ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 62

ኣገዳሲ ትምህርቲ ትሕትና

ኣገዳሲ ትምህርቲ ትሕትና

ማቴዎስ 17:22–18:5 ማርቆስ 9:30-37 ሉቃስ 9:43-48

  • የሱስ ከም ብሓድሽ ብዛዕባ ሞቱ ተነበየ

  • ካብ ኣፍ ዓሳ ብእተረኽበ ሰልዲ ገይሩ ግብሪ ኸፈለ

  • ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ መን ይዓቢ፧

የሱስ ኣብ ዞባ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ብተኣምራዊ መገዲ ድሕሪ ምልዋጡን ነቲ ጋኔን ዝሓዞ ወዲ ድሕሪ ምሕዋዩን ናብ ቅፍርናሆም ነቐለ። እቶም ህዝቢ ‘ኺፈልጡ ስለ ዘይደለየ’ ግና፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ እዩ ዚጐዓዝ ነይሩ። (ማርቆስ 9:30) እዚ ኸኣ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ሞቱን ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዚስከምዎ ሓላፍነትን ኬዳልዎም ተወሳኺ ኣጋጣሚ ሃቦ። ሽዑ፡ “ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰባት ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ኪቐትልዎ እዮም፣ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ” በሎም።—ማቴዎስ 17:22, 23

እዚ ሓሳብ እዚ ንደቀ መዛሙርቱ ኺሕድሶም ኣይነበሮን። የሱስ ኣቐዲሙ ኸም ዚቕተል ተዛሪቡ ነይሩ እዩ፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ጴጥሮስ ነዚ ምቕባሉ ኣብዩ ነበረ። (ማቴዎስ 16:21, 22) ሰለስተ ሃዋርያት ድማ የሱስ ትርኢቱ ኺልወጥ ከሎ ርእዮምዎን ብዛዕባ “ምኻዱ” ኺመያየጥ ከሎ ሰሚዖምዎን ነይሮም እዮም። (ሉቃስ 9:31) ኣብቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ጕዕዞ ነዚ ሓሳብ እዚ ምስ ነገሮም ግና፡ ሰዓብቱ እንታይ ማለቱ ኸም ዝዀነ ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተረድእዎ፡ በቲ የሱስ ዝበሎም ‘ብዙሕ ጐሃዩ።’ (ማቴዎስ 17:23) ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ምሕታቱ ፈርሁ።

ናብታ ማእከል ንጥፈታት የሱስን ዓዲ ብዙሓት ሃዋርያትን ዝነበረት ቅፍርናሆም ድማ በጽሑ። ኣብኡ ኸኣ፡ ግብሪ ቤተ መቕደስ ዚእክቡ ሰባት ናብ ጴጥሮስ ቀረቡ። ምናልባት የሱስ ግብሪ ብዘይምኽፋሉ ኪኸስስዎ ኢሎም እዮም ዚዀኑ፡ “መምህርኩምሲ ኽልተ ድራክማ [ግብሪ ቤተ መቕደስ] ኣይከፍልን ድዩ፧” ኢሎም ሓተቱ።—ማቴዎስ 17:24

ጴጥሮስ ድማ፡ “ይኸፍል እባ” ኢሉ መለሰ። ናብ ቤት ምስ ተመልሰ፡ የሱስ ነቲ ዘጋጠመ ነገር ይፈልጦ ብምንባሩ፡ ጴጥሮስ ነቲ ጕዳይ ኬልዕለሉ ኸይተጸበየ፡ “ስምኦን፡ እንታይ ይመስለካ፧ ነገስታት ምድሪ፡ ቀረጽ ወይ ግብሪ ኻብ መን እዮም ዚወስዱ፧ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት፧” ኢሉ ሓተቶ። ጴጥሮስ፡ “ካብ ካልኦት” ኢሉ መለሰ። የሱስ ከኣ፡ “እምበኣርሲ፡ ደቆም ካብ ቀረጽ ናጻ እዮም” በሎ።—ማቴዎስ 17:25, 26

ኣቦ የሱስ፡ ንጉስ ኵሉ ፍጥረትን ኣብታ ቤተ መቕደስ ዚምለኽ ኣምላኽን እዩ። ስለዚ፡ ወዲ ኣምላኽ ግብሪ ቤተ መቕደስ ኪኸፍል ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ምእንቲ ኸይንዕንቅፎም ግና፡ ናብ ባሕሪ ኼድካ፡ መቝለብ ዓሳ ደርቢ፣ ነቲ ቐዳማይ እተታሕዘ ዓሳ ውሰዶ እሞ፡ ኣፉ ምስ ከፈትካ፡ ሰልዲ ብሩር [ኣስታቴር፡ ወይ ቴትራድራክማ] ክትረክብ ኢኻ። ንዕኡ ወሲድካ፡ ኣብ ክንዳይን ኣብ ክንዳኻን ሃቦም” በሎ።—ማቴዎስ 17:27

ድሕርዚ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብሓባር ምስ ተኣከቡ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ መኖም ከም ዚዓቢ ንየሱስ ሓተትዎ። እቶም ሰባት እቲኦም ኣቐድም ኣቢሎም ንየሱስ ብዛዕባ ሙማቱ ምሕታት ፈሪሆም ነይሮም እዮም፣ ብዛዕባ መጻኢኦም ግና ናብኡ ምቕራብ ኣየፍርሆምን። የሱስ እንታይ ከም ዚሓስቡ ፈሊጡ ነበረ። ናብ ቅፍርናሆም ኣብ መገዲ ደድሕሪኡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እቲ እዮም ዚካትዑ ነይሮም። ስለዚ፡ “ኣብ መገዲ ብዛዕባ እንታይ ትካትዑ ኔርኩም፧” ኢሉ ሓተቶም። (ማርቆስ 9:33) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና መኖም ከም ዚዓቢ ይካትዑ ብምንባሮም፡ ሓፊሮም ኣጽቀጡ። ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ሃዋርያት፡ “ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ኰን ይዓቢ፧” ኢሎም ነታ ዚካትዑላ ዝነበሩ ሕቶ ኣቕረቡሉ።—ማቴዎስ 18:1

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ዳርጋ ንሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምዕዛቦምን ድሕሪ ምስማዖምን፡ ከምዚ ዓይነት ክትዕ ምግባሮም ዜገርም ኪመስል ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ዘይፍጹማት እዮም። ስልጣንን መዓርግን ኣብ ዚትኰረሉ ሃይማኖት ከኣ እዮም ዓብዮም። ብዘይካዚ፡ ኣቐዲም ኣቢሉ ጴጥሮስ ነቲ የሱስ “መፋትሕ” መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚህቦ ዝኣተወሉ ቓል ሰሚዑ ነይሩ እዩ። ንሱ ዝበለጸ ዀይኑዶ ተሰሚዕዎ ይኸውን፧ ያእቆብን ዮሃንስን እውን የሱስ ትርኢቱ ኺልወጥ ከሎ ስለ ዝረኣይዎ፡ ተመሳሳሊ ስምዒት ኣሕዲሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ዝዀነ ዀይኑ፡ የሱስ ነቲ ኣረኣእያኦም ኪእርም ስጕምቲ ወሰደ። ንሓደ ቈልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ እሞ፡ “እንተ ዘይተመሊስኩም፡ ከም ቈልዑ እውን እንተ ዘይኴንኩም፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይክትኣትዉን ኢኹም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እምበኣር፡ እቲ ኸምዚ ቘልዓ እዚ ርእሱ ዜትሕት ዘበለ፡ ንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ይዓቢ፣ እቲ ንኸምዚ ቘልዓ ዝኣመሰለ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ኸኣ፡ ንዓይ እውን ይቕበለኒ” በሎም።—ማቴዎስ 18:3-5

ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ኣመሃህራ ዀን እዩ! የሱስ ተቘጢዑ፡ ‘ስሱዓት’ ወይ ‘ህሩፋት ስልጣን’ ኣይበሎምን። የግዳስ፡ ውድዓዊ ትምህርቲ እዩ ተጠቒሙ። ቈልዑ ልዑል ቦታ ወይ ስልጣን የብሎምን። ስለዚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ኼማዕብሉ ኸም ዜድልዮም ኣርኣዮም። ድሕሪኡ፡ ነቲ ንሰዓብቱ ዝሃቦም ትምህርቲ፡ “እቲ ኣብ መንጎ ዅላትኩም ርእሱ ዜንእስ፡ ንሱ እዩ ዓብዪ” ብዚብል ቃላት ደምደሞ።—ሉቃስ 9:48