣን ሕጅን ኣብ መጻእን ዜምጽኦ መጥቃዕትታት ከም ዜዕቍበና ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜበራትዓና! (መዝ. 121:5) እምበኣር፡ ነቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር እተሰምዖ ኸምዚ ዚብል ስምዒት ነቃልሕ ኢና፦ “እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ዝኣምላኹ ህዝቢ፡ እቲ ንርስቱ ዝሐረዮ ህዝቢ ብጹእ እዩ።”—መዝ. 33:12

a ብዛዕባ እቲ ረድዮ እተጠቐምናሉ እዋን ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 7 ኣብ ገጽ 72-74 ርአ።