ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 67

“ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን”

“ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን”

ዮሃንስ 7:32-52

  • እቶም ገላዉ ንየሱስ ኪሕዝዎ ተላእኩ

  • ኒቆዲሞስ ንየሱስ ደጊፉ ተዛረበ

የሱስ በዓል ዳስ ንምብዓል ገና ኣብ የሩሳሌም እዩ ነይሩ። ‘ብዙሓት ካብቶም ህዝቢ ብእኡ ምእማኖም’ ኣሐጒስዎ እዩ። እዚ ግና ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣየሐጐሶምን። ኪሕዝዎ ኢሎም ከኣ ኣብ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ከም ፖሊስ ኰይኖም ዜገልግሉ ገላዉኦም ለኣኹ። (ዮሃንስ 7:31, 32) የሱስ ግና ኪሕባእ ኣይፈተነን።

ኣብ ክንዳኡስ፡ “ናብቲ ዝለኣኸኒ ኽሳዕ ዝኸይድ፡ ገና ቝሩብ እዋን ምሳኻትኩም እየ። ክትደልዩኒ፡ ግናኸ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፣ ናብቲ ኣነ ዘለኽዎ ኸኣ ክትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም” እናበለ ኣብ የሩሳሌም ብግህዶ ይምህር ነበረ። (ዮሃንስ 7:33, 34) እቶም ኣይሁድ ነቲ ዚብሎ ዝነበረ ስለ ዘይተረድኦም፡ ንሓድሕዶም፡ “ንሕና ዘይንረኽቦስ፡ እዚ ናበይ ኰን እዩ ኪኸይድ ሓሊኑ፧ ናብቶም ኣብ መንጎ ግሪኻውያን ተበቲኖም ዘለዉ ኣይሁድ ደዀን ኪኸይድ እሞ፡ ንግሪኻውያን ኪምህር ሓሊኑ፧ ‘ክትደልዩኒ፡ ግናኸ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፣ ናብቲ ኣነ ዘለኽዎ ኸኣ ክትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ዚብሎ ዘረባኸ እንታይ ማለት እዩ፧” ተባሃሃሉ። (ዮሃንስ 7:35, 36) የሱስ ግና ብዛዕባ ሞቱን ሰማያዊ ትንሳኤኡን እዩ ዚዛረብ ነይሩ፣ ጸላእቱ ድማ ናብኡ ኺስዕብዎ ኣይክእሉን እዮም።

ሻውዐይቲ መዓልቲ እቲ በዓል ኣኸለት። እቲ በዓል ኣብ እተባዕለሉ መዓልትታት፡ ንግሆ ንግሆ ሓደ ኻህን ካብ ሓጽቢ ሰሊሆም እተወስደ ማይ የፍስስ እሞ፡ ናብ እግሪ እቲ መሰውኢ ቤተ መቕደስ ይውሕዝ ነበረ። የሱስ፡ “ዝጸምአ እንተሎ፡ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ። ብኣይ ዚኣምን፡ ከምቲ ቕዱስ ጽሑፍ ዚብሎ፡ ‘ካብ ውሽጡ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ’” ኢሉ ኺጭድር ከሎ፡ እቶም ሰባት ነዚ እተጠቕሰ ተግባር እዮም ዚዝክሩ ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ።—ዮሃንስ 7:37, 38

የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐብኡን ናብ ሰማያዊ ህይወት ምስ ተጸውዑን እንታይ ከም ዚኸውን እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እዚ ቕብኣት እዚ ድሕሪ ሞት የሱስ እዩ ዀይኑ። ኣብታ እትቕጽል ዓመት ካብ ዝወዓለት ጰንጠቈስጠ ኣትሒዙ፡ ብመንፈስ እተቐብኡ ደቀ መዛሙርቱ ሓቂ ንሰባት ኬካፍሉ ምስ ጀመሩ፡ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ ጀሚሩ እዩ።

ገሊኦም ትምህርቲ የሱስ ምስ ሰምዑ፡ “እዚ ብሓቂ እቲ ነብዪ እዩ” በሉ፣ ከምዚ ኺብሉ ኸለዉ ድማ ነቲ ብትንቢት እተነግረሉ ኻብ ሙሴ ዚዓቢ ነብዪ እዮም ዜመልክቱ ነይሮም። ካልኦት እውን፡ “እዚ ክርስቶስ እዩ” ይብሉ ነበሩ። ገሊኣቶም ግና፡ “ክርስቶስ ደዀን ካብ ገሊላ ዚመጽእ ኰይኑ፧ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ፡ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፡ ካብታ ዳዊት ዝነበራ ቝሸት ቤት-ልሄም ከም ዚመጽእ ደይኰነን ዚብል፧” በሉ።—ዮሃንስ 7:40-42

ስለዚ፡ ኣብቶም ህዝቢ ፍልልይ ኰነ። ገሊኣቶም ንየሱስ ኪሕዝዎ እኳ እንተ ደለዩ፡ ብኣእዳዉ ዝተንከዮ ግና ኣይነበረን። እቶም ገላዉ ንየሱስ ከይሓዝዎ ናብቶም መራሕቲ ሃይማኖት ምስ ተመልሱ፡ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን፡ “ስለምንታይከ ዘየምጻእኩምዎ፧” በልዎም። እቶም ገላዉ ኸኣ፡ “ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን” ኢሎም መለሱሎም። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ድማ ተቘጢዖም፡ “ንስኻትኩም እውንዶ ስሒትኩም ኢኹም፧ ካብ ኣሕሉቕ ወይ ካብ ፈሪሳውያንከ ብእኡ ዝኣመነዶ ኣሎ፧ እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝቢ እዚ ግና፡ ርጉም እዩ” ኢሎም ኣላገጹን ተጻረፉን።—ዮሃንስ 7:45-49

ሽዑ፡ እቲ ፈሪሳውን ኣባል ዋዕላ ኣይሁድን ዝነበረ ኒቆዲሞስ ደፊሩ ንየሱስ ደጊፉ ተዛረበ። ቅድሚ ኽልተ ዓመትን መንፈቕን ኒቆዲሞስ ብለይቲ ናብ የሱስ ከይዱ ብእኡ ኸም ዚኣምን ገሊጹ ነይሩ እዩ። ኣብዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ “ሕግናዶ ንሰብ፡ ቅድም ከይተሰምዐን ዝገበሮ ኸይተፈልጠን ይፈርዶ እዩ፧” በሎም። እሞኸ እንታይ ኢሎም መለሱሉ፧ “ንስኻ እውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ፧ መርምር እሞ፡ ካብ ገሊላ ነብዪ ኸም ዘይትንስእ ክትርኢ ኢኻ” በልዎ።—ዮሃንስ 7:51, 52

ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ነብዪ ኻብ ገሊላ ኸም ዚመጽእ፡ ብቐጥታ ኣይገልጽን እዩ። ክርስቶስ ካብኡ ኸም ዚመጽእ ዚእምት ነገር ግና ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣሎ፣ ከመይሲ፡ ኣብ “ናይ ኣህዛብ ገሊላ፡” “ዓብዪ ብርሃን” ከም ዚርአ ይሕብር እዩ። (ኢሳይያስ 9:1, 2፣ ማቴዎስ 4:13-17) ብተወሳኺ ኸኣ፡ ከምቲ ብትንቢት እተነግረ፡ የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም እዩ ተወሊዱ፡ ካብ ዘርኢ ዳዊት እውን እዩ። ፈሪሳውያን ነዚ ይፈልጡ ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብቶም ህዝቢ ብዛዕባ የሱስ ግጉይ ግንዛበ ኸም ዜስፋሕፍሕ ብምግባሮም ግና ተሓተትቲ እዮም ነይሮም።