ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 84

ወደ መዝሙር ምዃን ዜምጽኦ ሓላፍነት

ወደ መዝሙር ምዃን ዜምጽኦ ሓላፍነት

ሉቃስ 14:25-35

  • ወደ መዝሙር ምዃን ዜኽፍሎ ዋጋ

የሱስ ኣብ ቤት ሓደ ሓለቓ ፈሪሳውያን ኣብ መኣዲ ኸሎ፡ ኣገዳሲ ትምህርቲ መሃረ። የሱስ ናብ የሩሳሌም ዚገብሮ ጕዕዞ ኪቕጽል ከሎ፡ ብዙሓት ህዝቢ ምስኡ ይኸዱ ነበሩ። ስለምንታይ፧ ዝኸፈሉ ኸፊሎም ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ኪዀኑ ስለ ዝደለዩ ድዮም፧

ንሳቶም ኪኸዱ ኸለዉ፡ የሱስ፡ “ናባይ ዚመጽእ እንተ ኣልዩ እሞ፡ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ህይወቱ እውን ከይተረፈት እንተ ዘይጸሊኡ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ” ብምባል ኣሰንቢድዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሉቃስ 14:26) ግናኸ፡ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

የሱስ፡ ኵሎም እቶም ሰዓብቱ ዚዀኑ ቓል ብቓሉ ንቤተ ሰቦም ኪጸልኡ ኣለዎም ማለቱ ኣይነበረን። የግዳስ፡ ይጸልኡ ኺብሃል ከሎ፡ ንዓታቶም ዘላቶም ፍቕሪ ኻብታ ንየሱስ ዘላቶም ፍቕሪ ኸም እትንእስ ይገብርዋ ማለት እዩ፣ ከምቲ ኣብታ ምሳሌ እቲ ድራር እተገልጸ ዕድመ ምስ ቀረበሉ፡ ምምርዓዉ ኸም መመኽነይታ ዘቕረበ ሰብ እውን ኣይኰኑን እዮም። (ሉቃስ 14:20) ኣብ ኣዒንቲ እቲ ኣቦ ኣይሁድ ዝዀነ ያእቆብ፡ ልያ “እተጸልአት፡” ራሄል ድማ እተፈቕረት ምዃና ተገሊጹ ነይሩ እዩ፣ ከምኡ ኺብሃል ከሎ ድማ፡ ንልያ ኻብ ራሄል ንታሕቲ እዩ ዜፍቅራ ነይሩ ማለት እዩ።—ዘፍጥረት 29:31፣ እግረ ጽሑፍ።

የሱስ፡ ሓደ ወደ መዝሙር፡ “ህይወቱ እውን ከይተረፈት” ኪጸልእ ከም ዚግብኦ ምዝራቡ ኣስተብህል። ከምኡ ኺብሃል ከሎ ድማ፡ ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር ካብ ገዛእ ርእሱ ንላዕሊ ንየሱስ ኬፍቅር፡ ህይወቱ እውን እንተ ዀነት ኪኸፍል ፍቓደኛ ኪኸውን ይግብኦ ማለቱ እዩ ነይሩ። እምበኣር፡ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ምዃን ከቢድ ሓላፍነት እዩ። ኣጸቢቕካ ኸይሓሰብካሉ ዚግበር ነገር ኣይኰነን።

የሱስ፡ “ጕንዲ ስቅያቱ ጾይሩ ዘይስዕበኒ ዘበለ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ” ስለ ዝበለ፡ ወደ መዛሙር ምዃን ጸገምን መስጐጕትን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። (ሉቃስ 14:27) እወ፡ ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር ከም የሱስ ጸርፊ ጾይሩ ኪኸይድ ፍቓደኛ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ብኢድ ጸላእቱ ኸም ዚመውት እውን ሓቢሩ እዩ።

ስለዚ፡ እቶም ምስ የሱስ ዚኸዱ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ኣጸቢቖም ኪሓስቡሉ ነበሮም። የሱስ ነዚ ነጥቢ እዚ ብምሳሌ ገይሩ ኬጕልሖ ኸሎ፡ ከምዚ በለ፦ “መን ካባኻትኩምከ እዩ ግምቢ ኺሃንጽ ዚደሊ እሞ፡ ንምውዳኡ ዚኣክል እንተ ኣልይዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፧ እንተ ዘይኰነስ፡ መሰረት ሰሪቱ፡ ምውዳኡ ይስእን ይኸውን።” (ሉቃስ 14:28, 29) ስለዚ፡ እቶም ምስ የሱስ ናብ የሩሳሌም ዚኸዱ ዝነበሩ፡ ደቀ መዛሙርቱ ቕድሚ ምዃኖም ነቲ ሓላፍነት ምሉእ ብምሉእ ኪስከሙ ብቑም ነገር ኪውስኑ የድልዮም ነበረ። ነዚ መልእኽቲ እዚ ኸኣ ብኻልእ ምሳሌ ገይሩ ኸምዚ ኢሉ ኣጕልሓሎም፦

“ኣየናይ ንጉስ እዩ ምስ ካልእ ንጉስ ኪዋጋእ ዚኸይድ እሞ፡ ነቲ ብ20,000 ዚመጾስ ብ10,000 ወተሃደራት ኪገጥመሉ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይመክር፧ እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓደ ገና ርሑቕ ከሎ፡ ልኡኻት ልኢኹ ዕርቂ ይልምኖ።” የሱስ ነቲ ነጥቡ ንምጕላሕ ከኣ፡ “ከምኡ ድማ፡ ዋላ ሓደ ኻባኻትኩም፡ ኵሉ ንብረቱ ኸይቀበጸ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ” በለ።—ሉቃስ 14:31-33

የሱስ ነቶም ኣብቲ መገዲ ዚስዕብዎ ዝነበሩ ህዝቢ ጥራይ ኣይኰነን እዚ ዚብሎም ዝነበረ። ካብ ክርስቶስ ዚምሃሩ ዘበሉ ዅሎም፡ ነዚ ኣብዚ ዝበሎ ኺገብሩ ፍቓደኛታት ኪዀኑ ኣለዎም። እዚ ኸኣ ደቀ መዛሙርቱ ኪዀኑ እንተ ዀይኖም፡ ዘለዎም ኵሉ፡ እንተላይ ንብረቶምን ህይወቶምን፡ ኪስውኡ ድሉዋት ኪዀኑ ኣለዎም። እዚ ነገር እዚ፡ ኪሕሰበሉን ኪጽለየሉን ይግባእ።

የሱስ ቀጺሉ ነቲ ኣብ ከረን ኣብ ዝሃቦ ስብከቱ እተዛረቦ ነገር መሊሱ ኣልዓሎ፣ ሽዑ፡ ደቀ መዛሙርቱ “ጨው ምድሪ” ምዃኖም ተዛሪቡ ነይሩ። (ማቴዎስ 5:13) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ከምቲ ቓል ብቓሉ ጨው ሓደ ነገር ከይበላሾ ዚዕቅብ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ንሰባት ካብ መንፈሳውን ስነ ምግባራውን ብልሽውና ብምዕቋብ፡ የድሕንዎም ማለቱ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ኣገልግሎቱ ዜብቅዓሉ ግዜ እናቐረበ ምስ መጸ ኸኣ፡ “ጨውሲ ጽቡቕ እዩ። ጨው መቐረቱ እንተ ኣጥፊኡ ግና፡ ብምንታይ ይምቅር፧” በለ። (ሉቃስ 14:34) ሰማዕቱ፡ ገለ ኻብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዚርከብ ዝነበረ ጨው ምስ ሓመድ እተሓወሰ ዘይጽሩይ ከም ዝዀነ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ዘይጠቅም ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም።

ስለዚ፡ የሱስ እቶም ንነዊሕ ግዜ ደቀ መዛሙርቱ ዝነበሩ እኳ፡ ቈራጽነቶም ኪዳኸም ከም ዘይብሉ እዩ ዚሕብሮም ነይሩ። ቈራጽነቶም እንተ ተዳኺሙ ግና፡ ከምቲ መቐረቱ ዘጥፍአ ጨው ዘይጠቕሙ እዮም ዚዀኑ። ሽዑ፡ መላገጺ ዓለም እዮም ዚዀኑ። እቲ ዝገደደ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘይብቑዓት፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንስሙ ዜጽርፉ እዮም ዚዀኑ። የሱስ፡ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምጕላሕ፡ “ንምስማዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” በለ።—ሉቃስ 14:35