ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 85

ብዚንሳሕ ሓጥእ ዚርከብ ሓጐስ

ብዚንሳሕ ሓጥእ ዚርከብ ሓጐስ

ሉቃስ 15:1-10

  • ምሳሌታት እታ ዝጠፍአት በጊዕን እታ ዝጠፍአት ሰልድን

  • ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቲ ይሕጐሱ

የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ደጋጊሙ ኣገዳስነት ትሕትና ኣጕሊሑ እዩ። (ሉቃስ 14:8-11) ንኣምላኽ ብትሕትና ኼገልግልዎ ዚደልዩ ሰብኡትን ኣንስትን ኪረክብ ይህንጠ ነይሩ እዩ። ገሊኦም ዚቐርብዎ ዝነበሩ፡ ፍሉጣት ሓጥኣን እዮም ነይሮም።

ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን እቶም ብኣታቶም ዘይብቑዓት ጌርካ ዚርኣዩ ሰባት ናብ የሱስን ናብ መልእኽቱን ከም እተሳሕቡ ረኣዩ። ስለዚ፡ “እዝስ ንሓጥኣን ይቕበል፡ ምሳታቶም እውን ይበልዕ” ኢሎም ኣዕዘምዘሙ። (ሉቃስ 15:2) ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ብሉጻት ከም ዝዀኑ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም ነይሩ፣ ነቲ ተራ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሮም ከም ዘሎ ሓመድ እዮም ዚቘጽርዎ ነይሮም። ንዓታቶም ዘለዎም ንዕቀት ንምግላጽ፡ “ህዝቢ እዛ ምድሪ” ዝትርጉሙ ዓም ሃኣረጽ ዚብል ቃላት እብራይስጢ እዮም ዝጥቀሙ ነይሮም።

የሱስ ግና ንዅሉ ሰብ ብኽብርን ብለውሃትን ብርሕራሐን እዩ ዚሕዝ ነይሩ። ብዙሓት ካብቶም ኣትሒትካ ዚርኣዩ ሰባት፡ እንተላይ እቶም ብሓጢኣቶም ፍሉጣት ዝዀኑ ሰባት፡ ንየሱስ ኪሰምዑ ህንጡያት እዮም ነይሮም። ግናኸ፡ የሱስ ብዛዕባ እቲ ትሑታት ብምቕባሉ ዝቐረበሉ ነቐፌታ ኸመይ ተሰምዖ፧ እንታይ ምላሽከ ሃበሉ፧

የሱስ ምላሽ ኪህብ ከሎ፡ ምስታ ኣቐዲሙ ኣብ ቅፍርናሆም ዝመሰላ እትመሳሰል ምሳሌ መሰለ። (ማቴዎስ 18:12-14) ነቲ ምላሹ ኬቕርብ ከሎ ኸኣ፡ ፈሪሳውያን ጻድቃን ከም ዝዀኑ እሞ ኣብ ደምበ ኣምላኽ ሃዲኦም ከም ዘለዉ ገይሩ ገለጾም። ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም ትሑታት ሰባት ከም እተባረሩን ከም ዝጠፍኡን ገይሩ መሰሎም። ከምዚ ድማ በለ፦

“ካባኻትኩምከ 100 ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ሓንቲ ኻባታተን ምስ ጠፍኣቶስ፡ ነተን 99 ኣብ በረኻ ሓዲጉ፡ ክሳዕ ዚረኽባ ነታ ዝጠፍአት ኪደሊ ዘይከይድ እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ምስ ረኸባ ኸኣ፡ ተሓጒሱ ኣብ መንኵቡ ይሕንግራ። ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ ድማ፡ ንኣዕሩኹን ንጐረባብቱን ብሓባር ጸዊዑ፡ ‘እታ ዝጠፍኣትኒ በጊዐይ ስለ ዘረኸብኩዋ፡ ምሳይ ተሓጐሱ’ ይብሎም።”—ሉቃስ 15:4-6

እሞኸ የሱስ እታ ምሳሌ ንምንታይ ከም እተመልክት እዩ ዝገለጸ፧ ነዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ከምኡ ኸኣ፡ ንስሓ ኻብ ዘየድልዮም 99 ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ዝያዳ ሓጐስ ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ” በለ።—ሉቃስ 15:7

የሱስ ብዛዕባ ንስሓ እተዛረቦ ነገር ንፈሪሳውያን ኣሰምቢድዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጻድቃን ከም ዝዀኑ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ ነይሮም። ቅድሚ ኽልተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ገሊኣቶም ንየሱስ ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን ብምብላዑ ምስ ነቐፍዎ፡ “ኣነ ንጻድቃን ዘይኰነስ፡ ንሓጥኣን እየ ኽጽውዕ መጺአ” ኢሉ መሊሱሎም ነይሩ። (ማርቆስ 2:15-17) እቶም ተመጻደቕቲ ፈሪሳውያን ኪንስሑ ኸም ዜድልዮም ኣይተገንዘቡን፣ ስለዚ፡ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኣይኰነን። ሓጥኣን ብሓቂ ኺንስሑ ኸለዉ ግና ብኣንጻሩ እዩ ዚኸውን።

የሱስ ቀጺሉ በዛ እትስዕብ ምሳሌ ገይሩ፡ ነቲ ሓጥኣን ምስ ዚምለሱ ኣብ ሰማይ ዓብዪ ሓጐስ ከም ዚኸውን ዝገለጾ ሓሳብ ዜራጕድ ነገር ኣቕረበ፦ “ዓሰርተ ድራክማ ዘለዋ እሞ፡ ሓንቲ ድራክማ እንተ ጠፊኣታ፡ መብራህቲ ዘይተብርህ፡ ቤታ እውን ዘይትዅስትር፡ ክሳዕ እትረኽባ ኸኣ ኣጸቢቓ ዘይትደሊ እንታወይቲ ሰበይቲ እያ፧ ምስ ረኸበታ ድማ፡ ንኣዳኖታታን ንጐረባብታን ጸዊዓ፡ ‘እታ ዝጠፍኣትኒ ድራክማይ ስለ ዝረኸብክዋ፡ ምሳይ ተሓጐሳ’ ትብለን።”—ሉቃስ 15:8, 9

እቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ኻብዛ ምሳሌ ዚርከብ ትምህርቲ ዝገለጾ ነገር፡ ምስቲ ኻብ ምሳሌ እታ ዝጠፍአት በጊዕ ዚርከብ ትምህርቲ ተመሳሳሊ እዩ። ስለዚ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ከምኡ ኸኣ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ መንጎ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ” በለ።—ሉቃስ 15:10

መላእኽቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምምላስ ዝጠፍኡ ሓጥኣን ብርቱዕ ተገዳስነት ኬሕድሩ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ! ነዚ ተግባሮም እዚ ብፍላይ ኣገዳሲ ዚገብሮ ኸኣ፡ እቶም ዚንስሑን ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ቦታ ዚረኽቡን ሓጥኣን፡ ካብ ናይ መላእኽቲ ዝለዓለ ቦታ ዚረኽቡ ምዃኖም እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:2, 3) ግናኸ፡ መላእኽቲ በዚ ኣይቀንኡን እዮም። ሓደ ሓጥእ ምሉእ ብምሉእ ተነሲሑ ናብ ኣምላኽ ኪምለስ ከሎ ደኣ ኸመይ ኪስምዓና ይግባእ፧