ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 97

ምሳሌ እቶም ሰብ ውዕለት ኣታኽልቲ ወይኒ

ምሳሌ እቶም ሰብ ውዕለት ኣታኽልቲ ወይኒ

ማቴዎስ 20:1-16

  • እቶም “ዳሕሮት” ሰብ ውዕለት ኣታኽልቲ ወይኒ፡ “ቀዳሞት” ኰኑ

የሱስ ኣብ ጴርያ ንሰማዕቱ፡ “ብዙሓት ቀዳሞት ግና ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም” ድሕሪ ምባሉ፡ ነዚ ቓላቱ እዚ ብሓንቲ ምሳሌ ሰብ ውዕለት ኣታኽልቲ ወይኒ ኣጕልሖ።—ማቴዎስ 19:30

ኣብታ ምሳሌ ኸምዚ በለ፦ “መንግስተ ሰማያት፡ ንኣታኽልቲ ወይኑ ሰብ ውዕለት ኪቘጽር ኣንጊሁ ዝወጸ ብዓል ቤት ትመስል። ምስቶም ሰብ ውዕለት ንመዓልቲ ብሓደ ዲናር ምስ ተሰማምዐ፡ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ሰደዶም። ኣብ ሳልሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ወጸ፡ ካልኦት ስራሕ ዘይብሎም ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረኣየ፣ ንዓታቶም ከኣ፡ ‘ንስኻትኩም እውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ እሞ፡ ዚግባእ ዘበለ ኽህበኩም እየ’ በሎም። ንሳቶም ድማ ከዱ። ከም ብሓድሽ፡ ኣብ ሻድሸይቲ ሰዓትን ኣብ ታሽዐይቲ ሰዓትን ኣቢሉ ወጺኡ፡ ከምኡ ገበረ። ኣብ መበል 11 ሰዓት ኣቢሉ ወጺኡ፡ ካልኦት ደው ኢሎም ረኸበ፣ ‘ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ስራሕ ስለምንታይ ኣብዚ ደው እትብሉ፧’ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ‘ዋላ ሓደ ስለ ዘይቈጸረና’ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ‘ንስኻትኩም እውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ’ በሎም።”—ማቴዎስ 20:1-7

እቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት፡ ብዛዕባ “መንግስተ ሰማያት” ኰነ “ብዓል ቤት” ኪሰምዑ ኸለዉ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ሓሲቦም ኪዀኑ ኣለዎም። ቅዱሳት ጽሑፋት ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ገይሩ ይጠቕሶ እዩ፣ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ንህዝቢ እስራኤል እዩ ዜመልክት። (መዝሙር 80:8, 9፣ ኢሳይያስ 5:3, 4) እቶም ኣብ ትሕቲ ኪዳን ሕጊ ሙሴ ዝነበሩ ድማ፡ በቶም ኣብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ዚዓይዩ ሰብ ውዕለት ኪምሰሉ ይኽእሉ እዮም። የሱስ እታ ምሳሌ ኺምስል ከሎ ግና፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ግዜ ኣይኰነን ዚዛረብ ዝነበረ። ነቲ ብግዜኡ ዝነበረ ዅነታት እዩ ዚገልጾ ነይሩ።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ንኣብነት፡ እቶም ኣቐዲሞም ብዛዕባ ፍትሕ ሕቶ ብምሕታት ዝፈተንዎ ፈሪሳውያን፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብቐጻሊ ዚጽዕሩ እዮም ዚብሃሉ ነይሮም። ከምቶም ምሉእ መዓልቲ ዝሰርሑ እሞ ናይ ምሉእ መዓልቲ ዓስቢ ውዕለቶም ሓሓደ ዲናር ዚጽበዩ ሰብ ውዕለት እዮም ነይሮም።

እቶም ካህናትን ካልኦት ምስቲ ጕጅለ እቲ ዚጽብጸቡን ድማ ነቶም ተራ ኣይሁድ ንኣምላኽ ሒደት ከም ዜገልግልዎ፡ ማለት ከምቶም እተወሰነ ኽፋል መዓልቲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣምላኽ ዝሰርሑ ሰብ ውዕለት ከም ዝዀኑ እዮም ዚቘጽርዎም ነይሮም። ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ፡ እዞም ሰብ ውዕለት እዚኦም፡ እቶም “ኣብ ሳልሰይቲ ሰዓት” (9:00 ቅ.ቀ.) ወይ ካብኡ ንደሓር፡ ማለት ኣብ ሻድሸይቲ፡ ኣብ ታሽዐይቲ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ሰዓት (5:00 ድ.ቀ) እተቘጽሩ እዮም ነይሮም።

እቶም ንየሱስ ዝሰዓብዎ ህዝቢ ኸም “ርጉም” ጌርካ እዮም ዚርኣዩ ነይሮም። (ዮሃንስ 7:49) መብዛሕትኡ ኽፋል ህይወቶም፡ ገፈፍቲ ዓሳ ወይ ሸቃሎ ዀይኖም እዮም ዚዓይዩ ነይሮም። ኣብ ዳሕራይ ክፋል 29 ድ.ክ. ግና፡ “እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ” ንየሱስ ልኢኹ፡ ነቶም ትሑታት ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ብምዃን ንኣምላኽ ኪዓይዩ ጻውዒት ኣቕረበሎም። ንሳቶም ድማ “ዳሕሮት” ወይ ኣብ መበል 11 ሰዓት እተጠቕሱ ሰብ ውዕለት ኣታኽልቲ እዮም ነይሮም።

የሱስ ንምሳሌኡ ኺድምድም ከሎ፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ኣብ መወዳእታ እታ መዓልቲ እንታይ ከም ዚኸውን ገለጸ፦ “ምስ መሰየ፡ እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ነቲ ዝመዘዞ ሰብ፡ ‘ነቶም ሰብ ውዕለት ጸዊዕካ፡ ካብቶም ዳሕሮት ጀሚርካ ኽሳዕ እቶም ቀዳሞት ውዕለቶም ሃቦም’ በሎ። እቶም ሰብ መበል 11 ሰዓት ምስ መጹ፡ ነፍሲ ወከፎም ደዲናር ተቐበሉ። ስለዚ፡ እቶም ቀዳሞት ምስ መጹ፡ ዝያዳ ዚቕበሉ መሰሎም። ግናኸ፡ ንሳቶም እውን ደዲናር ተቐበሉ። ምስ ተቐበሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብዓል ቤት ኣጕረምረሙ፣ ‘እዞም ዳሕሮት ሓንቲ ሰዓት እዮም ሰሪሖም፣ ምሳና ድኻም መዓልትን ሃሩርን ምስ ዝጾርና ግና ኣደላዲልካዮም’ ድማ በልዎ። ንሱ ግና ንሓደ ኻባታቶም፡ ‘ዓርከይ፡ ኣይዓመጽኩኻን። ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሰማማዕካንን፧ ዚብጽሓካ ደኣ ሒዝካ ኺድ። ነዚ ዳሕራይ ክንዲ እቲ ናትካ ኽህቦ እደሊ እየ። ብገንዘበይ ዝደለኽዎ ኽገብር መሰልዶ የብለይን እዩ፧ ወይስ ኣነ ሕያዋይ ስለ ዝዀንኩዶ ዓይንኻ ቐናእ እያ፧’ ኢሉ መለሰሉ። በዚ ኸምዚ፡ እቶም ዳሕሮት ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም፣ እቶም ቀዳሞት ከኣ ዳሕሮት ኪዀኑ እዮም።”—ማቴዎስ 20:8-16

እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል እታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ምስ ሰምዑ፡ ገሪምዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ገዛእ ርእሶም “ቀዳሞት” ገይሮም ዚርእዩ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ፡ ከመይ ገይሮም እዮም “ዳሕሮት” ዚዀኑ፧ ደቀ መዛሙርቲ የሱስከ ኸመይ ኢሎም እዮም “ቀዳሞት” ዚዀኑ፧

እቶም ብፈሪሳውያንን ብኻልኦትን “ዳሕሮት” ጌርካ ዚርኣዩ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ምሉእ ውዕለቶም ንምርካብ “ቀዳሞት” እዮም ተሰሪዖም። የሱስ ምስ ሞተ፡ እታ ምድራዊት የሩሳሌም ተደርብያ እያ፣ ኣምላኽ ከኣ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” እተባህሉ ሓድሽ ህዝቢ ሓርዩ እዩ። (ገላትያ 6:16፣ ማቴዎስ 23:38) ዮሃንስ መጥምቕ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ብመንፈስ ቅዱስ ዚግበር ጥምቀት ኪዛረብ ከሎ፡ ብዛዕባ እዚኣቶም እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እቶም “ዳሕሮት” ዝነበሩ፡ ነቲ ጥምቀት እቲ ንምቕባልን “ክሳብ ወሰናት ምድሪ” መሰኻኽር የሱስ ንምዃንን ቀዳሞት እዮም ኰይኖም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:5, 8፣ ማቴዎስ 3:11) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ የሱስ ዚዛረበሉ ዝነበረ ዓብዪ ለውጢ ብእተቐበሉ መጠን፡ እቶም “ዳሕሮት” ዝዀኑ መራሕቲ ሃይማኖት ብኣታቶም ኣይሕጐሱን እዮም ነይሮም።