ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 15

ንናጽነት ኣምልኾ ምቅላስ

ንናጽነት ኣምልኾ ምቅላስ

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

ክርስቶስ ንሰዓብቱ፡ ሕጋዊ ተፈላጥነት ኪረኽቡን ሕግታት ኣምላኽ ኪእዘዙ ዘለዎም መሰል ኪሕለወሎምን ኣብ ዝገበርዎ ቓልሲ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም

1, 2. (ሀ) ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ምዃንና ዜረጋግጽ መርትዖ እንታይ እዩ፧ (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሓድሓደ ግዜ ንናጽነት ኣምልኾኦም ኪቃለሱ ዚግደዱ ስለምንታይ እዮም፧

 ዜጋ መንግስቲ ኣምላኽ ዲኻ፧ ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝዀነካ፡ ብርግጽ ከምኡ ኢኻ። ዜግነትካ ዜረጋግጽ መርትዖ ደኣ እንታይ እዩ፧ ፓስፖርት ወይ ካልእ ሰነድ መንግስቲ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ መርትዖኻ ኣብቲ ንየሆዋ ኣምላኽ እተምልኸሉ መገዲ እዩ ዚርአ። ናይ ሓቂ ኣምልኾ፡ ካብቲ እትኣምነሉ ነገር ንላዕሊ እዩ ዜጠቓልል። እወ፡ ተግባርካ፡ ማለት ንሕግታት መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎካ ተኣዛዝነት እውን የጠቓልል እዩ። ኣምልኾና ንዅሉ መዳይ ህይወትና፡ እንተላይ ንደቅና እነዕብየሉን ንጸገማት ጥዕና እንሕዘሉን መገዲ ይጸልዎ እዩ።

2 ይኹን እምበር፡ ኣብ ዙርያና ዘላ ዓለም፡ ንዜግነትና ወይ ነቲ እዚ ዚጠልቦ ብቕዓታት ኵሉ ሳዕ ኣይኰነትን ኣኽቢራ እትርእዮ። ገሊአን መንግስትታት ንኣምልኾና ኪቕይዳኦ ወይ ፈጺመን ኬጥፍኣኦ ፈቲነን እየን። ሓድሓደ ግዜ፡ ተገዛእቲ ክርስቶስ ብሕግታት እቲ መሲሓዊ ንጉስ ኪነብሩ ዜኽእሎም ናጽነት ንምርካብ ኪቃለሱ ተገዲዶም እዮም። እዝስ ዘይንጽበዮ ነገር ድዩ፧ ኣይፋልን። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ህዝቢ የሆዋ፡ ንየሆዋ ንምምላኽ ናጽነት ምእንቲ ኺረኽቡ ብዙሕ ግዜ ኺቃለሱ ተገዲዶም እዮም።

3. ህዝቢ ኣምላኽ ብግዜ ንግስቲ ኣስቴር እንታይ ቃልሲ እዩ ዘጋጠሞም፧

3 ንኣብነት፡ ብግዜ ንግስቲ ኣስቴር፡ ህዝቢ ኣምላኽ ንህልውናኦም ኪቃለሱ ነበሮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ እኩይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃማን ንኣሓሽዌሮስ ንጉስ ፋርስ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ግዝኣቱ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ “ሕጎም . . . ካብ ኵሎም ህዝብታት ፍሉይ” ብምዃኑ ኪቕተሉ ኸም ዘለዎም ሓሳብ ኣቕረበሉ። (ኣስ. 3:8, 9, 13) እሞኸ የሆዋ ንገላዉኡ ሓዲግዎምዶ፧ ኣይፋሉን፣ ነቲ ኣስቴርን ማርዶካይን ንህዝቢ ኣምላኽ ዕቝባ ንምርካብ ናብ ንጉስ ፋርስ ዘቕረብዎ ጥርዓን ባሪኽዎ እዩ።—ኣስ. 9:20-22

4. ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

4 ኣብዚ ግዜናኸ፧ ኣብ ዝሓለፈት ምዕራፍ ከም ዝረኣናዮ፡ ሓድሓደ ግዜ፡ ዓለማውያን ሰበ ስልጣን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ተጻሪሮምዎም እዮም። ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ገለ ኻብቲ ኸምዚ ዝበላ መንግስትታት ንኣምልኾና ንምቕያድ ዝፈተናሉ መገድታት ክንርኢ ኢና። ኣብ ሰለስተ ሓፈሻዊ መዳያት ከነተኵር ኢና፦ (1) ብደረጃ ውድብ ህልውና ኺህልወናን ከም ዝደለናዮ ኸነምልኽን ዘሎና መሰል፡ (2) ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ሕክምና ናይ ምምራጽ ናጽነትና፡ (3) ወለዲ ንደቆም ብስርዓታት የሆዋ ናይ ምዕባይ መሰሎም። ኣብ ኵሉ መዳያት፡ እሙናት ዜጋታት እታ መሲሓዊት መንግስቲ ነቲ ኽቡር ዜግነቶም ንምሕላው ክሳዕ ክንደይ ብጅግንነት ከም እተቓለሱን ጻዕርታቶም ብኸመይ ከም እተባረኸን ክንርኢ ኢና።

ንሕጋዊ ተፈላጥነትን ንመሰረታዊ ናጽነትን ምቅላስ

5. ሕጋዊ ተፈላጥነት ንናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ ረብሓታት የምጽኣሎም፧

5 ንየሆዋ ንምምላኽ ካብ ሰብኣውያን መንግስትታት ሕጋዊ ተፈላጥነት የድልየና ድዩ፧ ኣየድልየናን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሕጋዊ ተፈላጥነት ኣምልኾና ንምፍጻም የቕልለልና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ኣዳራሻት ዓበይቲ ኣኼባታትን ብናጻ ንምእካብ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ንምሕታምን ናብ ሃገር ንምእታውን፡ ብዘይ ዕንቅፋት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ብግህዶ ንምንጋር ዝቐለለ ይዀነልና እዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሕጊ ምዝጉባት እዮም፣ ማዕረ ምእመናን እተን ብሕጊ ዚፍለጣ ሃይማኖታት ድማ ናጽነት ኣምልኾ ኣለዎም። መንግስትታት ሕጋዊ ተፈላጥነት ምሃብ ኪኣብያና ወይ መሰረታዊ ናጽነትና ኪቕይዳ ኣብ ዝፈተናሉ ግዜ ግና እንታይ እዩ ዀይኑ፧

6. ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ መጀመርታ 1940ታት እንታይ ጸገም ኣጋጢምዎም፧

6 ኣውስትራልያ። ኣብ መጀመርታ 1940ታት፡ ኣመሓዳሪ ኣውስትራልያ፡ እምነትና ነቲ ንውግእ ዚግበር ጻዕርታት ሃሳዪ ኸም ዝዀነ ገይሩ ሓሰበ። ስለዚ፡ ዕዮና ተኣገደ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብግህዶ ኺእከቡን ኪሰብኩን ኣይከኣሉን፣ ቤት-ኤል ድማ ተዓጽወ፣ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ተገበተ። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፍ ምሓዝ እኳ ተኸልከለ። ኣብ ኣውስትራልያ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንእተወሰነ ዓመታት ብምስጢር ድሕሪ ምግልጋሎም፡ ኣብ መወዳእታ እፎይታ ረኸቡ። ብ14 ሰነ 1943፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣውስትራልያ ነቲ እገዳ ሰረዞ።

7, 8. ብዛዕባ እቲ ኣብ ሩስያ ዚርከቡ ኣሕዋትና ንብርክት ዝበለ ዓመታት እተቓለሱሉ ቓልሲ ኣምልኾ ናጽነት ግለጽ።

7 ሩስያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓያሎ ዓመታት ብኮምዩኒስታዊ ስርዓት ተኣጊዶም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ1991 ብሕጊ ተመዝገቡ። ሕብረት ሶቮየት ነበር ምስ ፈራረሰት፡ ብ1992 ኣብ ፈደረሽን ሩስያ ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኺብና ኢና። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ገሊኦም ተጻረርቲ፡—ምናዳ ኸኣ ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ሩስያ ምትእስሳር ዘለዎም፡—በቲ ቕልጡፍ ዕቤት ብዝሕና ረዓዱ። ካብ 1995 ክሳዕ 1998 ድማ፡ ተጻረርቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓሙሽተ ሳዕ ኣከታቲሎም ብገበን ከሰስዎም። ኣብ ኵሉ እዚ ኽስታት ከኣ፡ እታ ነቲ ጕዳይ ዝሓዘቶ ዓቃቢት ሕጊ፡ በደል ከም እተገብረ ዚሕብር መርትዖ ኣይረኸበትን። ብ1998፡ እቶም ተጻረርቲ ሲቪላዊ ኽሲ ኣቕረቡ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ፈለማ ተዓወቱ፣ እቶም ተጻረርቲ ግና ነቲ ብይን ኣይተቐበልዎን። ኣብ ግንቦት 2001 ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሳዕሩ። ኣብ ጥቅምቲ እታ ዓመት እቲኣ፡ እቲ ጕዳይ ከም ብሓድሽ ኪምርመር ጀመረ፣ ብ2004 ድማ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሞስኮ ዚጥቀሙሉ ብሕጊ እተመዝገበ ትካል ኪዕጾ ተወሰነ፡ ንጥፈታቱ እውን ተኣገደ።

8 ድሕርዚ፡ ማዕበል መስጐጕቲ ሰዓበ። (2 ጢሞቴዎስ 3:12 ኣንብብ።) ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግፍዕን መጥቃዕትን ወረደ። ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ተገበተ፣ ንኣምልኾ ዚኸውን ህንጻ ኸይካረዩ ወይ ከይሃንጹ ብርቱዕ ቀይድታት ኣጋጠሞም። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ትሕቲ እዚ ጸገማት እዚ ኸመይ ከም እተሰምዖም እሞ ሕስብ ኣብሎ! ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣቐዲሞም ብ2001 ናብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ጠሪዖም ነይሮም እዮም፣ ብ2004 እውን ናብቲ ቤት ፍርዲ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣቕረቡ። ብ2010፡ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ውሳነኡ ገለጸ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ሩስያ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኣገደትሉ ምኽንያት ሃይማኖታዊ ዘይተጻዋርነት ምዃኑ ተገንዘበ። ዝዀነ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝበደለ ዜርኢ መርትዖ ስለ ዘየልቦ ድማ፡ ውሳነታት እቲ ኻብኡ ዚትሕት ኣብያተ ፍርዲ ኺድገፍ ከም ዘይብሉ በየነ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣስዒቡ፡ እቲ እገዳ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋዊ መሰላቶም ኪቕንጥጥ ኢልካ እተገብረ ምዃኑ ገለጸ። እቲ ቤት ፍርዲ ዝወሰኖ ውሳነ፡ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም መሰል ሃይማኖት ናጽነት ዚድግፍ ነበረ። እተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ሩስያ፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ዝሃቦ ብይን ኣብ ግብሪ እኳ እንተ ዘየውዓልዎ፡ ኣብታ ሃገር እቲኣ ዚነብሩ ህዝቢ ኣምላኽ በዚ ዓወታት እዚ ብዙሕ ተተባቢዖም እዮም።

ቲቶስ ማኑሳኪስ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

9-11. ኣብ ግሪኽ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንናጽነት ኣምልኾ ብሓባር ኰይኖም እተቓለሱ ብኸመይ እዮም፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢታት ኣምጺኡ፧

9 ግሪኽ። ብ1983፡ ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምልኾ ብሓደ ምእንቲ ኺእከቡ፡ ቲቶስ ማኑሳኪስ ኣብ ሄራክሊዮን፡ ቅሬጥስ ሓንቲ ኽፍሊ ተኻረየ። (እብ. 10:24, 25) ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ሓደ ቐሺ ኦርቶዶክስ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነታ ኽፍሊ ንኣምልኾ ምጥቃሞም ብምቅዋም፡ ናብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ጥርዓን ኣቕረበ። ስለምንታይ፧ ብሓጺሩ፡ እምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ስለ ዚፍለ እዩ። ሰበ ስልጣን ከኣ ንቲቶስ ማኑሳኪስን ንሰለስተ ኻልኦት ኣብታ ዓዲ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ስጕምቲ ወሰዱሎም። ናይ ገንዘብ መቕጻዕትን ናይ ክልተ ወርሒ ማእሰርትን ድማ ፈረድዎም። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እሙናት ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃኖም፡ እቲ ፍርዲ ንናጽነት ኣምልኾኦም ዚጥሕስ ገይሮም ረኣይዎ፣ ስለዚ፡ ነቲ ጕዳዮም ኣብቲ ዓዲ ናብ ዚርከብ ኣብያተ ፍርዲ ድሕሪ ምቕራቦም፡ ናብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ኣቕረብዎ።

10 ኣብ መወዳእታ፡ ብ1996፡ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ንተጻረርቲ ንጹህ ኣምልኾ ዘይተጸበይዎ ጽፍዒት ሃቦም። እቲ ቤት ፍርዲ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ግሪኽ ዘሎ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ‘ፍሉጥ ሃይማኖት’ ዚብል ትርጕም ይጠቓለሉ እዮም” ኢሉ ድሕሪ ምግላጹ፡ ውሳነታት እቲ ዝተሓተ ኣብያተ ፍርዲ “ኣብ ናጽነት ሃይማኖት እቲ ኣመልካቲ ቐጥታዊ ጽልዋ” ኸም ዝነበሮ ገለጸ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣስዒቡ፡ መንግስቲ ግሪኽ፡ “ሃይማኖታዊ እምነታት ወይ እዚ እምነታት እዚ ዚግለጸሉ መገድታት ግቡእ እንተ ዀይኑ ኺውስን” ከም ዘይግብኦ ገለጸ። እቲ ኣንጻር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ብይናት ተገልበጠ፣ ናጽነት ኣምልኾኦም ከኣ ተረጋገጸ!

11 እሞኸ እዚ ዓወት እዚ ነቲ ኣብ ግሪኽ ዝነበረ ጕዳያት ኣደቂስዎዶ፧ ኣይፋሉን። ኣብ ካሳንድሪያ፡ ግሪኽ እተላዕለ ተመሳሳሊ ጕዳይ፡ ን12 ዓመት ሕጋዊ ቓልሲ ድሕሪ ምግባር፡ ብ2012 እዩ መዕለቢ ረኺቡ። ኣብቲ ጕዳይ እቲ፡ እቲ ተቓውሞ ኻብ ሓደ ኣቡን ኦርቶዶክስ እዩ መጺኡ። እቲ ዝለዓለ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ግሪኽ ዝዀነ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ድማ፡ ነቲ ጕዳይ ንህዝቢ ኣምላኽ ብዚድግፍ መገዲ ኣደቀሶ። እቲ ውሳነ ነቲ ሕገ መንግስቲ ወይ ቅዋም ግሪኽ ዚህቦ ውሕስነት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ድሕሪ ምጥቃስ፡ ነቲ ብዙሕ ግዜ ዚደጋገም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍሉጥ ሃይማኖት ከም ዘይኰኑ ዚቐርብ ክሲ ነጸጎ። እቲ ቤት ፍርዲ ኸኣ፡ “ሰረተ እምነታት ‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር’ ሕቡእ ኣይኰነን፣ እዚ ድማ፡ ሃይማኖቶም ፍሉጥ ሃይማኖት ምዃኑ እዩ ዚምስክር” በለ። ኣባላት እታ ንእሽቶ ጉባኤ ካሳንድሪያ ኣብ ናቶም ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣኼባታት ኪገብሩ ምኽኣሎም የሐጕሶም እዩ።

12, 13. ኣብ ፈረንሳ ዚርከቡ ተጻረርቲ፡ “ከም ሕጊ ኢና፡ እናበሉ ዓመጽ” ናይ ምግባር ስልቲ እተጠቕሙ ብኸመይ እዮም፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት ኣምጺኡ፧

12 ፈረንሳ። ገሊኦም ተጻረርቲ ህዝቢ ኣምላኽ፡ “ከም ሕጊ ኢና፡ እናበሉ ዓመጽ” ናይ ምግባር ስልቲ ተጠቒሞም እዮም። (መዝሙር 94:20 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ኣብ መፋርቕ 1990ታት፡ ኣብ ፈረንሳ ዚርከቡ ሰበ ስልጣን ግብሪ፡ ንምሕደራ ገንዘብ እቲ ኣብ ፈረንሳ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ኣሶስያስዮን ሌ ቴምወን ደ ዤኦቫ ዚብሃል ትካል መርመራ ገበሩሉ። ሚኒስተር ባጀት ከኣ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ናይ ሓቂ ዕላማ እቲ መርመራ ገለጸ፦ “እቲ መርመራ፡ ንብረት ተሸይጡ ዕዳ ኪኽፈል ብፍርዲ ትእዛዝ ናብ ምሃብ ወይ ናብ ገበናዊ ኽሲ . . . ኺመርሕ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ንስራሕ እቲ ማሕበር ኬነቓንቖ ወይ ነቲ ኣብ ክልና ዚገብሮ ንጥፈታት ንምቍራጽ ኬገድዶ ይኽእል እዩ።” እቲ መርመራ ሕሳብ ዋላ ሓደ ጕድለት እኳ እንተ ዘይተረኽቦ፡ እቶም ሰበ ስልጣን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ፈረንሳ ዚርከብ ትካልና፡ ዜልምስ ግብሪ ጸዓኑ። እቲ ስልቲ እንተ ዚዕወት ነይሩ፡ ኣሕዋትና ነቲ ሰፍ ዘይብል ግብሪ ንምኽፋል፡ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ምዓጸዉን ነቲ ህንጻታት ምሸጥዎን ነይሮም። ኣዝዩ ዓብዪ ጽፍዒት እዩ ነይሩ፣ ህዝቢ ኣምላኽ ግና ኣይተሓለሉን። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኣበርቲዖም ተቓወምዎ፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ ጕዳይ ብ2005 ናብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ቐረበ።

13 ብ30 ሰነ 2011፡ እቲ ቤት ፍርዲ ብይን ሃበ። ኣብቲ ብይን ድማ፡ መሰል ናጽነት ሃይማኖት ንመንግስቲ፡ ብዘይካ ኣብ ፍሉይ ጕዳያት፡ ሕጋውነት ሃይማኖታዊ እምነታት ወይ እምነቶም ዚገልጹሉ መገዲ ኺግምግም ከም ዘየፍቅደሉ ተገልጸ። ብተወሳኺ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኸምዚ በለ፦ “እቲ . . . ግብሪ ንምእካብ እተገብረ ፈተነ፡ ነቲ ቐንዲ ምንጪ ሃብቲ እቲ ማሕበር ናይ ምብታኽ ጽልዋ ነይርዎ፣ ስለዚ፡ ነቶም ምእመናን ኣምልኾኦም ብናጻ ዚገልጹሉ ግብራዊ መዳያት ዚዀልፍ እዩ ነይሩ።” እቲ ቤት ፍርዲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ደጊፉ ብሓደ ድምጺ ወሰነ። መንግስቲ ፈረንሳ ምስ ትእዛዝ እቲ ቤት ፍርዲ ብምስምማዕ፡ ነቲ ኻብቲ ኣብ ፈረንሳ ዚርከብ ሕጋዊ ትካልና ዝኣከቦ ግብሪ ምስ ወለዱ ምምላሱ፡ ነቲ ኣብቲ ህንጻታት እቲ ጨንፈር ብሰንኪ ዕዳ ኸይሽየጥ ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ኸኣ ምልዓሉ ንህዝቢ የሆዋ ኣሐጒስዎም እዩ።

ነቶም ብሰንኪ ዘይፍትሓውነት መከራ ዚጸግቡ ዘለዉ መንፈሳውያን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣዘውቲርካ ኽትጽልየሎም ትኽእል ኢኻ

14. ኣብቲ ንናጽነት ኣምልኾ ዚግበር ቃልሲ ኸመይ ጌርካ እጃምካ ኸተበርክት ትኽእል፧

14 ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ፡ ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ኣስቴርን ማርዶካይን፡ በቲ የሆዋ ዝኣዘዞም መገዲ ኣቢሎም ንናጽነት ኣምልኾ የሆዋ ይቃለሱ እዮም። (ኣስ. 4:13-16) ንስኻኸ እጃም ኪህልወካ ይኽእልዶ፧ እወ። ነቶም ብሰንኪ ዘይፍትሓውነት መከራ ዚጸግቡ ዘለዉ መንፈሳውያን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣዘውቲርካ ኽትጽልየሎም ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዝበለ ጸሎት፡ ኣብ ትሕቲ ጸገምን መስጐጕትን ንዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሕ ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። (ያእቆብ 5:16 ኣንብብ።) የሆዋ ኸምዚ ዝበለ ጸሎት ሰሚዑ ስጕምቲ ይወስድ ድዩ፧ ኣብ ቤት ፍርዲ እንረኽቦ ዓወታት፡ ብርግጽ ከምኡ ኸም ዚገብር እዩ ዚእምት!—እብ. 13:18, 19

ምስ እምነትና ዚሰማማዕ ዓይነት ሕክምና ናይ ምምራጽ ናጽነት

15. ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ ምውሳድ ደም እንታይ ረቛሒታት እዮም ኣብ ግምት ዜእትዉ፧

15 ኣብ ምዕራፍ 11 ኸም ዝረኣናዮ፡ ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ደም ከይወስዱ ንጹር ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ተዋሂብዎም እዩ፣ እዚ ድማ ሎሚ ንቡር ኰይኑ ኣሎ። (ዘፍ. 9:5, 6፣ ዘሌ. 17:11፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29 ኣንብብ።) ምምሕልላፍ ደም ዘይንቕበሎ እኳ እንተ ዀንና፡ ንዓና ዀነ ንእንፈትዎም ሰብና ምስ ሕግታት ኣምላኽ ዘይጋጮ ብሉጽ ሕክምና ንደሊ ኢና። ላዕለዎት ኣብያተ ፍርዲ ብዙሓት ሃገራት፡ ሰባት ኣብ ሕልናኦም ወይ ሃይማኖታዊ እምነቶም ተመርኲሶም፡ ሕክምና ኪቕበሉ ወይ ኪነጽጉ መሰል ከም ዘለዎም ኣሚኖም እዮም። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ግና፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብዚ መዳይ እዚ ኸቢድ ብድሆታት ኣጓኒፍዎም እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

16, 17. ኣብ ጃፓን እትነብር ሓብቲ እተዋህባ ሕክምና ዘሰምበዳ ስለምንታይ እዩ፧ ጸሎታ እተመለሰኸ ብኸመይ እዩ፧

16 ጃፓን። ኣብ ጃፓን እትነብር ሚሳኢ ታኬዳ እትብሃል 63 ዓመት ዝዕድሚኣ ሰበይቲ፡ ከቢድ መጥባሕቲ ኣድለያ። እምንቲ ዜጋ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃና፡ ንሓኪማ ብዘይ ደም ክትሕከም ከም እትደሊ ኣነጸረትሉ። ድሕሪ ኣዋርሕ ግና፡ ኣብ እዋን መጥባሕታ ደም ከም እተዋህባ ምፍላጣ ኣሰምበዳ። ሓብትና ታኬዳ መሰላ ስለ እተጋህሰን ስለ እተታለለትን፡ ኣብ ሰነ 1993 ነቶም ሓካይምን ነቲ ሆስፒታልን ከሰሰቶም። እታ ትሕትትን ልእምትን ሰበይቲ፡ ነቕ ዘይትብል እምነት ነበረታ። ጕልበታ ደኺሙ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ቅድሚ ብሰብ ዝመልአ ቤት ፍርዲ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ብትብዓት መስከረት። ካብቲ ዝሞተትሉ ሓደ ወርሒ ኣቐዲማ፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ቐረበት። ነቲ ትብዓታን እምነታንሲ ኣይነድንቖንዶ፧ ሓብትና ታኬዳ፡ ኣብቲ ቓልሳ ወትሩ ኻብ የሆዋ በረኸት ትልምን ከም ዝነበረት ገሊጻ ነይራ። ጸሎታ ኸም ዚምለስ ከኣ ትተኣማመን ነይራ። እሞኸ ጸሎታ ተመሊሱዶ፧

17 ሓብትና ታኬዳ ድሕሪ ሙማታ ሰለስተ ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጃፓን፡ ድሌታ ገሊጻ ኽነሳ ደም ከም ዚውሃባ ምግባሮም ጌጋ ምንባሩ ብምሕባር፡ ንዓኣ ዚድግፍ ብይን በየነ። ብ29 ለካቲት 2000፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጕዳያት ዘሎ “መሰል ውሳነ” “ኸም ብሕታዊ መሰል ጌርካ ኪኽበር ኣለዎ” በለ። ሓብትና ታኬዳ ነቲ ምስቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኣ ዚሰማማዕ ሕክምና ናይ ምምራጽ መሰላ ኽትቃለስ ብምውሳና፡ ኣብ ጃፓን ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብግዲ ደም ከይውሃቦም ስግኣት ከየሕደሩ ሕክምና ኺረኽቡ ኽኢሎም ኣለዉ።

ፓብሎ ኣልባራሲኒ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ኽሳዕ 20 ርአ)

18-20. (ሀ) ኣብ ኣርጀንቲና ዚርከብ ይግባይ ዚሰምዕ ቤት ፍርዲ ነቲ ሓደ ሰብ ብሕክምናዊ መምርሒ ኣቢሉ ምምሕልላፍ ደም ኪኣቢ ዘለዎ መሰል ዝደገፈ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ምምሕልላፍ ደም፡ ንመሪሕነት ክርስቶስ ከመይ ጌርና ተገዛእነት ነርኢ፧

18 ኣርጀንቲና። ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ሃለዋቶም ኣብ ዜጥፍኡሉ እዋን ንዚውሃቦም ሕክምና ብኸመይ ኪዳለዉ ይኽእሉ፧ ከምቲ ፓብሎ አልባራሲኒ ዝገበሮ፡ ኣብ ክንዳና ዀይኑ ዚዛረብ ሕጋዊ ሰነድ ምሳና ኽንሕዝ ንኽእል ኢና። ኣብ ግንቦት 2012፡ ሰረቕቲ ደጋጊሞም ተኲሶም ኣቝሰልዎ። ናብ ሆስፒታል ኪውሰድ ከሎ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ነበረ፣ ስለዚ፡ ብዛዕባ ምምሕልላፍ ደም ዘለዎ መትከል ኪገልጽ ኣይከኣለን። ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝፈረመሉ ሕክምናዊ መምርሒ ምስኡ ነበረ። ኣብ ከቢድ ኵነታት እኳ እንተ ነበረ፡ ገሊኦም ሓካይም እውን ህይወቱ ንምድሓን ደም ኪውሃቦ ኸም ዚግባእ እኳ እንተ ኣመኑ፡ እቶም ሰብ ሞያ ሕክምና ነቲ ድሌቱ ኬኽብሩሉ ወሰኑ። ኰይኑ ግና፡ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ኣቦ ፓብሎ፡ ንድሌት ወዱ ዜፍርስ ትእዛዝ ካብ ቤት ፍርዲ ኣምጽአ።

19 እቲ ንሰበይቲ ፓብሎ ዚውክል ጠበቓ ብኡብኡ ይግባይ በለ። ኣብ ውሽጢ ሰዓታት፡ እቲ ይግባይ ዚሰምዕ ቤት ፍርዲ ነቲ ኻብ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ እተዋህበ ትእዛዝ ሰረዞ፣ እቲ ኣብቲ መምርሒ ሕክምና ተገሊጹ ዘሎ ድሌት እቲ ሕሙም ኪኽበር ከም ዘለዎ ድማ ወሰነ። ኣቦ ፓብሎ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣርጀንቲና ይግባይ በለ። ይኹን እምበር፡ እቲ ቤት ፍርዲ፡ “[ምምሕልላፍ ደም ከም ዘይቅበል ዚገልጽ መምርሒ ሕክምና ፓብሎ] ብምስትውዓልን ብምሕላንን ብናጽነትን ከም እተገብረ ዜጠራጥር ምኽንያት ከም ዘይብሉ” ኣረጋገጸ። እቲ ቤት ፍርዲ ድማ፡ “ኵሉ ብቑዕ በጽሒ . . . ኣቐዲሙ ንጥዕናኡ ዚምልከት መምርሒ ኺህብ፡ ገሊኡ ዓይነት ሕክምና ድማ ኪቕበል ወይ ኪነጽግ ይኽእል እዩ። እዚ መምርሒ እዚ በቲ ሓላፍነት ዘለዎ ሓኪም ተቐባልነት ኪህልዎ ኣለዎ” በለ።

ሕክምናዊ መምርሒ መሊእካዶ፧

20 ሓውና ኣልባራሲኒ ድሕሪኡ ምሉእ ብምሉእ ሓወየ። ንሱን ሰበይቱን ከኣ ነቲ ሕክምናዊ መምርሒ ምምላኡ የሐጕሶም እዩ። ነቲ ቐሊል ግናኸ ኣገዳሲ ስጕምቲ ብምውሳዱ፡ ነቲ ክርስቶስ ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ዚገዝኦ ግዝኣት ከም ዚግዛእ ኣርእዩ እዩ። ንስኻን ስድራ ቤትካንከ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ወሲድኩምዶ፧

ኤፕሪል ካዶሬ (ሕጡብ ጽሑፍ 21 ኽሳዕ 24 ርአ)

21-24. (ሀ) ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ ብዛዕባ ዘይባጽሑን ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ደምን እንታይ ዜገርም ውሳነ እዩ ዝገበረ፧ (ለ) እዚ ጕዳይ እዚ ንንኣሽቱ ኣገልገልቲ የሆዋ ብኸመይ ኬተባብዖም ይኽእል፧

21 ካናዳ። ብሓፈሻኡ፡ ኣብያተ ፍርዲ ነቲ ወለዲ ንደቆም ዝበለጸ ሕክምና ኺመርጹ ዘለዎም መሰል የኽብሮ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ፡ ኣብያተ ፍርዲ፡ ዘይባጽሐ ብሱል ውልቀ ሰብ ንሕክምናዊ ውሳነታት ብዚምልከት ዘለዎ ርእይቶ ኣኽብሮት ኪውሃቦ ኸም ዚግባእ ወሲኑ እዩ። ኤፕሪል ካዶሬ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ እያ ኣሕሊፋ። ኤፕሪል ጓል 14 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ብርቱዕ ውሽጣዊ መድመይቲ ስለ ዘጋጠማ ናብ ሆስፒታል ኣተወት። ሒደት ኣዋርሕ ኣቐዲማ፡ ቅድመ ሕክምናዊ መምርሒ መሊኣ ነይራ፣ ኣብኡ ኸኣ ኣብ ድንገተኛ ዅነታት እኳ ምምሕልላፍ ደም ከም ዘይትቕበል ገሊጻ ነይራ። እቲ ተረኛ ዝጸንሐ ሓኪም ግና፡ ነቲ ብንጹር እተገልጸ ድሌት ኤፕሪል ዕሽሽ ኢሉ ደም ምእንቲ ኺህባ ኻብ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ኪረክብ ጸዓረ። ንዓኣ ድማ ሰለስተ ኣሃዱ ቐይሕ ዋህዮታት ደም ብግዲ ተዋህባ። ደሓር፡ ኤፕሪል ነዚ ተግባር እዚ ምስ ጾታዊ ዓመጽ ኣመሳሲላቶ እያ።

22 ኤፕሪልን ወለዳን ፍትሒ ደልዮም ናብ ኣብያተ ፍርዲ ኣቤት በሉ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ እቲ ጕዳይ ኣብ ቅድሚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ ቐረበ። ኤፕሪል ኣብቲ ነቲ ቕዋም ወይ ሕገ መንግስቲ ዘቕረበትሉ ብድሆ እኳ እንተ ዘይተዓወተት፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ንጕዳያ ንምክትታል ዘውጽኣቶ ወጻኢታታ ኺሽፈነላ ወሰነ፡ ንዓኣን ነቶም ዝደለይዎ ሕክምና ናይ ምምራጽ መሰሎም ኪጥቀሙሉ ዚደልዩ ዘይባጽሑ ብሱላትን ዚድግፍ ብይን ድማ በየነ። እቲ ቤት ፍርዲ ኸምዚ በለ፦ “ንሕክምና ብዚምልከት፡ ትሕቲ 16 ዝዕድሚኦም ንኣሽቱ ብዛዕባ ሓደ ሕክምና ዘለዎም ርእይቶ ብእተወሰነ መጠን ናይ ሓሳብ ናጽነትን ብስለትን ከም ዚንጸባረቐሉ ኼርእዩ ኺፍቀደሎም ይግባእ።”

23 እዚ ጕዳይ እዚ ንሕገ መንግስታዊ ወይ ቅዋማዊ መሰል ዘይባጽሑ ብሱላት ዚምልከት ብምዃኑ ኣገዳሲ እዩ። ቅድሚ እዚ ብይን እዚ፡ ኣብ ካናዳ ዚርከብ ቤት ፍርዲ፡ ትሕቲ 16 ንዝዕድሚኡ ቘልዓ፡ ነቲ ቘልዓ ዚጠቅም ዝበሎ ሕክምና ኺእዝዝ ይኽእል ነይሩ እዩ። ድሕሪ እዚ ብይን እዚ ግና፡ ሓደ ቤት ፍርዲ፡ ትሕቲ 16 ዝዕድሚኡ ቘልዓ ናይ ርእሱ ውሳነ ኺገብር ብሱል ምዃኑ ኸየረጋገጸ፡ ባዕሉ ኺውሰን ኣይክእልን እዩ።

“ስም ኣምላኽ ንምኽባርን ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ንምርግጋጽን ኣብ ዚግበር ጻዕሪ ንእሽቶ እጃም ኪህልወኒ ምኽኣሉ፡ ብሓቂ ኣሐጒሱኒ እዩ”

24 እቲ ሰለስተ ዓመት ዝወሰደ ቓልሲ ዚኽሕስ ድዩ ነይሩ፧ ኤፕሪል፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ “እወ!” ኢላ እያ መሊሳ። ሕጂ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና እተገልግል ዘላን ጽቡቕ ጥዕና ዘለዋን ኤፕሪል፡ “ስም ኣምላኽ ንምኽባርን ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ንምርግጋጽን ኣብ ዚግበር ጻዕሪ ንእሽቶ እጃም ኪህልወኒ ምኽኣሉ፡ ብሓቂ ኣሐጒሱኒ እዩ” በለት። ተመክሮ ኤፕሪል፡ ንኣሽቱ ደቅና ብትብዓት ኣብ መትከሎም ኪጸንዑን ናይ ሓቂ ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኖም ኬርእዩን ከም ዚኽእሉ ይሕብር።—ማቴ. 21:16

ንውሉዳት ብስርዓታት የሆዋ ናይ ምዕባይ ናጽነት

25, 26. ሓድሓደ ግዜ፡ ድሕሪ ፍትሕ እንታይ ኵነታት እዩ ዚልዓል፧

25 የሆዋ ንወለዲ፡ ንደቆም ብስርዓታቱ ኼዕብይዎም ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። (ዘዳ. 6:6-8፣ ኤፌ. 6:4) እዚ ዕዮ እዚ በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ምናዳ ፍትሕ ኬጋጥም ከሎ ድማ፡ ዝገደደ በዳሂ እዩ ዚኸውን። ወለዲ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ውላዶም፡ ኣመና እተፈላለየ ርእይቶ ኺህልዎም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ወላዲ፡ ቈልዓ ብክርስትያናዊ ስርዓታት ኪዓቢ ኸም ዚግብኦ ኺኣምን ከሎ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ወላዲ ድማ ምስዚ ሓሳብ እዚ ኸይሰማማዕ ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ፡ ፍትሕ ነቲ ኣብ ሓዳር ዝነበረ ርክብ ዚበትኮ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ኸም ወለዲ መጠን ዘለዎም ርክብ ግና ከይፈረሰ ኸም ዚቕጽል፡ እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ወላዲ ኺግንዘብ ኣለዎ።

26 እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ወላዲ፡ ነቲ ሃይማኖታዊ ኣተዓባብያ ደቂ ምእንቲ ኺቈጻጸር፡ ቈልዓ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ንዕኡ ኺውሃቦ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቤት ይብል ይኸውን። ገሊኦም ሰባት፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኴንካ ምዕባይ ጐዳኢ ኸም ዝዀነ ይዛረቡ እዮም። እቶም ውሉዳት፡ ልደቶምን ካልእ በዓላትን ኬብዕሉ ኸም ዘይፍቀደሎም፡ ንሕክምና ዚምልከት ድንገት ኬጋጥም ከሎ ድማ “ህይወት ዜድሕን” ዚብሃል ምምሕልላፍ ደም ከም ዘይውሃቦም ይማጐቱ እዮም። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ መብዛሕትኡ ኣብያተ ፍርዲ ነቲ ውሉድ ዚጠቅም ደኣ እምበር፡ ሃይማኖት ሓደ ወላዲ ጐዳኢ እንተ ዀይኑ ኣይኰነን ዚምርምር። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

27, 28. ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኦሃዮ፡ ነቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኴንካ ምዕባይ ንቘልዓ ጐዳኢ ኸም ዝዀነ ዝቐረበሉ ጕዳይ እንታይ ምላሽ ሃበ፧

27 ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ። ብ1992፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኦሃዮ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ኣቦ፡ ንእሽቶ ወዱ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ እንተ ዓብዩ ኸም ዚጕዳእ ዘቕረቦ ጥርዓን ሰምዐ። ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ምስዚ ብምስምማዕ፡ ውሉድ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ነቲ ኣቦ ሂብዎ ነይሩ እዩ። እታ ጀኒፈር ፔተር ዝስማ ኣደ ኸኣ፡ ናይ ምብጻሕ መሰል እኳ እንተ ተፈቕደላ፡ “ነቲ ቘልዓ፡ እምነታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝዀነ መልክዕ ክትምህሮ ወይ [ናብቲ ትምህርቲ] ኸተቃልዖ” ኸም ዘይፍቀደላ ትእዛዝ ተዋሂብዋ ነይሩ እዩ። እዚ ኻብቲ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ እተዋህበ ትእዛዝ ኣዝዩ ሰፊሕ ብምዃኑ፡ ሓብትና ፔተር ምስ ባቢ ወዳ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ክትዛረብ እኳ ኸም ዘይፍቀደላ ጌርካ ኺትርጐም ይከኣል ነይሩ እዩ። እሞኸ ኸመይ ከም እተሰምዓ ኽትግምቶዶ ትኽእል፧ ጀኒፈር ብዙሕ እያ ጕህያ፣ ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ስጕምቲ ኽሳዕ ዚወስድ፡ ትዕግስቲ ምግባርን ምጽባይን ከም እተማህረት እያ እትገልጽ። ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “የሆዋ ወትሩ ኣይተፈልየንን” በለት። ጠበቓኣ ኸኣ ብውድብ የሆዋ እናተሓገዘት፡ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኦሃዮ ይግባይ በለት።

28 እቲ ቤት ፍርዲ፡ “ወለዲ ንደቆም ናይ ምምሃር መሰረታዊ መሰል፡ እንተላይ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ስነ ምግባራውን ሃይማኖታውን ስርዓታት ናይ ምንጋር መሰል ኣለዎም” ብምባል፡ ነቲ ብታሕተዋይ ቤት ፍርዲ እተገብረ ውሳነ ኣይተሰማምዓሉን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኽቢርካ ዚርእይዎ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ንኣካላውን ንኣእምሮኣውን ጥዕና እቲ ቘልዓ ኸም ዚጐድእ ክሳዕ ዘይተረጋገጸ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ሃይማኖት ተመርኲሱ ንመሰል ኣተዓባብያ ወላዲ ናይ ምቕያድ መሰል ከም ዘይብሉ ድማ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ገለጸ። ሃይማኖታዊ እምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣእምሮኣዊ ወይ ንኣካላዊ ጥዕና ቘልዓ ብሕማቕ ከም ዚጸልዎ ኸኣ፡ እቲ ቤት ፍርዲ መርትዖ ኣይረኸበን።

ሓያሎ ኣብያተ ፍርዲ ነቲ ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ናይ ምዕባይ መሰል ዚድግፍ ብይን ሂቡ እዩ

29-31. ኣብ ደንማርክ እትነብር ሓንቲ ሓብቲ ነቲ ንጓላ ኸተዕቢ ዝነበራ ሓላፍነት ዝሰኣነት ብኸመይ እያ፧ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደንማርክ ኣብቲ ጕዳይ እቲ እንታይ ወሰነ፧

29 ደንማርክ። ኣኒታ ሃንሰን፡ እቲ ምስኣ እተፋትሐ ሰብኣያ ነታ ጓል ሸውዓተ ዓመት ዝነበረት ኣማንዳ ጓሎም ባዕሉ ኼዕብያ ጥርዓን ምስ ኣቕረበ፡ ተመሳሳሊ ዅነታት እዩ ኣጋጢምዋ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ብ2000 ንሓብትና ሃንሰን ውላዳ ኸተዕቢ ሓላፍነት እኳ እንተ ሃባ፡ ኣቦ ኣማንዳ ናብ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ይግባይ በለ፣ እቲ ቤት ፍርዲ ኸኣ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ዝሃቦ ፍርዲ ገልቢጡ፡ ውሉድ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ነቲ ኣቦ ሃቦ። እቲ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ፡ እቶም ወለዲ ብዛዕባ ህይወት ኣብ ሃይማኖታዊ እምነቶም እተመርኰሰ እተፈላለየ ርእይቶ ስለ ዘለዎም፡ እቲ ኣቦ ነቲ ፍልልያት እቲ ንምሓዝ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ወሰነ። ስለዚ፡ ሓብትና ሃንሰን ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃና ጥራይ እያ ንኣማንዳ ንምዕባይ ሓላፍነት ዘይተዋህባ!

30 ሓብትና ሃንሰን ኣብቲ ፈታኒ እዋን፡ ኣመና ትጭነቕ ብምንባራ፡ እንታይ ኢላ ኸም እትጽሊ እኳ ኣይትፈልጥን እያ ነይራ። ተመክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “እቲ ኣብ ሮሜ 8:26, 27 ዚርከብ ሓሳብ ግና፡ ብዙሕ እዩ ኣጸናኒዑኒ። የሆዋ እንታይ ማለተይ ምዃነይ ከም ዚርዳእ፡ ወትሩ ይስምዓኒ ነይሩ። ኣዒንቱ ኣብ ልዕለይ እየን ነይረን፣ ወትሩ ድማ ካባይ ኣይተፈልየን” በለት።—መዝሙር 32:8፣ ኢሳይያስ 41:10 ኣንብብ።

31 ሓብትና ሃንሰን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደንማርክ ይግባይ በለት። እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ብይን፡ “ብዛዕባ ምዕባይ ቈልዑ ዚምልከት ሕቶ፡ ነቲ ቘልዓ ዝሓሸ እንታይ ምዃኑ ጭቡጥ ገምጋም ብምግባር እዩ ኺውሰን ዘለዎ” በለ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣስዒቡ፡ ብዛዕባ ምዕባይ ቈልዓ ዚምልከት ውሳነ፡ ኣብ “ሰረተ እምነታትን መትከላትን” ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍ ወላዲ ንፍልልያት ኣብ ዚሕዘሉ መገዲ ተመርኲስካ ኺውሰን ከም ዘለዎ ገለጸ። እቲ ቤት ፍርዲ ንሓብትና ሃንሰን ብቕዕቲ ወላዲት ምዃና ኣለልዩ፡ ንኣማንዳ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ናብኣ ምምላሱ፡ ዓብዪ እፎይታ እዩ ዀይንዋ።

32. ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለዲ ኣደዳ ኣድልዎ ኸይኰኑ ዘዕቈቦም ብኸመይ እዩ፧

32 እተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ። ኣብ ገሊኡ ጕዳያት፡ ብዛዕባ ቘልዑ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት እተላዕለ ኽርክር ካብቲ ናይ ሃገር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሰጊሩ ኸይዱ እዩ። ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ኸኣ፡ ነዚ ጕዳይ እዚ እውን ርእይዎ እዩ። ኣብ ክልተ ጕዳያት፡ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ እቲ ዝተሓተ ሃገራዊ ኣብያተ ፍርዲ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ንዝዀኑን ንዘይኰኑን ወለዲ፡ ብመሰረት ሃይማኖቶም ጥራይ ፍልልይ ከም ዝገበረ ተኣሚኑ እዩ። ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ነቲ ኸምዚ ዝበለ ኣተሓሕዛ ኣድልዎ ኸም ዝዀነ ኣብ ርእሲ ምግላጹ፡ “ብመሰረቱ ኣብ ፍልልይ ሃይማኖት ጥራይ ተመስሪቱ ዚግበር ኣፈላላይ ኣይቅቡልን እዩ” ኢሉ በይኑ እዩ። ሓንቲ ኻብቲ በዚ ውሳነ እዚ እተጠቕመት ናይ የሆዋ ምስክር ኣደ እፎይታኣ ድሕሪ ምግላጻ፡ “ንዕኦም ዝሓሸ ኢለ ዝሓሰብክዎ ክርስትያናዊ ኣተዓባብያ ኽህብ ብምፍታነይ፡ ንደቀይ ከም ዚጐድኦም ጌርካ ኽሲ ምቕራቡ ኣዝዩ እዩ ጐዲኡኒ” በለት።

33. ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀኑ ወለዲ ነቲ ኣብ ፊልጲ 4:5 ዚርከብ ስርዓት ከመይ ገይሮም ኣብ ግብሪ የውዕልዎ፧

33 ልክዕ እዩ፡ እቶም ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልቢ ደቆም ንምትካል ኣብ ዘለዎም መሰል ሕጋዊ ብድሆታት ዜጋጥሞም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ወለዲ፡ ልዙባት ወይ ሚዛናውያን ምዃኖም ኬርእዩ ኣለዎም። (ፊልጲ 4:5 ኣንብብ።) ከምቲ ንሳቶም ንደቆም ብመገዲ ኣምላኽ ኬሰልጥኑ ንዚውሃቦም መሰል ኣኽቢሮም ዚርእይዎ፡ እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ወላዲ እንተ ደልዩ ኣብቲ ኸም ወላዲ መጠን ዘለዎ ሓላፍነት እጃሙ ኼበርክት መሰል ከም ዘለዎ ይእመኑ እዮም። ናይ የሆዋ ምስክር ወላዲ ንውሉዱ ናይ ምስልጣን ሓላፍነት ክሳዕ ክንደይ እዩ ብርዝነት ዚርእዮ፧

34. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ወለዲ፡ ካብቲ ብግዜ ነህምያ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝሓደግዎ ኣብነት ብኸመይ ኪጥቀሙ ይኽእሉ፧

34 ካብ ግዜ ነህምያ እተወስደ ኣብነት፡ ትምህርቲ ይዀነና እዩ። ኣይሁድ ንመካበብያ የሩሳሌም ንምጽጋንን ንምህናጽን ኣበርቲዖም እዮም ዚዓይዩ ነይሮም። ከምኡ ምግባሮም፡ ንዓታቶምን ንስድራ ቤቶምን ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ጸላእቲ ዝዀኑ ኣህዛብ ከም ዜዕቍቦም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነህምያ፡ “ስለ ኣሕዋትኩምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኣንስትኹምን ኣባይትኹምን ተዋግኡ” ኢሉ ኣተባብዖም። (ነህ. 4:14) ነቶም ኣይሁድ፡ እቲ ቓልሲ ዚኽሕስ እዩ ነይሩ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ወለዲ ንደቆም ብመገዲ ሓቂ ንምዕባይ ኣበርቲዖም ይጽዕሩ እዮም። ደቆም ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ጐረባብቶምን ብዙሕ ሕማቕ ጽልዋ ኸም ዜጓንፎም ይፈልጡ እዮም። ከምዚ ዝበለ ጽልዋ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣቢሉ ናብ ውሽጢ ቤት እውን ኪኣቱ ይኽእል እዩ። ኣቱም ወለዲ፡ ንኣወዳትኩምን ንኣዋልድኩምን ብመንፈሳዊ መዳይ ዚብልጽጉሉ ውሑስ ኣከባቢ ንምፍጣር እትገብርዎ ዅሉ ቓልሲ፡ ዚኽሕስ ምዃኑ ኸቶ ኣይትረስዑ።

የሆዋ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዚድግፎ እምንቶ ይሃሉኻ

35, 36. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሕጋዊ መሰላቶም ብምቅላሶም እንታይ ጥቕምታት ረኺቦም፧ ንስኻኸ እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

35 የሆዋ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘላ ውድቡ ነቲ ንመሰል ናጽነት ኣምልኾ ዝገበረቶ ቓልሲ ብርግጽ ባሪኽዎ እዩ። ኣብ ከምዚ ዘበለ ሕጋዊ ጕዳያት፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ቤት ፍርድን ንህዝቢ ብሓፈሻን ሓያል ምስክርነት ኪህቡ ኽኢሎም እዮም። (ሮሜ 1:8) እቲ ሓያሎ ሕጋዊ ዓወታቶም ንሲቪላዊ መሰላት ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ዜደልድል ምዃኑ ኸኣ፡ ተወሳኺ ጥቕሚ እዩ። ይኹን እምበር፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብምዃንና፡ ማሕበራዊ ተሓድሶ ኸነምጽእ እንጽዕር ኣይኰንናን፣ ገዛእ ርእስና ኻብ ክሲ ናጻ ኣብ ምግባር ኣይኰንናን ድማ እነተኵር። ልዕሊ ዅሉ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሕጋዊ መሰላቶም ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዚማጐቱሉ ምኽንያት፡ ንንጹህ ኣምልኾ ንምስራትን ንምድፋዕን ኢሎም እዮም።—ፊልጲ 1:7 ኣንብብ።

36 ነቲ ኻብቶም ስለ ናጽነት ኣምልኾ የሆዋ እተቓለሱ ብዛዕባ እምነት እንረኽቦ ትምህርቲ፡ ከቶ ኣፍኲስና ኣይንርኣዮ! የሆዋ ንዕዮና ይድግፎ ኸም ዘሎን ፍቓዱ ኽንገብር ብርታዐ ይህበና ኸም ዘሎን ብምትእምማን፡ እሙናት ኴንና ንቐጽል።—ኢሳ. 54:17