ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 75

የሱስ ምንጪ ሓጐስ ገለጸ

የሱስ ምንጪ ሓጐስ ገለጸ

ሉቃስ 11:14-36

  • “ብኣጻብዕ ኣምላኽ” ኣጋንንቲ ኣውጽአ

  • ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስ

የሱስ ነቲ ብዛዕባ ጸሎት ዝሃቦ ትምህርቲ እኳ እንተ ደገሞ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ተደጋጊሙ ዚልዓል ጕዳይ ግና እዚ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ ገሊላ ተኣምራት ምስ ገበረ፡ ነቲ ግብሪ እቲ ብሓይሊ ሓለቓ ኣጋንንቲ ኸም ዝገበሮ ናይ ሓሶት ክሲ ቐሪቡሉ ነይሩ እዩ። ኣብ ይሁዳ እውን እዚ ኽሲ እዚ ዳግም ተላዕለ።

የሱስ ንሓደ ሰብኣይ ነቲ ኸይዛረብ ዓቢስዎ ዝነበረ ጋኔን ምስ ኣውጽኣሉ፡ እቶም ህዝቢ ተገረሙ። ነቐፍቱ ግና፡ “ንኣጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዜውጽኦም” ኢሎም ነቲ ናይ ሓሶት ክሲ ኣበገሱ። (ሉቃስ 11:15) ገሊኦም ከኣ መንነቱ ዜረጋግጽ ዝያዳ መርትዖታት ብምድላዮም፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኺህቦም ሓተትዎ።

የሱስ ከኣ ኪፍትንዎ ከም ዝሓሰቡ ስለ ዝፈለጠ፡ ከምቲ ነቶም ኣብ ገሊላ ዝነበሩ ነቐፍቱ ዝሃቦ መልሲ ሃቦም። ንሓድሕዳ እተኸፋፈለት ኵላ መንግስቲ ኸም እትወድቕ ነገሮም፣ “ሰይጣን እንተ ተኸፋፊሉ ደኣ፡ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧” እውን በሎም። ድሕሪኡ፡ “ኣነ ንኣጋንንቲ ብኣጻብዕ ኣምላኽ ዘውጽኦም እንተ ዀይነ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ደበኽ ኢላትኩም ኣላ” ኢሉ ብቐጥታ ነገሮም።—ሉቃስ 11:18-20

የሱስ “ኣጻብዕ ኣምላኽ” ምጥቃሱ፡ ንሰማዕቱ ብዛዕባ እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ዝዀነ ነገራት ኬዘኻኽሮም ይግባእ ነይሩ። እቶም ኣብ ቤተ መንግስቲ ፈርኦን ዝነበሩ ሰባት ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ተኣምር ምስ ረኣዩ፡ “እዚኣ ኣጻብዕ ኣምላኽ እያ” ኢሎም እዮም። ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ዝጸሓፈት እውን “ኣጻብዕ ኣምላኽ” እያ ነይራ። (ዘጸኣት 8:19፣ 31:18) ብተመሳሳሊ፡ የሱስ ኣጋንንቲ ዘውጽአን ሕሙማት ዘሕወየን እውን፡ “ብኣጻብዕ ኣምላኽ፡” ማለት ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ወይ በቲ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ገይሩ እዩ። ስለዚ፡ እቲ እተመዘዘ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ኣብ መንጎኦም ኰይኑ ነቲ ግብርታት እቲ ይገብር ብምንባሩ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብሓቂ ነቶም ተጻረርቲ ደበኽ ኢላቶም እያ ነይራ።

ከምቲ ኣጽዋር ሒዙ ቤቱ ንዚሕሉ ሰብኣይ ካብኡ ዚሕይል መጺኡ ዜሕምቖ፡ የሱስ ንኣጋንንቲ ኼውጽእ ምኽኣሉ ኸኣ ካብ ሰይጣን ከም ዚሕይል ዜርኢ እዩ ነይሩ። የሱስ ነቲ ብዛዕባ ሓደ ርኹስ መንፈስ ተዛሪብዎ ዝነበረ ምሳሌ እውን ደገሞ። እቲ ሰብ ነቲ ባዶ ቦታ ብጽቡቕ እንተ ዘይመሊእዎ፡ እቲ መንፈስ ሸውዓተ ኻልኦት ሒዙ ይምለስ እሞ፡ እቲ ሰብ ካብ መጀመርታኡ፡ መወዳእታኡ ይገድዶ። (ማቴዎስ 12:22, 25-29, 43-45) ህዝቢ እስራኤል እውን ከምኡ እዮም ኰይኖም።

ሽዑ፡ ሓንቲ ንየሱስ እትሰምዖ ዝነበረት ሰበይቲ፡ “ዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ሕጉሳት እየን!” በለቶ። ኣይሁዳውያን ኣንስቲ፡ ኣደ ነብዪ፡ ብፍላይ ከኣ ኣደ መሲሕ ኪዀና ይብህጋ ስለ ዝነበራ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ማርያም ኣደ የሱስ ብምዃና ፍሉይ ሓጐስ ዘለዋ ዀይኑ ተሰሚዕዋ ይኸውን እዩ። የሱስ ግና፡ “ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ደኣ እዮም!” ኢሉ ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስ እንታይ ምዃኑ ብምግላጽ ነታ ሰበይቲ ኣረማ። (ሉቃስ 11:27, 28) የሱስ ንማርያም ፍሉይ ክብሪ ኺውሃባ ኸም ዚግባእ ኣሚቱ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዚርከብ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ብምዃን እምበር፡ ብስጋዊ ዝምድና ወይ ብዚርከብ ኣሳልጦ ኸም ዘይኰነ ሓበረ።

የሱስ ከምቲ ኣብ ገሊላ ዝገበሮ፡ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ሰባት ካብ ሰማይ ትእምርቲ ብምድላዮም ገንሖም። ብዘይካ “ትእምርቲ ዮናስ” ካልእ ምልክት ከም ዘይውሃቦም ነገሮም። ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልቲ ብምግባሩን ንሰብ ነነዌ ናብ ንስሓ ዘብጽሖም ስብከት ብትብዓት ብምስባኹን ትእምርቲ ዀይኑ ነበረ። የሱስ ቀጺሉ፡ “እንሆ ኸኣ፡ ካብ ዮናስ ዚዓቢ ኣብዚ ኣሎ” በሎም። (ሉቃስ 11:29-32) ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ ኢላ ንግስቲ ሳባ መጺኣ ነይራ እያ፣ የሱስ ግና ካብ ሰሎሞን እውን ይዓቢ እዩ።

የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “መብራህቲ ኣብሪሁ፡ . . . ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል የቐምጦ እምበር፡ ኣብ ከውሊ ወይስ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ዜንብሮ የልቦን” በለ። (ሉቃስ 11:33) ኣብ ቅድሚ እቶም ሰባት እቲኦም ምምሃርን ተኣምራት ምግባርን፡ መብራህቲ ምስ ምሕባእ የመሳስሎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣዒንቶም ትኩራት ብዘይምንባረን፡ ዕላማ እቲ ግብርታቱ ይስሕታኦ ነበራ።

የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ጋኔን ኣውጺኡን ንሓደ ዓባስ ከም ዚዛረብ ገይርዎን እዩ። እዚ ግብሪ እዚ፡ ነቶም ሰባት ንኣምላኽ ንምምጓስን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ንኻልኦት ንምንጋርን ኪድርኾም ምተገብአ ነይሩ። ስለዚ፡ የሱስ ንነቐፍቱ፡ “እምበኣር፡ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን፡ ጸልማት ከይከውንሲ፡ ተጠንቀቕ። ስለዚ፡ ብዘሎ ሰብነትካ ጸልማት ዘይብሉ ብሩህ እንተ ዀይኑ፡ ከምቲ መብራህቲ ብጸዳሉ ዜብርሃልካ፡ ኵሉ ብሩህ ይኸውን” ኢሉ ኣጠንቀቖም።—ሉቃስ 11:35, 36