ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 40

ብዛዕባ ሕድገት ሓጢኣት እተዋህበ ትምህርቲ

ብዛዕባ ሕድገት ሓጢኣት እተዋህበ ትምህርቲ

ሉቃስ 7:36-50

  • ሓንቲ ሓጥእ ሰበይቲ ኣብ እግሪ የሱስ ዘይቲ ኣፍሰሰት

  • የሱስ ብዛዕባ ሕድገት ሓጢኣት ንምግላጽ፡ ምሳሌ ሰብ ዕዳ መሰለ

ሰባት ነቲ የሱስ ዚብሎን ዚገብሮን ነገር ከከም ልቦም እተፈላለየ ምላሽ እዮም ዚህቡሉ ነይሮም። ኣብ ገሊላ ኣብ እትርከብ ቤት ከምኡ እዩ ዀይኑ። ሓደ ስምኦን ዚብሃል ፈሪሳዊ ንየሱስ ዓደሞ፣ ከምኡ ዝገበረ ድማ የሱስ ዜገርም ግብርታት ይገብር ብምንባሩ ኣጸቢቑ ኺፈልጦ ኢሉ እዩ ዚኸውን። የሱስ ድማ ነዚ ዕድመ እዚ፡ ነቶም ኣብኡ ዚረኽቦም ኬገልግሎም ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍተሉ ገይሩ ስለ ዝረኣዮ፡ ከምቲ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኻብ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን ንዝቐረበሉ ዕድመ እተቐበሎ፡ ነዚ እውን ተቐበሎ።

ይኹን እምበር፡ የሱስ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንኣጋይሽ ዚግበር ዝነበረ ጽቡቕ ኣቀባብላ ኣይተገብረሉን። ሓደ ሰብ ሳእኒ ወድዩ በቲ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዚርከብ ዝነበረ ብደሮና ዝመልአ መገዲ ምስ ዚጐዓዝ፡ ኣእጋሩ ይረስንን ይረስሕን እዩ ነይሩ፣ ስለዚ፡ እግሪ ኣጋይሽ ብዝሑል ማይ ጌርካ ምሕጻብ፡ ጋሻ እትቕበለሉ ልሙድ ተግባር እዩ ነይሩ። ንየሱስ ግና ከምኡ ኣይተገብረሉን። ከም ልሙድ፡ እንቋዕ ደሓን መጻእካ ኢሉ ዝሰዓሞ እውን ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ካብ ለውሃት ተላዒሎም ንኣጋይሽ ኪቕበሉ ኸለዉ፡ ጸጕሪ ርእሶም ዘይቲ ይለኽይዎም ነይሮም እዮም። ንየሱስ ግና እዚ እውን ኣይተገብረሉን። እሞ ደኣ እዝስ ብሓቅዶ ጽቡቕ ኣቀባብላ እዩ ነይሩ፧

እቶም ኣጋይሽ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ኪበልዑ ጀመሩ። ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ሰላሕ ኢላ ናብታ ኽፍሊ ኣተወት። “ኣብታ ኸተማ ሓጥእ ብምዃና እተፈልጠት ሰበይቲ” እያ ነይራ። (ሉቃስ 7:37) ኵሎም ዘይፍጹማት ሰባት ሓጥኣን እዮም፣ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ግና ብርኹስ ኣነባብራኣ ፍልጥቲ ዝነበረት እያ ነይራ፣ ምናልባት እውን ኣመንዝራ እያ ነይራ። ትምህርትታት የሱስ፡ እንተላይ ነቲ ‘ኣቱም ኵልኹም ጾር ዝኸብደኩም፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ’ ኢሉ ዘቕረቦ ጻውዒት ሰሚዓ ኽትከውን ትኽእል እያ። (ማቴዎስ 11:28, 29) ብቓላትን ብተግባራትን የሱስ ኣዝያ ስለ እተተንከየት፡ ንየሱስ ደልያ ረኸበቶ።

እታ ሰበይቲ ብድሕሪ የሱስ መጺኣ ኣብ እግሩ ተምበርከኸት። ንብዓታ ኣብ እግሩ ምስ ፈሰሰ ኸኣ፡ ብጸጉራ ገይራ ደረዘቶ። ኣእጋሩ ድማ ኣጥቢቓ ሰዓመት፡ በቲ ሒዛቶ ዝመጸት ቅዱይ ቅብኢ እውን ለኸየቶ። ስምኦን ከኣ ነዚ ርእዩ፡ “እዚ፡ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲ፡ እዛ እትትንክዮ ዘላ ሓጥእ እያ እሞ፡ መን ምዃናን እንታይ ዓይነት ሰበይቲ ምዃናን ምፈለጠ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።—ሉቃስ 7:39

የሱስ ከኣ ሓሳብ ስምኦን ፈሊጡ፡ “ስምኦን፡ ዝብለካ ኣሎኒ” በሎ። ንሱ ድማ፡ “መምህር፡ ተዛረብ” ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፡ “ንሓደ ኣለቃሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ፣ እቲ ሓደ 500 ዲናር፡ እቲ ሓደ ድማ 50 ዲናር ተዓድዮም ነበሩ። ዚፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሓደገሎም። ካባታቶምሲ ዝያዳ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧” በሎ። ስምኦን ከኣ፡ ምናልባት በቲ ሕቶ ብዙሕ ከይተገደሰ፡ “ንዓይሲ እቲ ዝያዳ እተሓድገሉ ይመስለኒ” ኢሉ መለሰ።—ሉቃስ 7:40-43

የሱስ ድማ ምስቲ ዝበሎ ተሰማምዐ። ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ ንስምኦን ከምዚ በሎ፦ “ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ ኣለኻ፧ ናብ ቤትካ ኣትየ፡ ንእግረይ ማይ ኣይሃብካንን። እዚኣ ግና ንኣእጋረይ ብንብዓታ ኣጠልቅያቶ፡ ብጸጕራ እውን ደሪዛቶ። ንስኻ ኣይሰዓምካንን፣ እዚኣ ግና ካብታ ዝኣቶኹላ ሰዓት ኣትሒዛ፡ ኣእጋረይ ኣጥቢቓ ኻብ ምስዓም ኣየቋረጸትን። ንስኻ ንርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኸኻንን፣ እዚኣ ግና ንኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኽያቶ።” የሱስ፡ እታ ሰበይቲ ብዛዕባ እቲ ርኹስ ኣነባብራኣ ልባዊ ንስሓ ተርኢ ኸም ዝነበረት ኺዕዘብ ይኽእል ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ “ሓጢኣታ ብዙሕ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት፡ ተሓዲጉላ፡ እብለካ ኣለኹ። እቲ ሒደት እተሓድገሉ ግና፡ ሒደት እዩ ዜፍቅር” ኢሉ ዘረባኡ ደምደመ።—ሉቃስ 7:44-47

የሱስ ንርኹስ ኣነባብራ መመኽነይታ ኣይኰነን ዜቕርበሉ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቶም ኣብ ህይወቶም ከቢድ ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ በቲ ዝገበርዎ ተጣዒሶም ዕረፍቲ ኺረኽቡ ናብ ክርስቶስ ዚመጹ ሰባት ከም ዚርሕርሓሎምን ከም ዚርድኣሎምን እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ቀጺሉ፡ ነታ ሰበይቲ፡ “ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ . . . እምነትኪ ኣድሒናትኪ፣ ብሰላም ኪዲ” ምስ በላ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ እፎይታ እተሰምዓ!—ሉቃስ 7:48, 50