ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 107

ሓደ ንጉስ ነቶም ናብ መርዓ እተዓደሙ ዕዱማት ጸውዖም

ሓደ ንጉስ ነቶም ናብ መርዓ እተዓደሙ ዕዱማት ጸውዖም

ማቴዎስ 22:1-14

  • ምሳሌ እቲ መርዓ

የሱስ ኣገልግሎቱ ዜብቅዓሉ ግዜ ኪቐርብ ከሎ፡ ነቶም ጸሓፍትን ሊቃውንቲ ኻህናትን ብምሳሌታት ገይሩ ኣቃልዖም። ስለዚ፡ ንሳቶም ኪቐትልዎ ደለዩ። (ሉቃስ 20:19) የሱስ ግና ንምቅላዖም ዚዛረቦ ዘረባ ኣይወድአን ነይሩ። ካልእ ምሳሌ ድማ ከምዚ ኢሉ ኣዘንተወሎም፦

“መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል። ነቶም ናብቲ መርዓ እተዓደሙ ኺጽውዑ ድማ፡ ባሮቱ ለኣኸ፣ ንሳቶም ግና ምምጻእ ኣበዩ።” (ማቴዎስ 22:2, 3) የሱስ ኣብ መጀመርታ እዛ ምሳሌኡ፡ ን“መንግስተ ሰማያት” እዩ ጠቒሱ። ስለዚ፡ እቲ “ንጉስ” ተባሂሉ ዘሎ የሆዋ ኣምላኽ ኪኸውን ኣለዎ። ወዲ እቲ ንጉስ መን እዩ፧ እቶም ናብ መርዓ እተዓደሙ ዕዱማትከ መን እዮም፧ ወዲ እቲ ንጉስ ተባሂሉ ዘሎ፡ እቲ ነታ ምሳሌ ዝመሰላ ወዲ የሆዋ ምዃኑ ንምልላይ ኣየጸግምን እዩ። እቶም ናብ መርዓ እተዓደሙ ዕዱማት ከኣ ምስቲ ወዲ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከም ዚዀኑ ፍሉጥ እዩ።

እቶም ቀዳሞት እተዓደሙ ዕዱማት ደኣ መን እዮም፧ የሱስን ሃዋርያቱን ብዛዕባ እታ መንግስቲ ንመን ድዮም ሰቢኾም፧ ንኣይሁድ እዮም። (ማቴዎስ 10:6, 7፣ 15:24) እቶም ህዝቢ እቲኦም ብ1513 ቅ.ክ. ኪዳን ሕጊ ሙሴ ተቐቢሎም እዮም፣ በዚ ኸምዚ ድማ “መንግስቲ ኻህናት” ንምዃን ቀዳሞት እዮም ነይሮም። (ዘጸኣት 19:5-8) ኰይኑ ግና፡ ናብቲ “መርዓ” መዓስ እዮም እተጸውዑ፧ ብ29 ድ.ክ. የሱስ ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት ኪሰብኽ ምስ ጀመረ እዩ እቲ ጻውዒት እቲ ቐሪቡሎም።

መብዛሕትኦም እስራኤላውያንከ ነቲ ጻውዒት እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ “ምምጻእ ኣበዩ።” መብዛሕትኦም መራሕቲ ሃይማኖትን እቶም ህዝብን ንየሱስ ከም መሲሕን ብኣምላኽ ከም እተሸመ ንጉስን ኣይተቐበልዎን።

ግናኸ፡ የሱስ ቀጺሉ፡ እቶም ኣይሁድ ካልኣይ ዕድል ከም ዚውሃቦም ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ከም ብሓድሽ፡ [እቲ ንጉስ፡] ‘ነቶም ዕዱማት፡ “እንሆ፡ ምሳሕ ኣዳልየ ኣለኹ፣ ኣብዑረይን ስቡሓተይን ተሓሪዶም፡ ኵሉ ኸኣ ተዳልዩ ኣሎ። ናብ መርዓ ንዑ” በልዎም’ ኢሉ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ። ንሳቶም ግና ሸለል ኢሎም፡ ሓደ ናብ ግራቱ፡ ሓደ ኸኣ ናብ ንግዱ ኸዱ፣ እቶም ዝተረፉ ኸኣ፡ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ገፍዕዎምን ቀተልዎምን።” (ማቴዎስ 22:4-6) እዚ ድማ ነቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ቈመት ዝዀነ ነገር ዜመልክት እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣይሁድ ኣብታ መንግስቲ ኺኣትዉ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሎም ነይሩ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ነቲ ጻውዒት እቲ ኣይተቐበልዎን፣ ‘ንባሮት እቲ ንጉስ’ እውን ገፊዖምዎም እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 4:13-18፣ 7:54, 58

እሞኸ እዚ ነቶም ህዝቢ እንታይ ኣስዓበሎም፧ የሱስ ቀጺሉ፡ “እቲ ንጉስ ተቘጥዐ፣ ሰራዊቱ ልኢኹ ድማ፡ ነቶም ቀተልቲ ነፍሲ ቐተሎም፡ ከተማኦም እውን ኣንደደ” በለ። (ማቴዎስ 22:7) ብ70 ድ.ክ. ሮማውያን መጺኦም ነታ “ኸተማ” እቶም ዕዱማት ዝዀነት የሩሳሌም ምስ ኣዕነውዋ፡ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ከምቲ ኣብታ ምሳሌ እተጠቕሰ ዀይኑ እዩ።

ንጻውዒት እቲ ንጉስ ምእባዮም፡ ዋላ ሓደ ኻልእ ኣይዕደምን ማለት ድዩ፧ ብመሰረት እታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ኸምኡ ኣይኰነን። የሱስ ቀጺሉ ኸምዚ በለ፦ “ሽዑ [እቲ ንጉስ] ንባሮቱ፡ ‘መርዓስ ተዳልዩ እዩ፣ እቶም ዕዱማት ግና ብቑዓት ኣይኰኑን። እምበኣር፡ ካብ ከተማ ናብ ዜውጽእ መገድታት ኬድኩም፡ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ናብ መርዓ ዓድሙ’ በሎም። እቶም ባሮት ከኣ፡ ናብ መገድታት ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዘበለ፡ ንእኩያትን ንሕያዎትን ኣከብዎም፣ እቲ ኣዳራሽ መርዓ ድማ፡ በቶም ኣብ መኣዲ እተቐመጡ መልአ።”—ማቴዎስ 22:8-10

ሃዋርያ ጴጥሮስ ጸኒሑ፡ ካብ ኣህዛብ ንዝዀኑ ሰባት፡—ማለት ብትውልዶም ወይ ሃይማኖቶም ብምቕያር ኣይሁድ ንዘይኰኑ ሰባት፡—ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኪዀኑ ሓገዞም። ብ36 ድ.ክ.፡ ሓለቓ ሚእቲ ቆርኔሌዎስን ቤተ ሰቡን መንፈስ ኣምላኽ ተቐበሉ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብታ የሱስ ዝጠቐሳ መንግስተ ሰማያት ቦታ ረኸቡ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:1, 34-48

የሱስ ቀጺሉ፡ በቲ “ንጉስ” ተቐባልነት ዚረኽቡ ናብቲ መርዓ ዚመጹ ዘበሉ ዅሎም ዘይምዃኖም ኪሕብር ከሎ ኸምዚ በለ፦ “እቲ ንጉስ ነቶም ኣጋይሽ ኪምርምር ምስ መጸ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብ ረኣየ። ስለዚ፡ ‘ዓርከይ፡ ብዘይ ክዳን መርዓስ ከመይ ጌርካ ናብዚ ኣቲኻ፧’ በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ። ሽዑ፡ እቲ ንጉስ ንገላዉኡ፡ ‘ኢዱን እግሩን ኣሲርኩም ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ኸኣ ኪበክን ኣስናኑ ኺሕርቅምን እዩ’ በሎም። ዕዱማትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም።”—ማቴዎስ 22:11-14

እቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ የሱስ ዚብሎ ዝነበረ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድእዎን ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ስለ ዘዋረዶም፡ ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ተቘጥዑ፡ ኬጥፍእዎ እውን ቈረጹ።