ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 5

እቲ ንጉስ ኣብታ መንግስቲ ብርሃን የብርህ

እቲ ንጉስ ኣብታ መንግስቲ ብርሃን የብርህ

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ገዛእታን ተገዛእታን ኣድላዪነት ተኣማንነትን ኣገዳሲ ሓቅታት ተረድኡ

1, 2. የሱስ ጥበበኛ መራሒ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

 ሓደ ምኩር መራሕ ዙረት ንሓንቲ እተደንቕን ጽብቕትን ከተማ የዛውረካ ኸም ዘሎ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ነታ ኸተማ እቲኣ ንስኻ ዀንካ እቶም ምሳኻ ዘለዉ ቕድሚ ሕጂ ኣይትፈልጥዋን ኢኹም። ስለዚ፡ ንዅሉ ቓላት እቲ መራሒ ጽን ኢልኩም ኢኹም እትሰምዕዎ። ሓሓሊፍኩም ግና ንስኻን እቶም ምሳኻ ዘለዉ በጻሕትን ብዛዕባ እቲ ዘይረኣኹምዎ ገሊኡ ኽፋል እታ ኸተማ ኽትፈልጡ ትህንጠዩ። እንተዀነ ግና፡ ብዛዕባ እዚ፡ ነቲ ዚመርሓኩም ምስ ሓተትኩምዎ፡ ክሳዕ እዋኑ፡ ማለት መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ቦታ ኽትርእይዎ ኽሳዕ እትኽእሉ፡ ኣይነግረኩምን። እቲ ኽትፈልጥዎ ዜድልየኩም ነገር፡ ኣብቲ ኽትፈልጥዎ ዜድልየኩም ግዜ ስለ ዚነግረኩም፡ ብጥበቡ እናተደነቕኩም ትኸዱ።

2 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምስ ናይቶም በጻሕቲ ኣብ ዚመሳስል ኵነታት እዮም ዘለዉ። ብዛዕባ እታ ኻብ ኵለን ከተማታት እተደንቕ “ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ፡” ማለት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኢና ብሃንቀውታ እንመሃር ዘለና። (እብ. 11:10) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንሱ ባዕሉ ንሰዓብቱ፡ ዝዓመቘ ፍልጠት እታ መንግስቲ እቲኣ ኺረኽቡ መሪሕዎም እዩ። ግናኸ፡ ኵሉ ሕቶታቶም ይምልሰሎምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚፈልጦ ዘበለ ዅሉ ይነግሮምንዶ ነይሩ እዩ፧ ኣይፋልን። የግዳስ፡ “ገና ብዙሕ ዝነግረኩም ኣሎኒ፣ ግናኸ፡ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም” እዩ ዝበሎም። (ዮሃ. 16:12) የሱስ ካብ ኵሎም መራሕቲ ዝበለጸ ጥበብ ስለ ዘለዎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ልዕሊ ዓቕሞም ዝዀነ ፍልጠት ብምሃብ ጾር ኣየኽበደሎምን።

3, 4. (ሀ) የሱስ ንእሙናት ህዝቡ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ብቐጻሊ ይምህሮም፧ (ለ) ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

3 የሱስ ነተን ኣብ ዮሃንስ 16:12 ተመዝጊበን ዘለዋ ቓላት፡ ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት እዩ ተዛሪብወን። ድሕሪ ሞቱ፡ ንእሙናት ህዝቡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ እዩ ዚምህሮም፧ ነቶም ሃዋርያቱ፡ “እቲ መንፈስ ሓቂ . . . ናብ ኵሉ ሓቂ ኺመርሓኩም . . . እዩ” ኢሉ ኣረጋገጸሎም። a (ዮሃ. 16:13) መንፈስ ቅዱስ ብዓቕሊ ኸም ዚመርሕ መራሒ ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። እቲ መንፈስ እቲ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪፈልጥዎ ዜድልዮም ዘበለ፡ ኣብቲ ኺፈልጥዎ ዜድልዮም ግዜ ዚምህረሉ እዩ።

4 ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ናብ ዝዓበየ ፍልጠት ብኸመይ ኪመርሖም ከም ዝጸንሐ እስከ ንርአ። ፈለማ፡ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ዝጀመረትሉ ግዜ ኸመይ ጌርና ኸም እተረዳእና ኽንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ መንነትን ተስፋታትን እቶም ገዛእትን ተገዛእትን እታ መንግስቲ ኽንምርምር ኢና። ኣብ መወዳእታ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ነታ መንግስቲ እሙን ምዃን ብዛዕባ ዚሓትቶ ነገራት ከመይ ገይሮም ዝነጸረ ግንዛበ ኸም ዝረኸቡ ኽንርኢ ኢና።

ነታ ኣገዳሲት ዓመት ምርዳኣ

5, 6. (ሀ) ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምቛም እታ መንግስትን ብዛዕባ እቲ ቐውዕን እንታይ ግጉይ ርእይቶ ነበሮም፧ (ለ) ከምዚ ዝኣመሰለ ግጉይ ርእይቶ፡ የሱስ ንሰዓብቱ ይመርሖም እንተ ነይሩ ኣብ ጥርጣረ ኼእቱ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

5 ኣብ ምዕራፍ 2 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ 1914 ኣብ ምፍጻም ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲት ዓመት ክትከውን ምዃና ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሞም ይሕብሩ ነበሩ። በቲ ግዜ እቲ ግና፡ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ብ1874 ከም ዝጀመረ፡ ብ1878 ኣብ ሰማይ ኪገዝእ ከም ዝጀመረ፡ እታ መንግስቲ ኸኣ ክሳዕ ጥቅምቲ 1914 ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይትቐውም እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። እቲ ቐውዒ ድማ ካብ 1874 ክሳዕ 1914 ከም ዚኸውን፡ እቶም ቅቡኣት ናብ ሰማይ ምስ ተኣከቡ ኸኣ ከም ዚፍጸም ይኣምኑ ነበሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ግጉይ ሓሳባት፡ የሱስ ነቶም እሙናት ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ይመርሖም እንተ ነይሩ ኣብ ጥርጣረ ዜእቱ ድዩ፧

6 ኣይፋሉን! ብዛዕባ እታ ኣብ መእተዊ እተጠቐምናላ ምሳሌ እሞ ሕሰብ። እቶም በጻሕቲ ቕድሚ እዋኑ ዚሓስብዎ ሓሳባትን ብህንጥዮት ዚሓትትዎ ሕቶታትንዶ ንተኣማንነት እቲ መራሕ ዙረት ኣብ ጥርጣረ የእትዎ እዩ፧ ኣይፋሉን! ብተመሳሳሊ ሓድሓደ ግዜ፡ መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ዕላማ የሆዋ ንህዝቢ ኣምላኽ ናብ ዝርዝር ነጥብታት ቅድሚ ምምራሑ፡ ንሳቶም ነዚ ዝርዝራት እዚ ኺርድእዎ ዚፍትኑ እኳ እንተ ዀኑ፡ የሱስ ይመርሖም ከም ዘሎ ግና ንጹር እዩ። ስለዚ፡ እሙናት ዘበሉ ኺእረሙ ፍቓደኛታት ይዀኑ እዮም፣ ብትሕትና እውን ርእይቶኦም የዐርዩ እዮም።—ያእ. 4:6

7. ህዝቢ ኣምላኽ ብምንታይ መንፈሳዊ ብርሃን እዮም እተባረኹ፧

7 ድሕሪ 1919 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ህዝቢ ኣምላኽ እናወሰኸ ብዝኸደ መንፈሳዊ ብርሃን ተባሪኾም እዮም። (መዝሙር 97:11 ኣንብብ።) ብ1925፡ “ልደት እቲ ህዝቢ” ዘርእስታ ታሪኻዊት ዓንቀጽ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ወጸት። እታ መሲሓዊት መንግስቲ ብ1914 ከም እተወልደት፡ እዚ ድማ ፍጻመ እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 12 ተመዝጊቡ ዘሎ እታ ሰማያዊት ሰበይቲ ኣምላኽ ከም እትወልድ ዚገልጽ ብስእላዊ ኣዘራርባ እተዘርበ ትንቢት ምዃኑ ዚሕብር ዜእምን ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ኣቕረበት። b እታ ዓንቀጽ ኣስዕብ ኣቢላ፡ እቲ ኣብተን ዓመታት እቲአን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ ዝወረደ መስጐጕትን መከራን፡ ሰይጣን ካብ ሰማይ ከም እተደርበየ እሞ፡ “ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ” ወሪዱ ኸም ዘሎ ዚሕብር ምልክት ምዃኑ ገለጸት።—ራእ. 12:12

8, 9. (ሀ) ኣገዳስነት መንግስቲ ኣምላኽ ዝጐልሐ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

8 መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳስነት እዩ ዘለዋ፧ ብ1928፡ ግምቢ ዘብዐኛ፡ እታ መንግስቲ ኻብቲ ብበጃ ክርስቶስ እንረኽቦ ብሕታዊ ድሕነትና ንላዕሊ ኣገዳስነት ከም ዘለዋ ኸተጕልሕ ጀመረት። እወ፡ የሆዋ በታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣቢሉ እዩ ስሙ ዚቕድስ፡ ልዑላውነቱ ዜረጋግጽ፡ ብዛዕባ ደቂ ሰብ ዘለዎ ዅሉ ዕላማ እውን ዚፍጽም።

9 እሞ ደኣ ኣብታ መንግስቲ እቲኣ ምስ ክርስቶስ ዚገዝኡ መን እዮም፧ ምድራውያን ተገዛእቲ እታ መንግስቲ ዚዀኑ መን እዮም፧ ሰዓብቲ ክርስቶስከ ብምንታይ ዕዮ እዮም ትሑዛት ኪዀኑ ዘለዎም፧

እቲ ዕዮ ቐውዒ ኣብቶም ቅቡኣት የተኵር

10. ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም 144,000፡ ካብ ቀደም ኣትሒዞም እንታይ ተረዲኦም ነበሩ፧

10 ካብ 1914 ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሙ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ እቶም 144,000 እሙናት ሰዓብቲ ክርስቶስ ምስኡ ኣብ ሰማይ ከም ዚገዝኡ፡ ድሮ ተረዲኦም ነበሩ። c እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ቝጽሪ ቓል ብቓሉ ምዃኑ፡ እቶም ኣብኡ ዚጽብጸቡ ድማ ካብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣትሒዞም ኪቝጸሩ ኸም ዝጀመሩ ተገንዚቦም ነበሩ።

11. እቶም መርዓት ክርስቶስ ዚዀኑ፡ ብዛዕባ እቲ ምድራዊ ዕዮኦም ዘለዎም ፍልጠት በብደረጃኡ ዝነጸረ ብኸመይ እዩ፧

11 ግናኸ፡ እቶም መርዓት ክርስቶስ ዚዀኑ፡ ገና ኣብ ምድሪ ኣብ ዚጸንሑሉ እዋን እንታይ ዕዮ እዩ እተዋህቦም፧ የሱስ ንዕዮ ስብከት ከም ዘጕለሖን ምስ እዋን ቀውዒ ኸም ዘተሓሓዞን ተገንዘቡ። (ማቴ. 9:37፣ ዮሃ. 4:35) ኣብ ምዕራፍ 2 ኸም ዝረኣናዮ፡ ንእተወሰነ ግዜ፡ እቲ እዋን ቀውዒ ድሕሪ 40 ዓመት፡ ማለት እቶም ቅቡኣት ናብ ሰማይ ምስ ተኣከቡ ኸም ዜብቅዕ ይኣምኑ ነበሩ። እቲ ዕዮ ድሕሪ እቲ 40 ዓመት ስለ ዝቐጸለ ግና፡ ብዝያዳ ዜነጽር ትምህርቲ ኣድለየ። ሕጂ፡ እቲ ግዜ ቐውዒ፡—ስርናይ ካብ ክርዳድ ዚፍለየሉ፡ ማለት እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ ኣምሰሉ ክርስትያናት ዚፍለዩሉ ግዜ፡—ብ1914 ከም ዝጀመረ ንፈልጥ ኢና። እምበኣር፡ ነቶም ነቲ ቝጽሪ ንምምላእ ዝተረፉ ኽፋል እቶም ሰማያዊ ጕጅለ ኣብ ምእካብ ዚትኰረሉ ግዜ ኣኸለ።

ግዜ ቐውዒ ኣብ ዓመተ 1914 ጀመረ

(ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

12, 13. የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ እተን ዓሰርተ ደናግልን ምሳሌ እቲ ታለንትን ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧

12 ካብ 1919 ንደሓር፡ ክርስቶስ ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡ ንዕዮ ስብከት ኬጕልሕ መሪሕዎ እዩ። እቲ ዕዮ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እዩ ተዋሂቡ። (ማቴ. 28:19, 20) ብዘይካዚ፡ ክርስቶስ፡ ቅቡኣት ሰዓብቱ ነቲ መዝነት ስብከት ንምፍጻም ዜድልዮም ባህርያት እውን ሓቢሩ እዩ። ከመይ ገይሩ እዩ ዝሓበረ፧ ኣብታ ምሳሌ እተን ዓሰርተ ደናግል፡ እቶም ቅቡኣት ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሸቶኦም ዝዀነ ኣብ ሰማይ ዚግበር ዓብዪ መርዓ፡ ማለት ኣብቲ ክርስቶስ ምስታ በቶም 144,000 ዝቘመት ‘መርዓቱ’ ዚሓብረላ ዅነት ንምስታፍ ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሓት ኰይኖም ኪጸንሑ ኸም ዘለዎም ሓበረ። (ራእ. 21:2) ኣብታ ምሳሌ እቲ ታለንት ከኣ፡ ቅቡኣት ኣገልገልቱ ነቲ ብሕድሪ ዝሃቦም ዕዮ ስብከት ብትግሃት ከም ዚፍጽሙ መሃረ።—ማቴ. 25:1-30

13 እቶም ቅቡኣት ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመን፡ ንቑሓትን ትጉሃትን ምዃኖም ኣመስኪሮም እዮም። እቲ ንቕሓቶም ዓስቢ ኸም ዜውህቦም ኣየጠራጥርን እዩ! ይኹን እምበር፡ እቲ ዓብዪ ዕዮ ቐውዒ፡ ንተረፍ እቶም 144,000 መጋዝእቲ ክርስቶስ ኣብ ምእካብ ጥራይ ድዩ ዚሕጸር፧

እታ መንግስቲ ንምድራውያን ተገዛእታ ትእክብ

14, 15. ኣብታ ዘ ፊንሽድ ሚስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ እንታይ ኣርባዕተ ጕጅለ እዮም ተጠቒሶም፧

14 ካብ ቀደም ኣትሒዞም፡ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ብዛዕባ እቶም ኣብ ራእይ 7:9-14 ተጠቒሶም ዘለዉ “ብዙሓት ህዝቢ” (“ብዙሓት ሰብ፡” ትርጕም 1956) ንምፍላጥ ሓያል ህንጥዮት ነበሮም። ቅድሚ እቲ ክርስቶስ ብዛዕባ መንነት እቲ ዓብዪ ጕጅለ ዚገልጸሉ ግዜ ምእኻሉ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዚብሃል ዝነበረ መብዛሕትኡ ሓሳባት ካብቲ ሎሚ ንሕና እንፈልጦን እንፈትዎን ንጹርን ቀሊልን ሓቅታት ኣመና ዝረሓቐ እዩ ነይሩ።

15 ብ1917፡ ዘ ፊንሽድ ሚስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ክልተ ደረጃ ወይ ዓይነት ሰማያዊ ድሕነትን ክልተ ደረጃ ወይ ዓይነት ምድራዊ ድሕነትን” ከም ዘሎ ገለጸት። እሞ ደኣ ኣብቶም እተፈላለየ ተስፋታት ድሕነት ዝነበሮም ኣርባዕተ ጕጅለ እተጠቓለሉ መን ምዃኖም እዩ ዚእመን ነይሩ፧ ቀዳማይ፡ ምስ ክርስቶስ ዚገዝኡ 144,000 ከም ዝዀኑ ይእመን ነበረ። ካልኣይ፡ እቶም ብዙሓት ሰብ ከም ዝዀኑ ይእመን ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እዚኣቶም እቶም ኣብ ህዝበ ክርስትያን ዘለዉ ስመ ክርስትያን ጌርካ እዮም ዚርኣዩ ነይሮም። እተወሰነ እምነት እኳ እንተ ኣለዎም፡ ንጽህናኦም ንምሕላው ጽኑዕ መትከል ንምውሳድ ዜኽእል እምነት ግና ከም ዘይብሎም ጌርካ ይርኣዩ ነበሩ። ስለዚ፡ ኣብ ሰማይ ዝተሓተ ስልጣን ከም ዚውሃቦም ይእመን ነበረ። ኣብ ምድሪ ኸኣ፡ እቶም ከም እኒ ኣብርሃምን ሙሴን ካልኦት እሙናትን ዝኣመሰሉ “ጥንታውያን ብቑዓት” ዝዀኑ ሳልሳይ ጕጅለ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ደቂ ሰብ ዓለም ዝዀኑ ራብዓይ ጕጅለ ስልጣን ከም ዚህልዎም ይእመን ነበረ።

16. ብ1923ን ብ1932ን እንታይ መንፈሳዊ ብርሃን እዩ ዝበርሀ፧

16 መንፈስ ቅዱስ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ናብዚ ሎሚ ንሕና እንፈትዎ ግንዛበ ዝመርሖም ብኸመይ እዩ፧ ብተኸታታሊ ብዝበርሀ መንፈሳዊ ብርሃን፡ በብደረጃኡ እዩ ኸምኡ ገይሩ። ካብ 1923 ኣትሒዛ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኺነብሩ ደኣ እምበር፡ ኣብ ሰማይ ኪነብሩ ትምኒት ንዘይብሎም ጕጅለ ኸተተኵረሎም ጀመረት። ብ1932፡ ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ እቲ ምስቲ ብኣምላኽ እተቐብአ እስራኤላዊ ንጉስ የሁ ዝለገበ ዮናዳብ ገለጸት፣ ንሱ ንየሁ ኣብቲ ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እተገብረ ውግእ ሓገዞ። (2 ነገ. 10:15-17) እታ ዓንቀጽ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ኸም ዮናዳብ ዝዀኑ ጕጅለ ኸም ዘለዉ ድሕሪ ምግላጻ፡ የሆዋ ነዞም ጕጅለ እዚኦም ኣብ ምድሪ ንምንባር “ኻብ መከራ ኣርማጌዶን ከም ዜውጽኦም” ሓበረት።

17. (ሀ) ብ1935፡ እንታይ ድሙቕ መንፈሳዊ ብርሃን እዩ ዝበርሀ፧ (ለ) እሙናት ክርስትያናት በቲ ብዛዕባ እቶም ብዙሓት ሰብ ዝረኸብዎ ሓድሽ ግንዛበ ብኸመይ ተጸልዮም፧ (“ ዓብዪ እፎይታ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

17 ብ1935፡ ድሙቕ መንፈሳዊ ብርሃን በርሀ። ኣብቲ ኣብ ዋሽንግተን፡ ዲ.ሲ. እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ፡ እቶም ብዙሓት ሰብ ከምቶም ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ኣባጊዕን ኣጣልን ተጠቒሶም ዘለዉ ኣባጊዕ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ጕጅለ ምዃኖም ተገልጸ። (ማቴ. 25:33-40) እቶም ብዙሓት ሰብ ካብተን የሱስ፡ “ንዓታተን ድማ ከምጽአን ኣሎኒ” ኢሉ እተዛረበለን “ካልኦት ኣባጊዕ” እዮም። (ዮሃ. 10:16) እቲ ሽዑ ተዛራባይ ዝነበረ ጆሴፍ ፍራንክሊን ራዘርፎርድ፡ “ኵሉኹም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክትነብሩ ተስፋ ዘሎኩም በጃኹም ደውዶ ኽትብሉ፧” ኢሉ ምስ ሓተተ፡ ልዕሊ ፍርቂ እቶም ተኣከብቲ ደው በሉ። ድሕሪኡ፡ ንሱ፡ “እነዉ፡ እቶም ብዙሓት ሰብ!” በለ። ብዙሓት ድማ ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት፡ ንመጻኢ ዘለዎም ተስፋ እንታይ ምዃኑ ምፍላጦም ብዙሕ ኣሐጐሶም።

18. ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ኣገልግሎት ዘተኰሩ ብኸመይ እዮም፧ እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧

18 ካብኡ ንነጀው፡ ክርስቶስ ንህዝቡ፡ ነቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ብህይወትን ብደሓንን ዚወጹ ኣባላት እዚ ብዙሓት ህዝቢ እዚ ዚዀኑ ኣብ ምእካብ ኬተኵሩ መርሖም። ኣብ ፈለማ፡ እቶም ዚእከቡ ዝነበሩ ኽሳዕ ክንድቲ ብዙሓት ኣይመስሉን ነበሩ። ሓደ ግዜ፡ ሓውና ራዘርፎርድ እኳ፡ “እቶም ‘ብዙሓት ሰብ’ እተባህሉ ኽሳዕ ክንድቲ ብዙሓት ኣይኪዀኑን እዮም ግዲ” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ። ሕጂ ግና ንሕና፡ የሆዋ ኻብ ሽዑ ንነጀው ነቲ ቐውዒ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝባረኾ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስን መንፈስ ቅዱስን፡ እቶም ቅቡኣትን እቶም ብጾቶም “ካልኦት ኣባጊዕ”ን ከምቲ የሱስ ዝበሎ ኣብ ትሕቲ ‘ሓደ ጓሳ’ ዜገልግሉ “ሓደ መጓሰ” ዀይኖም ኣለዉ።

ካብ ጸጋም ናብ የማን፦ ናታን ሆመር ኖር፡ ጆሴፍ ፍራንክሊን ራዘርፎርድ፡ ሃይደን ኩፐር ከቪንግተን

19. ነቶም ብዙሓት ህዝቢ ኣብ ምብዛሕ ብኸመይ እጃም ኪህልወና ይኽእል፧

19 መብዛሕትኦም እሙናት ህዝቢ፡ ኣብታ ብክርስቶስን በቶም 144,000 መጋዝእቱን እትመሓደር ገነት እትኸውን ምድሪ እዮም ንዘለኣለም ዚነብሩ። ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ንህዝቢ ኣምላኽ፡ ናብዚ ንጹር ቅዱስ ጽሑፋዊ ተስፋ ዝመርሓሉ መገዲ ምስትንታንሲ ባህ ዜብል ደይኰነን፧ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ነቲ ተስፋ እቲ ኸነካፍሎምሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! ሃየ እምበኣር፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ቝጽሮም እናወሰኸ ምእንቲ ኪኸይድ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ስም የሆዋ ብዝያዳ ምእንቲ ኺውደስ፡ ኵነታትና ብዜፍቅደልና መጠን ብንጥፈት ነገልግል!—ሉቃስ 10:2 ኣንብብ።

እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኽሳዕ ክንደይ ብዙሓት ኪዀኑ ምዃኖም ንሓውና ራዘርፎርድ ኣይተራእዮን

ነታ መንግስቲ እሙን ምዃን እንታይ ይሓትት፧

20. ውድብ ሰይጣን ብምንታይ ባእታታት ዝቘመት እያ፧ እዚኸ ንክርስትያናዊ ተኣማንነት ብኸመይ ኪትንክፎ ይኽእል፧

20 ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ዝያዳ እናፈለጡ ምስ ከዱ፡ ነታ ሰማያዊት መንግስቲ እሙን ምዃን እንታይ ከም ዚሓትት ምሉእ ብምሉእ ኪርድኡ ነበሮም። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ብ1922፡ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ክልተ ውድብ፡ ማለት ውድብ የሆዋን ውድብ ሰይጣንን ይዓይያ ኸም ዘለዋ፡ እታ ውድብ ሰይጣን ከኣ ብንግዳውን ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ባእታታት ዝቘመት ምዃና ሓበረት። እቶም ነታ ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ እትመሓደር መንግስቲ ኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ፡ ኣብ ዝዀነ መዳይ ውድብ ሰይጣን ብዘይግቡእ መገዲ ጣልቃ ብምእታው፡ ኣብ ተኣማንነቶም ኪለማለሙ የብሎምን። (2 ቈረ. 6:17) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

21. (ሀ) እቲ እሙን ባርያ ንህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ ዓብዪ ንግዲ ዘጠንቀቖም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብ1963፡ ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ “ዓባይ ባቢሎን” እንታይ ገሊጻ፧

21 እቲ እሙን ባርያ ዜዳልዎ መንፈሳዊ ምግቢ፡ ንብልሽውና ዓብዪ ንግዲ ብቐጻሊ ኣቃሊዑ፡ ህዝቢ ኣምላኽ በቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ፍቕረ ንዋይ ከይጽለዉ ድማ ኣጠንቂቑ እዩ። (ማቴ. 6:24) ብተመሳሳሊ፡ ጽሑፋትና ንሃይማኖታዊ ኽፋል ውድብ ሰይጣን ከም ዚትኰረሉ ገይሩ እዩ። ብ1963፡ ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ዓባይ ባቢሎን” ንህዝበ ክርስትያን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንብዘሎ ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም እተመልክት ብንጹር ሓበረት። እዚ ድማ፡ ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 10 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዝያዳ እንርእዮ፡ ኣብ ኵለን ሃገራትን ኣብ ኵሉ ባህልታትን ዚርከቡ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ካብ ኵሉ ልምድታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብምጽራይ፡ ‘ካብኣ ኺወጹ’ ሓገዞም።—ራእ. 18:2, 4

22. ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ብዙሓት ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ሮሜ 13:1 ዘሎ ምዕዶ ብኸመይ ይርድእዎ ነበሩ፧

22 ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኽፋል ውድብ ሰይጣንከ እንታይ ግንዛበ እዩ እተረኽበ፧ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ውግኣትን ግጭታትን ኣህዛብ ኪካፈሉ ይኽእሉ ድዮም፧ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ንብጾቶም ሰባት ኪቐትሉ ኸም ዘይብሎም ሓፈሻዊ ግንዛበ ረኺቦም ነይሮም እዮም። (ማቴ. 26:52) ነቲ ኣብ ሮሜ 13:1 ዚርከብ ን“ሰበ ስልጣን” ክንእዘዞም እተዋህበ ምዕዶ፡ ኣባል ሰራዊት ኪዀኑን ወተሃደራዊ ኽዳን ኪኽደኑን ኣጽዋር ኪሕዙን ከም ዘለዎም፡ ኰይኑ ግና፡ ንጸላኢ ኪቐትሉ ምስ ዚሕተቱ፡ ናብ ኣየር ኪትኵሱ ኸም ዘለዎም ገይሮም ይርድእዎ ነበሩ።

23, 24. ብግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም፡ ብዛዕባ ሮሜ 13:1 ዝነበረና ግንዛበ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ሰዓብቲ ክርስቶስከ ናብ ምንታይ ዝነጸረ ግንዛበ እዮም እተመርሑ፧

23 ካልኣይ ውግእ ዓለም ብ1939 ኪባራዕ ከሎ ግና፡ ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ገለልትነት ብዕምቈት ገለጸት። ክርስትያናት ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዚግበር ውግኣትን ግጭታትን ኣህዛብ ግደ ኸም ዘይብሎም ብንጹር ሓበረት። እዚ ብሓቂ ብግዜኡ ዝወጸ መምርሒ እዩ ነይሩ! በዚ ኸምዚ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ካብቲ እቶም ኣብቲ ውግእ እተሳተፉ ኣህዛብ ዚሕተቱሉ ዜስካሕክሕ ዕዳ ደም ተሰትሩ። ካብ 1929 ኣትሒዙ ግና፡ ጽሑፋትና እቶም ኣብ ሮሜ 13:1 ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘለዉ ስልጣናት፡ ዓለማውያን ገዛእቲ ዘይኰኑስ፡ የሆዋን የሱስን ከም ዝዀኑ ይገልጽ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ዝነጸረ ግንዛበ የድሊ ነበረ።

24 ብ1962 ኣብ ናይ 15 ሕዳርን ናይ 1 ታሕሳስን ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ሮሜ 13:1-7 ዚገልጻ ኣገደስቲ ዓንቀጻት ምስ ተሓትማ፡ መንፈስ ቅዱስ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ናብ ዝነጸረ ግንዛበ ኺበጽሑ መርሖም። ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ ኣምላኽ እቲ የሱስ ኣብተን፡ “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ” ኢሉ እተዛረበን ውሩያት ቃላት ዘሎ ንተዛማዲ ተገዛእነት ዚምልከት ስርዓት ተረድኡ። (ሉቃ. 20:25) ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ እቶም ኣብ ልዕሊኦም ዘለዉ ስልጣናት፡ ክርስትያናት ኪግዝእዎም ዘለዎም ዓለማውያን ስልጣናት ምዃኖም ተገንዘቡ። ኰይኑ ግና፡ ብተዛማዲ እዮም ዚግዝእዎም። ዓለማውያን ሰበ ስልጣን፡ ትእዛዝ የሆዋ ኣምላኽ ከነፍርስ እንተ ሓቲቶምና፡ ከምቲ ጥንቲ ዝነበሩ ሃዋርያት ዝበልዎ፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ” ኢልና ኢና እንምልስ። (ግብ. 5:29) ኣብ ምዕራፍ 1314ን እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ንስርዓት ክርስትያናዊ ገለልትነት ከመይ ገይሮም ብግብሪ ኺዓይዩሉ ኸም ዝጀመሩ ኽንምሃር ኢና።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንሰባት ምንጋርሲ፡ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!

25. ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትርዳእ መንፈስ ቅዱስ ዚህቦ መሪሕነት እተማስወሉ ስለምንታይ ኢኻ፧

25 ንዅሉ እቲ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እተማህርዎ እሞ ሕሰበሉ። መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ ኣብ ሰማይ ከም ዝቘመትን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲት ምዃናን ፈሊጥና ኢና። ንእሙናት ሰባት ብዛዕባ ዝቐረበሎም ክልተ ተስፋ፡ ማለት ብዛዕባ ሰማያዊ ተስፋን ብዛዕባ ምድራዊ ተስፋን፡ ንጹር ግንዛበ ኣሎና። ንዓለማውያን ሰበ ስልጣን ብተዛማዲ እናተገዛእና፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ጌርና ተኣማንነትና ኸነርኢ ኸም ዘሎና ኸኣ ንፈልጥ ኢና። ሕጂ፡ ‘የሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ እሙን ባርያኡ፡ ነዚ ኽቡር ሓቅታት እዚ ኺርድኦን ኪምህረናን እንተ ዘይመርሖ ነይሩ፡ ኣነ ምፈለጥክዎዶ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን ዚመርሑና ምዃኖምሲ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ!

a ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ እታ ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ “ኪመርሓኩም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “መገዲ ኼርእየኩም” ማለት እያ።

b ቅድሚኡ፡ እቲ ራእይ ነቲ ኣብ መንጎ ኣረማዊ ሃይማኖት ሃጸያዊት ግዝኣት ሮሜን ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን እተገብረ ውግእ ከም ዜመልክት ጌርካ ይሕሰብ ነበረ።

c ኣብ ሰነ 1880፡ እቶም 144,000፡ ክሳዕ 1914 ሃይማኖቶም ናብ ክርስትና ዝቐየሩ ብስጋ ኣይሁድ ከም ዝዀኑ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ሓሳብ ሃበት። ኰይኑ ግና፡ ጸኒሓ ኣብ 1880፡ ክሳዕ ሕጂ ምስ እንኣምነሉ ዘለና ዚቀራረብ ግንዛበ ኣሕተመት።