ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 63

የሱስ ብዛዕባ መዐንቀፍን ሓጢኣትን ምኽሪ ሃበ

የሱስ ብዛዕባ መዐንቀፍን ሓጢኣትን ምኽሪ ሃበ

ማቴዎስ 18:6-20 ማርቆስ 9:38-50 ሉቃስ 9:49, 50

  • ብዛዕባ መዐንቀፊ እተዋህበ ምኽሪ

  • ሓውካ እንተ በዲሉካ

የሱስ ነቲ ሰዓብቱ ኺህልዎም ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ብምሳሌ ገይሩ ኣረድኦም። ከም ቈልዑ ትሑታትን መዓርግ ዘይብሎምን ኪዀኑ መኸሮም። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ‘ንኸምቲ ቘልዓ ዝኣመሰለ፡ ብስም የሱስ ኪቕበልዎ፡ በዚ ኸምዚ ንየሱስ እውን ኪቕበልዎ’ ኸም ዚግባእ ተነግሮም።—ማቴዎስ 18:5

እቶም ሃዋርያት ኣቐዲሞም መኖም ከም ዚዓቢ ተኻቲዖም ብምንባሮም፡ ንቓላት የሱስ ከም መግናሕቲ ገይሮም ርእዮምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ድሕርዚ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ንየሱስ፡ “ሓደስ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ርኢናዮ፣ ምሳና ስለ ዘይሰዓበ ኸኣ፡ ክንክልክሎ ፈቲንና” ኢሉ ዘጋጠሞም ነገር ነገሮ።—ሉቃስ 9:49

ዮሃንስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ሃዋርያት ጥራይ ኬሕውዩ ወይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ ስልጣን ከም ዘለዎም ገይሩ ስለ ዝሓሰበ ደዀን ይኸውን፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ኣይሁዳዊ ኸመይ ገይሩ እኩያት መናፍስቲ ኼውጽእ ክኢሉ፧ እቲ ሰብ እቲ ምስ ሃዋርያት ኰይኑ ንየሱስ ስለ ዘይሰዓበ፡ እቲ ዝገበሮ ግብርታት ሓይሊ ንዮሃንስ ዘይግቡእ ኰይኑ ተሰምዖ።

የሱስ ግና ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ንዮሃንስ ዘይተጸበዮ ምላሽ ሃቦ፦ “ብስመይ ግብሪ ሓይሊ ዚገብር፡ ቀልጢፉ እውን ብዛዕባይ ሕማቕ ኪዛረብ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ፡ ክትክልክልዎ ኣይትፈትኑ። ዘይጻረረና ዘበለስ ምሳና እዩ። እቲ ናይ ክርስቶስ ብምዃንኩም ጣሳ ዝሑል ማይ ዜስትየኩም ዘበለ ኸኣ፡ ዓስቡ ኸቶ ኣይኪስእንን እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”—ማርቆስ 9:39-41

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ሰብ እቲ ንየሱስ ንምስዓብ ብኣካል ምስኡ ኪኸይድ ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ገና ኣይቈመትን ነይራ፣ ስለዚ፡ እቲ ሰብ እቲ ምስ የሱስ ይጐዓዝ ዘይምንባሩ፡ ተጻራሪ ወይ መስፋሕፍሒ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ዝነበረ ዚእምት ኣይነበረን። እቲ ሰብ እቲ፡ ብስም የሱስ ይኣምን ነይሩ እዩ፣ ከምቲ የሱስ ዝበሎ ኸኣ፡ ዓስቡ ኣይስእንን እዩ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ እቲ ሰብ እቲ ብቓላትን ብተግባራትን እቶም ሃዋርያት እንተ ተዓንቂፉ ኣኽቢድካ ዚርአ ጕዳይ ድዩ፧ የሱስ ብዛዕባ እዚ፡ “እቲ ንሓደ ኻብዞም ዚኣምኑ ንኣሽቱ ዚዕንቅፍ ዘበለ ግና፡ ብኣድጊ ዚዘውር መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ እንተ ዚድርበ ምሓሾ” በለ። (ማርቆስ 9:42) ቀጺሉ ድማ፡ ሰዓብቱ ብኸም ኢድ፡ እግሪ፡ ወይ ዓይኒ ዝበለ ክቡር ኣካል እኳ እንተ ስሒቶም፡ ንኣካሎም ኬወግዱ ኸም ዘለዎም ገለጸ። ምስቲ እትፈትዎ ኣካልካ ናብ ገሃነም (ስንጭሮ ሂኖም) ካብ እትኸይድ፡ ንዕኡ ኣወጊድካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ከም ዚሓይሽ ነገሮም። እቶም ሃዋርያት ነቲ ኣብ ጥቓ የሩሳሌም ዚርከብ ጐሓፍ ዚነድደሉ ስንጭሮ ይፈልጥዎ ብምንባሮም፡ ንነባሪ ጥፍኣት ከም ዜመልክት ኪርድኦም ይኽእል ነይሩ እዩ።

የሱስ፡ “ካብዞም ንኣሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቶም፡ ወትሩ ገጽ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ እዮም፡ እብለኩም ኣለኹ” ኢሉ እውን ኣጠንቀቐ። እቶም “ንኣሽቱ” እተባህሉስ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ኽሳዕ ክንደይ እዮም ኣኺቢርካ ዚርኣዩ፧ የሱስ ቀጺሉ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ነገሮም፣ እቲ ሰብ እቲ 100 ኣባጊዕ ነበራኦ፡ ግናኸ ሓንቲ ኻባታተን ጠፍኣቶ። ሽዑ፡ ነተን 99 ሓዲጉ ነታ ዝጠፍአት ኪደሊ ኸደ እሞ፡ ምስ ረኸባ ኸኣ ካብ በተን ዘይጠፍኣ 99 ብእኣ ተሓጐሰ። የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ፡ ሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ እኳ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ” በለ።—ማቴዎስ 18:10, 14

የሱስ ምናልባት እቲ ሃዋርያቱ መኖም ከም ዚዓቢ ዝገበርዎ ኽትዕ ስለ ዝዘከረ ኸኣ፡ “ኣብ ገዛእ ርእስኹም ጨው ይሃልኹም፡ ንሓድሕድኩም ከኣ ብሰላም ንበሩ” በሎም። (ማርቆስ 9:50) ጨው ንምግቢ የመቅሮ እዩ። ምሳልያዊ ጨው ድማ ንዘረባ ኻልእ ሰብ ከም ዚውሓጠልካ ይገብር እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ሰላም ይዕቀብ፣ ክትዕ ግና ሰላም እዩ ዚዘርግ።—ቈሎሴ 4:6

ሓድሓደ ግዜ፡ ከቢድ ዘይምርድዳእ ኪፍጠር ይኽእል እዩ። የሱስ ከኣ እዚ ነገራት እዚ ብኸመይ ከም ዚፍታሕ ኪገልጽ ከሎ፡ “ሓውካ እንተ በዲሉካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም በደሉ ንገሮ። እንተ ሰሚዑካ፡ ንሓውካ ረቢሕካዮ” በለ። እንተ ዘይሰሚዑኸ፧ “ኵሉ ነገር ብምስክርነት ክልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ” ኢሉ መዓደ። እዚ ነቲ ነገር እንተ ዘየደቂስዎ፡ “ንጉባኤ” ኺነግርዋ፡ ማለት ውሳነ ኺገብሩ ንዚኽእሉ ሽማግለታት ኺነግርዎም ይግባእ። ድሕሪኡ እውን እቲ በዳሊ እንተ ዘይሰሚዑኸ፧ የሱስ፡ “ከም ካብ ኣህዛብን ከም ኣካብ ቀረጽን ቍጸሮ” በለ፣ እዚ ኸኣ ከምቶም ኣይሁድ ኪሕወስዎም ዘይብሎም ኣህዛብ ይቝጸር ማለት እዩ።—ማቴዎስ 18:15-17

ሓለውቲ ጉባኤ ንቓል ኣምላኽ ጠቢቖም ኪስዕብዎ ኣለዎም። ተግሳጽ ዜድልዮ በዳሊ እንተ ኣጋጢምዎም፡ እቲ ዚፈርድዎ ሰብ፡ “ኣብ ሰማይ ድሮ እሱር” እዩ ዚኸውን። ንጹህ ኬጋጥሞም ከሎ ግና፡ “ኣብ ሰማይ ድሮ ፍቱሕ” እዩ ዚኸውን። ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ቈመት፡ እዚ መምርሒታት እዚ ጠቒምዋ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኸቢድ ውሳነ ዚሓትት ጕዳይ፡ የሱስ፡ “ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ፡ ኣነ ኣብ ማእከሎም እየ” በለ።—ማቴዎስ 18:18-20