ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 43

ምሳሌታት መንግስቲ ኣምላኽ

ምሳሌታት መንግስቲ ኣምላኽ

ማቴዎስ 13:1-53 ማርቆስ 4:1-34 ሉቃስ 8:4-18

  • የሱስ ምሳሌታት መንግስቲ ኣምላኽ መሰለ

የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን ኪገንሖም ከሎ፡ ኣብ ቅፍርናሆም እዩ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ጸኒሑ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ ቤት ወጺኡ ናብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኸደ፣ ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ህዝቢ ተኣከቡ። ኣብኡ ናብ ጃልባ ደየበ፡ ካብ ገምገም ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ድማ ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት ኪምህሮም ጀመረ። ብምሳሌታት ወይ ብምሳልያዊ ዛንታታት ገይሩ ኸኣ እዩ ዚምህሮም ዝነበረ። ሰማዕቱ ነቲ ንሱ ዚዛረቦ ነገራት ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ፡ ንእተፈላለየ መዳያት መንግስቲ ኣምላኽ ምርዳኡ ቐሊል ኰነሎም።

መጀመርታ፡ የሱስ ብዛዕባ ሓደ ዘርኢ ኺዘርእ ዝወፈረ ዘራኢ ነገሮም። ገሊኡ ዘርኢ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ ድማ በልዓኦ። ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኸውሒ ወደቐ። እቲ ሱሩ ዕምቈት ስለ ዘይነበሮ፡ እቲ ውልዶ ተኽሊ ብጸሓይ ሓረረ፡ ነቐጸ እውን። ገሊኡ ድማ ኣብ መንጎ ኣእሻዅ ወደቐ፣ እቲ ውልዶ ተኽሊ ምስ ዓብየ ድማ፡ እቲ ኣእሻዅ ሓነቖ። ገሊኡ ኸኣ ኣብ ጽቡቕ መሬት ወደቐ። እቲ ዘርኢ እቲ ኸኣ፡ “ገሊኡ 100፡ ገሊኡ 60፡ ገሊኡ ድማ 30 ዕጽፊ ፈረየ።”—ማቴዎስ 13:8

ኣብ ካልእ ምሳሌ ኸኣ፡ የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሓደ ዘርኢ ዚዘርእ ሰብ ኣመሳሲልዋ ኣሎ። እቲ ሰብ እቲ እናደቀሰን እናተስአን ግዜ ምስ ሓለፈ፡ እቲ ዘርኢ በቘለ። ከመይ ኢሉ ኸም ዝበቘለ “ኸይፈለጠ” እዩ በቚሉ። (ማርቆስ 4:27) ባዕሉ በቚሉ ምስ ፈረየ፡ ንሱ ነቲ ምህርቲ ኣእተዎ።

ድሕርዚ፡ የሱስ ምስ ምዝራእ እተተሓሓዘ ሳልሳይ ምሳሌ መሰለ። ሓደ ሰብ ጽቡቕ ዘርኢ ዘርአ፣ “ሰባት ደቂሶም ከለዉ” ግና፡ ጸላኢ ኣብ መንጎ እቲ ስርናይ ክርዳድ ዘርአ። ባሮት እቲ ሰብኣይ ድማ ንጐይታኦም፡ ነቲ ኽርዳድ ኪኣርይዎ ሓተትዎ። ንሱ ግና፡ “ነቲ ኽርዳድ ክትኣርዩ ኸለኹም፡ ምስኡ ነቲ ስርናይ ከይትምሕውዎስ፡ ኣይፋልኩምን ደኣ። ክሳዕ ቀውዒ፡ ክልቲኡ ብሓደ ይዕበ ሕደግዎ፣ ብግዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ ኪኣርይዎ፡ ኪነድድ ድማ በብእንዳእቲ ገይሮም ኪኣስርዎ፡ ድሕሪኡ ነቲ ስርናይ ናብ ማዕከነይ ኪእክብዎ ኽነግሮም እየ” ኢሉ መለሰሎም።—ማቴዎስ 13:24-30

መብዛሕትኦም እቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ፡ ብዛዕባ ሕርሻ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ድሕርዚ፡ ብዛዕባ ደቃቕ ፍረ ኣድሪ ነገሮም። ንሳ ተዘሪኣ ምስ ዓበየት፡ ኣዕዋፍ መጺአን ኣብ ጨናፍራ ዚሰፍራላ ኦም ኰነት። ብዛዕባ እታ ዘርኢ እቲኣ፡ የሱስ፡ “መንግስተ ሰማያት፡ ሰብ ወሲዱ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ ትመስል” በለ። (ማቴዎስ 13:31) ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ስነ ኣትክልቲ ኣይኰነን ዚምህሮም ነይሩ። ኣዝዩ ንእሽቶ ነገር ከመይ ኢሉ ኣዝዩ ዓብዪ ነገር ከም ዚኸውን ምሳሌ ብምሃብ፡ ብዛዕባ ዜደንቕ ዕቤት እዩ ዚምህሮም ነይሩ።

ድሕሪኡ፡ የሱስ፡ መብዛሕትኦም ሰማዕቱ ዚፈልጥዎ ሓደ ነገር ከም ምሳሌ ተጠቕመሉ። ንመንግስተ ሰማያት ምስቲ “ሰበይቲ ወሲዳ፡ . . . ኣብ ሰለስተ ስፍሪ ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ” ኣመሳሰላ። (ማቴዎስ 13:33) ማይ ብሑቝ ካብ ዓይኒ ሕቡእ እኳ እንተ ዀነ፡ ንዅሉ እቲ እተለውሰ ግና የብኵዖ እዩ። ብቐሊሉ ዘይርአ ዓብዪ ዕቤትን ለውጥን ከኣ የምጽእ።

የሱስ እዚ ምሳሌታት እዚ ድሕሪ ምምሳሉ፡ ነቶም ህዝቢ ኣሰናቢቱ ናብታ ዓሪፉላ ዝነበረ ቤት ተመልሰ። ድሕሪ ቝሩብ ግዜ፡ ደቀ መዛሙርቱ ትርጉም እቲ ምሳሌታት ኪፈልጡ መጽዎ።

ካብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌታት ተጠቕሙ

እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ የሱስ ቅድሚኡ ምሳሌታት ኪምስል እኳ እንተ ሰምዕዎ፡ ክሳዕ ክንድቲ ሰፊሕ ግና ኣይነበረን። ስለዚ፡ “ስለምንታይ ኢኻ ብምሳሌታት እትዛረቦም፧” ኢሎም ሓተትዎ።—ማቴዎስ 13:10

ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። ማቴዎስ ዝመዝገቦ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “ብዘይ ምሳሌስ ኣይዛረቦምን ነበረ፣ ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ እቲ ብነብዪ፡ ‘ኣፈይ ብምሳሌታት ክኸፍት እየ፣ ካብ ምስራት ኣትሒዙ ተሓቢኡ ዝነበረ ኽነግር እየ’ ተባሂሉ ዝነበረ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ።”—ማቴዎስ 13:34, 35፣ መዝሙር 78:2

የሱስ ብምሳሌታት እተዛረበሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ነይርዎ እዩ። ከምኡ ምግባሩ፡ ኣረኣእያ ሰባት የቃልዕ ነይሩ እዩ። ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ከም ክኢላ ኣዘንታውን ገባር ተኣምርን ገይሮም እምበር፡ ከም ሓደ ኺእዘዝዎን ጥቕሚ ርእሶም ሓዲጎም ኪስዕብዎን ዚግባእ ጐይታ ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም ነይሮም። (ሉቃስ 6:46, 47) ነቲ ዝነበሮም ኣረኣእያን ኣነባብራኦምን ዚቕይር ነገር ኣይደልዩን ነይሮም። እወ፡ እቲ መልእኽቲ ኣጸቢቑ ኣብ ውሽጦም ኪኣቱ ኣይደለዩን።

የሱስ ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ዘቕረቡሉ ሕቶ ኺምልስ ከሎ፡ ከምዚ በለ፦ “እናረኣዩ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑ ኣይሰምዑን፡ ኣየስተውዕሉን እውን እዮም እሞ፡ ስለዚ እየ ብምሳሌታት ዝዛረቦም። ትንቢት ኢሳይያስ ከኣ ኣባታቶም ይፍጸም ኣሎ፡ ከምዚ ዚብል፦ ‘. . . ልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ደንዚዙ ኣሎ።’”—ማቴዎስ 13:13-15፣ ኢሳይያስ 6:9, 10

እዚ ግና ንዅሎም እቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት ዚምልከት ኣይነበረን። ስለዚ፡ የሱስ፡ “ኣዒንትኹም ዚርእያ፡ ኣእዛንኩም ከኣ ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ሕጉሳት እየን። ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ እትርእይዎ ዘለኹም ኪርእዩ ተመንዮምሲ ኣይረኣይዎን፡ ነዚ እትሰምዕዎ ዘለኹም ኪሰምዑ ተመንዮም እውን ኣይሰምዕዎን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።—ማቴዎስ 13:16, 17

እወ፡ እቶም 12 ሃዋርያትን እቶም እሙናት ደቀ መዛሙርትን ዚሰምዕ ልቢ እዩ ነይርዎም። ስለዚ፡ የሱስ፡ “ንዓኻትኩም፡ እቲ ቕዱስ ምስጢራት መንግስተ ሰማያት ክትርድኡ ተዋሂቡኩም ኣሎ፣ ንዓታቶም ግና ኣይተዋህቦምን” በሎም። (ማቴዎስ 13:11) እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኺርድኡ ልባዊ ባህጊ ስለ ዝነበሮም፡ የሱስ ንዓታቶም ምሳሌ እቲ ዘራኢ ገለጸሎም።

የሱስ፡ “እቲ ዘርኢ፡ ቃል ኣምላኽ እዩ” በሎም። (ሉቃስ 8:11) እቲ መሬት ከኣ ልቢ እዩ። ነታ ምሳሌ ንምርድኡ ዜኽእል መፍትሕ እዚ እዩ ነይሩ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ እተረግጸ ሓመድ ኣብ ጥቓ መገዲ ዚወድቕ ዘርኢ፡ “ድያብሎስ መጺኡ ምእንቲ ኸይኣምኑን ከይድሕኑን ኢሉ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ዚወስዶ እዮም” ኢሉ ገለጸ። (ሉቃስ 8:12) ብዛዕባ እቲ ኣብ ከውሒ እተዘርአ ዘርኢ ኸኣ፡ ንልቢ እቶም ነቲ ቓል ብሓጐስ ዚቕበልዎ፡ ግናኸ እቲ ቓል ኣብ ልቦም ኣዕሚቑ ሱር ዘይሰድድ ሰባት ከም ዜመልክት ገለጸ። “ስለቲ ቓል፡ ጸበባ ወይ መስጐጕቲ ምስ ተላዕለ” ድማ ይዕንቀፉ። እወ፡ “ግዜ ፈተና” ምስ መጸ፡ ንኣብነት ኣባላት ቤተ ሰቦም ወይ ካልኦት ምስ ተጻረርዎም፡ ይወድቁ።—ማቴዎስ 13:21፣ ሉቃስ 8:13

እቲ ኣብ ማእከል ኣእሻዅ እተዘርአ ዘርኢኸ፧ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እዚ ነቲ ቓል ንዚሰምዑ ሰባት ከም ዜመልክት ነገሮም። ይኹን እምበር፡ “ጭንቀት እዚ ስርዓትን ምትላል ሃብትን” ይውሕጦም። (ማቴዎስ 13:22) እቲ ቓል ኣብ ልቦም እኳ እንተ ነበረ፡ ይሕነቑ፡ ፍረ እውን ኣይፈርዩን።

እቲ የሱስ ኣብ መወዳእታ ዝጠቐሶ ዓይነት መሬት፡ ጽቡቕ መሬት እዩ። እዚ ኸኣ ነቶም ነቲ ቓል ዚሰምዑን ኣብ ልቦም ዚቕበልዎን ዚርድእዎን የመልክት። ውጽኢቱኸ እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ‘ፍረ ይፈርዩ።’ ብምኽንያት እቲ ኸም ዕድመ ወይ ጥዕና ዝኣመሰለ ዅነታቶም፡ ኵሎም ሕደ ኣይፈርዩን እዮም፣ ገሊኦም 100፡ ገሊኦም 60፡ ገሊኦም 30 ዕጽፊ እዮም ዚፈርዩ። እወ፡ እቶም “ነቲ ቓል ብቕኑዕን ብጽቡቕን ልቢ ምስ ሰምዕዎ፡ ዚዓቝርዎ፡ ብተጻዋርነት ከኣ ፍረ ዚፈርዩ” ዘበሉ፡ ካብቲ ንኣምላኽ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት በረኸት ይረኽቡ እዮም።—ሉቃስ 8:15

እዚ ቓላት እዚ ነቶም ብዛዕባ ትምህርትታቱ ኺገልጸሎም ደልዮም ናብ የሱስ ዝመጹ ደቀ መዛሙርቱ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኣሐጒስዎም! ድሕርዚ፡ ብዛዕባ እቲ ምሳሌታት ብዕምቈት ኪርድኡ ኽኢሎም እዮም። ንሳቶም እውን ብግዲኦም ንኻልኦት ሓቂ ምእንቲ ኼካፍሉ፡ የሱስ ንምሳሌታቱ ኺርድእዎ እዩ ዚደልዮም ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ “መብራህቲዶ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ወይ ኣብ ትሕቲ ዓራት ይግበር እዩ፧ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ደይኰነን ዚስቀል፧” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ንምስማዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” ኢሉ መዓዶም።—ማርቆስ 4:21-23

ተወሳኺ ትምህርቲ ብምርካብ ተባረኹ

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ምሳሌ እቲ ዘራኢ ምስ ገለጸሎም፡ ተወሳኺ እውን ኪምሃሩ ደለዩ። ስለዚ፡ “ምሳሌ እቲ ኣብ ግራት ዝበቘለ ኽርዳድ ግለጸልና” በልዎ።—ማቴዎስ 13:36

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸምኡ ኢሎም ብምሕታቶም፡ ኣረኣእያኦም ካብ ኣረኣእያ እቶም ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዝነበሩ ህዝቢ እተፈልየ ምዃኑ ኣነጸሩ። እቶም ህዝቢ ንትርጉም እቲ ምሳሌታትን ኣወዓዕላኡን ኪፈልጡ ድሌት ከም ዘይነበሮም ኣርእዮም እዮም። በቲ ኣብቲ ምሳሌታት ዝቐረበሎም መሰረታዊ ሓሳብ ጥራይ እዮም ዕጉባት ነይሮም። የሱስ ነቶም ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዝነበሩ ሰማዕቱ ምስቶም ናብኡ መጺኦም ዝሓተትዎ ደቀ መዛሙርቱ ብምንጽጻር ከምዚ በለ፦

“ንእትሰምዕዎ ኣቕልቡሉ። ብእትሰፍርዎ መስፈሪ ኺስፈረልኩም፡ ኪውሰኸልኩም እውን እዩ።” (ማርቆስ 4:24) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ዚሰምዕዎ የቕልቡሉ ነይሮም እዮም። ነቲ የሱስ ብዛዕባ ልባዊ ተገዳስነትን ኣቓልቦን ዘለዎ መስፈሪ ዘማልኡ እዮም ነይሮም፣ ስለዚ ድማ ዝያዳ ትምህርትን ዝያዳ ብርሃንን ብምርካብ ተባረኹ። እምበኣር፡ የሱስ ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ዝሓተትዎ ሕቶ ንምምላስ፡ ከምዚ ኢሉ ገለጸሎም፦

“እቲ ዘራኢ ጽቡቕ ዘርኢ፡ ወዲ ሰብ እዩ፣ እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ፣ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም፣ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ እኩይ እዮም፣ እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ። እቲ ቐውዒ፡ መደምደምታ እቲ ስርዓት እዩ፣ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም።”—ማቴዎስ 13:37-39

የሱስ እንታይነት እቲ ኣብታ ምሳሌ ዘሎ ነገራት በብሓደ ድሕሪ ምንጋሩ፡ ነቲ ውጽኢት ገለጸ። ኣብ መደምደምታ እቲ ስርዓት እቶም ዓጻዶ ወይ መላእኽቲ ነቶም ብኽርዳድ ዚምሰሉ ኣምሰሉ ክርስትያናት ካብቶም ናይ ሓቂ “ደቂ መንግስቲ” ኸም ዚፈልይዎም ተዛረበ። ሽዑ፡ “ጻድቃን” ኪእከቡ፡ “ኣብ መንግስቲ ኣቦኦም” ድማ ደሚቖም ኪበርሁ እዮም። “ደቂ እቲ እኩይ”ከ እንታይ እዮም ዚዀኑ፧ ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም፣ እዚ ስለ ዚፈልጡ ኸኣ፡ “ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን እዮም።”—ማቴዎስ 13:41-43

ድሕርዚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ተወሳኺ ሰለስተ ምሳሌታት መሰለሎም። መጀመርታ፡ “መንግስተ ሰማያት፡ ኣብ ሓንቲ ግራት ተሓቢኡ ዝነበረ እሞ፡ ሰብ ረኺቡ ዝሓብኦ መዝገብ ትመስል። ስለ እተሓጐሰ ድማ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ፡ ነታ ግራት እቲኣ ዓደጋ” በሎም።—ማቴዎስ 13:44

ቀጺሉ፡ “መንግስተ ሰማያት ጽቡቕ ሉላት ዚደሊ ተጓዓዚ ነጋዳይ እውን ትመስል። ሓንቲ ኽብርቲ ሉል ምስ ረኸበ፡ ብኡብኡ ኸይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ዓደጋ” በሎም።—ማቴዎስ 13:45, 46

የሱስ ኣብ ክልቲኡ ምሳሌታት፡ ሰብ ንሓደ ብሓቂ ኽቡር ዝዀነ ነገር መስዋእቲ ኸም ዚኸፍል ኣጕልሐ። እቲ ነጋዳይ ብኡብኡ ኸይዱ “ዘለዎ ዅሉ” ሸይጡ እዩ ነታ ኽብርቲ ሉል ዓዲግዋ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነታ ብዛዕባ ኽብርቲ ሉል እትገልጽ ምሳሌ ኺርድእዋ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። እቲ ኣብ ሓንቲ ግራት እተሓብአ መዝገብ ዝረኸበ ሰብ እውን፡ “ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ” እዩ ዓዲግዋ። ኣብ ክልቲኡ መዳያት፡ ሓደ ኽቡር ነገር ንምርካብ ኣጋጣሚ ተኸፊቱ እዩ። እዚ ድማ ሓደ ሰብ መንፈሳዊ ህርፋኑ ንምርዋይ ምስ ዚኸፍሎ መስዋእቲ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 5:3) ገለ ኻብቶም የሱስ ነዚ ምሳሌታት ኪምስሎ ኸሎ ዝሰምዕዎ፡ መንፈሳዊ ህርፋኖም ንምርዋይን ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ንምዃንን ብዙሕ ጽዒሮም እዮም።—ማቴዎስ 4:19, 20፣ 19:27

ኣብ መወዳእታ፡ የሱስ ንመንግስተ ሰማያት ምስ ሓንቲ ዅሉ ዓይነት ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ኣመሳሰላ። (ማቴዎስ 13:47) እቶም ዓሳ ኺፈላለዩ ኸለዉ፡ ጸጽቡቑ ኣብ ኣቕሑ ኪእከብ ከሎ፡ ሐሕማቑ ይድርበ። የሱስ ኣብ መደምደምታ እቲ ስርዓት ከምኡ ኸም ዚኸውን ተዛረበ፣ መላእኽቲ ንእኩያት ካብ ጻድቃን ኪፈልይዎም እዮም።

የሱስ ንባዕሉ፡ ነቶም ናይ መጀመርታ ደቀ መዛሙርቱ “ገፈፍቲ ሰብ” ኪዀኑ ኪጽውዖም ከሎ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ይገፍፍ እዩ ነይሩ። (ማርቆስ 1:17) ምሳሌ እታ መርበብ ግና ኣብ መጻኢ፡ ማለት “ኣብ መደምደምታ እቲ ስርዓት” ከም ዚኸውን እዩ ገሊጹ። (ማቴዎስ 13:49) ስለዚ፡ እቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሃዋርያትን ደቀ መዛሙርትን፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዕባለታት ከም ዚህሉ ተፈሊጥዎም ነይሩ እዩ።

እቶም ኣብ ጃልባ ዀይኑ ምሳሌታቱ ኺምስል ከሎ ዝሰምዕዎ፡ ብዙሕ ተወሳኺ ነጥብታት ረኺቦም እዮም። የሱስ “ንደቀ መዛሙርቱ ግና በይኖም ገይሩ ዅሉ ይገልጸሎም” ብምንባሩ፡ ኪምህሮም ፍቓደኛ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። (ማርቆስ 4:34) ከምቲ “ኻብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት” እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 13:52) የሱስ ናይ ምምሃር ክእለቱ ኺርኣየሉ ኢሉ ኣይኰነን ነዚ ምሳሌታት እዚ መሲሉሎም። የግዳስ፡ ከም ክቡር መዝገብ ዝዀነ ሓቅታት እዩ ንደቀ መዛሙርቱ ዜካፍሎም ነይሩ። ብሓቂ እምበኣር መዳርግቲ ዘይብሉ “መምህር” እዩ።