ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 53

ንተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ዚቈጻጸር ገዛኢ

ንተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ዚቈጻጸር ገዛኢ

ማቴዎስ 14:22-36 ማርቆስ 6:45-56 ዮሃንስ 6:14-25

  • ሰባት ንየሱስ ኬንግስዎ ደለዩ

  • የሱስ ብማየ ማይ ከደ፡ ንፋስ ኣህድአ

የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ ንኣሽሓት ምስ መገበ፡ እቶም ህዝቢ ተገረሙ። “እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብዪ [መሲሕ] እዩ” ኢሎም ደምደሙ፣ እዚ ኸኣ፡ ብርግጽ ተብሃጊ ገዛኢ ኪዀኖም ይኽእል ማለት እዩ። (ዮሃንስ 6:14፣ ዘዳግም 18:18) ስለዚ፡ ንየሱስ ሒዞም ኬንግስዎ ሓሰቡ።

የሱስ ግና፡ እቶም ሰባት ዝሓስብዎ ዝነበሩ ፈለጠ። ስለዚ፡ ነቶም ሰባት ኣሰናቢቱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኺምለሱ ኣዘዞም። ናበይ ኣቢሎምከ እዮም ዚጕዓዙ፧ ናብ ቤት-ሳይዳ፡ ካብኡ ናብ ቅፍርናሆም እዮም ኪኸዱ ነቒሎም። የሱስ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኺጽሊ ናብ ከረን ደየበ።

ቅድሚ ምውጋሑ፡ የሱስ ነታ ጃልባ ኻብ ማዕዶ ብብርሃን ወርሒ ረኣያ። እቲ ባሕሪ ብብርቱዕ ንፋስ ተናዊጹ ነበረ፣ እቶም ሃዋርያት ከኣ፡ ‘ንፋስ ኣንጻሮም ስለ ዝነበረ፡ ንምቕዛፍ ይቃለሱ ነበሩ።’ (ማርቆስ 6:48) የሱስ ድማ ካብቲ ኸረን ወሪዱ ብእግሩ ኣብ ልዕሊ እቲ ማዕበል ናባታቶም ኪኸይድ ጀመረ። ክሳዕ ሽዑ፡ “ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ኪሎ ሜተር” ዚኣክል ጀሊቦም ነበሩ። (ዮሃንስ 6:19) እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ ረኣይዎ፡ ሓሊፍዎም ዚኸይድ መሰሎም፣ “ምትሃት እዩ!” ኢሎም እውን ጨደሩ።—ማርቆስ 6:49

የሱስ ድማ፡ “ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፣ ኣይትፍርሁ” ኢሉ ኣጸናንዖም። ጴጥሮስ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ እንተ ዄንካስ፡ ብማየ ማይ ክመጸካ ኣዝዘኒ” በሎ። የሱስ ድማ፡ “ንዓ!” በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ካብታ ጃልባ ወሪዱ፡ ብማየ ማይ ናብ የሱስ ገጹ ኸደ። ነቲ ህቦብላ ንፋስ ምስ ረኣየ ግና ፈርሀ፡ ኪጥሕል እውን ጀመረ። ሽዑ፡ “ጐይታይ፡ ኣድሕነኒ!” ኢሉ ኣእወየ። የሱስ ከኣ ኢዱ ሓዞ እሞ፡ “ኣታ ጐደሎ ዝእምነቱ፡ ስለምንታይ ተጠራጢርካ፧” በሎ።—ማቴዎስ 14:27-31

ጴጥሮስን የሱስን ናብታ ጃልባ ምስ ደየቡ፡ እቲ ንፋስ ሃድአ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ተገረሙ፣ ግናኸ፡ በዚ ኺግረሙ ነይርዎም ድዩ፧ “ትርጉም እቲ እንጌራ፡” ማለት ትርጉም እቲ የሱስ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ንኣሽሓት ብምምጋብ ዝገበሮ ተግባር እንተ ዚርድኡ ነይሮም፡ የሱስ ብማየ ማይ ምኻዱን ነቲ ንፋስ ምህዳኡን ኣይምገረሞምን ነይሩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ “ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” እናበሉ ሰገዱሉ።—ማርቆስ 6:52፣ ማቴዎስ 14:33

ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ናብቲ ኣብ ደቡብ ቅፍርናሆም ዚርከብ ውቁብን ፈራይን ጐልጐል ጌንሳሬጥ በጽሑ። ኣብኡ ኸኣ መልህቕ ደርብዮም ነታ ጃልባ ምስ ኣቘምዋ፡ ናብ ገምገም ወረዱ። ሽዑ፡ ሰባት ንየሱስ ኣለለይዎ እሞ ካብቲ ጐደቦታት ዝሓመሙ ናብኡ ኼምጽኡ ጀመሩ። ንሳቶም ከኣ ዘፈር ክዳን የሱስ ጥራይ ተንክዮም ምሉእ ብምሉእ ሓወዩ።

እቶም ንኣሽሓት ኪምግብ ከሎ ዝረኣይዎ ህዝቢ ኸኣ፡ የሱስ ከም ዝኸደ ፈለጡ። ስለዚ፡ ኣብ ጢቤርያስ ዝነበራ ንኣሽቱ ጀላቡ ናባታቶም ምስ መጻ፡ እቶም ህዝቢ ኣብአን ደዪቦም ንየሱስ ኪረኽብዎ ናብ ቅፍርናሆም ከዱ። ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ “መምህር፡ መዓስ ናብዚ መጺእካ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ዮሃንስ 6:25) የሱስ ድማ ቀጺልና ኸም እንርእዮ ዚግብኦም መግናሕቲ ሃቦም።