ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸጋም፦ ስድራ ቤት-ኤል ብሩክሊን፡ ብ1926 ንመወዳእታ ግዜ በዓል ልደት ኣብዓሉ፣ የማን፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍሉያት ምዃኖም፡ ሰባት የስተውዕሉ እዮም

3ይ ክፋል

ስርዓታት መንግስቲ ኣምላኽ—ጽድቂ ኣምላኽ ምድላይ

ስርዓታት መንግስቲ ኣምላኽ—ጽድቂ ኣምላኽ ምድላይ

ንጐረቤትካ ብማዕዶ ሰላም ኢልካ ኽትሓልፍ ትብል። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ይዕዘበኩም ከም ዝቐነየ ኣስተብሂልካ ኢኻ። ንሱ ድማ ኢዱ ድሕሪ ምውዝዋዙ፡ ክትመጾ የመልክተልካ። “ሓንቲ ሕቶዶ ኽሓትተካ፧ ንዓኻትኩም እተፈለኹም ዚገብረኩም እንታይ እዩ፧” ኢሉ ይሓትተካ። ንስኻ ኸኣ፡ “እንታይ ማለትካ ኢኻ፧” ኢልካ መሊስካ ተሓትቶ። ንሱ ድማ፡ “ማለተይሲ፡ ንስኻ ናይ የሆዋ ምስክር እንዲኻ፧ ንስኻትኩም ከም ካልኦት ሰባት ኣይኰንኩምን። ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ኣይትሰማምዑን ኢኹም፣ በዓላት ኣይተብዕሉን ኢኹም፣ ኣብ ፖለቲካን ኣብ ውግእን ከኣ ኣይትሳትፉን ኢኹም። ሽጋራ እውን ኣይተትክኹን ኢኹም። ስድራ ቤትካ ድማ ጽቡቕ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እዮም ዚስዕቡ። ብብዙሕ መገዲ እተፈለኹም ከም እትዀኑ ዚገብረኩም እንታይ እዩ፧” ኢሉ ይሓትተካ።

መልሲ እቲ ሕቶታቱ ብሓጺሩ እንታይ ምዃኑ ትፈልጦ ኢኻ፦ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኢና እንነብር። የሱስ ንጉስ ብምዃኑ ወትሩ የጽርየና እዩ ዘሎ። ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ፡ ኣብዛ እክይቲ ዓለም ከኣ እተፈለና ኽንከውን የተባብዓና እዩ ዘሎ። ኣብዚ ኽፋል እዚ፡ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈሳውን ብስነ ምግባራውን ብውድባውን መዳይ ከመይ ገይራ ኸተጽርዮም ከም ዝጸንሐት ክንርኢ ኢና፣ እዚ ዅሉ ድማ ንኽብሪ የሆዋ እዩ።

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ምዕራፍ 10

እቲ ንጉስ ንህዝቡ ብመንፈሳዊ መዳይ የጽርዮም

በዓል ልደትን መስቀልን እንታይ ሓባራዊ ነገር ኣለዎ፧

ምዕራፍ 11

ስነ ምግባራዊ ጽሬት—ቅድስና ኣምላኽ የንጸባርቕ

እቲ ኣብታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ዘሎ ኽፍልታት ሓለውትን ኣፍ ደገታትን፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ 1914 ኣትሒዙ ፍሉይ ትርጕም ኣለዎ።

ምዕራፍ 12

ነቲ “ኣምላኽ ሰላም” ኬገልግሉ እተወደቡ

መጽሓፍ ቅዱስ ኣንጻር ህውከት፡ ስርዓት ዘይኰነስ፡ ሰላም እዩ ጠቒሱ። ስለምንታይ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ዚጸልዎምከ ብኸመይ እዩ፧