ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 9

ኣብ ናዝሬት ዓበየ

ኣብ ናዝሬት ዓበየ

ማቴዎስ 13:55, 56 ማርቆስ 6:3

  • ዮሴፍን ማርያምን ሰደሩ

  • የሱስ ሞያ ተማህረ

የሱስ ኣብ ናዝሬት ኪዓቢ ኸሎ፡ እታ ኸተማ ንእሽቶን ዘይተገድስን እያ ነይራ። እታ ኸተማ ካብ ይሁዳ ብሸነኽ ሰሜን፡ ገሊላ ኣብ ዚብሃል ኵርባታት ዝበዝሖ ዞባ፡ ካብ ባሕሪ ገሊላ ብምዕራብ እያ እትርከብ ነይራ።

ዮሴፍን ማርያምን ንየሱስ ካብ ግብጺ ኼምጽእዎ ከለዉ፡ ወዲ ኽልተ ዓመት ኣቢሉ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓደ ወዶም ንሱ ጥራይ ዝነበረ እዩ ዚመስል። ደሓር ግና ያእቆብን ዮሴፍን ስምኦንን ይሁዳን ዚብሃሉ ኣሕዋቱ ተወልዱ። ዮሴፍን ማርያምን ኣዋልድ እውን ወሊዶም እዮም። እወ፡ የሱስ ብውሑዱ ሽዱሽተ ምንኣሱ ኣሕዋትን ኣሓትን ነይሮምዎ እዮም

የሱስ፡ ካልኦት ኣዝማድ እውን ነይሮምዎ እዮም። ብዛዕባ ኤልሳቤጥን ወዳ ዮሃንስን ድሮ ፈሊጥና ኣለና። ዮሃንስ ብደቡብ ብዙሕ ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ኣብ ይሁዳ ይነብር ነበረ። ኣብ ቀረባ ኣብ ገሊላ ግና ሰሎሜ ትቕመጥ ነበረት፣ ንሳ ሓብቲ ማርያም፡ ማለት ሓትኖ የሱስ ከይኰነት ኣይትተርፍን እያ። ሰብኣይ ሰሎሜ፡ ዘብዴዎስ ይብሃል ነበረ። እቶም ያእቆብን ዮሃንስን ዚብሃሉ ኽልተ ደቆም እውን ደቂ ሓትኖኡ እዮም ማለት እዩ። የሱስ ብግዜ ንእስነቱ ምሳታቶም ብዙሕ ግዜ ምሕላፉ ወይ ዘይምሕላፉ ኣይንፈልጥን ኢና፣ ደሓር ግና ሃዋርያቱ ብምዃኖም፡ ናይ ቀረባ ብጾቱ ዀይኖም እዮም።

ዮሴፍ ነታ እናዓበየት ትኸይድ ዝነበረት ስድራ ቤቱ ንምእላይ፡ ኣበርቲዑ ኺዓዪ ነበሮ። ጸራቢ እዩ ነይሩ። ዮሴፍ ንየሱስ ከም ወዱ እዩ ኣዕብይዎ፣ ስለዚ፡ የሱስ “ወዲ እቲ ጸራቢ” ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። (ማቴዎስ 13:55) ዮሴፍ ንየሱስ፡ ጸራቢ ኪኸውን ጽቡቕ ገይሩ መሃሮ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዮም ሰባት ንየሱስ ጸኒሖም፡ “እቲ ጸራቢ” ኢሎም ዝጸውዕዎ።—ማርቆስ 6:3

ናብራ ስድራ ቤት ዮሴፍ፡ ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ዮሴፍን ማርያምን ምስ ሕጊ ኣምላኽ ብምስምማዕ፡ ንደቆም ‘ኣብ ቤቶም ኮፍ ምስ በሉን ኣብ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉን ኣብ በጥ ምባሎምን ኣብ ምትንሳኦምን’ መንፈሳዊ ትምህርቲ ይምህርዎም ነበሩ። (ዘዳግም 6:6-9) ብዘይካዚ፡ ኣብ ናዝሬት ምኵራብ ነይሩ እዩ። ዮሴፍ ከኣ ንስድራ ቤቱ ናብኡ ኣዘውቲሩ ይወስዶም ከም ዝነበረ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብ ካልእ ግዜ፡ ብዛዕባ የሱስ፡ “ብመዓልቲ ሰንበት . . . ከምቲ ልማዱ ናብ ምኵራብ ኣተወ” ተባሂሉ ኣሎ። (ሉቃስ 4:16) እቶም ኣባላት እታ ስድራ ቤት፡ ናብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ብስሩዕ ዚገብርዎ ዝነበሩ ጕዕዞ ብዙሕ ይሕጐሱሉ ነይሮም እዮም።