ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 106

ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኒ እተመሰለ ኽልተ ምሳሌ

ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኒ እተመሰለ ኽልተ ምሳሌ

ማቴዎስ 21:28-46 ማርቆስ 12:1-12 ሉቃስ 20:9-19

  • ምሳሌ እቶም ክልተ ደቂ

  • ምሳሌ እቶም ሓረስቶት ኣታኽልቲ ወይኒ

የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ነቶም በየናይ ስልጣን ተግባሩ ኸም ዚገብር ዝሓተትዎ ሊቀ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ጋን ዚሰርሕ ምላሽ ምስ ሃቦም፡ ኣጽቀጡ። ድሕሪኡ፡ እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃኖም ዜቃልዕ ምሳሌ መሰለ።

የሱስ ከምዚ በለ፦ “ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፡ ‘ወደየ፡ ሎሚ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ወፊርካ ዕየ’ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘እምቢ’ ኢሉ መለሰ፣ ደሓር ግና ተጣዒሱ፡ ወፈረ። ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ፡ ከምኡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ሕራይ ጐይታይ’ ኢሉ መለሰ። ግናኸ ኣይወፈረን። ካብ ክልቲኦምሲ፡ ኣየናዮም እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝገበረ፧” (ማቴዎስ 21:28-31) መልሲ እዛ ሕቶ ፍሉጥ እዩ፣ እቲ ኣብ መወዳእታኡ ፍቓድ ኣቦኡ ዝገበረ፡ እቲ ቐዳማይ ወዲ እዩ።

ስለዚ፡ የሱስ ንተጻረርቱ፡ “ኣከብቲ ቐረጽን ኣመናዝርን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ይቕድሙኹም ኣለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። ኣብ መጀመርታ፡ እቶም ኣከብቲ ቐረጽን ኣመናዝርን ንኣምላኽ ምግልጋል ኣብዮም ነይሮም እዮም። ደሓር ግና ከምቲ ቐዳማይ ወዲ ተነሲሖምሲ ንኣምላኽ ኣገልጊሎምዎ እዮም። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ግና ከምቲ ካልኣይ ወዲ እዮም ነይሮም፣ ንኣምላኽ ነገልግል ኢና ይብሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ብግብሪ ግና ከምኡ ኣይገበሩን። የሱስ ድማ፡ “ዮሃንስ [መጥምቕ] ብመገዲ ጽድቂ ናባኻትኩም እኳ እንተ መጸ፡ ኣይኣመንኩምዎን። ኣከብቲ ቐረጽን ኣመናዝርን ግና ኣሚኖምዎ፣ ንስኻትኩም ከኣ ነዚ እኳ ምስ ረኣኹም፡ ምእንቲ ኽትኣምንዎ ደሓር ኣይተጥዓስኩምን” በሎም።—ማቴዎስ 21:31, 32

የሱስ ድሕሪ እዛ ምሳሌ እዚኣ፡ ካልእ ምሳሌ እውን መሰለ። ኣብታ ምሳሌ ድማ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንኣምላኽ ምግልጋል ካብ ምእባይ ሓሊፎም፡ እኩያት ከም ዝዀኑ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ኢሉ ኣዘንተወ፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡ ብሓጹር ሓጸሮ፡ ካብቲ መጽመቝ ወይኒ ዚቕበል መዋህለል ወይኒ ዀዓተሉ፡ ግምቢ ሰርሓሉ፡ ንሓረስቶት ብመገስ ሂቡ ኸኣ ናብ ካልእ ሃገር ገሸ። ግዜኡ ምስ በጽሐ፡ ካብቶም ሓረስቶት ፍረ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኼምጽኣሉ ኢሉ፡ ናባታቶም ባርያ ለኣኸ። ንሳቶም ግና ሒዞም ወቕዕዎ፡ ጥራይ ኢዱ ድማ ሰደድዎ። ከም ብሓድሽ፡ ካልእ ባርያ ናባታቶም ለኣኸ፣ ንዕኡ እውን ርእሱ ፈግእዎን ኣሕሰርዎን። ካልእ ድማ ለኣኸ፡ ንዕኡ እውን ቀተልዎ፣ ብዙሓት ካልኦት ከኣ ለኣኸ፡ ንገሊኣቶም ወቕዕዎም፡ ንገሊኣቶም ድማ ቀተልዎም።”—ማርቆስ 12:1-5

እቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ነታ ምሳሌ ተረዲኦምዋዶ፧ ነቲ ኢሳይያስ፡ “እቲ ናይ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣታኽልቲ ወይንስ ቤት እስራኤል እዩ፣ ሰብ ይሁዳ ኸኣ ንሱ ዚፈትዎም ዝነበረ ኣትክልቲ እዮም። ፍትሒ ተጸበየ፣ እንሆ ግና፡ ዘይፍትሓውነት” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ነቐፌታ ዘኪሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ኢሳይያስ 5:7) የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ተመሳሳሊት እያ። እቲ ብዓል መሬት፡ የሆዋ ኣምላኽ እዩ፣ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ እቲ ብሕጊ ኣምላኽ እተሓጽረን እተሓለወን ህዝቢ እስራኤል እዩ። የሆዋ ንህዝቡ ንምምሃርን ጽቡቕ ፍረ ኺፈርዩ ንምሕጋዝን ነብያቱ ልኢኹሎም እዩ።

ግናኸ፡ እቶም “ሓረስቶት” ነቶም “ባሮት” ገፊዖምዎምን ቀቲሎምዎምን እዮም። የሱስ ቀጺሉ ኺገልጽ ከሎ፡ “[እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ] ገና ሓደ ፍቑር ወዲ ነበሮ። ኣብ መወዳእታ፡ ‘ንወደይሲ ኺሓፍርዎ እዮም’ ኢሉ ናባታቶም ለኣኾ። እቶም ሓረስቶት ግና ንሓድሕዶም፡ ‘እዚ እቲ ወራሲ እዩ። ንዑ ንቕተሎ እሞ፡ ርስቱ ናትና ኪኸውን እዩ’ ተባሃሃሉ። ሒዞም ድማ ቀተልዎ” በለ።—ማርቆስ 12:6-8

ሽዑ፡ የሱስ፡ “እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ እንታይ ኪገብር እዩ፧” ኢሉ ሓተቶም። (ማርቆስ 12:9) እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከኣ፡ “ክፉኣት ስለ ዝዀኑ፡ ብኽፉእ ኬጥፍኦም እዩ፣ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፡ ብግዜኡ ፍሪኡ ንዚህቡ ኻልኦት ሓረስቶት ብመገስ ኪህቦም እዩ” ኢሎም መለሱሉ።—ማቴዎስ 21:41

ስለዚ፡ ከይተረድኦም ንርእሶም እዮም ፈሪዶም፣ ከመይሲ፡ ንሳቶም ነቲ ንህዝቢ እስራኤል ዜመልክት “ኣታኽልቲ ወይኒ” የሆዋ ዚከናኸኑ “ሓረስቶት” እዮም ነይሮም። ገለ ኻብቲ የሆዋ ኻብቶም ሓረስቶት እተጸበዮ ፍረ፡ በቲ መሲሕ ዝዀነ ወዱ ምእማን እዩ ነይሩ። የሱስ ከኣ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ጠመቶም እሞ፡ “ከምዚ ዚብል ቅዱስ ጽሑፍዶ ኸቶ ኣየንበብኩምን፦ ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ እምኒ መኣዝን ኰይኑ ኣሎ። እዚ ኻብ የሆዋ እዩ ዀይኑ፣ ኣብ ኣዒንትና እውን ድንቂ እዩ’” በሎም። (ማርቆስ 12:10, 11) ድሕሪኡ፡ “ስለዚ ኸኣ እየ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ተወሲዳ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢ ኽትውሃብ እያ ዝብለኩም ዘለኹ” ብምባል ኬመሓላልፎ ዝደለዮ መልእኽቲ ንጹር ገበሮ።—ማቴዎስ 21:43

እቶም ጸሓፍትን ሊቃውንቲ ኻህናትን ድማ፡ ‘እዛ ምሳሌ እዚኣ ብዛዕባኦም ከም እተዛረባ ፈለጡ።’ (ሉቃስ 20:19) ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ኸኣ ነቲ ብዓል መሰል ዝዀነ “ወራሲ” ኪቐትልዎ ደለዩ። እቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ይቘጽርዎ ስለ ዝነበሩ ግና፡ ንዓታቶም ፈርሁ፡ ሽዑሽዑ ኪቐትልዎ እውን ኣይፈተኑን።