ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 111

ሃዋርያት፡ ምልክት ሓተቱ

ሃዋርያት፡ ምልክት ሓተቱ

ማቴዎስ 24:3-51 ማርቆስ 13:3-37 ሉቃስ 21:7-38

  • ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቲ፡ ምልክት ሓተቱ

  • ኣብ ቀዳማይ ዘመንን ድሕሪኡን ዘለዎ ፍጻመታት

  • ክንነቅሕ ኣሎና

ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ እዩ ነይሩ፣ 11 ኒሳን እውን ከተብቅዕ ኢላ ነበረት። የሱስ ኣብ ምድሪ ዚገብሮ ዝነበረ ጽዑቕ ንጥፈታት እውን ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ ነበረ። መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር፡ ለይቲ ለይቲ እውን ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ይሓድር ነበረ። እቲ ህዝቢ ድማ ሓያል ተገዳስነት ስለ ዘሕደረ፡ “ኪሰምዖ ኢሉ፡ ኣንጊሁ ናብ ቤተ መቕደስ ይመጽእ ነበረ።” (ሉቃስ 21:37, 38) እዚ ዅሉ ምስ ሓለፈ፡ የሱስ ኣብ ደብረ ዘይቲ ምስቶም ጴጥሮስን እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን ዚብሃሉ ኣርባዕተ ሃዋርያት ተቐሚጡ ነበረ።

እዞም ኣርባዕተ ኸኣ ብሕት ኢሎም እዮም መጺኦምዎ። የሱስ ኣቐዲሙ ኣብታ ቤተ መቕደስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተነቢሩ ኸም ዘይተርፍ ተነብዩ ብምንባሩ፡ ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ኣተሓሳሲብዎም እዮም መጺኦምዎ። ኰይኑ ግና፡ ካልእ ዘተሓሳሰቦም ነገር እውን ነይርዎም እዩ። የሱስ ኣቐዲሙ፡ “ንስኻትኩም እውን፡ ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ሰዓት ኪመጽእ እዩ እሞ፡ ድሉዋት ኩኑ” ኢሉ ተማሕጺንዎም ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 12:40) ብዛዕባ እታ “ወዲ ሰብ ዚግለጸላ መዓልቲ” እውን ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 17:30) እዚ ዘረባኡ እዚ ምስቲ ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ዝበሎ ዚተሓሓዝ ደዀን ይኸውን፧ እቶም ሃዋርያት ኪፈልጡ ኣዝዮም ተሃንጥዮም ነበሩ። “እስከ ንገረና፡ እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧ ምልክት እቲ ኣብዚ እትህልወሉ እዋንን መደምደምታ እቲ ስርዓትንከ እንታይ እዩ፧” ድማ በልዎ።—ማቴዎስ 24:3

ብዛዕባ መወዳእታ እታ ብማዕዶ ዚርእይዋ ዝነበሩ ቤተ መቕደስ እዮም ዚሓትትዎ ነይሮም ዚዀኑ። ወዲ ሰብ ኣብዚ ብዛዕባ ዚህልወሉ እዋን እውን ሓቲቶምዎ እዮም። እታ የሱስ ብዛዕባ ሓደ “ንግስና ተቐቢሉ ኺምለስ” እተጓዕዘ “ወዲ ዓበይቲ” ዝመሰላ ምሳሌ ኸኣ ዘኪሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ሉቃስ 19:11, 12) “መደምደምታ እቲ ስርዓት” እንታይ ከም ዜጠቓልል እውን ኪፈልጡ ደልዮም ነይሮም እዮም።

ኣብቲ የሱስ ብዝርዝር ዝሃቦም ምላሽ፡ መወዳእታ እቲ ሽዑ ዝነበረ ስርዓት ኣይሁድን ቤተ መቕደሶምን ንምልላይ ዜኽእል ምልክት ሃቦም። ኰይኑ ግና፡ ካብኡ ንላዕሊ እውን ሓቢርዎም እዩ። እቲ ምልክት እቲ ንክርስትያናት፡ ክርስቶስ ‘ኣብዚ ዚህልወሉ እዋንን’ መወዳእታ እቲ ብዘሎ ስርዓት ምድሪ ዚቐርበሉ ግዜን ንምፍላጥ ይሕግዞም እዩ።

ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ እቶም ሃዋርያት ፍጻመ እቲ የሱስ እተዛረቦ ትንቢት ተዓዘቡ። እወ፡ እቲ እተነበዮ ነገራት፡ ኣብቲ ንሳቶም ብህይወት ዝነበሩሉ ግዜ እዩ ኺፍጸም ጀሚሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ እቶም ድሕሪ 37 ዓመት ብ70 ድ.ክ. ስርዓት ኣይሁድ ምስ ቤተ መቕደሱ ኺጠፍእ ከሎ ብህይወቶም ዝጸንሑ ክርስትያናት ድንገት ኣይኰኖምን። ይኹን እምበር፡ ብምሉኡ እቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት ኣይኰነን ኣብ ከባቢ 70 ድ.ክ. እተፈጸመ። እሞ ደኣ ብመንግስታዊ ስልጣኑ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ዚሕብር ምልክት እንታይ እዩ፧ የሱስ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ነቶም ሃዋርያቱ ገሊጹሎም እዩ።

የሱስ፡ “ውግእን ወረ ውግእን” ኪኸውን፡ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል” ምዃኑ ተነበየ። (ማቴዎስ 24:6, 7) “ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን፡ ኣብ በቦታኡ እውን ጥሜትን ለበዳን ኪኸውን እዩ” እውን በለ። (ሉቃስ 21:11) ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ኪሕዙኹምን ኪሰጕጉኹምን . . . እዮም” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (ሉቃስ 21:12) ናይ ሓሶት ነብያት ከም ዚትንስኡ፡ ጥሕሰት ሕጊ ኸም ዚበዝሕ፡ ናይ መብዛሕትኦም ፍቕሪ ኸም እትዝሕል ድማ ገለጸ። ብዘይካዚ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” በለ።—ማቴዎስ 24:14

እቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት፡ ብእተወሰነ መጠን የሩሳሌም ብሮማውያን ቅድሚ ምጥፋኣን ድሕሪኡን እኳ እንተ ተፈጸመ፡ የሱስ ብዛዕባ ዝዓበየ ፍጻመ ይዛረብ ደዀን ነይሩ ይኸውን፧ እቲ የሱስ እተነበዮ ኣገዳሲ ትንቢት ኣብዚ ግዜና ይፍጸም ከም ዘሎ ዚሕብር መርትዖ ትርኢዶ ኣለኻ፧

ሓደ ኻብቲ የሱስ ኣብ ምልክት እቲ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ዝጠቐሶ ነገር፡ “ዜጥፍእ ጽያፍ” ኪርአ ምዃኑ እዩ። (ማቴዎስ 24:15) ብ66 ድ.ክ.፡ እቲ ንየሩሳሌም ‘ዝኸበባ ሰራዊት’ ሮሜ ምስቲ ጣኦታት ዝዀነ ኣርማታቱ ምስ መጸ፡ እቲ ጽያፍ ተራእዩ እዩ። ሽዑ፡ ሮማውያን ንየሩሳሌም ከቢቦም ንገለ ኽፋል መካበብያኣ ኼፍርሱ ጀሚሮም እዮም። (ሉቃስ 21:20) በዚ ኸምዚ፡ እቲ “ጽያፍ” ኣብቲ ደው ኪብሎ ዘይግብኦ ቦታ፡ ማለት ኣብቲ ኣይሁድ “ቅዱስ ቦታ” ገይሮም ዚርእይዎ ዝነበሩ ደው ኢሉ እዩ።

የሱስ ቀጺሉ፡ “ካብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን ብርቱዕ ጸበባ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ተነበየ። ብ70 ድ.ክ.፡ ሮማውያን ንየሩሳሌም ኣጥፊኦምዋ እዮም። እቲ ጥፍኣት እታ “ቕድስቲ ኸተማ” ኣይሁድን ቤተ መቕደሳን፡ ብዙሓት ኣሽሓት እተቐትሉሉ ብምንባሩ፡ ብርቱዕ ጸበባ እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 4:5፣ 24:21) እታ ኸተማ እቲኣን ኣይሁድን ቅድሚኡ ኻብ ዘጋጠሞም ጥፍኣት ኣዝዩ ዝበርትዐ እዩ ነይሩ፣ ነቲ ኣይሁድ ንዘመናት ዚስዕብዎ ዝነበሩ እተወደበ ስርዓት ኣምልኾ እውን መወዳእታ ገይሩሉ እዩ። ስለዚ፡ ዝዀነ ይኹን ድሕሪኡ ዚመጽእ ዝዓበየ ፍጻመ እቲ ትንቢታዊ ቓላት የሱስ፡ ብርግጽ ዜስካሕክሕ እዩ ኪኸውን ነይርዎ።

ኣብቲ ብትንቢት እተነግረሉ መዓልትታት እምንቶ ምሕዳር

እቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ብመንግስታዊ ስልጣኑ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋንን ብዛዕባ መወዳእታ እቲ ስርዓትን ምስ ሃዋርያቱ ዝገበሮ ምይይጥ ገና ኣየብቅዐን ነይሩ። የሱስ ቀጺሉ ደድሕሪ “ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን” ከይከዱ ኣጠንቀቖም። “እንተ ተኻኢሉ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ምእንቲ ኼስሕቱ፡” ብዙሕ ከም ዚፍትኑ ገለጸሎም። (ማቴዎስ 24:24) እንተዀነ ግና፡ እቶም ሕሩያት እቲኦም ኣይኪስሕቱን እዮም። ናይ ሓሶት ክርስቶሳት ብዚርአ መገዲ እዮም ዚመጹ። የሱስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ግና ብዘይርአ እዩ ዚኸውን።

የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ዘሎ ስርዓት እዚ ዚኸውን ዝዓበየ ጸበባ ኺገልጽ ከሎ፡ “ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፣ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያት እውን ኪናወጹ እዮም” በለ። (ማቴዎስ 24:29) እቶም ነዚ ዜፍርህ ቃላት ዝሰምዑ ሃዋርያት እንታይ ከም ዚኸውን ብልክዕ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም፣ ብርግጽ ግና ዜፍርህ እዩ ኪኸውን።

እቲ ዜሰምብድ ፍጻመታት ንደቂ ሰብ ብኸመይ ኪጸልዎም እዩ፧ የሱስ ቀጺሉ፡ “ሓይልታት ሰማያት ኪናወጹ እዮም እሞ፡ ብፍርህን ብትጽቢት እቲ ኣብ ዓለም ዚመጽእን፡ ሰባት ውኖኦም ኪጠፍኦም እዩ” በለ። (ሉቃስ 21:26) እወ፡ ብዛዕባ እቲ ዝጸልመተ ኽፋል ታሪኽ ደቂ ሰብ እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

እንተዀነ ግና፡ ‘ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን ኣብ ዚመጸሉ እዋን’ ዜልቅሱ ዅሎም ዘይምዃኖም፡ የሱስ ነቶም ሃዋርያቱ ኣነጺሩሎም እዩ። (ማቴዎስ 24:30) ኣምላኽ “ምእንቲ እቶም ሕሩያት” ኢሉ ጣልቃ ኸም ዚኣቱ፡ የሱስ ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 24:22) እሞ ደኣ እቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቲ፡ እቲ የሱስ ዝገለጾ ዜሰምብድ ምዕባለታት ኣብ ዚመጸሉ እዋን ከመይ እዩ ኺስምዖም ዝግባእ፧ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “እዚ ኪኸውን ምስ ጀመረ ግና፡ ድሕነትኩም ስለ ዝቐረበ፡ ቅንዕ በሉ፡ ርእስኹም እውን ኣልዕሉ” ኢሉ ኣተባብዖም።—ሉቃስ 21:28

እቶም ኣብቲ ብትንቢት እተነግረሉ እዋን ዚነብሩ ደቀ መዛሙርቲ ግና መወዳእታ ምቕራቡ ብኸመይ ኪፈልጡ ይኽእሉ፧ የሱስ ከምዚ ኢሉ ምሳሌ ኦም በለስ መሰለ፦ “ጨናፍራ ምስ ጠጥዐን ምስ ለምለመን፡ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ፡ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ረኣኹም፡ ንሱ ናብ ኣፍ ደገ ምቕራቡ ፍለጡ። እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸቶ ኣይኪሓልፍን እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”—ማቴዎስ 24:32-34

እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ እቲ እተፈላለየ መዳያት ዘለዎ ምልክት ኪፍጸም ምስ ረኣዩ ድማ፡ መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ኺፈልጡ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ከኣ ኣብቲ ኣገዳሲ እዋን ብህይወት ንዚነብሩ ደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ ኢሉ መዓዶም፦

“ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን፡ ኣቦ ጥራይ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማያት ኰኑ ወይስ ወዲ ዀነ፡ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ወዲ ሰብ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ መዓልትታትሲ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን ይምርዓዉን የመርዕዉን ነበሩ፣ ማይ ኣይሂ መጺኡ ንዅላቶም ክሳዕ ዚዅስትሮም ኣየስተውዓሉን፣ ወዲ ሰብ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።” (ማቴዎስ 24:36-39) የሱስ ኣብዚ ኸም ምሳሌ ዝጠቐሶ ብዘመን ኖህ ዝዀነ ታሪኻዊ ማይ ኣይሂ፡ ዓለምለኻዊ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ።

እቶም ኣብ ደብረ ዘይቲ ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ንቑሓት ኪዀኑ ኸም ዜድልዮም ፈሊጦም ኪዀኑ ኣለዎም። የሱስ ድማ፡ “ምብዛሕ ብልዕን ምብዛሕ መስተን ጭንቀት ናብራን ንልብኹም ከይከብዶ እሞ፡ ብሃንደበት ከኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም መፈንጠራ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ገጽ ብዘላ ምድሪ ዚነብሩስ፡ ክትመጽእ እያ። እምበኣር፡ ካብ ኵሉ እዚ ኪኸውን ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ኸተምልጡን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ምእንቲ ኽትቈሙን፡ ኵሉ ሳዕ እናተማህለልኩም ንቕሑ” በሎም።—ሉቃስ 21:34-36

የሱስ፡ እቲ ዚንበዮ ዝነበረ ውሱን ፍጻመ ጥራይ ከም ዘይብሉ እዩ መሊሱ ዚሕብሮም ነይሩ። ኣብ ሒደት ዓመታት ብዛዕባ ዚኸውን ፍጻመታት፡ ከምኡ ድማ ንኸተማ የሩሳሌምን ንኣይሁድን ጥራይ ብዛዕባ ዚጸሉ ነገራት ይንበ ኸም ዘየሎ እዩ ዚገልጸሎም ነይሩ። እወ፡ “ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ገጽ ብዘላ ምድሪ ዚነብሩ” ዚመጽእ ምዕባለታት እዩ ዚሕብሮም ነይሩ።

ደቀ መዛሙርቱ ነቒሖም ኪጽበዩን ድሉዋት ኪዀኑን ከም ዜድልዮም እዩ ተዛሪቡ። የሱስ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ በዛ እትስዕብ ምሳሌ ገይሩ ኣጕልሖ፦ “ሓደ ነገር ፍለጡ፦ ብዓል ቤት፡ ሰራቒ ኣበየናይ እዋን ሓለዋ ኸም ዚመጽእ እንተ ዚፈልጥ ነይሩ፡ ምነቕሐ፡ ሰራቒ ናብ ቤቱ ኺኣቱ እውን ኣይምፈቐደን። ስለዚ፡ ንስኻትኩም እውን፡ ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ሰዓት ኪመጽእ እዩ እሞ፡ ድሉዋት ኩኑ።”—ማቴዎስ 24:43, 44

ድሕርዚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ኣወንታውያን ኪዀኑሉ ዚኽእሉ ምኽንያት ሃቦም። ትንቢቱ ኣብ ዚፍጸመሉ እዋን፡ ንቑሕን ንጡፍን “ባርያ” ኸም ዚህሉ ኣረጋገጸሎም። ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ከኣ፡ እቶም ሃዋርያት ብቐሊሉ ኺርድእዎ ዚኽእሉ ዅነታት ተጠቕመ፦ “እቲ ጐይታኡ ምግቦም ብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ቤቱ ዝሸሞ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን ኰን እዩ፧ እቲ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምኡ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ሕጉስ እዩ! ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣብ ኵሉ ንብረቱ ኺሸሞ እዩ።” እቲ “ባርያ” እኩይ እንተ ዀይኑ እሞ ንኻልኦት እንተ ገፊዑ ግና፡ ጐይታኡ “ብዜስካሕክሕ መገዲ ኪቐጽዖ” እዩ።—ማቴዎስ 24:45-51፣ ምስ ሉቃስ 12:45, 46 ኣረኣኢ።

የሱስ ኣብዚ፡ ገሊኦም ሰዓብቱ እኩያት ከም ዝዀኑ ኣይኰነን ዚገልጽ ነይሩ። እቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኼመሓላልፎ ዝደለየ ትምህርቲ ደኣ እንታይ እዩ፧ ብሕጂ ኣብ እንርእያ ኻልእ ምሳሌ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ንቑሓትን ንጡፋትን ኪዀኑ እዩ ዚደልዮም ነይሩ።