5ይ ክፋል
ትምህርቲ መንግስቲ ኣምላኽ—ንኣገልገልቲ ንጉስ ምስልጣን
ቲ ኣብ መድረኽ ዘሎ ተዛራባይ ንምትብባዕ ፍሽኽ ኢልካ ትጥምቶ። ካብ ቍልዕነቱ ጀሚሩ ኣብ ጉባኤኹም ዝዓበየ መንእሰይ እዩ፣ ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ድማ ናይ ፈለማ ኽፍሉ የቕርብ ኣሎ። መደረኡ ኽትሰምዕ ከለኻ፡ በቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ስልጠና ትድነቕ። ነቲ እዚ መንእሰይ እዚ ንፈለማ ግዜ ኣብ መድረኽ ዝወጸሉ ግዜ ትዝክሮ ኢኻ። ክሳዕ ሕጂ ዝገበሮ ምምሕያሽ ድማ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ! ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ስልጠና ምስ ረኸበ ኸኣ፡ ብዙሕ ዕቤት ገይሩ እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ፡ ንሱን ብዓልቲ ቤቱን ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ተኻፊሎም እዮም። እቲ ሓው ጽቡቕ መደረ ኣቕሪቡ ምስ ወድአ ኸተጣቕዓሉ ኸለኻ፡ ብዛዕባ እቲ ዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ትምህርቲ እናሓሰብካ፡ ኣብ ዙርያኻ ንዘለዉ ትጥምቶም።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ ዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ ‘ብየሆዋ ዚምሃሩሉ’ ግዜ ይንበ እዩ። (ኢሳ. 54:13) ሕጂ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኢና እንነብር ዘለና። ብጽሑፋትና ኣቢልና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሰሙናውን ብዓበይትን ኣኼባታትና ዀነ በቲ ኣብ ውድብ የሆዋ ንፍሉይ ዕዮ ዜዳልወና እተፈላለየ ኣብያተ ትምህርቲ ኣቢልና እውን ትምህርቲ ንረክብ ኢና። ኣብዚ ኽፋል እዚ፡ እዚ ዅሉ ትምህርቲ እዚ፡ ከመይ ኢሉ መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ከም ዘላ ዜርኢ ድልዱል መርትዖ ኸም ዚዀነና ኽንምርምር ኢና።