ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 136

መንግስትኻ ቘይማ—“ትምጻእ” ኢልና ንልምን

መንግስትኻ ቘይማ—“ትምጻእ” ኢልና ንልምን

(ራእይ 11:15፣ 12:10)

  1. የሆዋ የልቦን ኣባኻ፡

    ለውጢ ኸም ጽላሎት፣

    ዝፋን ሂብካ ንወድኻ፡

    ነቲ ወኪል ህይወት።

    ተወሊዳ መንግስትኻ፣

    ስልጣን ኰይኑ ናይ ቅቡእካ።

    (ኣዝማች)

    ሕጂ ናትካ ዀይኑ፡

    ሓይልን ድሕነትን መንግስትን።

    መንግስትኻ ቘይማ፡

    “ትምጻእ” ኢልና’ውን ንልምን።

  2. ሓጺር እዋን ተሪፍዎ፡

    ንመጻርርትና፣

    ግዜ ጭንቂ’ኳ ’ተ ዀነ፡

    ንጥምት ኣርሒቕና።

    ተወሊዳ መንግስትኻ፣

    ስልጣን ኰይኑ ናይ ቅቡእካ።

    (ኣዝማች)

    ሕጂ ናትካ ዀይኑ፡

    ሓይልን ድሕነትን መንግስትን።

    መንግስትኻ ቘይማ፡

    “ትምጻእ” ኢልና’ውን ንልምን።

  3. እልልታ ዀይኑ ኣብ ሰማይ፡

    ኣብቶም መላእኽቲ፡

    ተደርብዩ ኣሎ ናብ ምድሪ፡

    ሰይጣን’ቲ መስሓቲ።

    ተወሊዳ መንግስትኻ፣

    ስልጣን ኰይኑ ናይ ቅቡእካ።

    (ኣዝማች)

    ሕጂ ናትካ ዀይኑ፡

    ሓይልን ድሕነትን መንግስትን።

    መንግስትኻ ቘይማ፡

    “ትምጻእ” ኢልና’ውን ንልምን።

(ዳን. 2:34, 35፣ 2 ቈረ. 4:18 እውን ርአ።)