ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 72

የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ ኺሰብኩ ለኣኾም

የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ ኺሰብኩ ለኣኾም

ሉቃስ 10:1-24

  • የሱስ 70 ደቀ መዛሙርቲ ሓርዩ ኺሰብኩ ለኣኾም

እዋኑ ዳሕረዋይ ክፋል 32 ድ.ክ. እዩ ነይሩ፣ የሱስ ካብ ዚጥመቕ ከኣ ሰለስተ ዓመት ገይሩ ነበረ። ኣቐድም ኣቢሎም ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ የሩሳሌም በዓል ዳስ ኣብዒሎም ነበሩ። ገና ኻብቲ ኸባቢ ብዙሕ ኣይረሓቑን ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። (ሉቃስ 10:38፣ ዮሃንስ 11:1) እተን ድሕርዚ ኣብ ኣገልግሎቱ ዘሕለፈን ዝተረፋ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ኣብ ይሁዳ ወይ ኣብቲ ስግር ፈለግ ዮርዳኖስ ዘሎ ኣውራጃ ጴርያ እዩ ኣሕሊፍወን። እቲ ቦታታት እቲ እውን ኪስበኸሉ የድሊ ነበረ።

ኣቐዲሙ፡ ድሕሪ ፋስጋ 30 ድ.ክ.፡ የሱስ ኣብ ይሁዳ ሰቢኹን ብሰማርያ ሓሊፉን ነይሩ እዩ። ኣብ ፋስጋ 31 ድ.ክ. ድማ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ደልዮም ነይሮም እዮም። ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ሓደ ዓመትን መንፈቕን፡ የሱስ ብቐንዱ ኣብቲ ብሰሜን ዝነበረ ገሊላ ጥራይ እዩ ምሂሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዙሓት ሰዓብቱ ዀኑ። ኣብ ገሊላ ድማ የሱስ ንሃዋርያቱ ኣሰልጢኑ፡ “‘መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ’ እናበልኩም ስበኹ” ዚብል መምርሒ ሂቡ ለኣኾም። (ማቴዎስ 10:5-7) ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል 32 ድ.ክ. ድማ፡ ኣብ ይሁዳ ወፈራ ስብከት ወደበ።

የሱስ ነዚ ወፈራ እዚ ንምጅማር፡ 70 ደቀ መዛሙርቲ ሓርዩ በብኽልተ ገይሩ ለኣኾም። ስለዚ፡ ኣብቲ “እቲ እኽልስ ብዙሕ እዩ፣ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም” እተባህለሉ ኽሊ ዜገልግሉ 35 ጽምዲ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነበሩ። (ሉቃስ 10:2) ናብቲ የሱስ ዚኸዶ ቦታ ድማ፡ ቀቅድሚኡ ለኣኾም። እቶም 70 ኸኣ፡ ሕሙማት ኬሕውዩ፡ እቲ የሱስ ዚሰብኮ መልእኽቲ እውን ኪዝርግሑ ነበሮም።

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ምኵራባት ኪኸዱ ኣይኰነን ተነጊርዎም። የግዳስ፡ ናብ ኣባይቲ ሰባት ኪኸዱ እዩ ተነጊርዎም። የሱስ ከኣ፡ “ኣብ እትኣትውዋ ቤት፡ ቅድም፡ ‘ነዛ ቤት እዚኣ ሰላም ይኹን’ በሉ። ኣብኣ ፈታው ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኡ ኺሓድር እዩ” ኢሉ መምርሒ ሃቦም። መልእኽቶምከ እንታይ እዩ ነይሩ፧ የሱስ፡ “‘መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ’ . . . በልዎም” በሎም።—ሉቃስ 10:5-9

እቲ የሱስ ነቶም 70 ዝሃቦም መምርሒ ምስቲ ቕድሚኡ ዓመት ይገብር ነቶም 12 ሃዋርያት ዝሃቦም መምርሒ ተመሳሳሊ እዩ። ጽቡቕ ገይሮም ዚቕበልዎም ኵሎም ዘይምዃኖም ኣጠንቀቖም። እቲ ጻዕሮም ግና፡ የሱስ ቍሩብ ጸኒሑ ናብቲ ቦታ ምስ ከደ፡ ብዙሓት ተቐበልቲ ዝዀኑ ሰባት ንጐይታ ተሃንጥዮም ኪቕበልዎን ካብኡ ኺምሃሩን ዜዳልዎም እዩ ነይሩ።

እቶም 35 ጽምዲ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ናብ የሱስ ተመልሱ። ተሓጒሶም ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ እኳ ብስምካ ተገዚኦምልና” በልዎ። እዚ ጽቡቕ ጸብጻብ እዚ ንየሱስ ስለ ዘሐጐሶ፡ “ሰይጣን ድሮ ኸም በርቂ ኻብ ሰማይ ወዲቑ ርእየዮ። እንሆ፡ ተመንን ዕንቅርቢትን ክትረግጹ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሓይሊ ጸላኢ ኽትስልጥኑ ስልጣን ሂበኩም ኣለኹ” በለ።—ሉቃስ 10:17-19

በዚ ኸምዚ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ኣብ ልዕሊ ጐዳእቲ ነገራት ከም ዚዕወቱ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ተመንን ዕንቅርቢትን ኪረግጹ ምዃኖም ኣረጋገጸሎም። ብዘይካዚ፡ ኣብ መጻኢ ሰይጣን ካብ ሰማይ ከም ዚወድቕ ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ የሱስ ነቶም 70 ውዒሉ ሓዲሩ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር እንታይ ምዃኑ ኼረድኦም ከሎ፡ “ስምኩም ኣብ ሰማያት ስለ እተጻሕፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተገዝኡልኩም፡ በዚ ኣይትተሓጐሱ” በሎም።—ሉቃስ 10:20

ኣምላኽ ነቶም ትሑታት ኣገልገልቲ ሓይሊ ኺገብሩ ስለ እተጠቕመሎም፡ የሱስ ባህ በሎ፡ ንኣቦኡ ኸኣ ብግህዶ ወደሶ። ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ “ነዚ እትርእይዎ ዘለኹም ዚርእያ ኣዒንቲ ሕጉሳት እየን። ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ነዚ እትርእይዎ ዘለኹም ኪርእዩ ተመንዮምሲ ኣይረኣይዎን፣ ነዚ እትሰምዕዎ ዘለኹም ከኣ ኪሰምዑ ተመንዮም እውን ኣይሰምዕዎን፡ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።—ሉቃስ 10:23, 24