ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸጋም፦ ብ1931፡ ሓንቲ ኮልፖርተር ሓብቲ ኣብ ኮሪያ ኽትሰብኽ ከላ፣ የማን፦ ሎሚ ኣብ ኮሪያ ብቛንቋ ምልክት ዚግበር ስብከት

2ይ ክፋል

ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ—ነቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ዓለም ምዝርጋሕ

ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ—ነቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ዓለም ምዝርጋሕ

ካብ ዓለማዊ ስራሕካ ናጻ ኣብ እትዀነላ መዓልቲ፡ ብንግሆኡ ናብ ኣገልግሎት ክትወጽእ ትዳሎ። ቍሩብ ድኻም ስለ እተሰምዓካ ግና፡ ንእተወሰነ ህሞት ትወላወል። ኣዕሪፍካ ኸተርፍድ ቃሕ ይብለካ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እዚ ድሕሪ ምጽላይካ፡ ክትከይድ ትውስን። ድሕሪኡ፡ ምስ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት እምንቲ ሓብቲ ተገልግል፣ ተጻዋርነታን ለውሃታን ከኣ ንልብኻ ይትንክዮ። ኣብ በቤት እናኸድካ መልእኽቲ ሓቂ ኸተካፍል ከለኻ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትካን ኣሕትካን ብሕደ ጽሑፋት ገይሮም ሕደ መልእኽቲ የካፍሉ ኸም ዘለዉ፡ ኵላትና ድማ ካብ ሕደ ስልጠና ኸም እንጥቀም ትዝክር። ናብ ቤት ኣብ እትምለሰሉ እዋን፡ ዝያዳ ብርታዐ ኸም ዝረኸብካ ይስምዓካ። ኣብ ቤት ዘይምውዓልካ ድማ የሐጕሰካ።

ሕጂ፡ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። የሱስ፡ ዕዮ ስብከት ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዜደንቕ ዝርጋሐ ኸም ዚህልዎ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:14) እዚ ትንቢቱ ኸመይ ኢሉ ይፍጸም ኣሎ፧ ኣብዚ ኽፋል እዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኣዝዩ ኣገዳሲ እጃም ዘለዎ ህዝብን ሜላታትን ናውትን ክንምርምር ኢና። እዚ ድማ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ሚልዮናት ሰባት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ናይ ሓቂ ገይሮም ኪርእይዋ ይሕግዞም ኣሎ።

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ምዕራፍ 6

ዚሰብኩ ህዝቢ—ኣገልገልቲ ፈትዮም ገዛእ ርእሶም የቕርቡ

የሱስ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ብፍታው ዚድግፍዎ ኸም ዚህልዉ እተኣማመነ ስለምንታይ እዩ፧ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ትደሊ ኸም ዘለኻ ኸመይ ጌርካ ኸተርኢ ትኽእል፧

ምዕራፍ 7

ሜላታት ስብከት—ነቲ መልእኽቲ ናብ ሰባት ንምብጻሕ፡ ኵሉ መገድታት ምጥቃም

ህዝቢ ኣምላኽ፡ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ነቲ ብስራት ብእተኻእለ መጠን ናብ ብዙሓት ሰባት ንምብጻሕ፡ ብዛዕባ እተጠቕሙሉ ምህዞታት ፍለጥ።

ምዕራፍ 8

ናውቲ ስብከት—ንብዘላ ዓለም ዚኸውን ጽሑፋት ምድላው

ዕዮ ትርጕም፡ ደገፍ የሱስ ከም ዘሎና ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧ እንታይ ንጽሑፋትና ዚምልከት ሓቅታት እዩ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ምዃና ኣረጋጊጹልካ፧

ምዕራፍ 9

ፍረ ስብከት—‘ግራውቲ ንዓጺድ ጻዕድዩ ኣሎ

የሱስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዓጺድ ክልተ ኣገዳሲ ትምህርቲ ምሂሩ እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ሎሚ ብኸመይ ይጸልወና፧