ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 7

ሜላታት ስብከት—ነቲ መልእኽቲ ናብ ሰባት ንምብጻሕ፡ ኵሉ መገድታት ምጥቃም

ሜላታት ስብከት—ነቲ መልእኽቲ ናብ ሰባት ንምብጻሕ፡ ኵሉ መገድታት ምጥቃም

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ መልእኽቲ ብእተኻእለ መጠን ናብ ብዙሓት ንምብጻሕ፡ እተፈላለየ ሜላታት ይጥቀሙ

1, 2. (ሀ) የሱስ ንብዙሕ ህዝቢ ንምዝራብ፡ እንታይ ሜላ እዩ እተጠቕመ፧ (ለ) እሙናት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኣብነቱ ዝሰዓቡ ብኸመይ እዮም፧ ስለምንታይከ፧

 ኣብ ጥቓ ባሕሪ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዙርያ የሱስ ምስ ተኣከበ፡ ንሱ ኣብ ጃልባ ደዪቡ ኻብ ገምገም ረሓቐ። ስለምንታይ፧ ዝባን እቲ ማይ ንድምጹ ኸም ዜጕልሖ፡ ብዙሓት ሰባት ከኣ ነቲ መልእኽቱ ብዝነጸረ መገዲ ኺሰምዕዎ ኸም ዚኽእሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ።—ማርቆስ 4:1, 2 ኣንብብ።

2 ኣብ ከባቢ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተወልደትሉ ዓመታት፡ እሙናት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ እውን ኣብነቱ ብምስዓብ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ብዙሓት ሰባት ንምብጻሕ ዜኽእል ዜደንቕ ሜላታት ተጠቒሞም እዮም። ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ንጉስ ኰይኖም፡ ኵነታት ኪቕየርን ሓድሽ ተክኖሎጂ ኺምዕብልን ከሎ፡ ሓድሽ ሜላታት ምሂዞምን ተጠቒሞምን እዮም። መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ነቲ መልእኽቲ ብእተኻእለና መጠን ናብ ብዙሓት ሰባት ከነብጽሖ ንደሊ ኢና። (ማቴ. 24:14) ነቲ መልእኽቲ ኣብ ኵሉ ቦታታት ናብ ዚርከቡ ሰባት ንምብጻሕ እተጠቐምናሉ ገለ ሜላታት እስከ ንርአ። ኣስኣሰር እምነት እቶም ቀደም ነቲ ብስራት ዝዘርግሑ ኽትስዕበሉ እትኽእል መገድታት እውን ሕሰብ።

ነቲ መልእኽቲ ናብ ብዙሕ ህዝቢ ምብጻሕ

3. ጋዜጣታት ምጥቃምና ንጸላእቲ ሓቂ ዘበሳጨዎም ብኸመይ እዩ፧

3 ጋዜጣታት። ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ብዙሓት ሰባት ንምብጻሕ፡ ሓውና ራስልን ብጾቱን ካብ 1879 ኣትሒዞም ግምቢ ዘብዐኛ ይሓትሙ ነበሩ። ኣብቲ ቕድሚ 1914 ዝነበረ ዓመታት ግና፡ እቲ ብስራት ንኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ ምእንቲ ኺበጽሕ፡ ክርስቶስ መገዲ ዝኸፈተ እዩ ዚመስል። እቲ ነገር ብ1903 እዩ ጀሚሩ። በታ ዓመት እቲኣ፡ ዶክተር ኢፍሬም ልወሊን ኢተን፡ ኣፈኛ እቶም ኣብ ፐንስልቨንያ ዝነበሩ ጕጅለ ኣገልገልቲ ፕሮተስታንት፡ ንቻርለስ ቴዝ ራስል፡ ብዛዕባ ሰረተ እምነት መጽሓፍ ቅዱስ ተኸታታሊ ኽርክር ኪገብሩ ብድሆ ኣቕረበሉ። ኢተን ናብ ራስል ኣብ ዝጸሓፋ ደብዳበ፡ “ብዛዕባ ገለ ኻብዚ ኣነን ንስኻን እንፈላለየሉ . . . ሕቶታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዚግበር ክርክር ንህዝቢ ብዙሕ ከም ዜገድስ ሓሲበ” በለ። ራስልን ብጾቱን እውን ህዝቢ ብሓፈሻ በዚ ኸም ዚግደስ ሓሰቡ፣ ስለዚ፡ እቲ ኽርክራት ኣብታ ዘ ፒትስበርግ ጋዜት እትብሃል ኣውራ ጋዜጣ ኸም ዚሕተም ገበሩ። እተን ኣብ ጋዜጣ ዝወጻ ዓንቀጻት ኣዝየን ህቡባት ስለ ዝዀና፡ ራስል ብዛዕባ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሃቦ መግለጺ እውን ኣዝዩ ማራኺ ስለ ዝዀነ፡ እታ ጋዜጣ ንመደረታት ራስል ኣብ ሰሰሙን ክትሓትሞ ሓሳብ ኣቕረበት። እዚ ምዕባለ እዝስ ንጸላእቲ ሓቂ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣበሳጭይዎም ኪኸውን ኣለዎ!

ብ1914፡ ልዕሊ 2,000 ጋዜጣታት፡ ስብከታት ራስል ይሓትማ ነበራ

4, 5. ራስል እንታይ ባህርይ እዩ ዘርኣየ፧ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣብነቱ ኺስዕቡ ዚኽእሉኸ ብኸመይ እዮም፧

4 ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ካልኦት ጋዜጣታት ንመደረታት ራስል ኬሕትማ ደለያ። ብ1908፡ ግምቢ ዘብዐኛ ኸም ዝሓበረቶ፡ እቲ ስብከታት “ብስሩዕ ኣብ ዓሰርተው ሓደ ጋዜጣ” ይሕተም ነበረ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ዕዮ ጋዜጣ ዚፈልጡ ኣሕዋት ንራስል፡ ኣብያተ ጽሕፈት ማሕበር ካብ ፒትስበርግ ናብ ዝያዳ ተፈላጥነት ዘለዋ ኸተማ እንተ ግዒዙ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዓንቀጻት ዝያዳ ጋዜጣታት ከም ዜሕትማኦ መኸርዎ። ራስል ነቲ ምኽሮምን ካልእ ረቛሒታትን ድሕሪ ምግምጋሙ፡ ብ1909 ነቲ ኣብያተ ጽሕፈት ናብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ኣግዓዞ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ እቲ ኣብያተ ጽሕፈት ካብ ዚግዕዝ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ 400 ጋዜጣታት ነቲ መደረታት ይሓትማ ነበራ፣ ገና ብዙሓት ድማ ይውሰኻ ነበራ። ብ1914 መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዝቘመትሉ ግዜ፡ ልዕሊ 2,000 ጋዜጣታት፡ ብኣርባዕተ ቛንቛ ስብከታትን ዓንቀጻትን ራስል ይሓትማ ነበራ።

5 እቲ ምዕባለ እቲ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዚህብ፧ እቶም ሎሚ ኣብ ውድብ ኣምላኽ እተወሰነ ስልጣን ዘለዎም፡ ንትሕትና ራስል ኪቐድሕዋ ይግባእ። ብኸመይከ እዮም ከምኡ ዚግበሩ፧ ኣገዳሲ ውሳነታት ኪገብሩ ኸለዉ፡ ምኽሪ ኻልኦት ኣብ ግምት ኬእትዉ ኣለዎም።—ምሳሌ 15:22 ኣንብብ።

6. እቲ ኣብ ጋዜጣ እተሓትመ ዓንቀጻት ንሓንቲ ሰበይቲ ብኸመይ ጸለዋ፧

6 እቲ ኣብተን ዓንቀጻት ጋዜጣ ዚሕተም ዝነበረ ሓቅታት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ህይወት ሰባት ቀዪሩ እዩ። (እብ. 4:12) ንኣብነት፡ ብ1917 እተጠምቀት ኦራ ሀትሰል፡ ሓንቲ ኻብቶም በዚ ዓንቀጻት እዚ ሓቂ ዝፈለጡ ብዙሓት ሰባት እያ ነይራ። ተመክሮኣ ኸተዘንቱ ኸላ፡ “ምስ ተመርዓኹ፡ ንኣደይ ክበጽሓ ናብ ሮቸስተር፡ ሚነሶታ ኸድኩ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ፡ ካብ ጋዜጣ ዓንቀጻት ቈሪጻ ኸተውጽእ ጸንሓትኒ። ብራስል ዝቐረበ ስብከታት እዩ ነይሩ። ኣደይ ነቲ ኻብኡ እተማህረቶ ነገር ገለጸትለይ” በለት። ኦራ ነቲ እተማህረቶ ሓቅታት ተቐበለት፣ ንስሳ ዓመት ዚኣክል ድማ እምንቲ ሰባኺት መንግስቲ ኣምላኽ ነበረት።

7. እቶም ነቲ ዕዮ ዚመርሑ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ጋዜጣታት ብዛዕባ ምጥቃም ዳግመ ግምት ዝገበሩሉ ስለምንታይ እዮም፧

7 ብ1916፡ እቶም ነቲ ዕዮ ዚመርሑ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ነቲ ብጋዜጣታት ጌርካ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋሕ ዚግበር ዕዮ ዳግመ ግምት ኪገብሩሉ ዜገድድ ክልተ ፍጻመ ኣጋጠመ። እቲ ቐዳማይ ፍጻመ፡ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ጻዕጺዑ ዝነበረ ዓብዪ ውግእ፡ ንሕትመት ዜድሊ ነገራት ከም ዚስኣን ምግባሩ እዩ። ብ1916፡ ካብቶም ኣብ ብሪጣንያ ዝነበሩ ኽፍሊ ጋዜጣ ዀይኖም ዜገልግሉ ኣሕዋት ዝመጸ ጸብጻብ ነዚ ዜጕልሕ ነበረ፣ እቲ ጸብጻብ፡ “ሕጂ፡ ነቲ ስብከታት ዚሓትማ ዘለዋ ጋዜጣታት፡ ካብ 30 ቝሩብ እየን ዚዛይዳ። ዋጋ ወረቐት ኣመና ይውስኽ ስለ ዘሎ፡ እዚ ቝጽሪ እዚ እውን እንተ ዀነ ኣጸቢቑ ኸይነከየ ኣይተርፍን እዩ” ዚብል ነበረ። እቲ ኻልኣይ ፍጻመ ኸኣ፡ ብ31 ጥቅምቲ 1916 ሓውና ራስል ሙማቱ እዩ። ስለዚ፡ ናይ 15 ታሕሳስ 1916 ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ሓውና ራስል ስለ ዝዓረፈ፡ እቲ [ኣብ ጋዜጣታት] ዚወጽእ ዝነበረ ስብከት ምሉእ ብምሉእ ኬቋርጽ እዩ” ዚብል ምልክታ ኣውጽአት። እዚ መገዲ ስብከት እዚ እኳ እንተ ኣብቅዐ፡ ከም “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ዝኣመሰለ ኻልእ ሜላታት ግና ብዙሕ ኣሳልጦ ይርከቦ ነበረ።

8. ነታ “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ንምድላው እተገብረ ዕዮ እንታይ የጠቓልል ነበረ፧

8 ስእላዊ ምርኢት። ራስልን ብጾቱን ነታ ብ1914 ዝወጸት “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ንምድላው ሰለስተ ዓመት ዚኣክል እዮም ዓይዮም። (ምሳ. 21:5) እታ ብሓጺሩ ድራማ ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ምርኢት፡ ተንቀሳቓሲ ስእልታትን ድምጽን ሕብራዊ ስእሊ ስላይድን ዘጠቓለለት እያ ነይራ። ነቲ ብፊልም ዚቕዳሕ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ ትርኢታት ንምውሳእ፡ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ሰባት እዮም ተሳቲፎም፣ እንስሳታት እውን ከይተረፉ ተሳቲፎም እዮም። ናይ 1913 ጸብጻብ፡ “እቲ ኖህ ኣብቲ ዓብዪ ምርኢት ዝነበሮ እጃም ብተንቀሳቓሲ ስእልታት ኪስኣል ከሎ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ሓደ መካነ እንስሳታት ዝነበሩ እንስሳታት፡ ኣብኡ ተሳቲፎም” ይብል። ነቲ ብኣማእታት ዚቝጸር ብጥርሙዝ እተሰርሐ ስላይድ ከኣ፡ ኣብ ለንደንን ኒው ዮርክን ፓሪስን ፊላደልፍያን ዝነበሩ ስነ ጥበበኛታት በብሓደ ብኢዶም እዮም ሕብሪ ለኽዮምዎ።

9. ነታ “ፎቶ-ድራማ” ንምድላው ብዙሕ ግዜን ወጻኢታትን እተኸፍለ ስለምንታይ እዩ፧

9 ነታ “ፎቶ-ድራማ” ንምድላው ብዙሕ ግዜን ወጻኢታትን እተኸፍለ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብቲ ብ1913 እተገብረ ተኸታታሊ ኣኼባታት ዝቐረበ ሓባራዊ ውሳነ ኸምዚ ይብል፦ “እቲ ናይ ኣመሪካ ጋዜጣታት ብሓገዝ እቲ ኣብ ጋዜጣታትን ክፋል መጽሔታትን ዚወጽእ ካርቱናትን ስእልታትን ገይሩ ንርእይቶ ህዝቢ ኣብ ምቕራጽ ዝረኸቦ ዜደንቕ ኣሳልጦ፡ ምስቲ እቲ ተንቀሳቓሲ ስእልታት ዘለዎ ዜደንቕ ህቡብነትን ተዓጻጻፍነትን ተደሚሩ፡ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ዋጋ ኸም ዘለዎ ኣጸቢቑ ኣርእዩ እዩ፣ ገስገስቲ ሰበኽትን መምህራን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን ከም ምዃንና መጠን፡ ተንቀሳቓሲ ስእልታትን ስተርዮኦፕቲኮን ስላይዳትን፡ ወንጌላውያንን መምህራንን ከም ውጽኢታውን ተፈታውን ሜላ ገይሮም ኪጥቀሙሉ ምሉእ ደገፍና ንምሃብ ዜኽእል እኹል ምኽንያት ከም ዘሎ ኢና እንኣምን።”

ላዕሊ፦ ፕሮጀክተር “ፎቶ-ድራማ”፣ ታሕቲ፦ ብጥርሙዝ እተሰርሐ ስላይዳት “ፎቶ-ድራማ”

10. እታ “ፎቶ-ድራማ” ኽሳዕ ክንደይ እያ ብስፍሓት ተራእያ፧

10 ብ1914፡ እታ “ፎቶ-ድራማ” ኣብ መመዓልቲ፡ ኣብ 80 ኸተማ ትርአ ነበረት። ነታ ምርኢት ከኣ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ካናዳን ዝነበሩ ዳርጋ ሸሞንተ ሚልዮን ዚኣኽሉ ሰባት እዮም ርእዮምዋ። በታ ዓመት እቲኣ፡ እታ “ፎቶ-ድራማ” ኣብ ስዊዘርላንድን ሽወደንን ብሪጣንያን ኒው ዚላንድን ኖርወይን ኣውስትራልያን ደንማርክን ጀርመንን ፊንላንድን ተራእየት። ኣብ ዝነኣሳ ኸተማታት ምእንቲ ኽትርአ ኸኣ፡ ተንቀሳቓሲ ስእልታት ዘይብላ ዝሓጸረት ምርኢት ተዳለወት። ንሳ ድማ “ዩሬካ ድራማ” እትብሃል ኰይና፡ ንምድላዋን ንምጕዕዓዛን ዝሓሰረት ነበረት። ክሳዕ 1916፡ እታ “ፎቶ-ድራማ” ወይ እታ “ዩሬካ ድራማ” ናብ ስጳንኛን ሽወደንኛን ኣርመንኛን ዳኖ-ኖርወጅያኛን ጀርመንኛን ግሪኽኛን ጣልያንኛን ፈረንሳይኛን ፖላንድኛን ተተርጒማ ነበረት።

ብ1914፡ እታ “ፎቶ-ድራማ” ብሰባት ኣብ ዝመልአ ኣዳራሻት ትርአ ነበረት

11, 12. እታ “ፎቶ-ድራማ” ኣብ ሓደ መንእሰይ እንታይ ጽልዋ ኣሕደረት፧ ንሱኸ እንታይ ኣብነት እዩ ዝሓደገ፧

11 እታ ናብ ፈረንሳይኛ እተተርጐመት “ፎቶ-ድራማ፡” ኣብ ሓደ ወዲ 18 ዓመት ዝነበረ ቻርለስ ሮኔር ዓብዪ ጽልዋ እያ ኣሕዲራ። ቻርለስ ተመክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብታ ኮልማር እትብሃል ኣብ ኣልሳስ፡ ፈረንሳ እትርከብ ዝነበርኩላ ኸተማ ተራእየት” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ካብ መጀመርታ ኣትሒዘ፡ በቲ ዝቐረበ ንጹር ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሲጠ እየ” በለ።

12 ከም ውጽኢቱ፡ ቻርለስ ተጠምቀ፡ ብ1922 ከኣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመረ። ሓደ ኻብቲ እተዋህቦ ናይ መጀመርታ ዕዮታት፡ ነታ “ፎቶ-ድራማ” ኣብ ፈረንሳ ንህዝቢ ምርኣይ እዩ ነይሩ። ቻርለስ ነዚ ዕዮ እዚ ኺገልጾ ኸሎ፡ ከምዚ በለ፦ “እተወሰነ ዕዮ እዩ ተመዲቡለይ ነይሩ፡—ቫዮሊን ምጽዋትን ኣገልጋሊ ሕሳብ ምዃንን ኣገልጋሊ ጽሑፍ ምዃንን። እቲ ፕሮግራም ቅድሚ ምጅማሩ፡ ንተኣከብቲ ስቕ ከብሎም እውን ተሓቲተ ነይረ። ኣብ ዕረፍቲ፡ ጽሑፋት ነቕርበሎም ኔርና። ነፍሲ ወከፍ ሓው ወይ ሓብቲ፡ ሓደ ኽፋል እቲ ኣዳራሽ ይምደበሉ ነበረ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ኣብ ኢዶም ጽሑፋት ሒዞም፡ ናብ ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ኽፋል ዘሎ ሰብ ይቐርቡ ነበሩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ መእተዊ እቲ ኣዳራሽ፡ ጽሑፋት ዝመልአ ሰደቓታት ነበረና።” ብ1925፡ ቻርለስ ናብቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቤት-ኤል ከይዱ ኼገልግል ጻውዒት ቀረበሉ። ኣብኡ ድማ ነቲ ሓድሽ እተመስረተ መደበር ረድዮ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. (WBBR) ዚኸውን ጕጅለ ሙዚቃ ኺመርሕ ተመደበ። ብዛዕባ እቲ ሓውና ሮኔር ዝሓደጎ ኣብነት ክንሓስብ ከለና፡ ‘ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ዚውሃበኒ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ንምቕባል ፍቓደኛ ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 6:8 ኣንብብ።

13, 14. ረድዮ ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ ብኸመይ ኣገልገለት፧ (“ መደባት ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር.” ዘርእስታ ሳጹንን “ ኣገዳሲ ዓብዪ ኣኼባ”” ዘርእስታ ሳጹንን እውን ርአ።)

13 ረድዮ። ብ1920ታት፡ እቲ ብ“ፎቶ-ድራማ” ዚግበር ዕዮ ኺንኪ ጀመረ፣ ረድዮ ግና፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ኣገዳሲ መገዲ ዀነት። ብ16 ሚያዝያ 1922፡ ሓውና ራዘርፎርድ ካብቲ ኣብ ፊላደልፍያ፡ ፐንስልቨንያ ዚርከብ ሜትሮፖሊታን ኦፔራ ሃውዝ ዚብሃል ኣዳራሽ ታሪኻዊ ፈነወ ረድዮ ገበረ። ኣስታት 50,000 ሰባት ነቲ፡ “ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ሚልዮናት ፈጺሞም ኣይኪሞቱን እዮም” ዘርእስቱ መደረ ኸም ዝሰምዑ እዩ ዚግመት። ድሕሪኡ፡ ብ1923፡ መደብ ዓብዪ ኣኼባ ንፈለማ ግዜ ብረድዮ ተፈነወ። እቶም ነቲ ዕዮ ዚመርሑ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ንግዳዊ መደበራት ኣብ ምጥቃም ከይተሓጽሩ፡ ናይ ገዛእ ርእስና መደበር ኪሃንጹ ጥበባዊ ኸም ዝዀነ ወሰኑ። ስለዚ፡ ሓደ መደበር፡ ኣብ ስታተን ኣይላንድ፡ ኒው ዮርክ ተሃንጸ፣ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. ተባሂሉ ድማ ተመዝገበ። እቲ ቐዳማይ ፈነወ ኸኣ፡ ብ24 ለካቲት 1924 ናብ ኣየር ተፈነወ።

 ብ1922፡ ኣስታት 50,000 ሰባት ነቲ፡ “ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ሚልዮናት ፈጺሞም ኣይኪሞቱን እዮም” ዘርእስቱ መደረ ብፈነወ ረድዮ ኸም ዝሰምዑ ይግመት

14 ናይ 1 ታሕሳስ 1924 ግምቢ ዘብዐኛ ዕላማ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. ክትገልጽ ከላ፡ “ረድዮ ኻብቲ ኽሳዕ ሕጂ እንጥቀመሉ መገድታት፡ ነቲ መልእኽቲ ሓቂ ንምዝርጋሕ ብቝጠባን ብውጽኢታውነትን ዝያዳ ዅሉ እተዋጽእ መገዲ ምዃና ኢና እንኣምን” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ጐይታና ንምዝርጋሕ እቲ ሓቂ ኻልእ መደበራት ረድዮ ምህናጽ ዜድሊ ዀይኑ እንተ ተራእይዎ፡ ንሱ ጽቡቕ ብዝበሎ መገዲ ገንዘብ ኪህበና እዩ” በለት። (መዝ. 127:1) ብ1926፡ ህዝቢ የሆዋ ሽዱሽተ መደበራት ረድዮ ይውንኑ ነበሩ። ክልተ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ነበራ፣ ንሳተን ከኣ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. (WBBR) ኣብ ኒው ዮርክ፡ ዳብልዩ.ኦ.ኣር.ዲ. (WORD) ድማ ኣብ ቺካጎ ነበራ። እተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ኸኣ ኣብ ካናዳ ዀይነን፡ ኣብ ሳስካቸዋንን ብሪትሽ ኮለምብያን ኣልበርታን ኦንታርዮን ነበራ።

15, 16. (ሀ) ኣብ ካናዳ ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ ብዛዕባ ፈነወና እንታይ እንታይ ገበሩ፧ (ለ) መደረታት ረድዮን ኣብ በቤት ዚግበር ዕዮን ንሓድሕዱ ዚደጋገፍ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

15 እዚ ሰፊሕ ፈነወ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣትኵሮ ኣቕሽሽቲ ህዝበ ክርስትያን ሰሓበ። ነቲ ኣብ ሳስካቸዋን፡ ካናዳ ዚግበር ዕዮ መደበር ረድዮ ኣጸቢቑ ዚፈልጦ ዝነበረ ኣልበርት ሆፍማን፡ “ነቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ [ሽዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጽውዑሉ ዝነበሩ] ዚፈልጥዎም ሰባት እናበዝሑ ኪኸዱ ጀመሩ። ክሳዕ እቲ ኣቕሽሽቲ ንሰበ ስልጣን ጸቕጢ ዝገበሩሉ፡ እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ፍቓድ ኵለን እተን ኣብ ካናዳ ዝነበራ መደበራት ዝሰኣኑሉ 1928፡ ዜደንቕ ምስክርነት ተዋህበ” በለ።

16 ኣብ ካናዳ ዝነበራ መደበራት ረድዮ እኳ እንተ ተዓጽዋ፡ መደረታት መጽሓፍ ቅዱስ ብንግዳዊ መደበራት ይመሓላለፍ ነበረ። (ማቴ. 10:23) ንውጽኢታውነት እቲ መደባት ረድዮ ንምድንፋዕ ከኣ፡ ግምቢ ዘብዐኛዘ ጎልደን ኤጅን (ሕጂ ንቕሑ! እትብሃል) ነቲ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዚፍነወሉ ዝርዝር ንግዳዊ መደበራት ሒዘን ይወጻ ነበራ፣ በዚ ኸምዚ፡ ኣብ በቤት ዚኸዱ ኣስፋሕቲ ንሰባት፡ ካብቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ መደበራት፡ መደረታት ኪሰምዑ የተባብዑ ነበሩ። እዚኸ እንታይ ጽልዋ ኣሕደረ፧ እታ ናይ ጥሪ 1931 ቡለቲን ከምዚ በለት፦ “ዕዮ ረድዮ ንፈተውትና፡ ኣብቲ ኣብ በቤት ዚገብርዎ ስብከት ብሓቂ ዜነቓቕሕ እዩ ዀይኑሎም ዘሎ። ሰባት ይሰምዑ ኸም ዘለዉ፡ ነቲ ሓውና ራዘርፎርድ ዝሃቦ መደረታት ብምስማዖም ከኣ፡ ነቲ ዝቐረበሎም መጻሕፍቲ ኺወስዱ ድሉዋት ኰይኖም ከም ዝጸንሑ ዚሕብር ብዙሕ ጸብጻባት ናብ ቤት ጽሕፈት መጺኡና ኣሎ።” እታ ቡለቲን ነቲ ፈነወታት ረድዮን ነቲ ኣብ በቤት እናኸድካ ዚግበር ዕዮን፡ “ክልተ ዓበይቲ ጨናፍር እወጃ ውድብ ጐይታና” ኢላ ገለጸቶ።

17, 18. ኵነታት እኳ እንተ ተለወጠ፡ ብድሕሪኡ እውን ረድዮ እንታይ ግደ ነበራ፧

17 ኣብ 1930ታት፡ ነቲ ብንግዳዊ መደበራት ረድዮ ዚግበር ፈነወና ዜጋጥሞ ምጽራር እናሓየለ ኸደ። ስለዚ፡ ኣብ መወዳእታ 1937፡ ህዝቢ የሆዋ ምስቲ ዚልወጥ ዝነበረ ዅነታት ለውጢ ገበሩ። ብንግዳዊ መደበራት ፈነወ ምግባር ሓዲጎም፡ ኣብቲ ናብ በቤት እናኸድካ ዚግበር ዕዮ ኣተኰሩ። a ይኹን እምበር፡ ረድዮ ኣብ ገሊኡ ርሑቕ ቦታታት ወይ ብፖለቲካዊ ምኽንያት ኣብ እተገለለ ኽፍልታት ዓለም፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምዝርጋሕ ኣገዳሲ ግደ ኻብ ምጽዋት ኣየቋረጸትን። ንኣብነት፡ እቶም ኣብ ምብራቕ ጀርመን ዚነብሩ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰምዕዎ፡ ካብ 1951 ክሳዕ 1991፡ ኣብ ምዕራብ በርሊን፡ ጀርመን ካብ ዚርከብ መደበር፡ መደረታት መጽሓፍ ቅዱስ ይፍኖ ነበረ። ኣብ ሱሪናም፡ ደቡብ ኣመሪካ እትርከብ ሃገራዊ መደበር ረድዮ ኸኣ፡ ካብ 1961 ኣትሒዛ ንልዕሊ 30 ዓመት፡ ኣብ ሰሰሙን ን15 ደቒቕ፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ትፍኑ ነበረት። ካብ 1969 ክሳዕ 1977፡ ውድብና፡ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ይጠቅም” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፡ 350 መደባት ረድዮ ኣዳልያ እያ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዚርከባ 48 መንግስትታት፡ 291 መደበራት ረድዮ ነዚ መደባት እዚ ኣመሓላሊፈናኦ እየን። ብ1996፡ ኣብታ ርእሲ ኸተማ እታ ኣብ ደቡብ ፓሲፊክ እትርከብ ሃገረ ሳሞዋ ዝዀነት ኣፒያ ዝነበረት መደበር ረድዮ፡ “ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶታትኩም ዚኸውን መልስታት” ዘርእስቱ ሰሙናዊ መደብ ተመሓላልፍ ነበረት።

18 ኣብ ኣጋ መወዳእታ መበል 20 ዘመን ግና፡ ረድዮ ኣብ ምዝርጋሕ እቲ ብስራት ደጊም ቀንዲ ግደ ኣይነበራን። ይኹን እምበር፡ ነቲ መልእኽቲ ናብ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ንምብጻሕ ዜኽእል ካልእ ተክኖሎጂ ተቐልቀለ።

19, 20. ናይ የሆዋ መሰኻኽር jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ዘዳለዉ ስለምንታይ እዮም፧ እዚኸ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ውጽኢታዊ ዀይኑ ዘሎ፧ (“ JW.ORG” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

19 ኢንተርነት። ካብ 2013 ንደሓር፡ ልዕሊ 2.7 ቢልዮን ሰባት፡ ዳርጋ 40 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም፡ ተጠቃሚ ኢንተርነት ኰይኑ ኣሎ። ብመሰረት ገሊኡ ግምት፡ ክልተ ቢልዮን ዚዀኑ ሰባት፡ ብኸም ተሌፎንን ታብለትን ዝኣመሰለ ተንቀሳቓሲ ኣቕሑ ኤለክትሮኒክ ገይሮም ኢንተርነት ከም ዚጥቀሙ ይግለጽ። እዚ ኣሃዝ እዚ ኣብ ብዘላ ዓለም እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ኣብታ ኣብዚ እዋን እዚ ብተንቀሳቓሲ ኣቕሑ ኢንተርነት ዚጥቀሙ 90 ሚልዮን ሰባት ዘለዉዋ ኣፍሪቃ ኸኣ፡ እዚ ኣሃዝ እዚ ብዝያዳ ናህሪ ይዓቢ ኣሎ። እዚ ምዕባለታት እዚ፡ ነቲ ሰባት ሓበሬታ ዚረኽቡሉ መገዲ ኻብ ሱሩ ቐይርዎ እዩ።

20 ካብ 1997 ንደሓር፡ ህዝቢ የሆዋ ነዚ ሜላ መራኸቢ ብዙሓን ኪጥቀሙሉ ጀመሩ። ብ2013፡ እቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት፡ ብ300 ዚኣክል ቋንቋታት ኪርከብ ዚከኣል ኰይኑ፡ ካብኡ ድማ ብልዕሊ 520 ቋንቋታት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓበሬታ ኺራገፍ ይከኣል እዩ። ኣብ መመዓልቲ 750,000 ዚዀኑ ሰባት፡ ናብዚ ወብ ሳይት እዚ ይኣትዉ እዮም። ኣብ ርእሲ እቲ ዚርእይዎ ቪድዮታት ከኣ፡ ኣብ ወወርሒ ልዕሊ 3 ሚልዮን ምሉእ መጻሕፍትን 4 ሚልዮን ምሉእ መጽሔታትን 22 ሚልዮን ኣውድዮ ቕዳሓትን የራግፉ እዮም።

21. ካብ ተመክሮ ሲና እንታይ ተማሂርካ፧

21 ወብ ሳይት፡ ስብከትና ኣብ እተቐየደሉ ቦታታት እኳ ኸይተረፈ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ዜገልግል ሓያል ሜላ ዀይኑ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ መጀመርታ 2013፡ ሲና ዝስሙ ሰብኣይ ንjw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ምስ ረኸበ፡ ናብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ደዊሉ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ሓበሬታ ሓተተ። ነዚ ተመክሮ እዚ ፍልይ ዜብሎ እንታይ እዩ፧ ሲና ኣስላማይ ኰይኑ እዩ ዓብዩ፣ ንዕዮና ብዙሕ ቀይዲ ኣብ ዘለዋ ሃገር፡ ኣብ ሓንቲ እተገለለት ቍሸት ድማ እዩ ዚነብር። ስለዚ፡ ምስ ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር መሰናድዎ ተገብረሉ። እቲ መጽናዕቲ ኸኣ ብኢንተርነት ብዚመሓላለፍ ቪድዮ እዩ ዚምራሕ ነይሩ።

ንውልቀ ሰባት ምምሃር

22, 23. (ሀ) ንብዙሕ ህዝቢ ብሓደ ንምስባኽ እተጠቐምናሉ ሜላታት፡ ነቲ ኣብ በቤት እናኸድና እንገብሮ ኣገልግሎት ዚትክእ ድዩ፧ (ለ) እቲ ንጉስ ንጻዕርታትና ብኸመይ ባሪኽዎ፧

22 እቲ ነቲ መልእኽቲ ንብዙሕ ህዝቢ ብሓደ ንምብጻሕ እተጠቐምናሉ ሜላታት፡ ማለት ከም ጋዜጣታትን “ፎቶ-ድራማ”ን መደባት ረድዮን ወብ ሳይትን ዝኣመሰለ ሜላታት፡ ነቲ ኣብ በቤት እናኸድካ ዚግበር ኣገልግሎት ኪትክእ ኣይኰነን ተዳልዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ህዝቢ የሆዋ ኻብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ተማሂሮም እዮም። የሱስ ንብዙሕ ህዝቢ ጥራይ ኣይኰነን ብሓደ ዚሰብኽ ነይሩ፣ ንውልቀ ሰባት ኣብ ምድጋፍ እውን ኣተኲሩ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 19:1-5) ንደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ከምኡ ኺገብሩ ኣሰልጢንዎምን ዜብጽሕዎ መልእኽቲ ሂብዎምን እዩ። (ሉቃስ 10:1, 8-11 ኣንብብ።) ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 6 እተገልጸ፡ እቶም ነዚ ዕዮ እዚ ዚመርሑ ኣሕዋት፡ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ የሆዋ ንሰባት ገጽ ንገጽ ኬዘራርብ ኵሉ ሳዕ እዮም ዜተባብዑ።—ግብ. 5:42፣ 20:20

23 ካብቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተወልደትሉ እዋን ድሕሪ 100 ዓመት፡ ልዕሊ 7.9 ሚልዮን ኣስፋሕቲ ንኻልኦት ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ኣብ ምምሃር ብንጥፈት ይሳተፉ ኣለዉ። እቲ ንጉስ ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከነፋልጥ እተጠቐምናሉ ሜላታት ከም ዝባረኾ ኣየተሓታትትን እዩ። እዛ እትቕጽል ምዕራፍ፡ ነቲ ብስራት ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ንምዝርጋሕ ዜድልየና ናውቲ እውን ከም ዝሃበና ኽትገልጽ እያ።—ራእ. 14:6

a ብ1957፡ እቶም ነቲ ዕዮ ዚመርሑ ኣሕዋት፡ ነቲ ብውድብና ኻብ ዚውነን መደበራት ረድዮ ኣብ መወዳእታ ዝተረፈት ኣብ ኒው ዮርክ ዝነበረት ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. እትብሃል መደበር ክትዕጾ ወሰኑ።