ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 89

ናብ ይሁዳ ኪኸይድ ከሎ ኣብ ጴርያ መሃረ

ናብ ይሁዳ ኪኸይድ ከሎ ኣብ ጴርያ መሃረ

ሉቃስ 17:1-10 ዮሃንስ 11:1-16

  • ብሰሩ መዐንቀፊ ዚመጽእ ወይለኡ

  • በደል ሕደግን እመንን

የሱስ ንእተወሰነ ግዜ፡ ጴርያ ኣብ ዚብሃል “ስግር ዮርዳኖስ” ዚርከብ ቦታ ጸንሐ። (ዮሃንስ 10:40) ድሕሪኡ ናብ ደቡብ፡ ናብ የሩሳሌም ገጹ ተጓዕዘ።

የሱስ በይኑ ኣይነበረን። ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ይኸዱ ነበሩ፣ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን ዚርከብዎም “ብዙሓት ህዝቢ” እውን ምሳታቶም ይጐዓዙ ነበሩ። (ሉቃስ 14:25፣ 15:1) እቶም ነቲ የሱስ ዚብሎን ዚገብሮን ዚነቕፍዎ ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን እውን ኣብኡ ነበሩ። የሱስ ምሳሌ እታ ዝጠፍአት በጊዕን ምሳሌ እቲ ዝጠፍአ ወድን ምሳሌ እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን ድሕሪ ምዝንታዉ፡ ብዙሕ ኪሓስብዎ ዝነበሮም ነገራት ነበሮም።—ሉቃስ 15:2፣ 16:14

የሱስ ኣብ ደቀ መዛሙርቱ ኼተኵር ከሎ፡ ነቐፌታን ባጫን ተጻረርቱ ገና ኣብ ኣእምሮኡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ገሊላ ኣልዒልዎ ዝነበረ ገለ ነጥብታት ጠቐሰ።

ንኣብነት፡ የሱስ ከምዚ በለ፦ “መዐንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ። ነቲ ብሰሩ መዐንቀፊ ዚመጽእ ግና ወይለኡ! . . . ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ሓውካ እንተ በዲሉካ፡ ግንሓዮ፣ እንተ ተጣዒሱ ኸኣ፡ ሕደገሉ። ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሳዕ እኳ እንተ በደለካ፡ ‘ተጣዒሰ’ እናበለ ኸኣ ሸውዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመሊሱ፡ ሕደገሉ።” (ሉቃስ 17:1-4) እቲ ኣብ መወዳእታ እተዛረቦ ዘረባ፡ ንጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ሸውዓተ ሳዕ በደል ብዛዕባ ምሕዳግ ዘበገሶ ሕቶ ኣዘኻኺርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ማቴዎስ 18:21

እሞኸ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምስ ቃላት የሱስ ተሰማሚዖም ኪመላለሱ ዚኽእሉ ደዀን ይዀኑ፧ ሃዋርያት ንየሱስ፡ “እምነት ወስኸና” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲ፡ ነዚ ኦም እዚ፡ ‘ተመንቊስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸል!’ ምበልኩምዎ እሞ፡ ምተኣዘዘኩም ነይሩ” ኢሉ ኣረጋገጸሎም። (ሉቃስ 17:5, 6) እወ፡ ንእሽቶ እምነት እኳ ዓብዪ ነገር ክትገብር ትኽእል እያ።

ቀጺሉ ኸኣ፡ የሱስ ኣገዳስነት ትሕትናን ሰብ ብዛዕባ ርእሱ ኺህልዎ ዘለዎ ሚዛናዊ ኣረኣእያን ንምምሃር፡ ንሃዋርያቱ ኸምዚ በሎም፦ “ካባኻትኩምከ ዚሓርስ ወይስ ዚጓሲ ባርያ ዘለዎ እሞ፡ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፡ ‘ቀልጢፍካ ንዓ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጥ’ ዚብሎ መን ኣሎ፧ የግዳስ፡ ‘ክድረር ኣዳልወለይ፡ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒ፣ ድሕሪኡ ኽትበልዕን ክትሰትን ትኽእል ኢኻ’ ደይኰነን ዚብሎ፧ እተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ፡ ነቲ ባርያ የመስግኖዶ፧ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፡ ‘ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና። እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ጌርና’ በሉ።”—ሉቃስ 17:7-10

ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ምሃብ ዘለዎ ኣገዳስነት ኪርድኦ ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ኣባል ቤተ ሰብ ኣምላኽ ብምዃን ንዕኡ ምምላኽ ፍሉይ መሰል ምዃኑ ኺዝክር ይግባእ።

ድሕርዚ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ካብ ማርያምን ማርታን እተላእከ ልኡኽ መጸ። ንሳተን ኣሓት ኣልኣዛር ነበራ፣ ኣብታ ኣብ ይሁዳ እትርከብ ቢታንያ ድማ ይነብራ ነበራ። እቲ ልኡኽ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ እንሆ እቲ እትፈትዎስ፡ ሓሚሙ ኣሎ” በሎ።—ዮሃንስ 11:1-3

የሱስ ግና ፈታዊኡ ኣልኣዛር ከቢድ ሕማም ከም ዝሓመመ እኳ እንተ ሰምዐ፡ ብሓዘን ኣይተደቝሰን። የግዳስ፡ “እዚ ሕማም እዚ፡ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሞት ኣይኰነን” በለ። ክልተ መዓልቲ ኣብቲ ዝነበሮ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ደጊም ናብ ይሁዳ ንኺድ” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “መምህር፡ ብኣምሆ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኻ ይደልዩ ነይሮምሲ፡ መሊስካዶ ናብኡ ትኸይድ፧” በልዎ።—ዮሃንስ 11:4, 7, 8

የሱስ ድማ፡ “ኣብ መዓልትስ 12 ሰዓት ደይኰነን ዘሎ፧ እቲ ብመዓልቲ ዚኸይድ፡ ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዚርኢ፡ ኣይዕንቀፍን እዩ። እቲ ብለይቲ ዚኸይድ ግና፡ ብርሃን ስለ ዘይብሉ፡ ይዕንቀፍ እዩ” ኢሉ መለሰሎም። (ዮሃንስ 11:9, 10) እቲ ኣምላኽ ንኣገልግሎት የሱስ ዝመደቦ ግዜ ኸም ዘይተወድአ እዩ ዜመልክት ነይሩ ዚኸውን። እቲ ግዜ ኽሳዕ ዚውዳእ፡ የሱስ ነታ ዝተረፈቶ ሓጻር ግዜ ምሉእ ብምሉእ ኪጥቀመላ ነበሮ።

የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ኣልኣዛር ዓርክና ደቂሱ ኣሎ፣ ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ፡ ክኸይድ እየ” በለ። ደቀ መዛሙርቱ ግና፡ ኣልኣዛር ድቃስ ዕረፍቲ ደቂሱ ኸም ዘሎ እሞ ብቐሊሉ ኸም ዚጥዒ ሓሲቦም፡ “ጐይታይ፡ ደቂሱ እንተ ዀይኑስ፡ ኪጥዒ እዩ” በልዎ። ሽዑ፡ የሱስ ብግልጺ፡ “ኣልኣዛር ሞይቱ፣ . . . ናብኡ ንኺድ” በሎም።—ዮሃንስ 11:11-15

ቶማስ ከኣ የሱስ ኣብ ይሁዳ ኪቕተል ከም ዚኽእል እኳ እንተ ፈለጠ፡ ኪድግፎ ይደሊ ብምንባሩ ነቶም ብጾቱ ደቀ መዛሙርቲ፡ “ንሕና እውን ምስኡ ኽንመውትሲ፡ ንኺድ” በሎም።—ዮሃንስ 11:16