ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 10

እቲ ንጉስ ንህዝቡ ብመንፈሳዊ መዳይ የጽርዮም

እቲ ንጉስ ንህዝቡ ብመንፈሳዊ መዳይ የጽርዮም

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

የሱስ ንሰዓብቱ ስለምንታይን ብኸመይን ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ዘጽረዮም

1-3. የሱስ፡ እታ ቤተ መቕደስ ከም ዝረኸሰት ምስ ፈለጠ፡ እንታይ ገይሩ፧

 የሱስ፡ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ንምንታይ ከም እትውክል ስለ ዚፈልጥ፡ ንዓኣ ዓብዪ ኣኽብሮት እዩ ነይርዎ። እታ ቤተ መቕደስ ከኣ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ምድሪ፡ ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ እያ ነይራ። እቲ ነቲ ቕዱስ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዚቐርብ ኣምልኾ ግና ጽሩይን ንጹህን ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ብ10 ኒሳን 33 ድ.ክ. ናብታ ቤተ መቕደስ ምስ ኣተወ እሞ፡ ረኺሳ ምስ ረኸባ፡ ከመይ ከም እተሰምዖ ኽትግምቶ ትኽእል ኢኻ። እንታይ እዩ ዚግበር ነይሩ፧—ማቴዎስ 21:12, 13 ኣንብብ።

2 ኣብ ኣጸድ ኣህዛብ፡ ስሱዓት ነጋዶን ኣሽረፍትን ነቶም ንየሆዋ መስዋእቲ ኬቕርቡ ዝመጹ ኣምለኽቲ ይብለጹሎም ነበሩ። a የሱስ ከኣ፡ “ንዅሎም እቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ዚሸጡን ዚዕድጉን ዝነበሩ ሰጐጎም፣ ሰደቓታት ኣሽረፍቲ . . . ኸኣ ገልበጠ።” (ምስ ነህምያ 13:7-9 ኣረኣኢ።) ነቶም ጥቕሚ ርእሶም ዚደልዩ ሰባት ድማ፡ ንቤት ኣቦኡ ናብ “በዓቲ ጐሓሉት” ብምቕያሮም ኰነኖም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሱስ ነታ ቤተ መቕደስን ነቲ ንሳ እትውክሎን ዝነበሮ ኣኽብሮት ኣርኣየ። ንኣቦኡ ዚቐርብ ኣምልኾ ንጹህ ኪኸውን ነበሮ!

3 ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት፡ የሱስ መሲሓዊ ንጉስ ኰይኑ ምስ ተሸመ፡ ከም ብሓድሽ ቤተ መቕደስ ኣጽርዩ እዩ፣ እዚ ድማ ንዅሎም እቶም ሎሚ ንኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ኼገልግልዎ ዚደልዩ ዚትንክፍ እዩ። ንምዃኑ ነየነይቲ ቤተ መቕደስ እዩ ኣጽርዩ፧

“ንደቂ ሌዊ” ምጽራይ

4, 5. (ሀ) ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስ፡ ካብ 1914 ክሳዕ መጀመርታ 1919 ብኸመይ ተዀሊዖምን ጸርዮምን፧ (ለ) ምዅላዕን ምጽራይን ህዝቢ ኣምላኽ ሽዑ ኣብቂዑ ድዩ፧ ግለጽ።

4 ኣብ ምዕራፍ 2 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ የሱስ ብ1914 ኣብ ዝፋን ምስ ተቐመጠ፡ ምስ ኣቦኡ ነታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ፡—ንንጹህ ኣምልኾ እተገብረ መሰናድዎ፡—ኪምርምር መጸ። b ከም ውጽኢት እቲ መርመራ፡ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት፡ ማለት “ደቂ ሌዊ፡” ኪዅልዑን ኪጸርዩን ከም ዜድልዮም ተገንዘበ። (ሚል. 3:1-3) ካብ 1914 ክሳዕ 1919፡ እቲ ዀላዒ እተባህለ የሆዋ፡ ህዝቡ ብዚዅልዖምን ብዜጽርዮምን እተፈላለየ ፈተናታትን ጸገማትን ኪሓልፉ ፈቐደ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ እቶም ቅቡኣት ካብቲ ኸም ሓዊ ዝበለ ፈተናታት ነቲ መሲሓዊ ንጉስ ንምድጋፍ ጸርዮምን ህንጡያት ኰይኖምን ወጹ።

5 እሞኸ ህዝቢ ኣምላኽ ምዅላዖምን ምጽራዮምን ሽዑ ኣብቂዑ ድዩ፧ ኣይፋልን። ኣብ ብምሉአን እተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ የሆዋ በቲ መሲሓዊ ንጉስ ኣቢሉ፡ ሰዓብቱ ኣብታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኺጸንሑ ጽሩያት ኪዀኑ ብቐጻሊ ሓጊዝዎም እዩ። ኣብ ዚቕጽል ክልተ ምዕራፍ፡ ብስነ ምግባራውን ብውድባውን መዳይ ከመይ ገይሩ ኸም ዘጽረዮም ክንርኢ ኢና። ፈለማ ግና፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ምጽራይ ንርአ። የሱስ ንሰዓብቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ጽሩያት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብንጹር ብዚልለን ብንጹር ብዘይልለን መገድታት እንታይ ከም ዝገበረ ምምርማርና፡ ንእምነትና ኼደልድላ እዩ።

“ንጽሁ”

6. ካብቲ የሆዋ ንምሩኻት ኣይሁድ ዝሃቦም ትእዛዛት፡ መንፈሳዊ ንጽህና እንታይ ከም ዜጠቓልል ኢና እንርዳእ፧

6 መንፈሳዊ ንጽህና እንታይ እዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ የሆዋ ነቶም ኣብ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ክ. ካብ ባቢሎን ዝወጹ ምሩኻት ኣይሁድ ኣቐዲሙ እተዛረቦም ቃላት እስከ ንመርምር። (ኢሳይያስ 52:11 ኣንብብ።) እቶም ምሩኻት ብቐንዱ ነታ ቤተ መቕደስ ንምህናጽን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ናብ ዝነበሮ ንምምላስን እዮም ናብ ዓዶም ዚምለሱ ነይሮም። (እዝ. 1:2-4) የሆዋ ንህዝቡ፡ ኵሉ ኣሰር ሃይማኖት ባቢሎን ኪሓድግዎ እዩ ዚደልዮም ነይሩ። “ርኹስ ከቶ ኣይትተንክዩ፡” “ካብ ማእከል ውጹ፡” “ንጽሁ” ኢሉ ኸም ዝኣዘዞም ኣስተብህል። ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ብናይ ሓሶት ኣምልኾ ኺረስሕ ኣይነበሮን። ካብዚ እንታይ ክንድምድም ንኽእል፧ መንፈሳዊ ንጽህና ኺብሃል ከሎ፡ ካብ ትምህርትታትን ተግባራትን ናይ ሓሶት ሃይማኖት ናጻ ምዃን የጠቓልል።

7. የሱስ ንሰዓብቱ ብምንታይ መትረብ ገይሩ እዩ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪነጽሁ ዝሓገዞም፧

7 የሱስ ንጉስ ኰይኑ ኻብ ዚሽየም ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሰዓብቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ንጹሃት ኪዀኑ ዚሕግዘሉ ብንጹር ዚልለ መትረብ ገይሩ እዩ። እቲ መትረብ እቲ ኸኣ፡ እቲ ክርስቶስ ብ1919 ዝሸሞ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ እዩ። (ማቴ. 24:45) በታ ዓመት እቲኣ፡ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ድሮ ኻብ ብዙሕ ትምህርትታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ጸርዮም ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ገና ኺጸርዩ የድልዮም ነይሩ እዩ። ክርስቶስ በቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ገይሩ፡ ብዛዕባ እቲ ኺሓድግዎ ዘለዎም እተፈላለየ በዓላትን ልምድታትን በብቝሩብ ኣብርሃሎም። (ምሳ. 4:18) ገለ ኻብዚ ኣብነታት እዚ እስከ ንርአ።

ክርስትያናት በዓል ልደት ኬብዕሉስ ግቡእ ድዩ፧

8. እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ በዓል ልደት ካብ ቀደም ኣትሒዞም እንታይ እዮም ዚእመኑ ነይሮም፧ እንታይ ግና እዩ ብንጹር ዘይተራእዮም ነይሩ፧

8 እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ በዓል ልደት ካብ ኣረማዊ ልምድታት ከም ዝመንጨወን የሱስ ብ25 ታሕሳስ (ኰነ ብኣቈጻጽራ ግእዝ 29 ታሕሳስ) ከም ዘይተወልደን ካብ ቀደም ኣትሒዞም ይእመኑ ነይሮም እዮም። ናይ ታሕሳስ 1881 ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ሚልዮናት ካብ ኣረማውነት ናብ ቤተ ክርስትያን መጺኦም እዮም። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣረማውያን ካህናት፡ ክርስትያን ካህናት ስለ ዝዀኑ፡ እቲ ኣረማዊ በዓላት ከኣ ብክርስትያናዊ ስማት ስለ እተጸውዐ፡—በዓል ልደት ከኣ ሓደ ኻብዚ በዓላት እዚ እዩ፡—እቲ ለውጦም ብስም ጥራይ እዩ ነይሩ” በለት። ብ1883፡ ግምቢ ዘብዐኛ፡የሱስ መዓስ እዩ ተወሊዱ፧” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፡ የሱስ ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ ኣቢሉ ኸም እተወልደ ገለጸት። c ኰይኑ ግና፡ እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ በዓል ልደት ምብዓል ኪሓድግዎ ኸም ዘለዎም ብንጹር ኣይተራእዮምን። ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ብሩክሊን እውን ከይተረፉ የብዕልዎ ነበሩ። ድሕሪ 1926 ግና፡ ለውጥታት ኪርአ ጀመረ፧ ስለምንታይ፧

9. እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ብዓል ልደት እንታይ እዮም ኣስተውዒሎም፧

9 እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ጕዳይ እዚ ብደቂቕ ምስ መርመርዎ፡ መበቈል በዓል ልደትን ምስኡ እተተሓሓዘ ልምድታትን ንኣምላኽ ከም ዜሕስር ተገንዘቡ። እታ ኣብ ናይ 14 ታሕሳስ 1927 ዘ ጎልደን ኤጅ ዝወጸት “ምንጪ በዓል ልደት” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ በዓል ልደት ኣረማዊ በዓል ከም ዝዀነ፡ ኣብ ተድላ ኸም ዜተኵር፡ ኣምልኾ ጣኦት እውን ከም ዜጠቓልል ገለጸት። ብተወሳኺ ድማ፡ እዚ በዓል እዚ ኺብዓል ክርስቶስ ከም ዘይኣዘዘ ድሕሪ ምንጻራ፡ ብዛዕባ በዓል ልደት ዝሃበቶ ሓሳብ ክትዛዝም ከላ፡ “ዓለምን ስጋናን ድያብሎስን ንምቕጻሉን ንምብዓሉን ዚድርኹ ምዃኖም፡ እቶም ንኣገልግሎት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ እተወፈዩ ንዘይምብዓሉ ናይ መወዳእታን ወሳንን መርትዖ ይዀኖም እዩ” በለት። ስለዚ፡ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል በታ ታሕሳስ እቲኣ ዀነ ድሕሪኡ በዓል ልደት ኣየብዓሉን።

10. (ሀ) ኣብ ታሕሳስ 1928፡ እንታይ ንበዓል ልደት ዜቃልዕ ዝሰፍሐ ሓበሬታ እዩ ዝቐረበ፧ (“ መበቈልን ዕላማን በዓል ልደት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።) (ለ) ህዝቢ ኣምላኽ ኬርሕቕዎ ብዛዕባ ዘለዎም ካልእ በዓላት ብኸመይ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም፧ (“ ካልእ በዓላትን ጽምብላትን ተቓሊዑ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

10 ንዓመታኡ፡ እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንበዓል ልደት ዜቃልዕ ዝሰፍሐ ሓበሬታ ረኸቡ። ብ12 ታሕሳስ 1928፡ ኣባል ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዝነበረ ሓውና ሪቻርድ ሃርቪ ባርበር ነቲ ርኹስ ምንጪ እዚ በዓል እዚ ዜቃልዕ መደረ ረድዮ ኣቕረበ። ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ኻብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት እተዋህበ ንጹር መምርሒ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ ሓውና ቻርለስ ብራንድሊን ብዛዕባ እቲ ንሱን ስድራ ቤቱን በዓል ልደት ምብዓል ዘቋረጽሉ እዋን ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ነዚ ኣረማዊ ነገራት እዚ ምውጋድና ኣጕህዩና ድዩ፧ ፈጺሙ ኣየጕሃየናን! . . . ንሓደ ዝረስሐ ኽዳን ቀንጢጥካ ኸም ምድርባይ እዩ ነይሩ” በለ። ደሓር ገያሺ ሓላዊ ዀይኑ ዘገልገለ ሓውና ሄንሪ ካንትዌል ከኣ፡ “ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ንምርግጋጽ፡ ሓደ ነገር ምሕዳግና ኣሐጒሱና እዩ” ብምባል ተመሳሳሊ መንፈስ ኣንጸባረቐ። እሙናት ሰዓብቲ ክርስቶስ ዜድሊ ለውጥታት ንምግባርን ካብ ርኹስ ኣምልኾ ኣብ ዝመንጨወ በዓል ንዘይምስታፍን ፍቓደኛታት ነበሩ። dዮሃ. 15:19፣ 17:14

11. ነቲ መሲሓዊ ንጉስ ዘሎና ደገፍ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

11 እቶም እሙናት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዮም ሓዲጎምልና! ንኣብነቶም ከነስተንትነሉ ኸለና፡ ‘ነቲ ኻብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዚውሃብ መምርሒ ብኸመይ እርእዮ፧ ብምስጋና ድየ ዝቕበሎ፧ ንእተምሃርክዎኸ ኣብ ግብሪ አውዕሎ ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተት። ብፍታው እንገብሮ ተኣዛዝነት ነቲ በቲ እሙን ባርያ ገይሩ በብግዜኡ መንፈሳዊ ምግቢ ዚህብ መሲሓዊ ንጉስ ከም እንድግፎ የርኢ።—ግብ. 16:4, 5

ክርስትያናት መስቀል ኪጥቀሙስ ግቡእ ድዩ፧

ኣርማ መስቀልን ኣኽሊልን (ሕጡብ ጽሑፍ 12ን 13ን ርአ)

12. እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓያሎ ዓመታት ብዛዕባ መስቀል እንታይ ርእይቶ ነይርዎም፧

12 እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓያሎ ዓመታት፡ ንመስቀል ከም ቅቡል ምልክት ክርስትና ገይሮም ይርእይዎ ነይሮም። ኣምልኾ ጣኦት ጌጋ ምዃኑ ይርድኡ ብምንባሮም፡ መስቀል ኪምለኽ ከም ዘለዎ ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም ነይሮም። (1 ቈረ. 10:14፣ 1 ዮሃ. 5:21) ገና ብ1883 እኳ፡ ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ኵሉ ኣምልኾ ጣኦት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ” ኢላ እያ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ፈለማ ነቲ ግቡእ ኣጠቓቕማ መስቀል ገይሮም ዚሓስብዎ ዝነበሩ ተግባራት ኣይተቓወምዎን። ንኣብነት፡ ከም መለለዪ ኣርማ እትኸውን መስቀልን ኣኽሊልን ዘለዋ ስፒሎ ይገብሩ ነይሮም። እዚ ኸኣ ክሳዕ ሞት እሙናት እንተ ዀይኖም፡ ኣኽሊል ህይወት ከም ዚረኽቡ ዜመልክት ገይሮም ይሓስቡ ነይሮም። ካብ 1891 ንደሓር ድማ፡ መስቀልን ኣኽሊልን ኣብ ገበር ግምቢ ዘብዐኛ ይወጽእ ነይሩ።

13. ሰዓብቲ ክርስቶስ መስቀል ብዛዕባ ምጥቃም እንታይ እዩ በሪሁሎም፧ (ነታ፡ “ መስቀል ብዛዕባ ምጥቃም በብደረጃኡ ዝበርሀ ብርሃን” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

13 እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣርማ መስቀልን ኣኽሊልን ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። ካብ መወዳእታ 1920ታት ግና፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ መስቀል ብዛዕባ ምጥቃም በብደረጃኡ ብርሃን በርሃሎም። ደሓር ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ሓውና ግራንት ሱይተር ብዛዕባ እቲ ብ1928 ኣብ ዲትሮይት፡ ሚሺጋን፡ ሕ.መ.ኣ. እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ኣብቲ ኣኼባ፡ ኣርማ መስቀልን ኣኽሊልን ዘየድሊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዘይቅቡል ከም ዝዀነ ተገልጸ።” ኣብተን ስዒበን ዝነበራ ሒደት ዓመታት፡ እዚ ብዝያዳ በርሀ። መስቀል ኣብቲ ንጹህን ብመንፈሳዊ መዳይ ጽሩይን ኣምልኾ ቦታ ኸም ዘይብሉ ንጹር ኰነ።

14. ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ መስቀል በብደረጃኡ ዝበርሀ ብርሃን ብኸመይ ምላሽ ሂቦምሉ፧

14 ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ መስቀል በብደረጃኡ ዝበርሀ ብርሃን ብኸመይ ምላሽ ሂቦምሉ፧ ነቲ ኣጸቢቖም ዚፈትውዎ ዝነበሩ ኣርማ መስቀልን ኣኽሊልን ምጥቃም ቀጺሎምዶ፧ ንነዊሕ ዓመታት ንየሆዋ ዘገልገለት ሊላ ሮበርትስ፡ “እንታይ ከም ዜመልክት ምስ ፈለጥና፡ ብቐሊሉ ኢና ሓዲግናዮ” በለት። ኡርሱላ ሰረንኮ እትብሃል ካልእ እምንቲ ሓብቲ ኸኣ፡ “ኣብ ሓደ እዋን ተምሳል ወይ ምልክት ሞት ጐይታናን ክርስትያናዊ ተወፋይነትናን ጌርና ኣኽቢርና እንርእዮ ዝነበርና ነገር፡ ከም ሓቂ ኣረማዊ ምልክት ከም ዝዀነ ፈሊጥና። ምስ ምሳሌ 4:18 ብምስምማዕ፡ እታ መገዲ ደሚቓ ምብራሃ ባህ ኢሉና እዩ” ኢላ ስምዒት ብዙሓት ገለጸት። እሙናት ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብቲ ርኹስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ልምድታት እጃም ኪህልዎም ኣይደለዩን።

15, 16. ንንጽህና እቲ ምድራዊ ኣጸዳት እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ኽንሕሉ ኸም ዝቘረጽና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

15 ሎሚ፡ ከምዚ ዓይነት ቈራጽነት እዩ ዘሎና። ክርስቶስ ንህዝቡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንጹሃት ገይሩ ምእንቲ ኺሕልዎም፡ ብንጹር ንዚልለ መትረብ፡—ንእሙንን ኣስተውዓልን ባርያኡ፡—ይጥቀም ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ ዚውሃበና መንፈሳዊ ምግቢ ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ብዛዕባ እተበከለ በዓላት፡ ልምድታት፡ ወይ ባህልታት ኬጠንቅቐና ኸሎ፡ ብቕልጡፍን ብተኣዛዝነትን ኢና ስጕምቲ እንወስድ። ከምቶም ኣብ መጀመርታ ኽፋል እቲ ክርስቶስ ኣብዚ ዘለወሉ እዋን ዚነብሩ ዝነበሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ንጽህና እቲ ምድራዊ ኣጸዳት እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ኽንሕሉ ቘሪጽና ኢና።

16 ኣብ ብምሉአን እዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ክርስቶስ ንጉባኤታት ህዝቢ የሆዋ፡ መንፈሳዊ ብከላ ኻብ ዜምጽኡ ውልቀ ሰባት ንምዕቋብ ብንጹር ብዘይርአ መገዲ ይዓዪ ኣሎ። ከመይ ገይሩ እዩ ኸምኡ ዚገብር ዘሎ፧ እስከ ንርአ።

“ነቶም እኩያት ካብ መንጎ ጻድቃን” ምፍላይ

17, 18. ኣብ ምሳሌ እታ መርበብ፡ (ሀ) ኣብ ባሕሪ መርበብ ምድርባይ፡ (ለ) ኵሉ ዓይነት ዓሳ ምእካብ፡ (ሐ) ጸጽቡቕ ዓሳ ናብ ኣቓሑ ምእካብ፡ (መ) ሐሕማቕ ዓሳ ምድርባይ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

17 ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዘለዋ ጉባኤታት ህዝቢ ኣምላኽ ወትሩ ይቋመተን እዩ። ንሕና ምሉእ ብምሉእ ብዘይርድኣና መገድታት፡ ክርስቶስን መላእኽትን ናይ ምፍላይ ዕዮ ይዓይዩ ኣለዉ። የሱስ ነዚ ዕዮ እዚ ኣብ ምሳሌ እታ መርበብ ገሊጽዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 13:47-50 ኣንብብ።) እዛ ምሳሌ እዚኣ ንምንታይ እያ እተመልክት፧

እታ መርበብ ነቲ ኣብ ብዘሎ ባሕሪ ደቂ ሰብ ዚግበር ዘሎ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ተመልክት (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18 “ኣብ ባሕሪ . . . መርበብ” ምድርባይ። እታ መርበብ ነቲ ኣብ ብዘሎ ባሕሪ ደቂ ሰብ ዚግበር ዘሎ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ተመልክት። “ኵሉ ዓይነት ዓሳ” ምእካብ። እቲ ብስራት ንዅሎም ዓይነት ሰባት፡ ማለት ነቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኪዀኑ ስጕምቲ ዚወስዱ ዀነ፡ ነቶም ኣብ ፈለማ ተገዳስነት ኣርእዮም ዝነበሩ፡ ግናኸ ኣብ ጐድኒ ንጹህ ኣምልኾ ዘይቈሙ ሰባት፡ ይስሕቦም እዩ። e “ጸጽቡቑ ናብ ኣቓሑ” ምእካብ። ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ናብተን ከም ኣቕሑ ዝበላ ጉባኤታት ይእከቡ እዮም፣ ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ ንጹህ ኣምልኾ ኬቕርቡሉ ይኽእሉ እዮም። “ሐሕማቑ” ምድርባይ። ኣብ ብምሉአን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ክርስቶስን መላእኽትን “ነቶም እኩያት ካብ መንጎ ጻድቃን” ይፈልይዎም ኣለዉ። f ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ እቶም ቅኑዕ ልቢ ዘይብሎም፡—እቶም ምናልባት ግጉይ እምነታት ወይ ልምድታት ኪሓድጉ ዘይደልዩ፡—ንጉባኤታት ኪብክሉ ኣይተፈቕደሎምን። g

19. ክርስቶስ ንጽሬት ህዝቢ ኣምላኽን ንንጽህና ናይ ሓቂ ኣምልኾን ንምሕላው ብዛዕባ ዝገበሮ ነገር ከመይ ይስምዓካ፧

19 ንጉስና የሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ የዕቍቦም ከም ዘሎ ምፍላጥናስ ዜተባብዕ ደይኰነን፧ ንናይ ሓቂ ኣምልኾን ንናይ ሓቂ ኣምለኽትን ዘለዎ ቕንኣት፡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ነታ ቤተ መቕደስ ኬጽርያ ኸሎ ዝነበሮ ኸም ዘሎ ምፍላጥናኸ ዜጸናንዕ ደይኰነን፧ ክርስቶስ ንመንፈሳዊ ጽሬት ህዝቢ ኣምላኽን ንንጽህና ናይ ሓቂ ኣምልኾን ንምሕላው ይዓዪ ምህላዉስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግነሉ! ነቲ ንጉስን ንመንግስቱን እንህቦ ደገፍ፡ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ፈጺምና ብዘይምትንኻፍ ከነርኢ ንኽእል ኢና።

a እቶም በጻሕቲ ኣይሁድ ንቤተ መቕደስ ዓመታዊ ግብሪ ንምኽፋል፡ እተወሰነ ዓይነት ገንዘብ ኪጥቀሙ ነይርዎም፣ እቶም ኣሽረፍቲ ኸኣ ናብቲ ዚድለ ዓይነት ገንዘብ ንምልዋጥ፡ ክፍሊት የኽፍሉ ነይሮም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቶም በጻሕቲ ንመስዋእቲ ዚኸውን እንስሳታት ኪዕድጉ የድልዮም ነይሩ። የሱስ ነቶም ነጋዶ “ጐሓሉት” ኢሉ ዝጸውዖም፡ ንኣገልግሎቶም ኣዝዩ ኽቡር ዋጋ የኽፍሉ ብምንባሮም ኪኸውን ኣለዎ።

b ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ኣብ ምድራዊ ኣጸዳት እታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደሱ እዮም ዜገልግሉ።

c እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እቲ የሱስ ተወሊዱሉ ዚብሃል ቈራሪ ወቕቲ፡ “ምስቲ ጓሶት መጓሰኦም ሒዞም ኣብ መሮር ከም ዝነበሩ ዚገልጽ ዛንታ ኣይቃዶን እዩ” በለት።—ሉቃ. 2:8

d ሓውና ፍረደሪክ ዊልያም ፍራንዝ፡ ብ14 ሕዳር 1927 ብብሕቱ ኣብ ዝጸሓፋ ደብዳበ፡ “ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ በዓል ልደት ኣይከነብዕልን ኢና። ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ደጊም በዓል ልደት ከየብዕሉ መሪጾም እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ብ6 ለካቲት 1928 ኣብ ዝጸሓፋ ደብዳበ ድማ፡ “ጐይታና ኻብ ስሕተታት ባቢሎናዊ ውድብ ድያብሎስ በብቝሩብ የጽርየና ኣሎ” በለ።

e ንኣብነት፡ ብ2013፡ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ 7,965,954 ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ ዓመታዊ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ከኣ 19,241,252 ተኣኪቦም ነይሮም።

f ጸጽቡቕ ዓሳ ኻብ ሐሕማቕ ዓሳ ምፍላይ፡ ኣባጊዕ ካብ ኣጣል ምስ ምፍላይ ሕደ ኣይኰነን። (ማቴ. 25:31-46) ምፍላይ ወይ ናይ መወዳእታ ፍርዲ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን፡ ኣብ ዚመጽእ ብርቱዕ ጸበባ እዩ ዚኸውን። ክሳዕ ሽዑ፡ እቶም ከም ሕማቕ ዓሳ ዝኣመሰሉ፡ ናብ የሆዋ ኺምለሱን ናብተን ከም ኣቕሑ ዝበላ ጉባኤታት ኪእከቡን ይኽእሉ እዮም።—ሚል. 3:7

g ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ሕማቓት ዘበሉ ብምሳልያዊ መገዲ ናብ እቶን ሓዊ ኺድርበዩ እዮም፣ እዚ ድማ ንናይ መጻኢ ጥፍኣቶም የመልክት።