ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 99

የሱስ ዕዉራት ኣሕወየ፡ ንዘኬዎስ ከኣ ሓገዞ

የሱስ ዕዉራት ኣሕወየ፡ ንዘኬዎስ ከኣ ሓገዞ

ማቴዎስ 20:29-34 ማርቆስ 10:46-52 ሉቃስ 18:35–19:10

  • የሱስ ኣብ ያሪኮ ንዕዉራት ኣሕወየ

  • ዘኬዎስ እቲ ኣካብ ቀረጽ ተነስሐ

የሱስን እቶም ምስኡ ዚጐዓዙ ዝነበሩን ናብታ ኻብ የሩሳሌም መገዲ ሓደ መዓልቲ ዝነበረት ያሪኮ በጽሑ። ያሪኮ ኽልተ ኸተማ እያ ነይራ ኽትብሃል ትከኣል እያ፣ ከመይሲ፡ ኣብ መንጎ እታ ጥንታዊት ከተማን እታ ሮማውያን ዝሰርሕዋ ሓዳስ ከተማን ሓደ ኪሎ ሜትርን ፈረቓን ኣቢሉ ዝኸውን ርሕቀት ነበረ። የሱስን እቶም ህዝብን ካብታ ሓንቲ ወጺኦም ናብታ ሓንቲ ኪቐርቡ ኸለዉ፡ ኣብኡ ዝነበሩ ኽልተ ዕዉራት ለመንቲ ያዕያዕታ ሰምዑ። ሓደ ኻባታቶም በርጢሜዎስ ዝስሙ ነበረ።

የሱስ ይሓልፍ ከም ዘሎ ምስ ሰምዑ፡ በርጢሜዎስን እቲ ብጻዩን ዓው ኢሎም፡ “ጐይታይ፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረና!” ኢሎም ጨርሑ። (ማቴዎስ 20:30) ገለ ኻብቶም ህዝቢ ስቕ ኪብሉ ኣትሪሮም ገንሕዎም፣ እቶም ክልተ ግና ኣዝዮም ጨርሑ። የሱስ ነዚ ያዕያዕታ ሰሚዑ ደው በለ። ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ድማ፡ ነቶም ዚጭርሑ ዝነበሩ ኺጽውዕዎም ነገሮም። ንሳቶም ድማ ናብቶም ለመንቲ ኸይዶም ንሓዲኦም፡ “ኣጆኻ፡ ተንስእ፡ ይጽውዓካ ኣሎ” በልዎ። (ማርቆስ 10:49) እቲ ዕዉር ድማ ክዳኑ ደርብዩ፡ ብድድ ኢሉ ናብ የሱስ ከደ።

የሱስ ከኣ፡ “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ፧” በሎም። እቶም ዕዉራት ድማ፡ “ጐይታይ፡ ኣዒንትና ኪኽፈታ” በልዎ። (ማቴዎስ 20:32, 33) የሱስ ከኣ ደንጊጹሎም ኣዒንቶም ተንከየ እሞ ብፍላይ ነቲ ሓደ፡ “ኪድ፡ እምነትካ ኣሕውያትካ” በሎ። (ማርቆስ 10:52) እቶም ክልተ ዕዉራት ለመንቲ ድማ ረኣዩ፣ ክልቲኦም እውን ንኣምላኽ ኣሞገስዎ። እቶም ህዝቢ እውን ነዚ ርእዮም ንኣምላኽ ወደስዎ። እቶም ዕዉራት ዝነበሩ ኸኣ ንየሱስ ኪስዕብዎ ጀመሩ።

የሱስ ብያሪኮ ኺሓልፍ ከሎ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ ኸቢቦምዎ ነበሩ። ኵሉ ሰብ ድማ ነቲ ንኣዒንቲ እቶም ዕዉራት ዘሕወየ ሰብ ኪርኢ ደለየ። እቶም ህዝቢ ንየሱስ ስለ ዝዓጐጕዎ፡ ገሊኦም ሰባት ነዛ ዓይኖም እኳ ኺርእይዎ ኣይከኣሉን። ዘኬዎስ እውን ሓደ ኻባታቶም እዩ ነይሩ። ንሱ ኣብ ያሪኮን ከባቢኣን ንዝነበሩ ኣከብቲ ቐረጽ ሓለቓኦም ነበረ። ቍመቱ ሓጺር ስለ ዝነበረ ድማ፡ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ኺርኢ ኣይከኣለን። ስለዚ፡ በቲ የሱስ ዚሓልፈሉ መገዲ ቕድሚት ጐይዩ፡ ኣብ ሳግላ ሓዀረ። ኣብኡ ዀይኑ ንዅሉ ጽቡቕ ገይሩ ኺርእዮ ይኽእል ነበረ። የሱስ ናብታ ቦታ በጺሑ ንዘኬዎስ ኣብታ ኦም ምስ ረኣዮ፡ “ዘኬዎስ፡ ሎሚ ኣብ ቤትካ ኽውዕል ይግብኣኒ እዩ እሞ፡ ቀልጢፍካ ውረድ” በሎ። (ሉቃስ 19:5) ዘኬዎስ ከኣ ነቲ ዓብዪ ጋሻኡ ምእንቲ ኪቕበል፡ ወረደ፡ ተቐላጢፉ ድማ ናብ ቤቱ ኸደ።

እቶም ህዝቢ እዚ ምስ ረኣዩ፡ ኣዕዘምዘሙ። የሱስ ኣብ ቤት እቲ ኸም ሓጥእ ገይሮም ዚርእይዎ ሰብ ጋሻ ዀይኑ ኺኣቱ ኸም ዘይግባእ ኰይኑ ተሰምዖም። ዘኬዎስ ቀረጽ ኣብ ዚእከበሉ ዝነበረ እዋን፡ ብዘይግቡእ ገንዘብ ብምውሳድ እዩ ሃብቲሙ።

የሱስ ናብ ቤት ዘኬዎስ ምስ ኣተወ፡ እቶም ሰባት፡ “ኣብ ቤት ሓጥእ ሰብኣይ ኪውዕል ኣትዩ” ኢሎም ኣጕረምረሙ። የሱስ ግና፡ ዘኬዎስ ኪንሳሕ ከም ዚኽእል ኣስተውዒሉ ነይሩ እዩ። ከምቲ ዝሓሰቦ ኸኣ እዩ ዀይኑ። ዘኬዎስ ተንሲኡ፡ “ጐይታይ፡ እንሆ፡ ፍርቂ ንብረተይ ንድኻታት እህብ ኣለኹ፣ ዝዘረፍክዎ እንተ ኣልዩ ኸኣ፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ” በለ።—ሉቃስ 19:7, 8

ዘኬዎስ ብሓቂ ኸም እተነስሐ እዩ ዜርኢ ነይሩ። ካብቲ መዛግብቲ ኽፍሊት ቀረጽ፡ ካብ በበይኖም ኣይሁድ ክንደይ ከም እተቐበለ ኺፈልጥ ይኽእል ነይሩ እዩ፣ ኣርባዕተ ዕጽፊ ኺፈዲ ድማ እዩ መብጽዓ ዚኣቱ ነይሩ። እዚ ኸኣ፡ ካብቲ እቲ ሕጊ ዚእዝዞ ንላዕሊ እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 22:1፣ ዘሌዋውያን 6:2-5) ብዘይካዚ፡ ፍርቂ ንብረቱ ንድኻታት ኪህብ እዩ ቓል ኣትዩ።

የሱስ ብንስሓ ዘኬዎስ ስለ እተሓጐሰ፡ “ንሱ እውን ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀነ፡ ሎሚ፡ ነዛ ቤት እዚኣ ድሕነት ኰይኑላ። ከመይሲ፡ ወዲ ሰብ ንዝጠፍአ ኺደልን ኬድሕንን እዩ መጺኡ” በለ።—ሉቃስ 19:9, 10

ኣቐድም ኣቢሉ የሱስ ብምሳሌ እቲ ዝጠፍአ ወዲ ገይሩ፡ ኣብቲ “ጠፊኡ” ዝነበረ ወዲ ኣተኲሩ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 15:11-24) ዘኬዎስ ምስ ተነስሐ ኸኣ፡ ጠፊኡ ነይሩስ እተረኽበ ናይ ሓቂ ኣብነት ኪርከብ ተኻኢሉ እዩ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ሰዓብቶምን ብዛዕባ የሱስ የዕዘምዝሙ፡ ከም ዘኬዎስ ንዝኣመሰሉ ሰባት ቈላሕታ ብምግባሩ እውን ይነቕፍዎ ነይሮም ይዀኑ። የሱስ ግና ነቶም ዝጠፍኡ ደቂ ኣብርሃም ካብ ምድላይን ካብ ምድሓንን ኣይበዀረን።