ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 112

ብዛዕባ ንቕሓት እተዋህበ ትምህርቲ—ደናግል

ብዛዕባ ንቕሓት እተዋህበ ትምህርቲ—ደናግል

ማቴዎስ 25:1-13

  • የሱስ ምሳሌ እተን ዓሰርተ ደናግል መሰለ

የሱስ ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ ምልክት እቲ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋንን መደምደምታ እቲ ስርዓትን ዝሓተትዎ ሕቶ መለሰሎም። ድሕሪኡ፡ ብኻልእ ምሳሌ ገይሩ ጥበብ ዝሓዘለ ምዕዶ ሃቦም። ፍጻመ እታ ምሳሌ ኸኣ ኣብቲ ንሱ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን እዩ ዚርአ።

ነታ ምሳሌ ኸምዚ ብምባል ጀመራ፦ “ሽዑ፡ መንግስተ ሰማያት፡ ቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። ካባታተን እተን ሓሙሽተ ዓያሹ፡ እተን ሓሙሽተ ኸኣ ለባማት ነበራ።”—ማቴዎስ 25:1, 2

የሱስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ፍርቂ እቶም መንግስተ ሰማያት ዚወርሱ ደቀ መዛሙርቱ ዓያሹ፡ ፍርቆም ድማ ለባማት ኪዀኑ ማለቱ ኣይነበረን። የግዳስ፡ ምስታ መንግስቲ ብእተተሓሓዘ፡ ነፍሲ ወከፍ ወደ መዝሙሩ ንቑሕ ወይ ዘይንቑሕ ኪኸውን ምርጫ ኸም ዘለዎ እዩ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ እሙን ኰይኑ ኪቕጽልን በረኸት ኣቦ ኺረክብን ከም ዚኽእል ግና የሱስ ይተኣማመን ነይሩ እዩ።

ኣብታ ምሳሌ ድማ፡ ኵለን እተን ዓሰርተ ደናግል ነቲ መርዓዊ ኪቕበላኦን ኣብቲ መርዓ ኺዕጅባኦን ወጺአን እየን። ምስ መጸ ኸኣ፡ እተን ደናግል ነቲ መገዲ ብቐንዴለን ገይረን ኬብርሃ ነበረን፣ በዚ ኸምዚ ንመርዓቱ ናብቲ እተዳለወላ ቤት ኬእትዋ ኸሎ የኽብራኦ። እቲ ነገር ግና ከመይ ኰነ፧

የሱስ ቀጺሉ ኸምዚ ኢሉ ገለጸ፦ “እተን ዓያሹ፡ ቀቀንዴለን እኳ እንተ ወሰዳ፡ ዘይቲ ግና ኣይተማልኣን። እተን ለባማት ግና፡ መምስ ቀንዴለን፡ ዘይቲ ኣብ ጢናአን ተማልኣ። መርዓዊ ምስ ደንጐየ፡ ኵላተን ትኽስ በላ፡ ደቀሳ ኸኣ።” (ማቴዎስ 25:3-5) እቲ መርዓዊ ኸምቲ ትጽቢት እተገብረሉ ኣይኰነን ቀልጢፉ መጺኡ። ነዊሕ ደንጕዩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ሽዑ ድማ እተን ደናግል ደቀሳ። እቶም ሃዋርያት ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ‘ንግስና ተቐቢሉ እተመልሰ’ ወዲ ዓበይቲ እተዛረቦ ነገር ዘኪሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ሉቃስ 19:11-15

የሱስ ኣብ ምሳሌ እተን ዓሰርተ ደናግል፡ እቲ መርዓዊ ምስ መጸ እንታይ ከም ዝዀነ ኺገልጽ ከሎ፡ “ፍርቂ ለይቲ፡ ‘እንሆ መርዓዊ! ክትቅበላኦ ውጻ’ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ ተሰምዐ” በለ። (ማቴዎስ 25:6) እሞኸ እተን ደናግል ድሉዋትን ንቑሓትን ኰይነንዶ፧

የሱስ ቀጺሉ ኸምዚ በለ፦ “ሽዑ፡ ኵለን እተን ደናግል ተንሲአን፡ ቀቀንዴለን ኣሰናደዋ። እተን ዓያሹ ነተን ለባማት፡ ‘ቀነዲልና ኺጠፍእ ስለ ዝበለ፡ ካብ ዘይትኽን ግዳ ሃባና’ በላአን። እተን ለባማት ከኣ፡ ‘ምናልባት ንዓናን ንዓኻትክንን ኣይኣክልን ይኸውን። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኼድክን ንርእስኽን ዓድጋ’ ኢለን መለሳለን።”—ማቴዎስ 25:7-9

በዚ ኸምዚ፡ እተን ሓሙሽተ ዓያሹ ደናግል ንቑሓት ኣይነበራን፡ ንምምጻእ እቲ መርዓዊ እውን ኣይተዳለዋን። ንቐነዲለን ዚኸውን እኹል ዘይቲ ኣይነበረንን፣ ተወሳኺ ኺረኽባ እውን ኪፍትና ነይርዋን። የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ በለ፦ “ንሳተን ኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ፣ እተን ድሉዋት ዝነበራ ኸኣ ምስኡ ናብቲ መርዓ ኣተዋ፣ ማዕጾ ድማ ተዓጽወ። ደሓር፡ እተን ዝተረፋ ደናግል መጺአን፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ኣርሕወልና!’ በላ። ንሱ ግና፡ ‘ብሓቂ እብለክን ኣለኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ’ ኢሉ መለሰለን።” (ማቴዎስ 25:10-12) እዝስ ዘይምድላውን ዘይምንቃሕን ዜስዕቦ ኸመይ ዝበለ ዜሕዝን ሳዕቤን ኰን እዩ!

እቶም ሃዋርያት፡ እቲ የሱስ ዝጠቐሶ መርዓዊ ንገዛእ ርእሱ ኸም ዜመልክት ኪግንዘቡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ኣቐዲሙ ንርእሱ ምስ መርዓዊ ኣመሳሲሉ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 5:34, 35) እተን ለባማት ደናግልከ መን እየን፧ የሱስ ብዛዕባ እቶም መንግስቲ ዚውሃቦም “ሒደት መጓሰ” ኪዛረብ ከሎ፡ “ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መብራህትታትኩም ድማ ውሉዕ ይኹን” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 12:32, 35) ስለዚ፡ እቶም ሃዋርያት ኣብታ ምሳሌ እተን ደናግል፡ ንኸማታቶም ዝኣመሰሉ የመልክት ምንባሩ ኼስተውዕሉ ይኽእሉ እዮም። እሞ ደኣ የሱስ በዛ ምሳሌ እዚኣ ገይሩ እንታይ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ ነይሩ፧

የሱስ ነዚ ብዘየማትእ መገዲ እዩ ገሊጽዎ። ኣብ መደምደምታ እታ ምሳሌ፡ “እምበኣር፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ወይስ ነታ ሰዓት እቲኣ ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ” ኢሉ እዩ።—ማቴዎስ 25:13

እምበኣር፡ የሱስ ንእሙናት ሰዓብቱ፡ ምስቲ ንሱ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ብእተተሓሓዘ ‘ኺነቕሑ’ እዩ ዚምዕዶም ነይሩ። ንሱ ኺመጽእ እዩ፣ ንሳቶም ድማ ነታ ኽብርቲ ተስፋኦም ምእንቲ ኸየጥፍኡን ዓስቦም ምእንቲ ኸይስእኑን፡ ከምተን ሓሙሽተ ለባማት ደናግል ኪዳለዉን ኪነቕሑን ኣለዎም።