ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 90

“ትንሳኤን ህይወትን”

“ትንሳኤን ህይወትን”

ዮሃንስ 11:17-37

  • የሱስ ድሕሪ ሞት ኣልኣዛር ኣብ ቢታንያ በጽሐ

  • “ትንሳኤን ህይወትን”

የሱስ ካብ ጴርያ ነቒሉ ኣብ ወሰን እታ ኻብ የሩሳሌም ሰለስተ ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ቢታንያ በጽሐ። እተን ኣሓት ኣልኣዛር ዝዀና ማርያምን ማርታን ገና ኣብ ሓዘን እየን ነይረን። ብዙሓት ከኣ ኬጸናንዕወን ናባታተን መጺኦም ነበሩ።

ማርታ ኸኣ የሱስ ይመጽእ ከም ዘሎ ሰምዐት እሞ፡ ተቐላጢፋ ኽትረኽቦ ኸደት። ማርታ ድማ ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” ብምባል ምናልባት እቲ ንሳን ሓብታን ንኣርባዕተ መዓልቲ ዚሓስባኦ ዝነበራ ነገር ነገረቶ። ኰይኑ ግና፡ ጠሪሳ ተስፋ ኣይቈረጸትን። ከመይሲ፡ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ግናኸ፡ ሕጂ እውን እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝለመንካዮ ዘበለ፡ ኣምላኽ ከም ዚህበካ፡ እፈልጥ እየ” በለት። (ዮሃንስ 11:21, 22) የሱስ ንሓዋ ኺሕግዞ ኸም ዚኽእል ተሰምዓ።

የሱስ ድማ፡ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” በላ። ማርታ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ኣብርሃምን ካልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽን ተስፋ ዚገበሩሉ ኣብ መጻኢ ዚህሉ ምድራዊ ትንሳኤ ዚዛረብ ዘሎ መሰላ። ስለዚ ድማ፡ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ እየ” በለቶ።—ዮሃንስ 11:23, 24

የሱስ ግና ብኡብኡ ኼርህዎ ይኽእል ደዀን ይኸውን፧ “እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ እንተ ሞተ እኳ፡ ህያው ኪኸውን እዩ፣ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ኵሉ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪመውትን እዩ” ብምባል ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሞት ሓይሊ ኸም ዝሃቦ ንማርታ ኣዘኻኸራ።—ዮሃንስ 11:25, 26

የሱስ፡ እቶም ሽዑ ብህይወት ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ኸቶ ኣይኪሞቱን እዮም ማለቱ ኣይነበረን። ከምቲ ንሃዋርያቱ ዝበሎም፡ ንሱ ንባዕሉ እኳ ኺመውት ነይርዎ እዩ። (ማቴዎስ 16:21፣ 17:22, 23) የግዳስ፡ ብእኡ ምእማን ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚመርሕ እዩ ዜጕልሕ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ብትንሳኤ ኣቢሎም ከምዚ ዓይነት ህይወት እዚ ኺረኽቡ እዮም። ኣብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ብህይወት ዚጸንሑ እሙናት ግና፡ ከቶ ኣይሞቱን ይዀኑ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ነባሪ ሞት ከም ዘይመውት ርግጸኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ግናኸ፡ እቲ፡ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ” ዝበለ የሱስ፡ ነቲ ኻብ ዚመውት ራብዕቲ ገይሩ ዝነበረ ኣልኣዛር ሓጊዝዎዶ፧ የሱስ ቀጺሉ ንማርታ፡ “ነዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧” በላ። ንሳ ድማ፡ “እወ ጐይታይ፡ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዚመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚነ ኣለኹ” በለቶ። ማርታ፡ የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ገለ ኺገብር ከም ዚኽእል እናኣመነት ከኣ፡ ከይዳ ንማርያም ሰላሕ ኢላ፡ “መምህር መጺኡ፡ ይጽውዓኪ እውን ኣሎ” በለታ። (ዮሃንስ 11:25-28) ማርያም ከኣ ብኡብኡ ኻብ ቤት ወጸት፣ ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ድማ ናብ መቓብር ኣልኣዛር ዝኸደት መሲልዎም ሰዓብዋ።

ማርያም ግና ናብ የሱስ መጺኣ፡ ኣብ እግሩ ተደፊኣ በኸየት፣ “ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” ኢላ እውን ከም ናይ ሓብታ ዓይነት ስምዒት ገለጸት። የሱስ ድማ ማርያምን እቶም ምስኣ ዝመጹን ኪበኽዩ ኸለዉ ምስ ረኣየ፡ እህህ በለ፡ ተረበሸ፡ ነብዐ እውን። እዚ ኸኣ ነቶም እተዓዘብዎ ውሽጦም ተንከዮም። ገሊኣቶም ግና፡ ‘የሱስ ኣዒንቲ እቲ ብዕዉሩ እተወልደ ኻብ ከፈተስ፡ ነዚ እውን ከም ዘይመውት ኪገብሮ ደዀን ኣይምኸኣለን ነይሩ፧’ በሉ።—ዮሃንስ 11:32, 37