ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 26

“ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ”

“ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ”

ማቴዎስ 9:1-8 ማርቆስ 2:1-12 ሉቃስ 5:17-26

  • የሱስ ንሓደ ልሙስ ሰብኣይ ሓጢኣቱ ሓደገሉን ኣሕወዮን

የሱስ ኣብ ኵሉ ፍሉጥ ኰነ። ብዙሓት ሰባት ንሱ ዚገብሮ ግብርታት ሓይሊ ኺርእዩ፡ ናብቲ ንሱ ዚርከቦ ብዙሕ ዘይፍለጥ ቦታታት ይኸዱ ነበሩ። ድሕሪ ገለ መዓልትታት ግና ናብታ ማእከል ንጥፈታቱ ዝዀነት ቅፍርናሆም ተመልሰ። ከም እተመልሰ ኸኣ፡ ኣብታ ኣብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ እትርከብ ከተማ ብቕልጡፍ ተሰምዐ። ከም ውጽኢቱ፡ ብዙሓት ናብታ ዝነበራ ቤት መጹ። ገለ ኻባታቶም ከኣ ካብ ገሊላን ይሁዳን የሩሳሌምን ዝመጹ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ነበሩ።

“ኣብቲ ጥቓ ኣፍ ደገ እኳ ቦታ ኽሳዕ ዚስእኑ ድማ፡ ብዙሓት ተኣከቡ፣ ንሱ ኸኣ ቃል ነገሮም።” (ማርቆስ 2:2) እቲ መድረኽ ንሓደ ብሓቂ ጕሉሕ ዝዀነ ፍጻመ እተዳለወ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ዝዀነ ነገር፡ የሱስ ጠንቂ መከራ ደቂ ሰብ ኬልግስን ኬጥዕን ስልጣን ከም ዘለዎ ኽንግንዘብ ይሕግዘና እዩ።

የሱስ ነቶም ህዝቢ ኺምህሮም ከሎ፡ ኣርባዕተ ሰባት ንሓደ ልሙስ ሰብኣይ ኣብ ቃሬዛ ገይሮም ኣምጽእዎ። የሱስ ነቲ ዓርኮም ኬሕውየሎም እዮም ደልዮም ነይሮም። ብሰንኪ እቶም ህዝቢ ግና ‘ናብ የሱስ ኪቐርቡ ኣይከኣሉን።’ (ማርቆስ 2:4) እዚ ኽሳዕ ክንደይ ዜሕርቕ ከም ዝዀነ ኽትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ ናብ ልዕሊ ናሕሲ እታ ቤት ደዪቦም፡ ነቲ ሕጡብ ኣፍረስዎ። ነቲ ልሙስ ሰብኣይ ምስ ቃሬዛኡ ድማ ናብታ ቤት ኣውረድዎ።

የሱስ ዘረባኡ ስለ ዘቋረጽዎ ተቘጢዑዶ፧ ኣይፋሉን! ኣብ ክንዳኡስ፡ ብእምነቶም ብዙሕ ተደነቐ እሞ ነቲ ልሙስ፡ “ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ። (ማቴዎስ 9:2) የሱስ ግና ብሓቂዶ ሓጢኣት ኪሓድግ ይኽእል እዩ፧ እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዚኽእል ኣይመሰሎምን። ስለዚ ብልቦም፡ “እዚ ስለምንታይ ከምዚ ይብል ኣሎ፧ ይጻረፍ ኣሎ። ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ፡ መን ሓጢኣት ኪሓድግ ይኽእል፧” ኢሎም ሓሰቡ።—ማርቆስ 2:7

የሱስ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ፡ “ስለምንታይ ብልብኹም እዚ ትሓስቡ ኣለኹም፧ ኣየናይ ይቐልል፧ ነዚ ልሙስ፡ ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ’ ምባልዶ፡ ወይስ፡ ‘ተንስእ እሞ ቓሬዛኻ ኣልዒልካ ኺድ’ ምባል፧” በሎም። (ማርቆስ 2:8, 9) እወ፡ ብመሰረት እቲ የሱስ ጸኒሑ ዘቕረቦ መስዋእቲ፡ ነቲ ሰብኣይ ሓጢኣቱ ኺሓድገሉ ይኽእል እዩ።

ድሕርዚ፡ የሱስ ነቶም ህዝቢ፡ እንተላይ ነቶም ነቐፍቱ፡ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ኺሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኼርእዮም፡ ናብቲ ልሙስ ግልጽ ኢሉ፡ “ተንስእ፡ ቃሬዛኻ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ እብለካ ኣለኹ” በሎ። ንሱ ኸኣ ብኡብኡ ቓሬዛኡ ኣልዒሉ፡ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ወጸ። እቶም ሰባት ድማ ኣስተንከሩ! “ከምዚ ዝበለስ ከቶ ኣይረኣናን” እናበሉ እውን ንኣምላኽ ኣሞገስዎ።—ማርቆስ 2:11, 12

የሱስ ንሕማም ምስ ሓጢኣት ከም ዘተሓሕዞ፡ ንሕድገት ሓጢኣት እውን ምስ ኣካላዊ ጥዕና ኸም ዘተሓሓዞ ኸነስተብህለሉ ይግባእ። እቲ ናይ መጀመርታ ኣቦና ኣዳም ከም ዝሓጥአ እሞ ኵላትና ሳዕቤናት ሓጢኣት፡ ማለት ሕማምን ሞትን ከም ዝወረስና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ግና፡ የሱስ ንሓጢኣት ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎን ዜገልግልዎን ሰባት ኪሓድግ እዩ። ሽዑ፡ ሕማም ንዘለኣለም ኪውገድ እዩ።—ሮሜ 5:12, 18, 19