ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 19

ንየሆዋ ዜኽብሮ ዕዮ ህንጸት

ንየሆዋ ዜኽብሮ ዕዮ ህንጸት

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

ዓለምለኻዊ ዕዮ ህንጸት ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ የደንፍዕ

1, 2. (ሀ) ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ ቀደም ኣትሒዞም እንታይ ምግባር እዩ ዜሐጕሶም ነይሩ፧ (ለ) የሆዋ እንታይ እዩ ኣኽቢሩ ዚርኢ፧

 እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ ቀደም ኣትሒዞም ንስም የሆዋ ውዳሰ ዜምጽእ ህንጻታት ምህናጽ የሐጕሶም እዩ። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ነቲ ማሕደር ኣብ ምስራሕ ብውዕዉዕ ስምዒት ተሳቲፎም፡ ብልግሲ ድማ ዜድሊ ዘበለ ኣበርኪቶም እዮም።—ዘጸ. 35:30-35፣ 36:1, 4-7

2 የሆዋ ነቲ ናውቲ ህንጸት ክብሪ ኸም ዜምጽእ ቀንዲ ነገር ወይ ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢርካ ዚርአ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኣይርእዮን እዩ። (ማቴ. 23:16, 17) የሆዋ ኣኽቢሩ ዚርእዮን ልዕሊ ዅሉ ንዕኡ ኽብሪ ዜምጽኣሉን ነገር፡ እቲ ኻብ ኣገልገልቱ ዚቐርበሉ ኣምልኾ፡ እንተላይ እቲ ናይ ፍታው መንፈሶምን ብቕንኣት ዚዓይይዎ ዕዮን እዩ። (ዘጸ. 35:21፣ ማር. 12:41-44፣ 1 ጢሞ. 6:17-19) እዚ ነጥቢ እዚ ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ህንጻታት ሓላፊ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ማሕደርን እታ ቤተ መቕደስን ሕጂ የሎን። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነቲ እቶም ንምስራሑ ዝደገፉ እሙናት ኣገልገልቱ ዘርኣይዎ ልግስን ዝገበርዎ ጻዕርን ኣይረስዖን።—1 ቈረንቶስ 15:58፣ እብራውያን 6:10 ኣንብብ።

3. ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

3 ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን፡ ቦታታት ኣምልኾ ንምህናጽ ብትግሃት ዓይዮም እዮም። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ንጉስና የሱስ ክርስቶስ ዓሚምናዮ ዘለና ኸኣ፡ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ! የሆዋ ብንጹር ንጻዕርታትና ባሪኽዎ እዩ። (መዝ. 127:1) ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ገለ ኻብቲ እተገብረ ዕዮን ንየሆዋ ብኸመይ ክብሪ ኸም ዘምጽአን ክንምርምር ኢና። ነቲ ዕዮ እቲ ኣብ ምዕያይ እተሳተፉ ገለ ሰባት ዝሃብዎ ሓሳባት እውን ክንርኢ ኢና።

ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምህናጽ

4. (ሀ) ዝያዳ ቦታታት ኣምልኾ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እተፈላለየ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ሓደ እተጠርነፈ ስለምንታይ እዩ፧ (“ ህንጸት ጨንፈር—ከከም ኣድላይነቱ ዚግበር ለውጥታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

4 ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 16 ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ንኣምልኾ ኽንእከብ ይደልየና እዩ። (እብ. 10:25) ኣኼባታትና ንእምነትና ኣብ ርእሲ ምብርታዑ፡ ንዕዮ ስብከት ውዕዉዕ መንፈስ የሕድረልና እዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚአን፡ የሆዋ ኻብ ግዜ ናብ ግዜ ነቲ ዕዮ እቲ የቀላጥፎ ኣሎ። ስለዚ ድማ፡ ዓመት ዓመት፡ ኣማእታት ኣሽሓት ናብ ውድቡ ይውሕዙ ኣለዉ። (ኢሳ. 60:22) ብዝሒ ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ዚሕተመሉ ተወሳኺ ህንጻታት የድሊ እዩ። ዝያዳ ቦታታት ኣምልኾ እውን የድሊ እዩ።

5. ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚብል ስም ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (“ ቤተ ክርስትያን ሓድሽ ብርሃን” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

5 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምጅማር ዘመናዊ ታሪኽ ህዝቢ የሆዋ ኣትሒዞም፡ ናቶም መአከቢ ኺህልዎም ከም ዜድልዮም ተገንዚቦም እዮም። ሓንቲ ኻብተን ኣብ ፈለማ እተሃንጻ ቦታታት ኣምልኾ፡ እታ ብ1890 ኣብ ዌስት ቨርጂንያ፡ ሕ.መ.ኣ. እተሃንጸት ከይኰነት ኣይትተርፍን እያ። ክሳዕ 1930ታት፡ ህዝቢ የሆዋ ብርክት ዝበለ ኣዳራሻት ሃኒጾምን ኣሐዲሶምን እዮም፣ እቲ ቦታታት ኣምልኾ ግና ብፍሉይ ዚልለየሉ ስም ኣይተዋህቦን ነይሩ። ብ1935 ግና፡ ሓውና ራዘርፎርድ ናብ ሃዋይ ኪበጽሕ ከደ፣ ኣብታ ዓዲ ድማ ምስቲ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ለጊባ ሓንቲ ኣዳራሽ ትህነጽ ነበረት። ንሓውና ራዘርፎርድ፡ እታ ኣዳራሽ እንታይ ተባሂላ ኽትጽዋዕ ከም ዚግባእ ብሓደ ሓው ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ “እንዓዮ ዕዮ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ካብ ኰነ፡ ‘ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ’ ኢልና ኽንጽውዓ ዚግባእዶ ኣይመስለካን፧” ኢሉ መለሰ። (ማቴ. 24:14) እቲ ግቡእ ስም እቲ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ነታ ኣዳራሽ እቲኣ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ጉባኤታት ህዝቢ የሆዋ ዚጥቀማሉ መአከቢታት እውን ተዋህበ።

6, 7. ብቕልጡፍ ዚህነጽ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ፍረ እዩ ኣምጺኡ፧

6 ብ1970ታት፡ ብዝሒ እቲ ዜድሊ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕልጡፍ ይውስኽ ነበረ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከቡ ኣሕዋትና ድማ፡ ኣብ ሒደት መዓልትታት ማራኽን ጽቡቕ ኣገልግሎት ዚህብን ኣዳራሽ ዚህነጸሉ ስሉጥ ሜላ ኣዳለዉ። ክሳዕ 1983፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣብ ካናዳን ኣስታት 200 ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ በዚ ኸምዚ ተሃንጻ። ነዚ ዕዮ እዚ ንምዕማም፡ ኣሕዋትና ኮሚተታት ከባብያዊ ህንጸት ኬቝሙ ጀመሩ። እዚ ሜላ እዚ ጽቡቕ ውጽኢት ስለ እተረኽቦ፡ ብ1986 ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ መሰናድዎ ወግዓውነት ኣልበሶ፣ ብ1987 ድማ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ 60 ኮሚተታት ከባብያዊ ህንጸት ነበራ። a ብ1992 ከኣ፡ ኣብ መክሲኮ፡ ስጳኛ፡ ኣርጀንቲና፡ ኣውስትራልያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጀርመን፡ ጃፓን፡ ፈረንሳ ኮሚተታት ከባብያዊ ህንጸት ተሸይመን ነበራ። እቶም ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን ዚሃንጹ ኣሕዋትና ዚዓይይዎ ዕዮ ኽፍሊ እቲ ንኣምላኽ ዚቐርብ ኣገልግሎት ብምዃኑ፡ ኣብ ዕዮኦም ክንድግፎም ኣሎና።

7 እዚ ብቕልጡፍ ዚህነጽ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ኣብቲ እተሃንጸሉ ኸባቢ ዚርከብ ማሕበረሰብ፡ ጽቡቕ ምስክርነት ይህብ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ስጳኛ እትሕተም ጋዜጣ፡ “እምነት ኣኽራን ተግዕዝ” ዚብል ኣርእስቲ ሒዛ ወጺኣ ነይራ። ኣብ ከተማ ማርቶስ ብዛዕባ እተገብረ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ፡ “ኣብዛ ሰብ ጥቕሚ ርእሱ ዚደልየላ ሕጂ ዘላ ዓለምና፡ ብቕልጣፈን ብፍጽምናኡን ብውዳበኡን ክብረ ወሰናት ዝሰበረ ህንጻ ንምህናጽ ጥቕሚ ርእሶም ሰዊኦም ካብ በበይኑ ዞባታት [ስጳኛ] ዝመጹ ወለንተኛታት ከመይ ጌርካ ኺርከቡ ተኻኢሎም፧” በለት። እታ ዓንቀጽ ነዛ ሕቶ ምላሽ ክትህበላ ኸላ፡ “ብየሆዋ እተምሃርና ህዝቢ ስለ ዝዀንና እዩ” ዚብል ቃላት ሓደ ኻብቶም ወለንተኛታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጠቐሰት።

ኣብተን ዓቕመን ድሩት ዝዀና ሃገራት ምህናጽ

8. ብ1999፡ ኣመሓዳሪ ኣካል እንታይ ሓድሽ መደብ እዩ ዘጽደቐ፧ ስለምንታይከ፧

8 ኣብ ኣጋ መወዳእታ መበል 20 ዘመን፡ ኣብተን ዓቕመን ድሩት ዝዀና ሃገራት ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት ናብ ውድብ የሆዋ ወሓዙ። እተን ኣብተን ሃገራት ዚርከባ ጉባኤታት ከኣ፡ መአከቢታት ንምህናጽ ዚከኣለን ገበራ። ኣብ ገሊአን ሃገራት ግና፡ እቲ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ካልእ ቦታታት ኣምልኾ ኺነጻጸር ከሎ፡ ኣመና ትሑት ብምንባሩ፡ ኣሕዋትና ኣደዳ ላግጽን ኣሉታዊ ርእይቶን ኰኑ። ካብ 1999 ኣትሒዙ ግና፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት ዚግበር ህንጸት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዜቀላጥፍ መደብ ኣጽደቐ። “ምምዕርራይ” ምእንቲ ኪኸውን፡ ዝያዳ ሃብቲ ኻብ ዘለወን ሃገራት እተረኽበ ገንዘብ ነዚ ዕዮ እዚ ተፈቕደ። (2 ቈረንቶስ 8:13-15 ኣንብብ።) ኣብ ካልእ ሃገራት ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ፡ ኣብዚ ዕዮ እዚ ኺሕግዙ ወለንተኛታት ኰኑ።

9. እንታይ ዕዮ እዩ ዘይድፋእ ዚመስል ዝነበረ፧ እንታይ ግና እዩ ተዓሚሙ ዘሎ፧

9 ኣብ ፈለማ፡ እቲ ዕዮ ዘይድፋእ ይመስል ነበረ። ብ2001 እተረኽበ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዚርከባ 88 ሃገራት፡ ልዕሊ 18,300 ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ የድሊ ነበረ። ብደገፍ መንፈስ ኣምላኽን ንጉስና የሱስ ክርስቶስን ግና፡ ዘይከኣል ዕዮ የልቦን። (ማቴ. 19:26) ዳርጋ ኣብ 15 ዓመት፡ ማለት ካብ 1999 ክሳዕ 2013፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ እዚ መደብ እዚ 26,849 ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ሃኒጾም እዮም። b የሆዋ ነቲ ዕዮ ስብከት ይባርኾ ስለ ዘሎ ድማ፡ ብ2013 ገና ኣብተን ሃገራት እቲአን 6,500 ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ የድሊ ኣሎ፣ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ዓዓመት ኣማእታት ተወሳኺ ኣዳራሻት የድሊ ኣሎ።

ድሩት ዓቕሚ ኣብ ዘለወን ሃገራት ዚግበር ህንጸት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ፍሉይ ብድሆታት ኣለዎ

10-12. ህንጸት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንስም የሆዋ ኽብሪ ዘምጽአ ብኸመይ እዩ፧

10 ህንጸት እቲ ሓደስቲ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንስም የሆዋ ኽብሪ ዘምጽአ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ዚምባብወ ኻብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እተላእከ ጸብጻብ፡ “ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ተሃኒጹ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ወርሒ፡ ቍጽሪ ተኣከብቲ ዕጽፊ ይኸውን” ይብል። ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ ምሹእ ቦታ ኣምልኾ ኽሳዕ እነዳሉ፡ ሰባት ምሳና ምሕባር ዜሰክፎም እዩ ዚመስል። ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተሃንጸ ግና፡ ቀልጢፉ ይመልእ፡ ካልእ እውን የድሊ። ኰይኑ ግና፡ ንሰባት ናብ የሆዋ ዚስሕቦም፡ ትርኢት እቲ ህንጻታት ጥራይ ኣይኰነን። እታ ነዚ ኣዳራሻት እዚ ኣብ ዚሃንጹ ኣሕዋትና እትርአ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ፍቕሪ እውን፡ ነቲ ሰባት ብዛዕባ ውድብና ዘለዎም ርእይቶ ጸልያቶ እያ። ነዚ ኣብነት ዚኸውን እስከ ንርአ።

11 ኢንዶነዥያ። ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እተዓዘበ ሓደ ሰብኣይ፡ ኵሎም እቶም ዓየይቲ፡ ወለንተኛታት ምዃኖም ምስ ፈለጠ፡ “ንስኻትኩም ብሓቂ እተገርሙ ኢኹም! ዘይክፈለኩም እኳ እንተ ዀነ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ብምሉእ ልብኹምን ብሓጐስን ከም እትዓይዩ ርእየ እየ። ከም ናታትኩም ዝበለ ኻልእ ሃይማኖታዊ ውድብ ዘሎ ኣይመስለንን!” በለ።

12 ዩክረይን። ብጥቓ ሓደ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚህነጸሉ ዝነበረ ቦታ መዓልቲ መዓልቲ እትሓልፍ ሰበይቲ፡ በቲ እተዓዘበቶ፡ እቶም ዓየይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀኑ፡ እቲ ህንጻ ድማ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ደምደመት። ከምዚ ኸኣ በለት፦ “ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ሓንቲ ኣባልኩም ዝዀነት ሓብተይ ሰሚዐ ነይረ። ነዚ ዕዮ ህንጸት እዚ ምስ ረኣኹ፡ ኣብዚ መንፈሳዊ ስድራ ቤት እዚ ኽኣቱ ወሲነ። ኣብዚ ቦታ እዚ፡ ፍቕሪ ብግብሪ ርእየ እየ።” እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ፍቓደኛ ዀነት፡ ብ2010 ድማ ተጠምቀት።

13, 14. (ሀ) ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ምዕዛቦም ካብ እተዛረብዎ ነገር እንታይ ተማሂርካ፧ (ለ) እቲ እትእከበሉ ቦታ ኣምልኾ ንስም የሆዋ ኽብሪ ምእንቲ ኼምጽእ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

13 ኣርጀንቲና። ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ናብ ሓደ ንህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚካየደሉ ቦታ ብሓላፍነት ዚመርሕ ሓው ቀረቡ እሞ፡ እቲ ሰብኣይ፡ “ንጥፈታት ህንጸትኩም ብቐረባ ኽንከታተሎ ጸኒሕና ኢና፣ ስለዚ ድማ፡ . . . ብዛዕባ ኣምላኽ ኣብዚ ቦታ እዚ ኽንምሃር ንደሊ ኢና” በለ። ኣስዒቡ ኸኣ፡ “ኣብዚ ኽንእከብ ዜድሊ ብቕዓታት ንምምላእ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧” ኢሉ ሓተቶ። እቶም ሰብ ሓዳር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ፍቓደኛታት ኰኑ፣ ኰይኑ ግና፡ ከም ቅድመ ዅነት፡ እቲ መጽናዕቲ ንምሉእ ስድራ ቤቶም ኪምርሓሎም ሓተቱ። እቶም ኣሕዋትና ድማ ነዚ ቕድመ ዅነት እዚ ንምምላእ፡ ተሓጒሶም ፍቓደኛታት ኰኑ።

14 ኣብ ህንጸት እቲ እትእከበሉ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምሕጋዝ ኣጋጣሚ ኣይረኸብካን ትኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ ቦታ ኣምልኾ ንስም የሆዋ ኽብሪ ኸም ዜምጽእ ንምግባር፡ ብዙሕ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ኣሎ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንእትምህሮምን ተመላሊስካ ምብጻሕ ንእትገብረሎምን ንኻልኦትን፡ ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ምእንቲ ኺእከቡ፡ ብውዕዉዕ መንፈስ ክትዕድሞም ትኽእል ኢኻ። ነቲ ቦታ ኣምልኾ ናይ ምጽራይን ናይ ምክንኻንን ኣጋጣሚ እውን ኣሎካ። ጽቡቕ መደብ እንተ ጌርካ ድማ፡ ንኽንክን እቲ እትእከበሉ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ንዚግበር ህንጸት ቦታታት ኣምልኾ ወፈያ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። (1 ቈረንቶስ 16:2 ኣንብብ።) እዚ ዅሉ ንጥፈታት እዚ፡ ንስም የሆዋ ተወሳኺ ውዳሰ የምጽኣሉ እዩ።

‘ፈትዮም ዚመጹ’ ዓየይቲ

15-17. (ሀ) መብዛሕትኡ ዕዮ ህንጸት ብመን እዩ ዚዕየ፧ (ለ) ካብቲ እቶም ኣብ ኣህጉራዊ ፕሮጀክትታት ህንጸት ዝዓየዩ ሰብ ሓዳር ዝሃብዎ ሓሳባት እንታይ ተማሂርካ፧

15 ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን ህንጻታት ጨንፈርን ንምህናጽ ዚግበር መብዛሕትኡ ዕዮ፡ በቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን እዩ ዚዕየ። ይኹን እምበር፡ ንዓታቶም እውን መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ኣብ ህንጸት ተመክሮ ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ይድግፍዎም እዮም። ገለ ኻብዞም ወለንተኛታት እዚኦም፡ ንብርክት ዝበለ ሰሙናት ኣብ ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ንምህናጽ፡ ኣብ ህይወቶም ምትዕርራይ ይገብሩ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ካብ ሓደ ዕዮ ህንጸት ናብ ካልእ እናገዓዙ ንሓያሎ ዓመታት ንምግልጋል ገዛእ ርእሶም የቕርቡ እዮም።

ቲሞ ላፓላይነንን ሊን ላፓላይነንን (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16 ኣህጉራዊ ዕዮ ህንጸት ፍሉይ ብድሆታት እኳ እንተ ኣለዎ፡ ዜዕግብ ዓስቢ ግና ኣለዎ። ንኣብነት፡ ቲሞን ሊንን ኣብ ህንጸት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን ንምስታፍ፡ ኣብ ኤውሮጳን እስያን ደቡብ ኣመሪካን ናብ ዚርከባ ሃገራት ተጓዒዞም እዮም። ብዛዕባ እዚ ቲሞ፡ “ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት፡ ኣብ ከክልተ ዓመት ዚውሃበኒ ምድብ ተለዊጡ እዩ” በለ። ምስ ቲሞ ኻብ እትምርዖ 25 ዓመት ዝገበረት ሊን እውን፡ “ምስ ቲሞ ኣብ ዓሰርተ ሃገራት ኣገልጊለ እየ። ሓድሽ ምግብን ሓድሽ ክሊማን ሓድሽ ቋንቋን ሓድሽ ክሊ ስብከትን ሓደስቲ ፈተውትን ምልማድ፡ ብዙሕ ጻዕርን ግዜን ይሓትት እዩ” በለት። c እሞኸ እቲ ጻዕሮም ዚኽሕስ ድዩ ነይሩ፧ ሊን፡ “እቲ ብድሆታት፡ ዝዓበየ በረኸት ኣፍርዩልና እዩ። ክርስትያናዊ ፍቕርን ምቕባል ጋሻን ርኢና፡ የሆዋ ዝገበረልና ፍቕራዊ ሓልዮት እውን ተዓዚብና ኢና። እቲ ኣብ ማርቆስ 10:29, 30 ዚርከብ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝኣተወሎም ቃል ኪፍጸም ከሎ እውን ርኢና ኢና። ብመዳይ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዴታትን፡ ሚእቲ ዕጽፊ ረኺብና ኢና” በለት። ቲሞ ኸኣ፡ “ኣብ ምስፋሕ ንብረት እቲ ንጉስ ብምስታፍ፡ ክእለትና ኣብቲ ኻብ ኵሉ ዝኸበረ ዕላማ እነውዕሎ ምዃንና፡ ዓሚቝ ዕግበት እዩ ዜምጽኣልና” በለ።

17 ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ማእከላይ ኣመሪካን ኤውሮጳን ደቡብ ኣመሪካን ደቡብ ፓሲፊክን ኣብ እተገብረ ፕሮጀክትታት ህንጸት ዝሓገዙ ዳረንን ሴራን፡ ካብቲ ዝሃብዎ ንላዕሊ እተቐበሉ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ብድሆታት እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ዳረን ግና፡ “ኣብ እተፈላለየ ኽፋል ዓለም ምስ ዚርከቡ ኣሕዋት ምዕያይ ፍሉይ መሰል እዩ። እታ ሓባራዊት ዝዀነት ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ፡ ከም ሓንቲ ንምሉእ ምድሪ ዞይራ ንሓድሕድና እተተኣሳስር ፈትሊ እያ” በለ። ሴራ ድማ፡ “እተፈላለየ ባህልታት ካብ ዘለዎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሕ ተማሂረ እየ! ንየሆዋ ንምግልጋል ዚኸፍልዎ መስዋእትታት፡ ወትሩ ዝከኣለኒ ኽህብ ይድርኸኒ እዩ” በለት።

18. እቲ ኣብ መዝሙር 110:1-3 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት፡ ብኸመይ ይፍጸም ኣሎ፧

18 ንጉስ ዳዊት፡ ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብድሆታት እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ‘ፈትዮም ከም ዚመጹ’ ተነብዩ እዩ። (መዝሙር 110:1-3 ኣንብብ።) ኵሎም እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚድግፍ ዕዮ ዚሳተፉ ዘበሉ፡ ነዚ ትንቢታዊ ቓላት እዚ ኣብ ምፍጻም እጃም ኣለዎም። (1 ቈረ. 3:9) እቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ተሃኒጹ ዘሎ ሓያሎ ህንጻታት ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ኣማእታት ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ምዃናን ሕጂ ትገዝእ ከም ዘላን ዜርኢ ጭቡጥ መርትዖ ይኸውን እዩ። ኣብቲ ንየሆዋ ዚግብኦ ኽብሪ ዜምጽእ ዕዮ፡ ንንጉስ የሱስ ክርስቶስ ምግልጋልሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!

a ብ2013፡ ልዕሊ 230,000 ወለንተኛታት፡ ኣብተን ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከባ 132 ኮሚተታት ከባብያዊ ህንጸት ኬገልግሉ ተፈቒዱሎም እዩ። ኣብታ ሃገር እቲኣ፡ ኣብ ዓዓመት፡ እተን ኮሚተታት 75 ሓደስቲ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ይሃንጻ፣ ኣብ ምሕዳስን ምጽጋንን 900 ኣዳራሻት እውን ይሳተፋ እየን።

b እዚ ኣሃዝ እዚ፡ ነቲ ኻብዚ መደብ እዚ ወጻኢ እተሃንጸ ሓያሎ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኣየጠቓልልን እዩ።

c ኣህጉራውያን ኣገልገልትን ወለንተኛታትን መብዛሕትኡ ግዜኦም ኣብ ቦታታት ህንጸት እዮም ዜሕልፍዎ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ወይ ምሸት ኣብተን ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ ጉባኤታት ንዕዮ ስብከት ይድግፉ እዮም።