ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 19

ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ መሃራ

ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ መሃራ

ዮሃንስ 4:3-43

  • የሱስ ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይትን ንኻልኦትን መሃረ

  • ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ብኣውራጃ ሰማርያ ኣቢሎም ሓለፉ። በቲ ጕዕዞ ደኺሞም ስለ ዝነበሩ፡ ዳርጋ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ኪኸውን ከሎ ኣብ ሓደ ጥቓ ከተማ ሲካር እትርከብ ዒላ ኣዕረፉ። እታ ዒላ እቲኣ፡ ያእቆብ ቅድሚ ሓያሎ ዘመናት ዝዀዓታ ወይ ከፊሉ ዘዅዓታ እያ ነይራ። ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብ ጥቓ ዘመናዊት ከተማ ናብሎስ ኣላ።

የሱስ ኣብ ጥቓ እታ ዒላ ኼዕርፍ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ዚብላዕ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኣተዉ። ሽዑ፡ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ ምስ መጸት፡ የሱስ፡ “ኣስትይኒ” በላ።—ዮሃንስ 4:7

ኣይሁድን ሳምራውያንን ሱር ዝሰደደ ጽልኢ ስለ ዝነበሮም፡ ብሓፈሻኡ ኣይቀራረቡን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ እታ ሰበይቲ ብምግራም፡ “ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻስ፡ ካባይ ካብ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ኽትሰቲ ትልምን ኣለኻ፧” ኢላ ሓተተቶ። የሱስ ድማ፡ “ናጻ ውህበት ኣምላኽን እቲ ‘ኣስትይኒ’ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፡ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፡ ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ” ኢሉ መለሰላ። ንሳ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ መገለል የብልካን፡ እዛ ዒላ ኸኣ ዓማቝ እያ። እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ኢኻ እትረኽቦ፧ ንስኻዶ ኻብቲ ነዛ ዒላ እዚኣ ዝሃበና፡ ንሱ እውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኣ ዝሰተየ ኣቦና ያእቆብ ትዓቢ ኢኻ፧” በለቶ።—ዮሃንስ 4:9-12

የሱስ ድማ፡ “ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዅሉ መሊሱ ኺጸምእ እዩ። ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ዘበለ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ደኣ ኣብኡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ይኸውን እምበር፡ ከቶ ኣይኪጸምእን እዩ” በላ። (ዮሃንስ 4:13, 14) እወ፡ የሱስ ደኺሙ እኳ እንተ ነበረ፡ ነታ ሳምራዊት ህይወት ዚህብ ቃላት ሓቂ ኼካፍላ ግና ፍቓደኛ እዩ ነይሩ።

ሽዑ፡ እታ ሰበይቲ፡ “ጐይታይ፡ ከይጸምእ እሞ፡ ክቐድሕ ኢለ ናብዚ ኸይመላለስሲ፡ ነዚ ማይ እዚ ሃበኒ” በለቶ። ድሕርዚ፡ የሱስ ኣርእስቲ ዝቐየረ መሰለ፡ ነታ ሰበይቲ እውን፡ “ኪዲ፡ ሰብኣይኪ ጸዊዕኪ ናብዚ ንዒ” በላ። ንሳ ድማ፡ “ሰብኣይ የብለይን” ኢላ መለሰትሉ። እቲ ድሕርዚ የሱስ እተዛረቦ ምስ ሰምዐት ግና፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዚፈልጥ ኣሰምቢድዋ ኪኸውን ኣለዎ፣ ከመይሲ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “‘ሰብኣይ የብለይን’ ብምባልክስ፡ ቅኑዕ ተዛሪብኪ። ሓሙሽተ ሰብኡትሲ ነይሮምኺ እዮም፣ እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎ እውን ሰብኣይኪ ኣይኰነን” እዩ ኢልዋ።—ዮሃንስ 4:15-18

እቲ ዘረባ ሒዝዎ ዝነበረ ትርጉም ንዓኣ ንጹር ብምንባሩ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ ኣለኹ” በለቶ። ድሕርዚ፡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ተገዳስነት ከም ዘለዋ ገለጸት። ከመይ ገይራ እያ እዚ ዝገለጸት፧ ቀጺላ፡ “ኣቦታትና [ሳምራውያን] ኣብዚ ኸረን እዚ [ኣብቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ ኸረን ጌሪዚም] እዮም ኣምሊኾም፣ ንስኻትኩም [ኣይሁድ] ግና፡ ‘እታ ኺምለኸላ ዚግባእ ቦታ የሩሳሌም እያ’ ኢኹም እትብሉ” በለቶ።—ዮሃንስ 4:19, 20

የሱስ ግና፡ ቦታ ኣምልኾ ኣገዳሲ ኸም ዘይኰነ ገለጸላ። “ኣብዚ ኸረን እዚ ወይስ ኣብ የሩሳሌም ንኣቦ ዘይተምልኹላ ሰዓት ከም እትመጽእ፡ እመንኒ” በላ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንኣቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዜምልኹላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፣ ኣቦስ ከምዚ ዝበሉ ኣምለኽቲ እዩ ዚደሊ ዘሎ” በላ።—ዮሃንስ 4:21, 23, 24

እቲ ኣቦ ኻብ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዚደልዮ፡ ኣበይ ከም ዜምልኽዎ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ከም ዜምልኽዎ እዩ። እታ ሰበይቲ በዚ ተገረመት። “ክርስቶስ ዚብሃል መሲሕ ከም ዚመጽእ እፈልጥ እየ። ንሱ ምስ መጸ፡ ኵሉ ኺገልጸልና እዩ” በለቶ።—ዮሃንስ 4:25

ሽዑ፡ የሱስ፡ “ኣነ ዝዛረበኪ ዘለኹ፡ ንሱ እየ” ኢሉ ኣገዳሲ ሓቂ ገለጸ። (ዮሃንስ 4:26) ሕስብ እሞ ኣብሎ! የሱስ ነታ ፍርቂ መዓልቲ ማይ እትቐድሕ ሰበይቲ እዩ ብዜገርም መገዲ ሞገሱ ዘርኣያ። ነቲ ንዋላ ሓደ ብግህዶ ነጊርዎ ዘይፈልጥ መንነቱ፡ ማለት መሲሕ ምዃኑ ብቐጥታ ነገራ።

ብዙሓት ሳምራውያን ኣመኑ

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብ ሲካር ምግቢ ሒዞም ተመልሱ። ንየሱስ ከኣ ኣብታ ዝገደፍዎ ዒላ ያእቆብ ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ኺዛራረብ ረኸብዎ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ መጹ፡ ንሳ ዕትሮኣ ሓዲጋ ናብ ከተማ ከደት።

እታ ሰበይቲ ናብ ሲካር ምስ ኣተወት፡ ነቲ የሱስ ዝነገራ ነገር ንሰባት ነገረቶም። ብምትእምማን ድማ፡ “ዝገበርክዎ ዅሉ ዝነገረኒ ሰብ ንዑ ርኣይዎ” በለቶም። ድሕሪኡ፡ ንምፍላጥ ዘለዎም ድሌት ንምልዕዓል ኢላ፡ “እንድዒ፡ ክርስቶስ ደዀን ይኸውን፧” በለቶም። (ዮሃንስ 4:29) እዛ ሕቶ እዚኣ ኻብ ዘመን ሙሴ ኣትሒዛ ኣዝያ ኣገዳሲት እያ ነይራ። (ዘዳግም 18:18) እቶም ሰባት ድማ ባዕላቶም ንየሱስ ኪርእይዎ ኻብታ ኸተማ ወጹ።

እዚ ኪኸውን ከሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ፡ ካብቲ ዘምጽእዎ ምግቢ ኺበልዕ ለመንዎ። ንሱ ግና፡ “ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ ኣሎኒ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ንሓድሕዶም፡ “ዚብላዕ ዘምጸኣሉ ደዀን ኣልዩ፧” ተባሃሃሉ። የሱስ ድማ፡ “ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር፡ ዕዮኡ እውን ክፍጽም እዩ” ብምባል ንዅሎም ሰዓብቱ ኣገዳሲ ትርጉም ብዘለዎ ቓላት ገለጸሎም።—ዮሃንስ 4:32-34

እቲ የሱስ እተዛረበሉ ዕዮ፡ እቲ ገና ኣርባዕተ ወርሒ ተሪፍዎ ዝነበረ ዕዮ ዓጺድ ኣይኰነን ነይሩ። የግዳስ፡ ብዛዕባ እቲ መንፈሳዊ ዓጺድ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፣ ብዛዕባ እዚ ድማ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ገለጸ፦ “ኣዒንትኹም ኣልዒልኩም፡ ግራውቲ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወ ርኣዩ። እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ፡ ድሮ እቲ ዓጻዲ ውዕለቱ ይቕበልን ንናይ ዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብን ኣሎ።”—ዮሃንስ 4:35, 36

የሱስ ምስታ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝገበሮ ዝርርብ ዓብዪ ፍረ ኸም ዜፍሪ ኺርኢ ይኽእል ነይሩ እዩ። ስለቲ ንሳ “ዝገበርክዎ ዅሉ ነጊሩኒ” ኢላ ዝመስከረቶ ቓል፡ ብዙሓት ካብ ሲካር ብእኡ ኣመኑ። (ዮሃንስ 4:39) ስለዚ፡ ካብ ሲካር ናብታ ዒላ ምስ ከዱ፡ ንየሱስ ምሳታቶም ቀንዩ ኼዛራርቦም ለመንዎ። የሱስ ነቲ ዕድመኦም ተቐቢሉ ኣብኡ ኽልተ መዓልቲ ገበረ።

እቶም ሳምራውያን ንየሱስ ምስ ሰምዕዎ፡ ብዙሓት ተወሰኽቲ ኣመኑ። ነታ ሰበይቲ እውን፡ “ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ መድሓን ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር፡ ብዘረባኺ ጥራይ ኣይኰንናን እንኣምን ዘለና” በልዋ። (ዮሃንስ 4:42) ንሕና እውን፡ ሰባት ብዛዕባ ክርስቶስ ዝያዳ ኺምርምሩ ድሌቶም ብምልዕዓል ከመይ ጌርና ክንምስክር ከም እንኽእል፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ ጽቡቕ ኣብነት እያ ገዲፋትልና።

እዋኑ ኣርባዕተ ወርሒ ቕድሚ ቐውዒ፡ ማለት ኣርባዕተ ወርሒ ቕድሚ እቲ ኣብ መጋቢት ወይ ሚያዝያ ዚግበር ዓጺድ ስገም ከም ዝነበረ ዘክር። ስለዚ፡ የሱስ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኺብል ከሎ፡ ኣብ ከባቢ ሕዳር ወይ ታሕሳስ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ድሕሪ እቲ ብ30 ድ.ክ. ዝወዓለ ፋስጋ፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ይሁዳ እናኣጥመቑን እናመሃሩን ሸሞንተ ወርሒ ዚኸውን ኣብ ይሁዳ ኣሕሊፎም ማለት እዩ። ካብኡ ናብ ዓዶም ናብ ገሊላ ገጾም ከዱ። ኣብኡ እንታይ ኰን እዩ ጸኒሕዎም፧