ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 8

ናውቲ ስብከት—ንብዘላ ዓለም ዚኸውን ጽሑፋት ምድላው

ናውቲ ስብከት—ንብዘላ ዓለም ዚኸውን ጽሑፋት ምድላው

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

የሆዋ፡ ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ንምምሃር ዜድልየና ናውቲ ይህበና

1, 2. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እቲ ብስራት ኣብ ብዘሎ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኺዝርጋሕ ዝሓገዘ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዚ ግዜና፡ ደገፍ የሆዋ ኸም ዘሎና ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎና፧ (“ ብልዕሊ 670 ቋንቋታት ዚቐርብ ብስራት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

 ናብ የሩሳሌም ዝመጹ በጻሕቲ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ስለ ዝደንጸዎም፡ እዝኖም ኪኣምኑ ኣይከኣሉን። ገሊኦም ገሊላውያን ቋንቋ ወጻኢ መሊኾም ይዛረቡ ነበሩ፣ እቲ ዜመሓላልፍዎ ዝነበሩ መልእኽቲ ኸኣ ነቶም ሰማዕቶም መሰጦም። እዚ ዝዀነ፡ ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። ሽዑ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ናይ ምዝራብ ተኣምራዊ ውህበት ተዋህቦም፣ እዚ ኸኣ ደገፍ ኣምላኽ ከም ዘለዎም ዜርኢ መርትዖ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-8, 12, 15-17 ኣንብብ።) እቲ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝሰበኽዎ ብስራት ካብ እተፈላለዩ ኣህዛብ ንዝመጹ ሰባት በጽሖም፣ ድሕሪኡ እውን ኣብ ብዘሎ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ተዘርግሐ።—ቈሎ. 1:23

2 ሎሚ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብተኣምራዊ መገዲ እተፈላለየ ቛንቋታት ኣይዛረቡን እዮም። ይኹን እምበር፡ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ 670 ቋንቋታት ስለ ዚትርጕሙ፡ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣጸቢቑ ዚበዝሕ ቋንቋታት ይጥቀሙ እዮም። (ግብ. 2:9-11) ህዝቢ ኣምላኽ ኣዝዩ ብዙሕ ጽሑፋት ስለ ዘዳልዉ፡ እዚ ድማ ብኣዝዩ ብዙሕ ቋንቋታት ስለ ዚትርጐም፡ እቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ኵሉ መኣዝን ዓለም በጺሑ ኣሎ። a እዚ ኸኣ የሆዋ ንንጉስ የሱስ ክርስቶስ፡ ነቲ ዕዮ ስብከት ንምእላይ ይጥቀመሉ ኸም ዘሎ ዜርኢ ዘየማትእ መርትዖ እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ገለ ኻብቲ ነዚ ዕዮ እዚ ንምዕማም ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመት እተጠቐምናሉ ናውቲ ኽንምርምር ከለና፡ እቲ ንጉስ፡ ብሰባት እንግደስ ክንከውን ከመይ ገይሩ ኸም ዘሰልጠነና፡ መምህራን ቃል ኣምላኽ ክንከውን ድማ ከመይ ገይሩ ኸም ዘተባብዓና እስከ ንርአ።—2 ጢሞ. 2:2

እቲ ንጉስ ንኣገልገልቱ፡ ዘርኢ ሓቂ ኺዘርኡ የዕጥቖም

3. ኣብ ዕዮ ስብከትና እተፈላለየ ናውቲ እንጥቀም ስለምንታይ ኢና፧

3 የሱስ ን“ቓል መንግስቲ” ምስ ዘርኢ፡ ንልቢ ሰብ ከኣ ምስ መሬት ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ማቴ. 13:18, 19) ከምቲ ኣታኽልተኛ ንመሬት ንምልስላስን ንዘርኢ ንምድላውን እተፈላለየ ናውቲ ዚጥቀም፡ ህዝቢ የሆዋ ኸኣ ንልቢ ሚልዮናት ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበሉ ንምድላው እተፈላለየ ናውቲ ይጥቀሙ እዮም። ገለ ኻብዚ ናውቲ እዚ ንእተወሰነ እዋን እዩ ኣገልጊሉ። ከም መጻሕፍትን መጽሔታትን ዝኣመሰለ ገሊኡ ናውቲ ግና፡ ክሳዕ ሕጂ የገልግል ኣሎ። ኵሉ እቲ ኣብዚ እንርእዮ ናውቲ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈት ምዕራፍ ዝረኣናዮ ሜላታት መራኸቢ ብዙሓን ዘይኰነስ፡ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ገጽ ንገጽ ረኺቦም ንምዝርራብ ዚሕግዞም እዩ።—ግብ. 5:42፣ 17:2, 3

ኣብ ቶሮንቶ፡ ካናዳ ፎኖግራፋትን ናውቲ ድምጽን ኪዳሎ ኸሎ

4, 5. ቅዳሓት ፎኖግራፍ ብኸመይ የገልግል ነበረ፧ እንታይ ግና ይጐድሎ ነበረ፧

4 እተቐድሐ መደረታት። ካብ 1930ታት ክሳዕ 1940ታት፡ ኣስፋሕቲ ኣብ ተንቀሳቓሲ ፎኖግራፍ ዚውላዕ እተቐድሐ መደረታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሞም እዮም። ኵሉ እቲ ቕዳሓት፡ ሓሓሙሽተ ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ ግዜ ዚወስድ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ቕዳሓት፡ ከም “ስላሴ፡” “ቦታ ንስሓ፡” “መንግስቲ ኣምላኽ” ዚብል ሓጺር ኣርእስቲ ነበሮ። እቲ ቕዳሓት ብኸመይ እዩ ዚዕየየሉ ነይሩ፧ ብ1930 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተጠምቀ ሓውና ክለይተን ዉድዎርዝ ጁንየር ከምዚ በለ፦ “ክንዲ ንእሽቶ ባልጃ እትኸውን፡ ብሞላ እትምላእ፡ ብግቡእ ምእንቲ ኽትጻወት ከኣ ኣብ ጥርዚ እቲ ቕዳሕ ኣብ ግቡእ ቦታኡ ኺግጠም ዘለዎ ዚመልቝ ኣቕሓ ዘለዋ ፎኖግራፍ ሒዘ እኸይድ ነይረ። ናብ ኣፍ ደገ ሓደ ቤት ምስ ቀረብኩ ኸኣ፡ ነቲ ባልጃ ኸፊተ፡ ነቲ መደገፊ ኣብ ቦታኡ ገይረ፡ ደወል እድውል ነይረ። ብዓል ቤት ነቲ ማዕጾ ምስ ከፈቶ፡ ‘ክትሰምዖ ዝደልየካ ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣሎኒ’ እብሎ ነይረ።” እሞኸ እንታይ ምላሽ ይረክብ ነበረ፧ ሓውና ዉድዎርዝ፡ “መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት ጽቡቕ ምላሽ ይህቡ ነበሩ። ኣብ ገሊኡ ግዜያት ግና፡ ነቲ ማዕጾ ይዓጽውዎ ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ፡ ፎኖግራፍ ዝሸይጥ ዘለኹ ይመስሎም ነበረ” በለ።

ክሳዕ 1940፡ ልዕሊ 90 እተቐድሐ መደረታትን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቅዳሓትን ተዳልዩ ነበረ

5 ክሳዕ 1940፡ ልዕሊ 90 እተቐድሐ መደረታትን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቅዳሓትን ተዳልዩ ነበረ። በቲ ግዜ እቲ ኣብ ብሪጣንያ ፈላሚ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ፡ ደሓር ከኣ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ጆን ባር ከምዚ በለ፦ “ካብ 1936 ክሳዕ 1945 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ፎኖግራፍ ካባይ ዘይትፍለ ብጸይተይ እያ ነይራ። በቲ ግዜ እቲ፡ ብዘይ ብእኣ ዝገብሮ እዩ ዚሕርብተኒ ነይሩ። ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኴንካ ድምጺ ሓውና ራዘርፎርድ ምስማዕ፡ ኣዝዩ ዜተባብዕ እዩ ነይሩ፣ ብኣካል ኣብኡ ዘሎ ዀይኑ እዩ ዚስምዓካ። ልክዕ እዩ፡ ዕዮ ፎኖግራፍ ኣብ ኣገልግሎት ንምምሃር፡ ማለት ልቢ ሰባት ንምትንካፍ ዜኽእል ኣይነበረን።”

6, 7. (ሀ) ኣወንታዊ ጐድንን ኣሉታዊ ጐድንን ካርድታት ምስክርነት እንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ‘ኣብ ኣፍና ቓል ኣንቢሩ’ ኺብሃል ዚክኣል ብኸመይ እዩ፧

6 ካርድታት ምስክርነት። ካብ 1933 ንደሓር፡ ኣስፋሕቲ ኣብቲ ኣብ በቤት እናኸዱ ዚገብርዎ ኣገልግሎት፡ ካርድታት ምስክርነት ኪጥቀሙ ይተባብዑ ነበሩ። ሓንቲ ካርድ ምስክርነት 7.6 ብ12.7 ሰንቲ ሜተር ኣቢላ እትኸውን እያ ነይራ። ሓጺር መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስን እቲ ብዓል ቤት ኪረኽቦ ዚኽእል ዝርዝር መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ከኣ ትሕዝ ነበረት። ኣስፋሒ ነታ ካርድ ንብዓል ቤት ሂቡ ኼንብባ ይሓትቶ ነበረ። ደሓር ኣብ ፖርቶ ሪኮን ኣብ ኣርጀንቲናን ሚስዮናዊት ኰይና ዘገልገለት ሊልያን ካመሩድ፡ “ንዕዮ ካርድ ምስክርነት ተሓጒሰ እየ ተቐቢለዮ” በለት። ስለምንታይ እያ ኸምኡ ገይራ፧ “ጽቡቕ መእተዊ ኸነቕርብ እንኽእል ዝነበርና፡ ኵላትና ኣይኰንናን። ስለዚ፡ ንሰባት ምቕራብ ከም ዝለምድ ገይሩኒ እዩ” በለት።

ካርድ ምስክርነት (ብጣልያንኛ)

7 ብ1918 እተጠምቀ ሓውና ዴቪድ ሩሽ፡ “ብትኽክል ኪዛረቡ ዚኽእሉ ዀይኑ ዝስምዖም ኣዝዮም ሒደት ስለ ዝነበሩ፡ ካርድታት ምስክርነት ንኣሕዋት ሓጊዝዎም እዩ” ኢሉ ርእይቶኡ ገለጸ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ንዋት እዚ ኣሉታዊ ጐድኒ እውን ነይርዎ እዩ። ሓውና ሩሽ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ ከምዚ በለ፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ክንዛረብ ዘይንኽእል ዚመስሎም ሰባት የጓንፉና ነይሮም እዮም። መብዛሕትና ኽንዛረብ ዘይንኽእል ኢና ኔርና ኺብሃል ይከኣል እዩ። የሆዋ ግና ከም ኣገልገልቱ ዄንና ኣብ ቅድሚ ሰባት ክንቀርብ የዳልወና እዩ ነይሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣብ በቤት ከመይ ጌርና ኸም እንጥቀመሉ ብምምሃር፡ ኣብ ኣፍና ቓል ኣንቢሩ እዩ። ነዚ ድማ በቲ ብ1940ታት ዝጀመረ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኣቢሉ እዩ ገይርዎ።”—ኤርምያስ 1:6-9 ኣንብብ።

8. ክርስቶስ ኬሰልጥነካ ብኸመይ ክትፈቅድ ትኽእል፧

8 መጻሕፍቲ። ካብ 1914 ኣትሒዞም፡ ህዝቢ የሆዋ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ልዕሊ 100 በበይኑ ዝዓይነቱ መጻሕፍቲ ኣዳልዮም እዮም። ገሊኡ ኻብዚ መጻሕፍቲ እዚ፡ ኣስፋሕቲ ውጽኢታውያን ኣገልገልቲ ኪዀኑ ዜስልጥን እዩ ነይሩ። ንልዕሊ 70 ዓመት ኣስፋሒት ዝዀነት ኣብ ደንማርክ እትነብር ኣና ላርሰን ብዛዕባ እዚ ኸምዚ በለት፦ “የሆዋ ብቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን በቲ ምስኡ እተተሓሓዘ መጻሕፍትን ኣቢሉ ዝያዳ ውጽኢታውያን ኣስፋሕቲ ኽንከውን ሓጊዙና እዩ። ካብዚ መጻሕፍቲ እዚ፡ እታ ቐዳመይቲ ብ1945 ዝወጸት ቲኦክራቲክ ኤይድ ቱ ኪንግደም ፓብሊሸርስ ምንባራ እዝክር እየ። ድሕሪኣ፡ እታ ብ1946 እተሓትመት፡ “ኢኲፕድ ፎር ኤቭሪ ጉድ ዎርክ” ወጸት። ሕጂ ኸኣ፡ እታ ብ2001 እተሓትመት ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ኣላትና።” የሆዋ ንህዝቡ፡ ‘ኣገልገልቲ ኪዀኑ ብቑዓት’ ኪገብሮም ከሎ፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ምስኡ እተተሓሓዘ መጻሕፍትን ኣገዳሲ ግደ ኸም እተጻወተ ኣየጠራጥርን እዩ። (2 ቈረ. 3:5, 6) እሞኸ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተመዝጊብካዶ ኣለኻ፧ ነታ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት እትብሃል መጽሓፍ ኣብ ሰሰሙን ናብ ኣኼባ ወሲድካ፡ እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ናብኣ ኼመልክት ከሎ ትከታተልዶ፧ ከምኡ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ዝሓሽካ መምህር ምእንቲ ኽትከውን፡ ክርስቶስ ኬሰልጥነካ ትፈቅድ ኣለኻ ማለት እዩ።—2 ቈረ. 9:6፣ 2 ጢሞ. 2:15

9, 10. ነቲ ዘርኢ ሓቂ ኣብ ምዝራእን ማይ ኣብ ምስታይን፡ መጻሕፍቲ እንታይ ግደ ተጻዊቱ፧

9 የሆዋ ብውድቡ ገይሩ፡ ኣስፋሕቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪገልጹ ዜኽእሎም መጻሕፍቲ ብምድላው እውን ሓጊዙና እዩ። ምናዳ እታ ናብ ናይ ዘልአለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ውጽኢታዊት እያ ነይራ። ኣብ ፈለማ፡ ብ1968 እያ ተሓቲማ፡ ብኡብኡ ኸኣ ሓያል ጽልዋ እያ ኣሕዲራ። ናይ ሕዳር 1968 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ “ነታ መጽሓፍ ሐቂ ዚቐርብ ጠለብ ኣዝዩ ብዙሕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ኣብ መስከረም፡ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ናይ ማሕበር ፋብሪካ ፍሉይ ናይ ለይቲ እብረ ወሲኹ” በለት። እታ ዓንቀጽ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ሓደ ግዜ ኣብ ነሓሰ፡ ንመጽሓፍ ሐቂ ዝነበረ ጠለብ ካብቲ ቐረብ ብልዕሊ ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ቅዳሓት ይዛይድ ነይሩ” ኢላ ገለጸት። ክሳዕ 1982፡ ልዕሊ 100 ሚልዮን ቅዳሓት እታ መጽሓፍ፡ ብ116 ቋንቋታት ተሓቲሙ ነይሩ። ኣብቲ ኻብ 1968 ክሳዕ 1982 ዝነበረ 14 ዓመት፡ መጽሓፍ ሐቂ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪውሰኹ ሓጊዛ እያ። b

10 ብ2005፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ ካልእ ጽብቕቲ መጽሓፍ ወጸት። ክሳዕ ሕጂ፡ 200 ሚልዮን ዚኸውን ቅዳሓት እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብ256 ቋንቋታት ተሓቲሙ ኣሎ! እዚኸ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ፧ ካብ 2005 ክሳዕ 2012 ኣብ ዝነበረ ሸውዓተ ዓመት ጥራይ፡ 1.2 ሚልዮን ሰባት ኣስፋሕቲ እቲ ብስራት ኰይኖም እዮም። በቲ እዋን እቲ፡ ቍጽሪ እቶም ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ሰባት፡ ካብ ኣስታት 6 ሚልዮን ናብ ልዕሊ 8.7 ሚልዮን ወሲኹ። የሆዋ ነቲ ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝራእን ማይ ንምስታይን እንገብሮ ጻዕርታት ብዘይ ጥርጥር ይባርኾ ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 3:6, 7 ኣንብብ።

11, 12. ምስቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስምማዕ፡ መጽሔታትና ንመነመን ኣንበብቲ ተባሂሉ እዩ ዚዳሎ፧

11 መጽሔታት። ኣብ ፈለማ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ብቐዳምነት ነቶም “ሰማያዊ ጽውዓ” ዘለዎም “ሒደት መጓሰ” እያ እትዳሎ ነይራ። (እብ. 3:1፣ ሉቃ. 12:32) ብ1 ጥቅምቲ 1919፡ ውድብ የሆዋ ንኻልኦት ኣንበብቲ፡ ማለት ንህዝቢ እተዳለወት ካልእ መጽሔት ከተውጽእ ጀመረት። እታ መጽሔት እቲኣ ብተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ብህዝብን ኣዝያ ስለ እተፈትወት፡ ብዝሒ ቕዳሓታ ኻብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ኣጸቢቑ ይበዝሕ ነበረ። እታ መጽሔት ኣብ ፈለማ ዘ ጎልደን ኤጅ ተባሂላ ተሰምያ ነበረት። ብ1937 ከኣ፡ ስማ ናብ ኮንሶሌሽን ተቐየረ። ብ1946 ድማ፡ ንቕሑ! ተባሂላ ተጸውዐት።

12 ኣብ ዝሓለፈ ሓያሎ ዓመታት፡ ኣገባብ ኣጸሓሕፋን ቅርጽን ግምቢ ዘብዐኛ ዀነ ንቕሑ! ተቐይሩ እዩ፣ ዕላማአን ግና ኣይተቐየረን። ዕላማአን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ምህናጽን እዩ። ሎሚ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ብኽልተ መልክዕ፡ ማለት ሕታም መጽናዕትን ሕታም ህዝብን ተባሂላ ትዳሎ ኣላ። እታ ሕታም መጽናዕቲ ነቶም “ኣገልገልቲ ቤት፡” ማለት ነቶም “ሒደት መጓሰ”ን ነቶም “ካልኦት ኣባጊዕ”ን ተባሂላ እያ እትዳሎ። c (ማቴ. 24:45፣ ዮሃ. 10:16) እታ ሕታም ህዝቢ ኸኣ ምናዳ ነቶም ገና ሓቂ ዘይፈልጡ፡ ግናኸ ንመጽሓፍ ቅዱስን ንኣምላኽን ኣኽብሮት ዘለዎም ሰባት ተባሂላ እያ እትዳሎ። (ግብ. 13:16) ንቕሑ! ድማ ኣብቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋን ብዙሕ ዘይፈልጡ ሰባት እያ እተተኵር።—ግብ. 17:22, 23

13. ብዛዕባ መጽሔታትና እንታይ ዜገርም ነገር ረኺብካ፧ (ነታ “ ዓለምለኻዊ ኽብረ ወሰን ሕታማት” ዘርእስታ ሰሌዳ ግለጻ።)

13 ኣብ መጀመርታ 2014፡ ኣብ ወወርሒ ልዕሊ 44 ሚልዮን ቅዳሓት ንቕሑ!ን ኣስታት 46 ሚልዮን ቅዳሓት ግምቢ ዘብዐኛን ይሕተም ነይሩ። ንቕሑ! ናብ ኣስታት 100 ቛንቋታት ትትርጐም ነይራ፣ ግምቢ ዘብዐኛ ድማ ናብ ልዕሊ 200 ቛንቋታት ትትርጐም ነይራ። ስለዚ፡ ብብዝሒ ዚትርጐማሉን ዚዝርግሓሉን ኪርኣያ ኸለዋ፡ ኣብ ዓለም ቀዳማይ ደረጃ ሒዘን ዘለዋ መጽሔታት እየን። እዚ ተዓሚሙ ዘሎ ነገር ኣዝዩ ዜደንቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ዘይንጽበዮ ግና ኣይኰነን። እዘን መጽሔታት እዚአን፡ እቲ የሱስ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ ምዃኑ ዝገለጾ መልእኽቲ እየን ሒዘን ዘለዋ።—ማቴ. 24:14

14. እንታይ ኢና ብቕንኣት ክንዓዪ ጸኒሕና፧ ስለምንታይከ፧

14 መጽሓፍ ቅዱስ። ብ1896፡ ሓውና ራስልን ብጾቱን ንስም እቲ ጽሑፋት ንምሕታም ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ትካል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብል ቃል ከም ዜጠቓልል ገይሮም ቀየርዎ። እቲ ትካል፡ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ ተባሂሉ ተጸውዐ። መጽሓፍ ቅዱስ ወትሩ ነቲ ብስራት መንግስቲ ንምዝርጋሕ ዜገልግል ቀንዲ ንዋት ስለ ዝዀነ፡ እቲ ለውጢ እቲ ግቡእ እዩ ነይሩ። (ሉቃ. 24:27) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስ ስም እቲ ሕጋዊ ትካል ብምስምማዕ፡ ምእንቲ ዝርጋሐን ንባብን መጽሓፍ ቅዱስ ብቕንኣት ኪዓይዩ ጸኒሖም እዮም። ንኣብነት፡ ብ1926 ዘ ኢምፋቲክ ዲያግሎት ዚብሃል ብቤንጃሚን ዊልሰን እተዳለወ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኣብ ቤት ማሕተምና ተሓቲሙ እዩ። ካብ 1942 ንደሓር ከኣ፡ ኣስታት 700,000 ቅዳሓት ምሉእ ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ሓቲምናን ንኣንበብቲ ዓዲልናን ኢና። ድሕርዚ ኽልተ ዓመት ጸኒሕና ድማ፡ ንስም የሆዋ ኣብ 6,823 ቦታታት ዚጥቀም ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን ክንሓትም ጀሚርና ኢና። ክሳዕ 1950፡ ልዕሊ 250,000 ቅዳሓት እዚ ትርጕም እዚ ዓዲልና ኢና።

15, 16. (ሀ) ካብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብፍላይ እተድንቖ እንታይ እዩ፧ (ነታ፡ “ ዕዮ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ይፋጠን ኣሎ” ዘርእስታ ሳጹን ግለጻ።) (ለ) የሆዋ ንልብኻ ኺትንክፎ ብኸመይ ክትፈቅድ ትኽእል፧

15 ኣብ ዓመተ 1950 ከኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጕም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ) ብእንግሊዝኛ ወጸ። ምሉእ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ድማ፡ ብ1961 ኣብ ሓደ ጥራዝ ኰይኑ ብእንግሊዝኛ ወጸ። እዚ ትርጕም እዚ፡ ንስም የሆዋ ናብቲ ኣብ በዅሪ ጽሑፍ እብራይስጢ ዚርከበሉ ዝነበረ ቦታታት ብምምላስ ኣኽቢርዎ እዩ። እቲ መለኮታዊ ስም፡ ኣብ ቀንዲ ጽሑፍ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ትርጕም ሓዳስ ዓለም እውን 237 ሳዕ እዩ ዚርከብ። እዚ ትርጕም እዚ ልክዕነቱ ዝሓለወን ተነባብን ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ እተፈላለየ እዋን ተኸሊሱ እዩ፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ኸኣ ብ2013 ተኸሊሱ እዩ። ክሳዕ 2013፡ ልዕሊ 201 ሚልዮን ቅዳሓት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብ121 ቋንቋታት ተሓቲሙ ኣሎ።

16 ገሊኦም ብቛንቋኦም ትርጕም ሓዳስ ዓለም ምስ ኣንበቡ፡ ከመይ ተሰሚዕዎም፧ ሓደ ነፓላዊ ሰብኣይ፡ “እቲ ዝነበረና ትርጕም ነፓልኛ ክላሲካዊ ቛንቋ ስለ ዚጥቀም፡ ብዙሓት ኪርድእዎ ዜጸግም እዩ ነይሩ። እዚ ናይ ሕጂ መጽሓፍ ቅዱስ ግና መዓልታዊ ቛንቋ ስለ ዚጥቀም፡ ክንርድኦ ንኽእል ኢና” በለ። ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ እትነብር ሰበይቲ ብቛንቋ ሳንጎ እተዳለወ ትርጕም ከተንብብ ምስ ጀመረት፡ “እዚ ልበይ ዚትንክፍ ቋንቋ እዩ” ኢላ ነብዐት። ከምቲ እታ ሰበይቲ ዝገበረቶ፡ ነፍሲ ወከፍና ቓል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ብምንባብ፡ የሆዋ ንልብና ኺትንክፍ ክንፈቕደሉ ንኽእል ኢና።—መዝ. 1:2፣ ማቴ. 22:36, 37

ነቲ ዚውሃበና ናውትን ስልጠናን ነማስወሉ ኢና

17. ነቲ እተዋህበካ ናውትን ስልጠናን ከም እተማስወሉ ኸመይ ጌርካ ኸተርኢ ትኽእል፧ ከምኡ እንተ ጌርካኸ፡ እንታይ ውጽኢት ኢኻ እትረክብ፧

17 ነቲ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ዝሃበና ናውትን ቀጻሊ ስልጠናን ተማስወሉ ዲኻ፧ ውድብ ኣምላኽ እተዳልዎ ጽሑፋት ንምንባብ ግዜ ትምድብ ዲኻ፧ ብእኡ ጌርካኸ ንኻልኦት ትሕግዝ ዲኻ፧ ከምኡ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ምስቲ እታ ብ4 ጥቅምቲ 1914 እተጠምቀት ሓብትና ኦፓል በትለር ዝሃበቶ ሓሳብ ትሰማማዕ ኢኻ። ንሳ ኸምዚ በለት፦ “ንብዙሕ ዓመታት፡ ኣነን ብዓል ቤተይን [ኤድዋርድ]፡ ፎኖግራፍን ካርድታት ምስክርነትን ተጠቒምና ኢና። ኣብ በቤት እናኸደና ኸኣ ብመጻሕፍትን ብንኣሽቱ መጻሕፍትን ብመጽሔታትን መስኪርና ኢና። ናብ ወፈራታትን ምረሻን ድማ ኬድና፡ እተሓትመ ኣዋጃት እውን ዓዲልና ኢና። ድሕሪ ግዜ ኸኣ፡ ናብ ኣባይቲ እቶም ግዱሳት ብምኻድ፡ ከመይ ጌርና ተመላሊስካ ምብጻሕ ከም እንገብርን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንመርሕን ሰልጢንና ኢና። ብዕዮ ትሑዛትን ሕጉሳትን ኢና ኔርና።” የሱስ፡ ተገዛእቱ ዘበሉ ኣብ ምዝራእን ኣብ ምዕጻድን ትሑዛት ከም ዚዀኑን ብሓባር ከም ዚሕጐሱን ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። ከም ኦፓል ዝበሉ ሚልዮናት ንሓቅነት እቲ ቓል እቲ ኺምስክሩ ይኽእሉ እዮም።—ዮሃንስ 4:35, 36 ኣንብብ።

18. እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ዘሎና፧

18 ገና ኣገልገልቲ እቲ ንጉስ ዘይኰኑ ብዙሓት ሰባት፡ ንህዝቢ ኣምላኽ “ዘይተማህሩ ተራ ሰባት” ከም ዝዀኑ ገይሮም እዮም ዚርእይዎም። (ግብ. 4:13) ግናኸ፡ ሕስብ እሞ ኣብል። እቲ ንጉስ ንተራ ሰባት፡ ገለ ኻብቲ ብብዝሒ እተተርጐመሉ ቛንቋታትን ብዝርጋሐኡን ቀዳምነት ዝሓዘ ጽሑፋት ዜሕትሙ ብርቱዓት ኣሕተምቲ ገይርዎም ኣሎ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ በዚ ናውቲ እዚ ጌርና ነቲ ብስራት ናብ ኵሎም ኣህዛብ ምእንቲ ኽንዝርግሕ፡ ኣሰልጢኑናን ደሪኹናን እዩ። ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ዘርኢ ሓቂ ኣብ ምዝራእን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምዕጻድን ክንካፈልሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!

a ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ጥራይ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልዕሊ 20 ቢልዮን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕታማት ኣፍርዮም። ብዘይካዚ፡ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና፡ ነቶም ሎሚ ኣብ ብዘላ ዓለም ኢንተርነት ኪረኽቡ ዚኽእሉ ልዕሊ 2.7 ቢልዮን ሰባት ክፉት ኰይኑ ኣሎ።

b ገለ ኻብቲ ንኣስፋሕቲ፡ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ዝሓገዛኦም ጽሑፋት፡ ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ (ብ1921 እተሓትመት)፡ “ለት ጎድ ቢ ትሩ” (ብ1946 እተሓትመት)፡ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ (ብ1982 እተሓትመት)፡ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት (ብ1995 እተሓትመት) ኪጥቀስ ይከኣል።

c ኣብታ ብዛዕባ እቶም “ኣገልገልቲ ቤት” ዘሎና ዝነጸረ ግንዛበ እትገልጽ ናይ 15 ሓምለ 2013 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 23፡ ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ።