ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸጋም፦ ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1930ታት፡ ኣብ ኣላባማ፡ ሕ.መ.ኣ. ሓንቲ ሓብቲ፡ እተቐድሐ መደረ ሓውና ራዘርፎርድ ከተስምዕ ከላ፣ የማን፦ ስዊዘርላንድ

1ይ ክፋል

ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ—መንፈሳዊ ምግቢ ምዕዳል

ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ—መንፈሳዊ ምግቢ ምዕዳል

መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮ ሰብ፡ ትርጕም እቲ ብሓባር ዘንበብኩምዎ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተረድኦ፡ ኣዒንቱ ኺበርህ ትርኢ። ቀስ ኢሉ፡ “ኣብዛ ምድሪ እዚኣ፡ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክንነብር ከም እንኽእልሲ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር ዲኻ እትብለኒ ዘለኻ፧” ኢሉ ይሓትተካ። መገላግልትኻ ኸኣ ፍሽኽ ኢሉ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚብል ዘሎ፧” ኢሉ መሊሱ ይሓትቶ። እቲ ተመሃራይ ብምግራም ርእሱ እናነቕነቐ፡ “ንዓይ ገሪሙኒ ዘሎ ግና፡ ቅድሚ ሕጂ ኸምዚ ዝበለ ሰሚዐ ዘይምፍላጠይ እዩ” ይብል። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ የሆዋ ስም ኣምላኽ ምዃኑ ንፈለማ ግዜ ምስ ተማህረ፡ ከምኡ ኢሉ ኸም ዝነበረ ድማ ትዝ ይብለካ።

ከምዚ ዝበለ ተመክሮ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ብዙሓት ህዝቢ ኣምላኽ ኣጋጢምዎም እዩ። ከምዚ ገይሩ ነቲ እተዋህበና ኽቡር ውህበት ዜዘኻኽረና ኻልእ ኣጋጣሚ ዳርጋ የልቦን። እቲ እተዋህበና ውህበት ከኣ ፍልጠት ሓቂ እዩ! ሓንሳእ ደው ኢልካ እሞ ሕሰብ። እቲ ውህበት እቲ ኸመይ ኢሉ ናባኻ በጺሑ፧ ኣብዚ ኽፋል እዚ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽንምርምራ ኢና። ህዝቢ ኣምላኽ በብደረጃ መንፈሳዊ ብርሃን ምርካቦም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ምዃና ዜርኢ ንጹር መርትዖ እዩ። ንሓደ ዘመን፡ ንጉስ እታ መንግስቲ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንህዝቢ ኣምላኽ ብንጡፍ ሓቂ ምሂርዎም እዩ።

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ምዕራፍ 3

የሆዋ ዕላማኡ ይገልጽ

መንግስቲ ኣምላኽ ክፍሊ እቲ ናይ ፈለማ ዕላማ ኣምላኽ ድያ ነይራ፧ የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብርሃን ዘብርሀ ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 4

የሆዋ ንስሙ ልዕል የብሎ

መንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ እንታይ ዓሚማ ኣላ፧ ኣብ ምቕዳስ ስም የሆዋ ንስኻ ብብሕቲ እንታይ እጃም ኣሎካ፧

ምዕራፍ 5

እቲ ንጉስ ኣብታ መንግስቲ ብርሃን የብርህ

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ገዛእታን ብዛዕባ ተገዛእታን ንዓኣ እሙን ምዃን ብዛዕባ ዚሓትቶ ነገራትን ዝነጸረ ግንዛበ ርኸብ።