ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 23

የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ዓበይቲ ግብርታት ገበረ

የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ዓበይቲ ግብርታት ገበረ

ማቴዎስ 8:14-17 ማርቆስ 1:21-34 ሉቃስ 4:31-41

  • የሱስ፡ ጋኔን ኣውጽአ

  • ሓማት ጴጥሮስ ሓወየት

የሱስ ነቶም ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ፡ ማለት ንጴጥሮስን ንእንድርያስን ንያእቆብን ንዮሃንስን ገፈፍቲ ሰብ ኪዀኑ ጻውዒት ድሕሪ ምቕራቡ፡ ብሰንበት ኵላቶም ኣብ ቅፍርናሆም ናብ እትርከብ ምኵራብ ከዱ። የሱስ ኣብታ ምኵራብ ኪምህር ጀመረ፣ እቶም ህዝቢ ኸኣ ከምቶም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፡ ከም ሓደ ስልጣን ዘለዎ ገይሩ ይምህሮም ስለ ዝነበረ፡ ብኣመሃህራኡ ተገረሙ።

በታ ሰንበት እቲኣ፡ ጋኔን ዝሓደሮ ሰብ ኣብኡ ነበረ። ንሱ ድማ፡ “ኣታ ናዝሬታዊ የሱስ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፧ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ መን ምዃንካ ብልክዕ ፈሊጠካ ኣለኹ፣ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ ኢኻ!” ኢሉ ጨደረ። የሱስ ግና ነቲ ኣብቲ ሰብኣይ ዝሓደረ ጋኔን፡ “ስቕ በል፡ ካብኡ እውን ውጻእ!” ኢሉ ገንሖ።—ማርቆስ 1:24, 25

ሽዑ፡ እቲ እኩይ መንፈስ ነቲ ሰብኣይ ናብ ምድሪ ደርብዩ ኣንፈርፈሮን ዓው ኢሉ ጨደረን። ድሕሪኡ ግና፡ “ከይጐድኦ ኻብኡ ወጸ።” (ሉቃስ 4:35) እቶም ኣብታ ምኵራብ ዝነበሩ ሰባት ተደመሙ! “እዚ እንታይ እዩ፧ . . . ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፡ ንሳቶም ከኣ ይእዘዝዎ” ድማ ተባሃሃሉ። (ማርቆስ 1:27) እዚ ወረ እዚ ድማ ኣብ ብዘሎ ገሊላ ተዘርግሐ።

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብታ ምኵራብ ወጺኦም ናብ ቤት ስምኦን ወይ ጴጥሮስ ከዱ። ኣብኡ ኸኣ ሓማት ጴጥሮስ ብርቱዕ ረስኒ ነበራ። ንየሱስ ድማ ኪረድኣ ለመንዎ። ንሱ ድማ ናብኣ ቐሪቡ ብኢዳ ሒዙ ኣተንስኣ። ብኡብኡ ሓውያ ኸኣ ንየሱስን ንደቀ መዛሙርቱን ኣገልገለቶም፣ ምናልባት እውን ምግቢ እያ ኣዳልያትሎም እትኸውን።

ጸሓይ ክትዓርብ ከላ፡ ዝሓመሙ ሰባት ሒዞም ናብ ቤት ጴጥሮስ መጹ። ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ብምልእታ እታ ኸተማ፡ ኣብቲ ኣፍ ደገ ተኣከበት። ስለምንታይ፧ እቶም ህዝቢ ኺሓውዩ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ እዮም። “ኵሎም እቶም እተፈላለየ ሕማም ዝሓመሙ ሰባት ዘለውዎም፡ ናብኡ ኣምጽእዎም። ንሱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኣእዳዉ ኣንቢሩ ኣሕወዮም።” (ሉቃስ 4:40) እወ፡ ሕማማቶም ብዘይገድስ፡ ከምቲ ብትንቢት እተነግረ፡ የሱስ ረዲእዎም እዩ። (ኢሳይያስ 53:4) ኣጋንንቲ ንዝሓደርዎም እኳ ኣውጺኡሎም እዩ። እቶም እኩያት መናፍስቲ ድማ፡ “ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” ኢሎም እናጨደሩ ወጹ። (ሉቃስ 4:41) የሱስ ግና ገንሖም፡ ኪዛረቡ እውን ኣይፈቐደሎምን። ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ፣ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዜምልኹ መሲሎም ኪርኣዩ ድማ ኣይደለዮምን።