ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 68

“ብርሃን ዓለም”—ወዲ ኣምላኽ

“ብርሃን ዓለም”—ወዲ ኣምላኽ

ዮሃንስ 8:12-36

  • የሱስ፡ መንነት ወዲ ገለጸ

  • ኣይሁድ ባሮት ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ በዓል ዳስ፡ ማለት ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ የሱስ ኣብቲ ጥቓ “መመጽወቲ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኽፋል ቤተ መቕደስ ኰይኑ ይምህር ነበረ። (ዮሃንስ 8:20፣ ሉቃስ 21:1) እዚ እቲ ኣጸድ ኣንስቲ ተባሂሉ ዚጸዋዕ ዝነበረ፡ ሰባት ከኣ ምጽዋቶም ዚህቡሉ ቦታ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

ብፍላይ ኣብ እዋን በዓል፡ ኣብቲ ኽፋል እታ ቤተ መቕደስ፡ ምሸት ምሸት መብራህቲ ይበርህ ነበረ። ነናቱ መትሓዚ ዘይቲ ዘለዎ ኣርባዕተ ዓብዪ ቐዋሚ ቐንዴል ኣብኡ ይቕመጥ ነበረ። እቲ ኻብቲ ቐንዴል ዚወጽእ ብርሃን ብርቱዕ ብምንባሩ፡ ነቲ ኸባቢ ኣጸቢቑ ኼብርሆ ይኽእል ነበረ። እቲ የሱስ ቀጺሉ፡ “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪህልዎ እምበር፡ ብጸልማት ከቶ ኣይኪመላለስን እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ዘረባ፡ ነቶም ሰማዕቱ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣዘኻኺርዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ዮሃንስ 8:12

ፈሪሳውያን ከኣ፡ “ንስኻ ብዛዕባ ርእስኻ ትምስክር ኣለኻ፣ ምስክርነትካ ሓቂ ኣይኰነን” ኢሎም ተቓወምዎ። የሱስ ድማ፡ “ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ እኳ እንተ መስከርኩ፡ ካበይ ከም ዝመጻእኩን ናበይ ከም ዝኸይድን ስለ ዝፈልጥ፡ ምስክርነተይ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካበይ ከም ዝመጻእኩን ናበይ ከም ዝኸይድን ኣይትፈልጡን ኢኹም” ኢሉ መለሰሎም። ወሲኹ ኸኣ፡ “ኣብ ሕግኹም እውን፡ ‘ምስክርነት ክልተ ሰብ ሓቂ እዩ’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። ብዛዕባ ርእሰይ ዝምስክር ኣነ እየ፣ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ እውን ብዛዕባይ ይምስክር እዩ” በሎም።—ዮሃንስ 8:13-18

እቶም ፈሪሳውያን ነዚ ስለ ዘይተቐበልዎ፡ “ኣቦኻኸ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሎም ሓተትዎ፧ የሱስ ድማ፡ “ንዓይ ወይስ ንኣቦይ ኣይትፈልጡናን ኢኹም። ንዓይ እንተ ትፈልጡንስ፡ ንኣቦይ እውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም” ኢሉ መለሰሎም። (ዮሃንስ 8:19) እቶም ፈሪሳውያን ንየሱስ ኪኣስርዎ ይደልዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ዋላ ሓደ ግና ኣይተንከዮን።

የሱስ ከም ብሓድሽ፡ “ኣነ እኸይድ ኣለኹ፣ ክትደልዩኒ፡ ግናኸ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም። ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፡ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም። ኣይሁድ ከኣ፡ እቲ የሱስ ዝበሎ ስለ ዘይተረድእዎ፡ “‘ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፡ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ዚብልሲ፡ ርእሱዶ ኪቐትል ኰይኑ፧” ኢሎም ሓሰቡ። ካበይ ምኻኑ ስለ ዘይፈለጥዎ፡ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ኣይተረድኦምን። ንሱ ድማ፡ “ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፣ ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ። ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፣ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኩን” በሎም።—ዮሃንስ 8:21-23

የሱስ ብዛዕባ እቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ሰማይ ዝነበሮ ህልውናን ብዛዕባ እቲ እተተስፈወሉ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ምዃኑን እዩ ዚዛረብ ነይሩ፣ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከኣ ኪጽበይዎ ይግብኦም ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንሳቶም ብዓብዪ ንዕቀት፡ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ።—ዮሃንስ 8:25

የሱስ ከም ዘይቅበልዎን ከም ዚጻረርዎን እናረኣየ፡ “ስለምንታይከ እየ ምሳኻትኩም ዝዛረብ፧” ኢሉ መለሰሎም። እንተዀነ ግና፡ “እቲ ዝለኣኸኒ እኳ ሓቀኛ እዩ፣ እቲ ኻብኡ ዝሰማዕክዎ ድማ ኣብ ዓለም እዛረቦ ኣለኹ” ብምባል ናብ ኣቦኡ ኣተኰረ፡ ኣይሁድ ስለምንታይ ንወዲ ኺሰምዕዎ ኸም ዚግባእ ገለጸ።—ዮሃንስ 8:25, 26

የሱስ ዘይከምቶም ኣይሁድ ኣብ ኣቦኡ ዘለዎ እምንቶ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ንወዲ ሰብ ምስ ሰቐልኩምዎ፡ ሽዑ ኣነ ንሱ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይገብርን ክትፈልጡ ኢኹም፣ ግናኸ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ፡ ከምኡ እየ ዝዛረብ። እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ ኣሎ፣ ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ ስለ ዝገብር ከኣ፡ በይነይ ኣይሓድገንን እዩ።”—ዮሃንስ 8:28, 29

ገሊኦም ኣይሁድ ግና ብየሱስ ስለ ዝኣመኑ፡ ንዓታቶም፡ “ኣብ ቃለይ እንተ ጸኒዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም፣ ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፣ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በሎም።—ዮሃንስ 8:31, 32

ገሊኦም እቲ ብዛዕባ ሓራ ምዃን እተዛረቦ ዘረባ ቕኑዕ ስለ ዘይመሰሎም፡ “ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፣ ንሓደ እኳ ባሮት ኴንና ኣይተገዛእናን። ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ ‘ሓራ ኽትወጹ ኢኹም’ እትብለና ዘለኻ፧” ኢሎም ተቓወምዎ። ኣይሁድ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጓኖት ዝነበሩሉ ግዜያት ምንባሩ ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ባሮት ተባሂሎም ኪጽውዑ ግና ኣይደለዩን። የሱስ ግና ሽዑ እውን ባሮት ምዃኖም ንምንጋር፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩ” በሎም።—ዮሃንስ 8:33, 34

ኣይሁድ ባሮት ሓጢኣት ምዃኖም ዘይምቕባሎም፡ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት እዩ ዜውድቖም ነይሩ። ስለዚ፡ የሱስ፡ “ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት ንሓዋሩ ኣይነብርን እዩ፣ ወዲ ግና ንሓዋሩ ይነብር እዩ” ኢሉ ገለጸሎም። (ዮሃንስ 8:35) ባርያ መሰል ውርሲ የብሉን፡ ኣብ ዝዀነ ግዜ ድማ ኪስጐጕ ይከኣል እዩ። ውሉድ ዝዀነ ወይ ከም ውሉድ ጌርካ ተቐባልነት ዝረኸበ ወዲ ጥራይ እዩ “ንሓዋሩ” ማለት ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ኣብ ቤት ኪነብር ዚኽእል።

ስለዚ፡ እቲ ብዛዕባ ወዲ ዚገልጽ ሓቂ እዩ ንሰባት ካብቲ ሞት ዜምጽእ ሓጢኣት ንሓዋሩ ሓራ ዜውጽእ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ የሱስ፡ “ወዲ፡ ሓራ እንተ ኣውጺኡኩም፡ ብሓቂ ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም” በለ።—ዮሃንስ 8:36