ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 13

ካብቲ የሱስ ንፈተናታት እተዋጽኣሉ መገዲ ተምሃር

ካብቲ የሱስ ንፈተናታት እተዋጽኣሉ መገዲ ተምሃር

ማቴዎስ 4:1-11 ማርቆስ 1:12, 13 ሉቃስ 4:1-13

  • ሰይጣን ንየሱስ ፈተኖ

የሱስ ብዮሃንስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ ናብ በረኻ ይሁዳ ኸደ። ብዙሕ ዚሓስቦ ነገራት ነይርዎ እዩ። ምኽንያቱ፡ ምስ ተጠምቀ፡ ‘ሰማያት ተኸፊቱ’ እዩ። (ማቴዎስ 3:16) ስለዚ፡ ኣብ ሰማይ ዝፈለጦን ዝገበሮን ነገራት ኪዝክር ይኽእል ነይሩ እዩ። ብሓቂ ብዙሕ ዜስተንትነሉ ነገራት ነይርዎ እዩ!

የሱስ ኣብ በረኻ 40 መዓልትን 40 ለይትን ገበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይበልዐን። ሽዑ፡ የሱስ ኣዝዩ ጠምዩ ኸሎ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ናብኡ ቐሪቡ፡ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ነዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል” ኢሉ ፈተኖ። (ማቴዎስ 4:3) የሱስ ግና ብሕታዊ ድሌቱ ንምርዋይ ንተኣምራዊ ሓይሉ ምጥቃም ጌጋ ምዃኑ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ ከምኡ ምግባር ኣበየ።

ድያብሎስ ግና በዚ ኣየቋረጸን። ካልእ ኣቀራርባ ፈተነ። ንየሱስ ካብቲ ላዕለዋይ ጫፍ መንደቕ ቤተ መቕደስ ኪጸድፍ ብድሆ ኣቕረበሉ። የሱስ ግና ከምዚ ዝበለ ትንግርታዊ ተግባር ኪገብር ኣይፈተነን። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቒሱ ድማ፡ ንኣምላኽ ከምኡ ጌርካ ምፍታን ጌጋ ምዃኑ ገለጸ።

ኣብ ሳልሳይ ፈተና፡ ድያብሎስ ንየሱስ “ኵለን መንግስትታት ዓለምን ክብረንን” ኣርኣዮ እሞ፡ “ፍግም ኢልካ እንተ ሰጊድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ” በሎ። የሱስ ግና፡ “ኪድ፡ ሰይጣን!” ብምባል መሊሱ ኣበዮ። (ማቴዎስ 4:8-10) ቅዱስ ኣገልግሎት ንየሆዋ ጥራይ ከም ዚግባእ ስለ ዚፈልጥ፡ ጌጋ ንምግባር ንዝቐረበሉ ፈተና ኢዱ ኣይሃበን። እወ፡ ንኣምላኽ እሙን ምዃን እዩ ሓርዩ።

ካብዚ ፈተናታትን ካብቲ የሱስ ዝሃቦ ምላሽን ንሕና ኽንምሃር ንኽእል ኢና። እቲ ፈተናታት ናይ ሓቂ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ድያብሎስ ከምቲ ገሊኦም ሰባት ዚብልዎ እከይ ባህርይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሓቂ ዘሎ፡ ዘይርአ ኣካል ምዃኑ ይሕብረና። ካብዚ ዛንታ እዚ፡ መንግስትታት ዓለም ናይ ድያብሎስ ምዃነን፡ ማለት ንሱ ኸም ዚቈጻጸረን ንምሃር ኢና። ናቱ እንተ ዘይኰና ነይረን፡ እቲ ንክርስቶስ ኪህቦ ዘቕረበሉ ዕድመ እሞ ኸመይ ኢሉ ፈተና ኪኸውን ይኽእል፧

ብተወሳኺ፡ ድያብሎስ፡ የሱስ ሓንሳእ ፍግም ኢሉ እንተ ሰጊዱሉ፡ ኵለን መንግስትታት ዓለም እኳ ኺህቦ ፍቓደኛ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ ንዓና እውን ምናልባት ዓለማዊ ሃብቲ፡ ስልጣን፡ ወይ ቦታ ንምርካብ ዜህርፍ ኣጋጣሚታት ኣብ ቅድሜና ብምግባር ይፍትነና ይኸውን። እቲ ፈተና ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ንኣምላኽ እሙናት ብምዃን ኣብነት የሱስ ምስ እንስዕብ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ጥበበኛታት እንኸውን! ኰይኑ ግና፡ ድያብሎስ ንየሱስ፡ “ምሹእ ግዜ ኽሳዕ ዚረክብ” ጥራይ እዩ ሓዲግዎ። (ሉቃስ 4:13) ንዓና እውን ተመሳሳሊ እዩ ዜጓንፈና፣ ስለዚ፡ ክንድህለል የብልናን።