ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 50

መስጐጕቲ እኳ እናሃለወ፡ ኪሰብኩ ኣዳለዎም

መስጐጕቲ እኳ እናሃለወ፡ ኪሰብኩ ኣዳለዎም

ማቴዎስ 10:16–11:1 ማርቆስ 6:12, 13 ሉቃስ 9:6

  • የሱስ ንሃዋርያቱ ኣሰልጢኑ ለኣኾም

የሱስ ንሃዋርያቱ፡ በብኽልተ ገይሩ ኺልእኮም ከሎ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዚሰብኩ ብሉጽ መምርሒ ሃቦም። በዚ ግና ኣየቋረጸን። ብለውሃት ተደሪኹ ብዛዕባ ተጻረርቲ ኸምዚ ኢሉ ኣጠንቀቖም፦ “እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ መንጎ ተዃሉ እሰድደኩም ኣለኹ፣ . . . ካብ ሰብ ተጠንቀቑ፣ ንሳቶም ናብ ኣብያተ ፍርዲ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን ኣብ ምኵራባቶም ኪገርፉኹምን እዮም። . . . ምእንታይ ኣብ ቅድሚ ሹማምንትን ነገስታትን ክትቀርቡ ኢኹም።”—ማቴዎስ 10:16-18

እወ፡ ሰዓብቲ የሱስ ከቢድ መስጐጕቲ ኼጓንፎም ይኽእል እዩ፣ ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ኣሕሊፎም ምስ ዚህቡኹም ግና፡ እንታይ ከም እትዛረቡ በታ ሰዓት እቲኣ ኺውሃበኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ። ከመይሲ፡ መንፈስ ኣቦኹም ደኣ እዩ ብኣኻትኩም ኣቢሉ ዚዛረብ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ” ኢሉ ዜጸናንዕ ቃል ኣተወሎም። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ሓው ንሓዉ፡ ኣቦ ኸኣ ንውሉዱ ንሞት ኣሕሊፉ ኺህብ እዩ፣ ውሉዳት ኣብ ልዕሊ ወለዶም ኪልዓሉን ኬቕትልዎምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ፡ ብዅሉ ኽትጽልኡ ኢኹም፣ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና ኪድሕን እዩ” በለ።—ማቴዎስ 10:19-22

ስብከት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገር ስለ ዝዀነ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ነቲ ዕዮ ንምፍጻም ናጻ ምእንቲ ኪዀኑ ምስትውዓል ከም ዜድልዮም ኬጕልሓሎም ከሎ፡ “ካብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ሰጒጎምኹም፡ ናብ ካልእ ህደሙ፣ ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ንኸተማታት እስራኤል ዜርኩም ከቶ ኣይክትውድእወንን ኢኹም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።—ማቴዎስ 10:23

የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያት ከመይ ዝበለ ዜደንቕ መምርሒን መጠንቀቕታን መተባብዕን ኰን እዩ ሂብዎም! እዚ ቓላት እዚ ግና፡ ነቶም ድሕሪ ሞትን ትንሳኤን የሱስ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ግደ ዚህልዎም እውን ዚምልከት እዩ። ከመይሲ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኼጠንቅቖም ከሎ፡ በቶም እቶም ሃዋርያት ዝሰበኹሎም እስራኤላውያን ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ብዅሉ ኽትጽልኡ ኢኹም” እዩ ኢልዎም። ብተወሳኺ፡ እቶም ሃዋርያት ኣብቲ የሱስ ዝሰደዶም ሓጺር ወፈራ ስብከት ኣብ ቅድሚ ሹማምንትን ነገስታትን ከም ዝቐረቡ፡ ብኣባላት ስድራ ቤቶም እውን ንሞት ኣሕሊፍካ ኸም እተዋህቡ ዚገልጽ ኣይነንብብን ኢና።

እምበኣር፡ የሱስ ንሃዋርያቱ እዚ ቓላት እዚ ኺዛረቦም ከሎ፡ ብዛዕባ መጻኢ እዩ ዚሓስብ ነይሩ። “ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ” ደቀ መዛሙርቱ እናዞሩ ሰቢኾም ከም ዘይውድኡ እተዛረቦ እሞ ሕስብ ነብለሉ። እቲ ኽብሪ ዝለበሰ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ብኣምላኽ እተሸመ ፈራዲ ዀይኑ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ሰቢኾም ከም ዘይውድኡ እዩ ዚሕብር ነይሩ።

ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ “ወደ መዝሙር ካብ መምህሩ፡ ባርያ እውን ካብ ጐይታኡ ኣይበልጽን እዩ” እሞ፡ እቶም ሃዋርያቱ ዕዮ ስብከቶም ኪፍጽሙ ኸለዉ ብዜጋጥሞም ምጽራር ኪስምብዱ ኣይነበሮምን። የሱስ ኬመሓላልፎ ደልዩ ዝነበረ ነጥቢ ንጹር እዩ ነይሩ። ንሱ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኹ ኣደዳ ግፍዕን መስጐጕትን ካብ ኰነ፡ ንሳቶም እውን ከምኡ ኼጋጥሞም እዩ። ኰይኑ ግና፡ “ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ኪቐትሉ ዘይክእሉ ኣይትፍርህዎም፣ የግዳስ፡ ነቲ ንነፍስን ንስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚኽእል ፍርህዎ” ኢሉ ተማሕጸኖም።—ማቴዎስ 10:24, 28

የሱስ ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብነት ኰይኑ እዩ። ኣብቲ ነቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ዘለዎ ተኣማንነት ኣብ ክንዲ ዚለማለም፡ ከይፈርሀ ክሳዕ ሞት ተጻወረ። እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ “ነፍሲ” ኼጥፍእ (ማለት፡ ኣብ መጻኢ ህይወት ንምርካብ ዘሎ ተስፋ ኼጥፍእ) ወይ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኬተንስእ ዚኽእል። እዝስ ነቶም ሃዋርያት ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣጸናኒዕዎም ኪኸውን ኣለዎ!

የሱስ ንሰዓብቱ፡ ነቲ ኣምላኽ ብፍቕሪ ዚገብረሎም ሓልዮት ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣረጋገጸሎም፦ “ክልተ ጨራሩ ብዘይትረብሕ ሳንቲም ደይኰናን ዚሽየጣ፧ ሓንቲ ኻባታተን እኳ፡ ኣቦኹም ከይፈለጠ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ። . . . እምበኣር፡ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።”—ማቴዎስ 10:29, 31

እቲ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዚሰብክዎ መልእኽቲ፡ ገሊኦም ኣባላት ስድራ ቤት ዚቕበልዎ፡ ገሊኦም ከኣ ዘይቅበልዎ ብምዃኑ፡ ንስድራ ቤት ይፈላሊ እዩ። ስለዚ፡ የሱስ፡ “ኣብ ምድሪ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም” በለ። እወ፡ ሓደ ኣባል ስድራ ቤት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኪቕበል ትብዓት የድልዮ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሱስ፡ “እቲ ኻባይ ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ዜፍቅር፡ ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ፣ እቲ ኻባይ ንወዱ ወይ ንጓሉ ዜፍቅር እውን፡ ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ” በለ።—ማቴዎስ 10:34, 37

ገሊኦም ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዚቕበልዎም ኪገልጽ ከሎ ግና፡ “ንሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ፡ ወደ መዝሙር ብምዃኑ ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ እኳ ዜስቲ ዘበለ፡ ዓስቡ ኸቶ ኣይኪስእንን እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በለ።—ማቴዎስ 10:42

የሱስ ንሃዋርያቱ መምርሕን መጠንቀቕታን መተባብዕን ሂቡ ምስ ኣዕጠቖም፡ ንሳቶም “ወጺኦም ኣብ ኵሉ እናኣበሰሩን እናኣሕወዩን ኣብ ቈቍሸት ዞሩ።”—ሉቃስ 9:6