ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 11

ስነ ምግባራዊ ጽሬት—ቅድስና ኣምላኽ የንጸባርቕ

ስነ ምግባራዊ ጽሬት—ቅድስና ኣምላኽ የንጸባርቕ

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

እቲ ንጉስ ንተገዛእቱ፡ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ኬኽብሩ ብኸመይ ከም ዝመሃሮም

ብኣፍ ደገ እቲ ግዳማዊ ኣጸድ እታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ትኣቱ ኸም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ

1. ህዝቅኤል እንታይ ዜደንጽወና ነገር እዩ ዝረኣየ፧

 ከምቲ ኣስታት 25 ዘመን ይገብር ዝነበረ ነብዪ ህዝቅኤል ዘሕለፎ ተመክሮ እንተ ተሕልፍ ከመይ ምተሰምዓካ፧ ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ናብ ሓንቲ ዓባይን እተንጸባርቕን ቤተ መቕደስ ትቐርብ። ነቲ ዜደንቕ ቦታ እቲ ዜርእየካ ሓደ ሓያል መልኣኽ ኣሎ። ናብ ሓደ ኻብቲ ሰለስተ ኣፍ ደገታት ብዚመርሕ ሸውዓተ ደረጃ ትድይብ። በቲ መእተዊታት ከኣ ኣዝዩ ይድንጽወካ። ቍመት እቲ ሰንቀ 30  ሜተር ኣቢሉ ዚኸውን እዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ኣፍ ደገ ድማ፡ ክፍልታት ሓለውቲ ትርኢ። እቲ ኣዕኑድ ከኣ ምዕሩግ ቅርጽታት ኦም ስየ ኣለዎ።—ህዝ. 40:1-4, 10, 14, 16, 22፣ 41:20

2. (ሀ) እታ ብራእይ እተራእየት ቤተ መቕደስ እንታይ ተመልክት፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።) (ለ) ካብቲ እቲ ኣፍ ደገታት እታ ቤተ መቕደስ እተገልጸሉ መገዲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

2 እዚኣ እታ ብራእይ እተራእየት መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ እያ። ህዝቅኤል ብዛዕባኣ ሰፊሕ ዝርዝር ስለ ዝጸሓፈ፡ እቲ ጸብጻቡ ኻብ ምዕራፍ 40 ኽሳብ ምዕራፍ 48 እታ ትንቢታዊት መጽሓፉ መሊእዎ ኣሎ። እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ፡ ነቲ የሆዋ ንንጹህ ኣምልኾ ዝገበሮ መሰናድዎ ተመልክት። ኵሉ መዳያታ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣምልኾና ትርጕም ኣለዎ። a እቲ ዓበይቲ ኣፍ ደገታት እንታይ የመልክት፧ እቶም ናብቲ የሆዋ ንንጹህ ኣምልኾ ዝገበሮ መሰናድዎ ዚኣትዉ፡ ብልዑልን ቅኑዕን ስርዓታት ኣምላኽ ኪነብሩ ኸም ዘለዎም የመልክት። ኦም ስየ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሓደ ግዜ ንቕንዕና ስለ ዜመልክት፡ እቲ ቕርጽታት ኦም ስየ እውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ። (መዝ. 92:12) እቲ ኽፍልታት ሓለውቲኸ፧ እቶም ንስርዓታት ኣምላኽ ዘየኽብሩ ናብቲ ጽቡቕን ህይወት ዚህብን ንጹህ ኣምልኾ ኺኣትዉ ኸም ዘይፍቀደሎም እዩ ዜመልክት።—ህዝ. 44:9

3. ሰዓብቲ ክርስቶስ ብቐጻሊ ኺጸርዩ ዘድለዮም ስለምንታይ እዩ፧

3 እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧ ኣብ ምዕራፍ 2 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ብክርስቶስ ገይሩ ንህዝቡ ኻብ 1914 ክሳዕ መጀመርታ 1919 ብፍሉይ ናይ ምጽራይ መስርሕ ኣሕሊፍዎም እዩ። እሞኸ እቲ ናይ ምጽራይ መስርሕ ሽዑ ኣብቂዑዶ፧ ኣየብቅዐን! ኣብ ብምሉኡ እዚ ዝሓለፈ ዘመን፡ ክርስቶስ ነቲ ናይ የሆዋ ቕዱስ ስርዓታት ኪድግፍ ጸኒሑ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ሰዓብቱ ብቐጻሊ ኺጸርዩ ኣድልይዎም እዩ። ስለምንታይ፧ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ኻብዛ ብስነ ምግባር እተበላሸወት ዓለም ይእክቦም ስለ ዘሎ፡ ሰይጣን ከኣ ናብ ዓዘቕቲ ዘይስነ ምግባራውነት መሊሱ ኼእትዎም ህርድግ ይብል ስለ ዘሎ እዩ። (2 ጴጥሮስ 2:20-22 ኣንብብ።) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብቐጻሊ ዝጸረዩሉ ሰለስተ መዳይ እስከ ንመርምር። ፈለማ፡ ገሊኡ ስነ ምግባራዊ ጽሬት ክንርኢ ኢና፣ ድሕሪኡ፡ ጽሬት ጉባኤ ንምሕላው ዜድሊ ኣገዳሲ መሰናድዎ ኽንምርምር ኢና፣ ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ንስድራ ቤት እተገብረ መሰናድዎ ኽንርኢ ኢና።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እተገብረ ስነ ምግባራዊ ጽሬት

4, 5. ሰይጣን እንታይ ስልቲ እዩ ኻብ ቀደም ኣትሒዙ ዚጥቀም፧ ነዚኸ እንታይ ኣሳልጦ ረኺቡሉ፧

4 ህዝቢ የሆዋ ኻብ ቀደም ኣትሒዞም ብዛዕባ ስነ ምግባራውን ቅኑዕን ኣካይዳ ኣጸቢቖም ይግደሱ እዮም። ስለዚ፡ ኣብዚ ጕዳይ እዚ በብግዜኡ እናነጸረ ዚኸይድ መምርሒታት ረኺቦም እዮም። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

5 ምንዝርና። የሆዋ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዚግበር ጾታዊ ርክብ ንጹህን ጽቡቕን ኪኸውን እዩ ኣዳልይዎ። ሰይጣን ነቲ ኽቡር ህያብ እቲ ኻብቲ ግቡእ ኣጠቓቕማኡ ጠውዩ ረሳሕ ምግባር፡ ንህዝቢ የሆዋ ኸኣ ሞገስ ኣምላኽ ምእንቲ ኺስእኑ ብእኡ ገይሩ ምፍታን ደስ ይብሎ እዩ። ብግዜ በላዓም፡ በቲ ስልቲ እቲ ተጠቒሙን ኣሳልጦ ረኺቡን እዩ፣ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ድማ ብዝያዳ ይጥቀመሉ ኣሎ።—ዘሁ. 25:1-3, 9፣ ራእ. 2:14

6. ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ እንታይ መብጽዓ እዩ እተሓትመ፧ ብኸመይ ይጥቀሙሉ ነበሩ፧ ስለምንታይከ እዩ ዘቋረጸ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

6 ናይ 15 ሰነ 1908 ግምቢ ዘብዐኛ ንጻዕርታት ሰይጣን ንምቅዋም፡ እዚ ዚስዕብ ቃል ኪዳን ዜጠቓልል መብጽዓ ኣሕተመት፦ “ኵሉ ግዜን ኣብ ኵሉ ቦታን፡ እቲ ብውልቀይ ምስ ኣንጻር ጾታ ዘሎኒ ኣካይዳ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ሰባት ምስ ኣንጻር ጾታ ዘሎኒ ኣካይዳ ኽገብሮ እየ።” b እቲ መብጽዓ ናይ ግድን እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ብዙሓት ነቲ መብጽዓ ኣተዉ፡ ስማቶም ድማ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ኺሕተም ለኣኹ። ድሕሪ ዓመታት፡ እዚ መብጽዓ እዚ ብግዜኡ ንብዙሓት እኳ እንተ ሓገዞም፡ ከም ሓደ ሃይማኖታዊ ወግዒ ጥራይ ኰይኑ ኸም ዝተረፈ ተራእየ፣ ስለዚ፡ ተቛረጸ። እቲ ንሱ ዚውክሎ ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ግና ወትሩ ይሕሎ ነበረ።

7. ብ1935፡ ግምቢ ዘብዐኛ እንታይ ጸገም እያ ዝጠቐሰት፧ እንታይ ስርዓት ኪሕሎ ኸም ዘለዎኸ እያ ዳግም ዘረጋገጸት፧

7 መጥቃዕትታት ሰይጣን ግና ሓየለ። ናይ 1 መጋቢት 1935 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ እናዓበየ ዚኸይድ ዝነበረ ጸገም ብንጹር ገለጸቶ። ገሊኦም ሰባት ኣብ ኣገልግሎት ምክፋሎም፡ ኣብ ብሕታዊ ህይወቶም ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ዕሽሽ ኪብሉ ኸም ዜኽእሎም ይሓስቡ ነበሩ። እታ ግምቢ ዘብዐኛ ድማ ብንጹር ከምዚ በለት፦ “ካባና ዚድለ ነገር ኣብ ዕዮ ምስክርነት ጥራይ ምክፋል ከም ዘይኰነ ኽንዝክር ኣሎና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንየሆዋ እዮም ዚውክሉ፣ ስለዚ፡ ንየሆዋን ንመንግስቱን ብግቡእ ናይ ምውካል ግዴታ ኣለዎም።” እታ ዓንቀጽ ኣስዕብ ኣቢላ ብዛዕባ መውስቦን ምንዝርናን ንጹር ምኽሪ ሃበት፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ‘ካብ ምንዝርና ኺሃድሙ’ ሓገዘቶም።—1 ቈረ. 6:18

8. ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ እታ ንጾታዊ ዘይስነ ምግባራውነት እተመልክት ናይ ግሪኽኛ ቓል ሒዛቶ ዘላ ምሉእ ትርጕም ብተደጋጋሚ ዘጕልሐት ስለምንታይ እያ፧

8 ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ግምቢ ዘብዐኛ ግቡእ ትርጕም እታ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ንምንዝርና እተመልክት ፖርኒያ እትብል ቃል ብተደጋጋሚ ኣጕሊሓ እያ። ትርጕም እታ ቓል እቲኣ፡ ኣብ ጾታዊ ርክብ እተሓጽረ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ፖርኒያ ንእተፈላለየ ዘይስነ ምግባራዊ ተግባራት፡ ማለት ነቲ ብሓፈሻኡ ኣብ ኣባይቲ ኣመናዝር ዚግበር ኵሉ ብዕሉግ ተግባራት እያ እተጠቓልል። በዚ ኸምዚ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ካብቲ ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ንብዙሓት ለቢዱ ዘሎ ጽዩፍ ጾታዊ ተግባራት ተዓቚቦም እዮም።—ኤፌሶን 4:17-19 ኣንብብ።

9, 10. (ሀ) ብ1935፡ ግምቢ ዘብዐኛ እንታይ ስነ ምግባራዊ ጕዳይ እያ ዘበገሰት፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ዚምህሮ ሚዛናዊ ትምህርቲ እንታይ እዩ፧

9 ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ። ናይ 1 መጋቢት 1935 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ከምዚ ብምባል ካልእ ስነ ምግባራዊ ጕዳይ ኣበጊሳ እያ፦ “ገሊኦም [ኣልኮላዊ] መስተ ሰትዮም ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኸም ዚካፈሉን ካልእ ሓላፍነታት ውድብ ከም ዚፍጽሙን ተራእዩ እዩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣብ ትሕቲ እንታይ ኵነት እዩ ወይኒ ኺስተ ተፈቒዱ፧ ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ውድብ ጐይታ ዚገብሮ ኣገልግሎት ክሳዕ ዚጸልዎ ወይኒ ኺሰትስ ግቡእ ድዩ፧”

10 መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን፡ ነቲ ቓል ኣምላኽ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ሚዛናዊ ርእይቶ ዚገልጽ ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወይኒ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ብመጠኑ ምስታይ ኣይኵንን እዩ፣ ንስኽራን ግና ኣትሪሩ ይዅንኖ እዩ። (መዝ. 104:14, 15፣ 1 ቈረ. 6:9, 10) ኣልኮላዊ መስተ ሰቲኻ ንኣምላኽ ብዛዕባ ምግልጋል ከኣ፡ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ቀደም ኣትሒዙ፡ ብዛዕባ እቶም ጋሻ ሓዊ ኣብ መሰውኢ ኣምላኽ ብምቕራቦም ኣምላኽ ዝቐዘፎም ደቂ ኣሮን መዘኻኸሪ ይውሃቦም እዩ። እቲ ዛንታ ቐጺሉ ነቶም ሰባት እቲኦም ዘይግቡእ ነገር ናብ ምግባር ዝመርሖም እንታይ ምዃኑ ይገልጽ እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣምላኽ ኣስዒቡ፡ ኵሎም ካህናት ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት ኪጽመዱ ኸለዉ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኸይሰትዩ ዚኽልክል ሕጊ ሂቡ እዩ። (ዘሌ. 10:1, 2, 8-11) ሰዓብቲ ክርስቶስ ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብ ግብሪ ስለ ዜውዕሉ፡ ንኣምላኽ ኣብ ዜገልግሉሉ እዋን፡ ንኣልኮላዊ መስተ ይጥንቀቑሉ እዮም።

11. ህዝቢ የሆዋ ብዛዕባ ልኽፈተ መስተ ተወሳኺ ግንዛበ ምርካቦም ዝጠቐሞም ስለምንታይ እዩ፧

11 ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ብዛዕባ ልኽፈተ መስተ ወይ ብዛዕባ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ተወሳኺ ግንዛበ ረኺቦም እዮም። ሳላ እቲ ብግዜኡ ዝቐረበ መንፈሳዊ ምግቢ፡ ብዙሓት ነዚ ጸገም እዚ ብግቡእ ኪሕዝዎን ገዛእ ርእሶም ኪቈጻጸሩን ክኢሎም እዮም። ብዙሓት ድማ ናብቲ ጸገም እቲ ኸይኣትዉ ተሓጊዞም እዮም። ሓደ እኳ ንኣልኮላዊ መስተ፡ ክብሩን ስድራ ቤቱን ኣብቲ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ናይ ምስታፍ ፍሉይ መሰሉን ኬስእኖ ኼፍቅደሉ የብሉን።

“ጐይታና ብትኪ ትምባኾ ዒግ ከም ዚብል ወይ ዝዀነ ይኹን ዜርክስ ኣብ ኣፉ ኸም ዜእቱ ጌርና ኽንሓስቦ ኣይንኽእልን ኢና።” —ቻርለስ ቴዝ ራስል

12. ኣገልገልቲ ክርስቶስ፡ ዳሕሮት መዓልትታት ቅድሚ ምጅማረን እውን ከይተረፈ፡ ትምባኾ ብዛዕባ ምጥቃም እንታይ ርእይቶ ነበሮም፧

12 ምጥቃም ትምባኾ። ኣገልገልቲ ክርስቶስ፡ ዳሕሮት መዓልትታት ቅድሚ ምጅማረን እውን ከይተረፈ፡ ትምባኾ ብዛዕባ ምጥቃም ኣሉታዊ ርእይቶ እዩ ነይርዎም። ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት፡ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሓውና ቻርለስ ኬፐን፡ ምስ ቻርለስ ቴዝ ራስል ኣብ መበል 19 ዘመን ንፈለማ ግዜ እተራኸበሉ እዋን ይዝክር እዩ። ሽዑ፡ ኬፐን ወዲ 13 ዓመት እዩ ነይሩ፣ ምስ ሰለስተ ኣሕዋቱ ኸኣ ኣብ መደያይቦ እቲ ኣብ ኣሊጌኒ፡ ፐንስልቨንያ ዝነበረ ቤት መጽሓፍ ቅዱስ ነበረ። ራስል ብጥቓኦም ኪሓልፍ ከሎ፡ “ኣቱም ቈልዑ፡ ተትክኹ ኣለኹም ዲኹም፧ ትምባኾ ጨንዩኒ” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ ትምባኾ የትክኹ ኸም ዘይነበሩ ኣረጋገጹሉ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎ ርእይቶ እንታይ ምዃኑ ንጹር እዩ ዀይኑሎም። ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 1895 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ሓውና ራስል ብዛዕባ 2 ቈረንቶስ 7:1 ኸምዚ ዚብል ሓሳብ ሃበ፦ “ዝዀነ ክርስትያን ብዝዀነ መልክዕ ትምባኾ ምስ ዚጥቀም፡ ከመይ ገይሩ ንኽብሪ ኣምላኽ ወይ ንጥቕሙ ኸም ዚኸውን ኪርድኣኒ ኣይክእልን እዩ። . . . ጐይታና ብትኪ ትምባኾ ዒግ ከም ዚብል ወይ ዝዀነ ዜርክስ ነገር ኣብ ኣፉ ኸም ዜእቱ ጌርና ኽንሓስቦ ኣይንኽእልን ኢና።”

13. ብ1973፡ ብስነ ምግባር ንምጽራይ እንታይ ስጕምቲ እዩ ተወሲዱ፧

13 ብ1935፡ ግምቢ ዘብዐኛ ንትምባኾ “ረሳሕ ተኽሊ” ኢላ ጸዊዓቶ እያ፣ ዚሓይኮ ወይ ዜትክኾ ኸኣ ኣባል ስድራ ቤት-ኤል ወይ ኣብ ዕዮ ፈላምነት ኰነ ኣብ ኣገልግሎት መገሻ ንውድብ የሆዋ ወኪሉ ኸም ዘየገልግል ገለጸት። ብ1973 ድማ፡ ብስነ ምግባር ዜጽሪ ተወሳኺ ትምህርቲ ወጸ። ናይ 1 ሰነ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ዋላ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ነዚ ዚቐትልን ዜርክስን ዘይፍቕራውን ተግባር እዚ እናገበረ፡ ኣብ ጉባኤ ጽቡቕ መትከል ከም ዘለዎ ጌርካ ኸም ዘይርአ ገለጸት። እቶም ትምባኾ ምጥቃም ዘየቋረጹ፡ ከም ዚውገዱ ተሓበረ። c እወ፡ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ንምጽራይ፡ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ ወሲዱ።

14. ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ስርዓት እንታይ እዩ፧ ምምሕልላፍ ደምከ ብኸመይ እዩ ልሙድ ዝዀነ፧

14 ምውሳድ ደም። ብግዜ ኖህ፡ ኣምላኽ ደም ምብላዕ ጌጋ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። ነቲ ትእዛዝ እቲ ኸኣ፡ ንህዝቢ እስራኤል ኣብ ዝሃቦም ሕጊ ደጊምዎ እዩ። ንኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ብተመሳሳሊ፡ “ካብ ደም . . . ኪርሕቁ” ትእዛዝ ተዋሂብዎም እዩ። (ግብ. 15:20, 29፣ ዘፍ. 9:4፣ ዘሌ. 7:26) እምበኣር፡ ሰይጣን ኣብዚ ግዜና፡ ብዙሓት ሰባት ነዚ ስርዓት ኣምላኽ ዚጥሕሱሉ መገዲ ምርካቡ ዜገርም ኣይኰነን። ሓካይም ኣብ መበል 19 ዘመን ብደም ፈተነታት ይገብሩ ነይሮም እዮም፣ ዓይነታት ደም ምስ ተፈልጠ ግና፡ እቲ ተግባር እቲ ኣስፋሕፍሐ። ብ1937፡ ደም ተኣኪቡ ኣብ ባንክ ደም ኪኽዘን ጀመረ፣ ካልኣይ ውግእ ዓለም ድማ፡ ምምሕልላፍ ደም ብሰፊሑ ኸም ዚዕየየሉ ገበረ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ምምሕልላፍ ደም ኣብ ብዘላ ዓለም ልሙድ ኰነ።

15, 16. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ምምሕልላፍ ደም እንታይ መትከል እዮም ሒዞም፧ (ለ) ብዛዕባ ምምሕልላፍ ደምን ብዘይ ደም ብዛዕባ ዚውሃብ ሕክምናን፡ ንሰዓብቲ ክርስቶስ እንታይ ደገፍ እዩ ተዋሂብዎም፧ እዚኸ እንታይ ኣፍርዩ፧

15 ግምቢ ዘብዐኛ ኻብ 1944 ኣትሒዛ፡ ምምሕልላፍ ደም ከም ምብላዕ ደም ምዃኑ ሓቢራ እያ። ንዓመታኡ፡ እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መትከል ደልዲሉን ነጺሩን እዩ። ብ1951፡ ህዝቢ ኣምላኽ ምስ ሰብ ሞያ ሕክምና ኣብ ዘለዎም ርክብ ንምሕጋዝ፡ ዝርዝር ሕቶታትን መልስታትን ተሓቲሙ እዩ። ኣብ ብዘላ ዓለም፡ እሙናት ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እናተስተንዓቑን እናተጸልኡን መስጐጕቲ እናወረዶምን ክነሱ፡ ብትብዓት ኣብ መትከሎም ጸኒዖም እዮም። ክርስቶስ ግና ዜድሊ ደገፍ ንምሃብ ንውድቡ የገስግሳ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ዝርዝር ነጥብታት ዝሓዘን ብግቡእ ምርምር እተገብረሉን ብሮሹራት ኰነ ዓንቀጻት ተሓትመ።

16 ብ1979፡ ገሊኦም ሽማግለታት ናብ ሆስፒታላት ከይዶም ንሓካይም ብዛዕባ መትከልናን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያትናን ህሉው ኣማራጺ ሕክምናታትን ኬረድእዎም ጀመሩ። ብ1980፡ ኣብ 39 ከተማታት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከቡ ሽማግለታት፡ ብዛዕባ እዚ ዕዮ እዚ ፍሉይ ስልጠና ተዋህቦም። ድሕሪ ግዜ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ብዘላ ዓለም ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተታት ኪቐውም ፈቐደ። እዚ ጻዕርታት እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምምሕያሽ ኣምጺኡ ድዩ፧ ሎሚ፡ ሓካይም መጥባሕትን ሰብ ሞያ መደንዘዝን ዚርከብዎም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ነቲ ብዘይ ደም ሕክምና ኺውሃበና እነቕርቦ ሕቶ ኣኽቢሮም፡ ምስ ዝሓመሙ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይተሓባበሩ ኣለዉ። ቍጽረን እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሆስፒታላት ከኣ ብዘይ ደም ሕክምና ኺህባ ፍቓደኛታት ይዀና ኣለዋ፣ አረ ገሊኣተንሲ ዝበለጸ ዓይነት ሕክምና ኸም ዝዀነ ገይረን እየን ዚርእያኦ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ካብቲ ሰይጣን ኪብክሎም ዝገበሮ ጻዕርታት ዘዕቈበሉ መገድታት ምሕሳብሲ ዜሐጕስ ደይኰነን፧—ኤፌሶን 5:25-27 ኣንብብ።

ቍጽረን እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሆስፒታላት ብዘይ ደም ሕክምና ኺህባ ፍቓደኛታት ይዀና ኣለዋ፣ አረ ገሊኣተንሲ ዝበለጸ ዓይነት ሕክምና ኸም ዝዀነ ገይረን እየን ዚርእያኦ

17. ነቲ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ዘጽረየሉ መገዲ ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ብኸመይ ነርኢ፧

17 እምበኣር፡ ‘ነቲ ክርስቶስ ንልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ክንስዕብ ብምስልጣን ንሰዓብቱ ዘጽረየሉ መገዲ ኣኽቢርና ንርእዮ ዲና፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና። ኣኽቢርና ንርእዮ እንተ ዄንና፡ ሰይጣን ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ዘሎና ኣኽብሮት ኣዳኺሙ፡ ካብ የሆዋን የሱስን ኪፈልየና ወትሩ ኸም ዚጽዕር ኣይንረስዕ። ነዚ ጽልዋ እዚ ንምቅዋሙ፡ ውድብ የሆዋ ብዛዕባ ዘይስነ ምግባራዊ መገድታት እዛ ዓለም እዚኣ ብቐጻሊ ፍቕራዊ መጠንቀቕታታትን መዘኻኸሪታትን ትህበና እያ። እምበኣር፡ ነዚ ሓጋዚ ምኽሪ እዚ፡ ብንቕሓት ንከታተሎ፡ ንቀበሎ፡ እዙዛት ድማ ንኹን።—ምሳ. 19:20

ንጉባኤ፡ ብስነ ምግባራዊ መዳይ ከይትውቀስ ምዕቋብ

18. እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ብዛዕባ እቶም ደይ መደይ ኢሎም ካብ ስርዓታት ኣምላኽ ዚዓልዉ፡ እንታይ መዘኻኸሪ እዩ ዚህበና፧

18 ካልኣይ መዳይ እቲ ስነ ምግባራዊ ጽሬት፡ ጽሬት ጉባኤ ንምሕላው እተወስደ ስጕምትታት የጠቓልል። እቲ ዜሕዝን፡ ኵሎም እቶም ስርዓታት የሆዋ ተቐቢሎም ርእሶም ንኣምላኽ ዝወፈዩ ኣይኰኑን ንውሳነኦም ጠቢቖም ዚስዕብዎ። ገሊኦም ጸኒሖም ልቦም ይቕየር እሞ፡ ደይ መደይ ኢሎም ካብቲ ስርዓታት እቲ ይዓልዉ እዮም። ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት እንታይ እዮም ዚግበሩ፧ ኣብቲ ኣብ መእተዊ እዛ ምዕራፍ እዚኣ እተጠቕሰ ህዝቅኤል ብዛዕባ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ዝረኣዮ ራእይ፡ ብዛዕባ እዚ ዚሕብር ነገር ክንረክብ ንኽእል ኢና። እቲ ብኣፍ ደገ ምስ ኣተኻ ዘሎ ነዊሕ ዝቝመቱ ሰንቀ ትዝክሮ ኢኻ። ኣብ ውሽጢ እቲ መእተዊታት፡ ክፍልታት ሓለውቲ ነይሩ እዩ። እቶም ሓለውቲ፡ “ልቡ ዘይተገዝረ” ዘበለ ናብታ ቤተ መቕደስ ከይኣቱ ዚሕልዉ ኪዀኑ ኣለዎም። (ህዝ. 44:9) እዚ ድማ ንጹህ ኣምልኾ ነቶም ብንጹህ ስርዓታት የሆዋ ኺመላለሱ ዚጽዕሩ ጥራይ ዚፍቀድ ፍሉይ መሰል ምዃኑ ዜርኢ ንጹር መዘኻኸሪ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ምስ ክርስትያን ብጾት ናይ ምሕባር ፍሉይ መሰል፡ ሎሚ ንዅሉ ኽፉት ኣይኰነን።

19, 20. (ሀ) ክርስቶስ ንሰዓብቱ፡ ነቲ ንኸቢድ ኣበሳ ዚሕዙሉ መገዲ ኼጽርዩ ኸመይ ገይሩ እዩ በብቝሩብ ዝሓገዞም፧ (ለ) ዘይንስሑ ኣበስቲ ዚውገዱሉ ሰለስተ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

19 ብ1892፡ ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ክርስቶስ ንዅሉ በጃ [ተመዓራራዪ ዋጋ] ገይሩ ገዛእ ርእሱ ኸም ዝሃበ ብቐጥታ ዀነ ብተዘዋዋሪ ንዚኽሕዱ ዘበሉ (ኻብ ክርስትና) ኽንውግዶም ግዴታና” ምዃኑ ሓሳብ ሂባ ነይራ። (2 ዮሃንስ 10 ኣንብብ።) ብ1904፡ እታ ዘ ኒው ክሪኤሽን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ እቶም ብግጉይ ኣካይዳ ዚመላለሱ፡ ንጉባኤ ብስነ ምግባር ኬበላሽዉ ኸም ዚኽእሉ ተኣመነት። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብቲ “መርመራ ቤተ ክርስትያን” ዚብሃል ጕዳያት ከቢድ ኣበሳ ንምምርማር ዚግበር መስርሕ፡ ኵሎም ኣባላት ጉባኤ ይሳተፉ ነበሩ። ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚታት ግና ሳሕቲ እዩ ነይሩ። ብ1944፡ ግምቢ ዘብዐኛ እቶም ሓላፍነት እተዋህቦም ጥራይ ከምዚ ዝበለ ጕዳይ ኪሕዙ ኸም ዚግባእ ሓበረት። ብ1952 ድማ፡ ፍርዳዊ ጕዳያት ብኸመይ ኪተሓዝ ከም ዚግባእ ዜርኢ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣሰራርሓታት ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ወጸ፣ ኣብኣ ኸኣ ዘይንስሑ ሰባት ዚውገዱሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ንንጽህና ጉባኤ ንምሕላው ምዃኑ ጐልሐ።

20 ድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ዓመታት፡ ክርስቶስ ንሰዓብቱ፡ ከቢድ ኣበሳ ብኸመይ ኪተሓዝ ከም ዘለዎ ኣነጺሩሎም እዩ። ክርስትያን ሽማግለታት ብግቡእ ሚዛን ፍትሕን ምሕረትን ገይሮም ጕዳያት ፍርዲ ብኸመይ ኪሕዙ ኸም ዘለዎም ብጥንቃቐ ይስልጥኑ እዮም። ሎሚ፡ ዘይንሳሕ ኣባሲ ኻብ ጉባኤ ዚውገደሉ እንተ ወሓደ ሰለስተ ምኽንያት ብንጹር ንግንዘብ ኢና፦ (1) ንስም የሆዋ ኻብ ጸርፊ ናጻ ንምግባር፡ (2) ንጉባኤ ኻብቲ ኸቢድ ሓጢኣት ዜስዕቦ ብከላ ንምሕላው፡ (3) እንተ ተኻኢሉ ነቲ ኣባሲ ኸም ዚንሳሕ ንምግባር።

21. መሰናድዎ ውገዳ ንህዝቢ ኣምላኽ በረኸት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

21 መሰናድዎ ውገዳ ሎሚ ንዘለዉ ሰዓብቲ ክርስቶስ ብኸመይ በረኸት ከም ዝዀነስ ይርኣየካ ድዩ፧ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ኣበስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ህዝቢ ይብክሉ እዮም ነይሮም፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ፡ ካብቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩን ቅኑዕ ኪገብሩ ዚደልዩን ይበዝሑ ነይሮም እዮም። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ህዝቢ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ስም የሆዋ ጸርፊ የምጽእ ብምንባሩ፡ ሞገስ ኣምላኽ ሰኣነ። (ኤር. 7:23-28) ሎሚ ግና፡ የሆዋ ርክቡ ብመንፈሳውያን ሰብኡትን ኣንስትን ምስ ዝቘመ ማሕበረሰብ እዩ ዚገብር። ዝተረሩ ኣበስቲ ኻብ መንጎና ስለ ዚውገዱ፡ ኣብ ጉባኤን ኣብቲ ንጹህ መትከላን ተወሳኺ ጕድኣት ዜስዕቡ ኣጽዋር ሰይጣን ኰይኖም ኬገልግሉ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ጽልዋኦም ኣመና እዩ ዚድረት። ስለዚ፡ ብደረጃ ጕጅለ ሞገስ የሆዋ ኸይንስእን ንሕሎ ኢና። የሆዋ፡ “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ” ኢሉ ቓል ከም ዝኣተወ ኣይንረስዕ። (ኢሳ. 54:17) ፍርዳዊ ጕዳያት ናይ ምሓዝ ከቢድ ሓላፍነት ንዚስከሙ ሽማግለታት ብተኣማንነት ንድግፎም ዲና፧

ነቲ ዅሉ ዓሌት ካብኡ ዚስመ ኣምላኽ ምኽባሩ

22, 23. ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ንዝነበሩ ክርስትያናት ብጾትና ስለምንታይ ኢና ብዙሕ እነድንቖም፧ ምስ ስድራ ቤት ብዚተሓሓዝ ግና፡ ብዝያዳ ሚዛናውያን ኪዀኑ የድልዮም ከም ዝነበረ ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

22 ሰዓብቲ ክርስቶስ ካብቲ ቐጻሊ ጽሬት እተጠቕሙሉ ሳልሳይ መዳይ፡ ምስ መውስቦን ናብራ ስድራ ቤትን እተተሓሓዘ እዩ። ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን፡ ብዛዕባ ስድራ ቤት ዘሎና ርእይቶ እናጸረየ ኸይዱ ድዩ፧ እወ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ መጀመርታ ኽፋል መበል 20 ዘመን ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከነንብብ ከለና፡ ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ብምንባሮም፡ ብመንፈሶም ንድነቕን ንድመምን ኢና። ንኣምላኽ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ካብ ኵሉ ኻልእ ህይወቶም ንላዕሊ ዜቐድምዎ ምንባሮም ኣዝዩ የሐጕሰና እዩ። ሓድሓድ ግዜ ግና፡ ብዝያዳ ሚዛናውያን ኪዀኑ የድልዮም ከም ዝነበረ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧

23 ኣሕዋትና ኻብ ቤቶም ንሓያሎ ኣዋርሕ ዜርሕቖም ምድብ ኣገልግሎት ወይ ዕዮ መገሻ ይዓይዩ ነይሮም እዮም። ካብቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ብዝሓየለ ቛንቛ ንመውስቦ ዘየተባብዕ ነገር ይዝረብ ነይሩ እዩ፣ ድልዱል ክርስትያናዊ ሓዳር ብዛዕባ ምህናጽ ድማ ብዙሕ ኣይብሃልን እዩ ነይሩ። ሎሚኸ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ክርስቶስ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ድዩ ሰፊኑ ዘሎ፧ ኣይፋልን።

ንስድራ ቤታዊ ግዴታታት መስዋእቲ እናገበርካ ኣይኰነን ቲኦክራስያዊ ዕዮታት ኪዕየ ዘለዎ

24. ክርስቶስ ንእሙናት ህዝቡ፡ ብዛዕባ መውስቦን ስድራ ቤትን እንታይ ሚዛናዊ ርእይቶ ኺህልዎም እዩ ዝሓገዞም፧

24 ሎሚ፡ ንስድራ ቤታዊ ግዴታታት መስዋእቲ እናገበርካ ኣይኰነን ቲኦክራስያዊ ዕዮታት ኪዕየ ዘለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8 ኣንብብ።) ብተወሳኺ፡ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ እሙናት ሰዓብቱ፡ ብዛዕባ መውስቦን ናብራ ስድራ ቤትን ሓጋዝን ሚዛናውን ዝዀነ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ብቐጻሊ ኣውሒዙሎም እዩ። (ኤፌ. 3:14, 15) ብ1978፡ ንናብራ ስድራቤትካ ሕጉስ ምግባር ዘርእስታ መጽሓፍ ወጸት። ድሕሪ 18 ዓመት ኣቢሉ ኸኣ፡ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍ ወጸት። ኣብ ልዕሊኡ ድማ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ንሰብ ሓዳር ኣብ ሓዳሮም ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኪዓይዩሉ ዚሕግዝ ሓያሎ ዓንቀጻት ተውጽእ ኣላ።

25-27. ኣብ እተፈላለየ ኽሊ ዕድመ ንዚርከቡ ቘልዑ ዜድልዮም ነገር ንምምላእ፡ ካብ ዓመት ንዓመት ዝያዳ ቘላሕታ እተገብረ ብኸመይ እዩ፧

25 ንንኣሽቱኸ እንታይ ተዳልዩሎም፧ ካብ ዓመት ንዓመት፡ ዜድልዮም ነገር ንምምላእ ዝያዳ ቘላሕታ ተገይሩ እዩ። ውድብ የሆዋ ኣብ እተፈላለየ ኽሊ ዕድመ ንዚርከቡ ቘልዑ ኻብ ቀደም ኣትሒዙ ጽቡቕ ነገራት ኣዳልያትሎም እያ፣ እቲ ኣብ ሓደ እዋን ጥብ ጥብ ጥራይ ዚብል ዝነበረ መሰናድዎ ግና፡ ሕጂ ብቐጻሊ ዚውሕዝ ውሒዝ ኰይኑ ኣሎ። ንኣብነት፡ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መንእሰያት” ዘርእስታ ዓምዲ ኻብ 1919 ክሳዕ 1921 ብቐጻሊ ኣብ ዘ ጎልደን ኤጅ ትወጽእ ነይራ። ድሕሪኡ፡ ብሮሹር ዘ ጎልደን ኤጅ ኤ.ቢ.ሲ. ብ1920፡ መጽሓፍ ቺልድረን ከኣ ብ1941 ወጻ። ብ1970ታት፡ ሊስኒንግ ቱ ዘ ግሬት ቲቸር፡ ዮር ዩዝ—ጌቲንግ ዘ በስት ኣውት ኦቭ ኢት፡ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስተን መጻሕፍቲ ወጻ። ብ1982፡ ኣብ ንቕሑ! “መንእሰያት ዚሓትዎ” ዘርእስቱ ዓምዲ ኺወጽእ ጀመረ፣ እዚ ድማ ናብታ 1989 እተሓትመት መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ መጽሓፍ መርሐ።

ኣብቲ ኣብ ጀርመን እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ፡ እታ ንዓይ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርእስታ ብሮሹር ምስ ወጸት፡ ተኣከብቲ ተሓጒሶም እዮም

26 ሎሚ፡ ክልተ ጥራዝ እታ መንእሰያት ዚሓትዎ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣሎና፣ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ድማ ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ይወጽእ ኣሎ። ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ እውን ኣላትና። ወብ ሳይትና ኸኣ ንንኣሽቱ እተዳለወ ኽፋል ኣለዎ፣ ኣብኡ ድማ ካርድታት ገጸ ባህርያት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንቘልዑን ንሕጻናትን ዚኸውን ንጥፈታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ግድላት፡ ቪድዮታት፡ ስእልታት ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንደቂ ሰለስተ ወይ ካብኡ ንታሕቲ ንዝዕድሚኦም ሕጻናት ዚኸውን ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። ክርስቶስ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንቘልዑ ዝሓቘፈሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ብዛዕባኦም ዘለዎ ርእይቶ ኣይተቐየረን። (ማር. 10:13-16) ኣብ መንጎና ዘለዉ መንእሰያት ኰኑ ቘልዑ፡ ኪፍቀሩን ብመንፈሳዊ መዳይ ብግቡእ ኪምገቡን ይደሊ እዩ።

27 የሱስ፡ ቈልዑ ኻብ ጕድኣት ዕቝባ ኺግበረሎም እውን ይደሊ እዩ። እዛ ብስነ ምግባር እተበላሸወት ዓለም ብዝያዳ እናተጸየቐት ብዝኸደት መጠን፡ ኣብ ቈልዑ ዚወርድ ማህሰይቲ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። ስለዚ፡ ወለዲ ንደቆም ካብዚ ሕማቕ ተግባር እዚ ምእንቲ ኺሕልውዎም፡ ንጹርን ቀጥታውን ጽሑፍ ተሓቲሙ እዩ። d

28. (ሀ) ከምቲ ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ እተገልጸ፡ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ንምስታፍ እንታይ ከነማልእ ኣሎና፧ (ለ) ንስኻ እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

28 ክርስቶስ ንሰዓብቱ፡ ንልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ኬኽብርዎን ብእኡ ኺመላለሱን ካብኡ ኺጥቀሙን ብምስልጣን፡ ብኸመይ የጽርዮም ከም ዘሎ ምስትንታንሲ ዜሐጕስ ደይኰነን፧ ብዛዕባ እታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤተ መቕደስ እሞ ሕስብ ኣብል። ነቲ ልዑል ኣፍ ደገታት ድማ ዘክሮ። እታ ቤተ መቕደስ መንፈሳዊት ደኣ እምበር፡ ብኢድ እትድህሰስ ህንጻ ኣይኰነትን። ኰይኑ ግና፡ ከም ናይ ሓቂ ጌርና ንርእያ ዲና፧ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብምኻድ ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግንጻል ወይ ኣብ ኣገልግሎት ማዕጾ ብምኵሕኳሕ ጥራይ ኣይኰንናን ናብኣ እንኣቱ። እዚ ኣካላዊ ተግባር ጥራይ እዩ። ሓደ ግቡዝ ናብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኸይኣተወ እውን ነዚ ነገራት እዚ ኺገብር ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ እናነበርናን ብቕኑዕ ልቢ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ እናተሳተፍናን ነዚ ነገራት እዚ እንተ ጌርና፡ ናብቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እተቐደሰ ቦታ፡—ንንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ኣምላኽ እተገብረ መሰናድዎ፡—ኣቲናን ኣብኡ ነገልግል ኣለናን ኪብሃል ይከኣል እዩ። እምበኣር፡ ነዚ ኽቡር መሰል እዚ ወትሩ ኣኽቢርና ንርኣዮ። ነቲ ቕኑዕ ስርዓታት የሆዋ ብምድጋፍ፡ ንቕድስና የሆዋ ንምንጽብራቕ ዚከኣለና ዘበለ ንግበር!

a ብ1932፡ 2ይ ጥራዝ እታ መጽሓፍ ቪንዲኬሽን፡ እቲ ኣብ ምምላስ ህዝቢ ኣምላኽ ዜተኵር ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ስጋዊ እስራኤል ዘይኰነስ፡ ኣብ መንፈሳዊ እስራኤል ዘመናዊ ፍጻመ ኸም ዘለዎ ንፈለማ ግዜ ሓበረት። እዚ ትንቢታት እዚ ንምምላስ እቲ ንጹህ ኣምልኾ ዜመልክት ነበረ። ናይ 1 መጋቢት 1999 ግምቢ ዘብዐኛ፡ እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ከምዚ ዝበለት ናይ ምምላስ ትንቢት ምዃና፡ ስለዚ ድማ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣገዳሲ መንፈሳዊ ፍጻመ ኸም ዘለዋ ገለጸት።

b እቲ መብጽዓ፡ ሰብኣይን ሰበይትን እተመርዓዉ ወይ ኣባል ሓደ ስድራ ቤት እንተ ዘይኰይኖም፡ ማዕጾ ጋህ ከየበሉ ኣብ ሓደ ኽፍሊ በይኖም ከይኰኑ ዚኽልክል ነበረ። እዚ መብጽዓ እዚ ንእተወሰነ ዓመታት፡ መዓልቲ መዓልቲ ኽፍሊ እቲ ኣብ ቤት-ኤል ዚቐርብ ኣምልኾ ንግሆ ዀይኑ ይድገም ነበረ።

c ምጥቃም ትምባኾ ኺብሃል ከሎ፡ ምትካኹ፡ ምሕያኹ፡ ወይ ነዚ ዕላማ ኢልካ ምብቋሉ የጠቓልል።

d ንኣብነት፡ ኣብታ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 32 ርአ፣ ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2007 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 3-11 እውን ርአ።