ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 14

የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብር ጀመረ

የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብር ጀመረ

ዮሃንስ 1:29-51

  • ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪስዕብዎ ጀመሩ

የሱስ ኣብ በረኻ 40 መዓልቲ ድሕሪ ምግባሩ፡ ናብ ገሊላ ቕድሚ ምኻዱ፡ ናብቲ ዘጥመቖ ዮሃንስ ተመልሰ። ጥቓኡ ምስ ቀረበ፡ ዮሃንስ ናብኡ እናኣመልከተ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ “እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ! ብዛዕባ እዚ እየ፡ ‘ቅድመይ ዝዀነ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ ኣሎ፣ ንሱስ ቅድመይ ዝነበረ እዩ’ ዝበልኩ” በሎም። (ዮሃንስ 1:29, 30) ዮሃንስ ካብ የሱስ ብዕድመ ቝሩብ ዚዓቢ እኳ እንተ ዀነ፡ የሱስ ቅድሚኡ መንፈስ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ይነብር ከም ዝነበረ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

ቅድሚ ገለ ሰሙናት የሱስ ኪጥመቕ ኢሉ ኺመጽእ ከሎ፡ የሱስ መሲሕ ምዃኑ ዮሃንስ ኣርጊጹ ኣይፈለጠን ነይሩ። ስለዚ፡ “ኣነ እኳ ኣይፈለጥክዎን፣ ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግሃድ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጺአ” ኢሉ ተኣመነ።—ዮሃንስ 1:31

ዮሃንስ ኣስዕብ ኣቢሉ ንየሱስ ምስ ኣጥመቖ እንታይ ከም ዝዀነ ንሰማዕቱ ኺገልጸሎም ከሎ ኸምዚ በለ፦ “መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብኡ ኪቕመጥ ርእየ እየ። እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ ደኣ፡ ‘እቲ፡ መንፈስ ወሪዱ ኪቕመጦ እትርእዮ፡ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ’ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። ኣነ ኸኣ ርእየስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስኪረ።”—ዮሃንስ 1:32-34

ንጽብሒቱ፡ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ንየሱስ ኪመጽእ ረኣዮ እሞ፡ “እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ!” በለ። (ዮሃንስ 1:36) ሽዑ፡ እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ መጥምቕ ንየሱስ ሰዓብዎ። ሓደ ኻባታቶም እንድርያስ እዩ ነይሩ። እቲ ኻልኣይ ከኣ እቲ ነዚ ቓላት እዚ ዝመዝገበ ዮሃንስ ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ። እዚ ዮሃንስ እዚ ወዲ ሰሎሜ ብምዃኑ ወዲ ሓትኖኡ ንየሱስ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰሎሜ ሓብቲ ማርያም ክትከውን ትኽእል እያ፣ ሰብኣያ ድማ ዘብዴዎስ ይብሃል።

የሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ እንድርያስን ዮሃንስን ኪስዕብዎ ኸለዉ ርእዩ፡ “እንታይ ትደልዩ ኣለኹም፧” በሎም።

ንሳቶም ድማ፡ “ረቢ፡ . . . ኣበይ ኢኻ እትነብር፧” ኢሎም ሓተትዎ።

የሱስ ከኣ፡ “ንዑ ርኣዩ” ኢሉ መለሰሎም።—ዮሃንስ 1:37-39

ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቐትሪ ኣቢሉ እዩ ነይሩ፣ እንድርያስን ዮሃንስን ከኣ እቲ ዝተረፈ ግዜ ምስኡ ኣምሰዩ። ድሕርዚ እንድርያስ ተሓጒሱ ብምንባሩ፡ ነቲ ጴጥሮስ እውን ዚብሃል ሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፡ “ንመሲሕ . . . ረኺብናዮ” በሎ። (ዮሃንስ 1:41) ንጴጥሮስ ድማ ናብ የሱስ ወሰዶ። ምናልባት ዮሃንስ እውን ንሓዉ ያእቆብ ረኺቡ ናብ የሱስ ዘምጽኦ ኣብቲ ግዜ እቲ ኪኸውን ከም ዚኽእል ጸኒሕና እንረኽቦ ነገራት ይእምት እዩ። ኰይኑ ግና፡ ዮሃንስ ነዚ ብሕታዊ ሓበሬታ እዚ ኣብቲ ዝመዝገቦ ዛንታ ኣየእተዎን።

ንጽብሒቱ፡ የሱስ ንፊልጶስ ብዓል ቤት-ሳይዳ ረኸቦ። ቤት-ሳይዳ ኣብ ጥቓ ሰሜናዊ ገምገም ባሕሪ ገሊላ እትርከብ ኰይና፡ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እውን እያ ነይራ። የሱስ ድማ ንፊልጶስ፡ “ስዓብየይ ኩን” ኢሉ ጻውዒት ኣቕረበሉ።—ዮሃንስ 1:43

ፊሊጶስ ከኣ ነቲ በርተሎሜዎስ እውን ዚብሃል ናትናኤል ረኸቦ እሞ፡ “እቲ ሙሴ ኣብ ሕጊ ዝጸሓፈሉ፡ ነብያት እውን ዝጸሓፉሉ፡ የሱስ ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት ረኺብናዮ” በሎ። ናትናኤል ግና ተጠራጠረ እሞ፡ “ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪርከብ ይኽእል እዩ፧” በለ።

ፊልጶስ ድማ፡ “ንዓ ርአ” በሎ። የሱስ ከኣ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረኣዮ እሞ፡ “እንሆ፡ ብሓቂ ተንኰል ዚብሃል ዘይብሉ እስራኤላዊ” በለ።

ናትናኤል ድማ፡ “ኣበይ ትፈልጠኒ፧” ኢሉ ሓተቶ።

የሱስ ከኣ፡ “ፊልጶስ ከይጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ ከለኻ ርእየካ” ኢሉ መለሰሉ።

ናትናኤል ተገሪሙ፡ “መምህር፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፣ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ” በሎ።

የሱስ ከኣ፡ “ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ ከም ዝረኣኹኻ ስለ ዝነገርኩኻዶ ኣሚንካ፧” ኢሉ ሓተቶ። ቀጺሉ ድማ፡ “ካብዚ ዚዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ” በሎ። ኣስዒቡ እውን፡ “ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽ እውን ኪድይቡን ናብ ወዲ ሰብ ኪወርዱን ክትርእዩ ኢኹም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” ኢሉ ቓል ኣተወ።—ዮሃንስ 1:45-51

ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ የሱስ ምስቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቱ ኻብ ስንጭሮ ዮርዳኖስ ነቒሉ ናብ ገሊላ ተጓዕዘ።