ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 113

ብዛዕባ ትግሃት እተዋህበ ትምህርቲ—ታለንት

ብዛዕባ ትግሃት እተዋህበ ትምህርቲ—ታለንት

ማቴዎስ 25:14-30

  • የሱስ ምሳሌ ታለንት መሰለ

የሱስ ኣብ ደብረ ዘይቲ ምስቶም ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ ኸሎ፡ ካልእ ምሳሌ መሰለ። ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ ኣብ ያሪኮ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እታ መንግስቲ ገና ኣብ መጻኢ ምዃና ንምግላጽ ምሳሌ ምና መሲሉ ነበረ። እታ ምሳሌ ታለንት ድማ ምስኣ ብዙሕ እያ እትመሳሰል። መቐጸልታ እቲ ብዛዕባ እቲ ንሱ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋንን መደምደምታ እቲ ስርዓትን ምስ ተሓትተ ኺህቦ ዝጀመረ ምላሽ እያ። ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ብሕድሪ እተዋህቦም ብትግሃት ኪፍጽሙ ኸም ዚግብኦም እተጕልሕ ከኣ እያ።

የሱስ፡ “ከምቲ ኺገይሽ ዝበለ እሞ፡ ንባሮቱ ጸዊዑ፡ ገንዘቡ ብሕድሪ ዝሃቦም ሰብ እውን ትመስል” ኢሉ ጀመረ። (ማቴዎስ 25:14) የሱስ ንገዛእ ርእሱ ምስ ሓደ “ንግስና ተቐቢሉ ኺምለስ” ናብ ካልእ ሃገር ዝኸደ ሰብ ስለ ዘመሳሰለ፡ እቲ ኣብታ ምሳሌ ኺገይሽ ዝበለ “ሰብ” እውን መን ምዃኑ ሃዋርያቱ ብቐሊሉ ኺግንዘቡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።—ሉቃስ 19:12

እቲ ሰብ እቲ ኺገይሽ ምስ በለ፡ ገንዘቡ ንባሮቱ ብሕድሪ ሃቦም። የሱስ ኣብቲ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝወሰደ ኣገልግሎቱ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ እዩ ኣተኲሩ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ነዚ ዕዮ እዚ ኺዓይዩ ኣሰልጢንዎም እዩ። ድሕርዚ ግና፡ ከምቲ ዘሰልጠኖም ከም ዚገብሩ ተኣማሚኑ ኪኸይድ እዩ።—ማቴዎስ 10:7፣ ሉቃስ 10:1, 8, 9፣ ምስ ዮሃንስ 4:38፣ 14:12 ኣረኣኢ።

ኣብታ ምሳሌ፡ እቲ ሰብ ነቲ ገንዘቡ ብኸመይ እዩ ዜከፋፍሎ፧ የሱስ ቀጺሉ፡ “ንሱ ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ ታለንት፡ ንሓደ ኽልተ፡ ንሓደ ኸኣ ሓደ ሂብዎም ገሸ” በለ። (ማቴዎስ 25:15) እቶም ባሮት ነቲ ብሕድሪ እተዋህቦም እንታይ እዮም ገይሮምዎ፧ ንረብሓታት ጐይታኦም ብዚጠቅም መገዲ ብትግሃት ተጠቒሞምሉዶ፧ የሱስ ነቶም ሃዋርያቱ ኸምዚ በሎም፦

“እቲ ሓሙሽተ ታለንት እተቐበለ፡ ብኡብኡ ኸይዱ፡ ብእኡ ነገደ፡ ተወሳኺ ሓሙሽተ ድማ ረብሐ። እቲ ኽልተ እተቐበለ ኸኣ፡ ተወሳኺ ኽልተ ረብሐ። እቲ ሓደ ጥራይ እተቐበለ ግና ከይዱ፡ ኣብ ምድሪ ዅዒቱ፡ ነቲ ገንዘብ ጐይታኡ ሓብኦ።” (ማቴዎስ 25:16-18) ጐይታኦም ምስ ተመልሰ፡ እንታይ እዩ ዚኸውን፧

የሱስ ቀጺሉ፡ “ድሕሪ ነዊሕ ግዜ፡ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶም ድማ ተጸባጸበ” በለ። (ማቴዎስ 25:19) እቶም ቀዳሞት ክልተ ባሮት “ከከም ዓቕሞም” ዚከኣሎም ገበሩ። ነፍሲ ወከፎም በቲ ብሕድሪ እተዋህቦም ተጠቒሞም ትጉሃትን ጻዕረኛታትን ኣፍረይትን ምዃኖም ኣርኣዩ። እቲ ሓሙሽተ ታለንት እተዋህቦን እቲ ኽልተ ታለንት እተዋህቦን ዐዕጽፊ ሒዞም መጹ። (ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓደ ሸቃላይ ሓደ ታለንት ዚኸውን ገንዘብ ንምርካብ፡ ኣስታት 19 ዓመት ኪሽቅል ነበሮ።) እቲ ጐይታ ድማ ንነፍሲ ወከፎም፡ “ንፉዕ፡ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ባርያ! ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ። ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ። ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ” ኢሉ ብማዕረ ነኣዶም።—ማቴዎስ 25:21

እቲ ሓደ ታለንት እተቐበለ ባርያ ግና ካብቶም ካልኦት እተፈልየ እዩ ነይሩ። ንሱ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ፡ ዘየዝሮኻዮ እትእክብ ተጸባጻቢ ሰብ ምዃንካ ፈሊጠ። ስለዚ፡ ፈሪሀ፡ ከይደ፡ ነቲ ታለንትኻ ኣብ ምድሪ ሓቢአዮ። እንሆ ገንዘብካ” በለ። (ማቴዎስ 25:24, 25) ነቲ ገንዘብ እንተ ወሓደ ንጐይታኡ ወለድ ምእንቲ ኺወልደሉ፡ ምስ ባንከኛታት እኳ ኣየቐመጦን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣንጻር ረብሓታት ጐይታኡ እዩ ገይሩ።

ስለዚ፡ እቲ ጐይታ “እኩይን ሃካይን ባርያ” ኢሉ ኺጽውዖ ሓቁ እዩ። እታ ዘላቶ እውን ተገዲፉ፡ ነቲ ብትግሃት ኪዓዪ ፍቓደኛ ዝዀነ ባርያ ተዋህቦ። እቲ ጐይታ ኸኣ፡ “ንዘለዎ ዘበለ፡ ይውሰኾ፡ ይበዝሓሉ እውን። ንዘይብሉ ግና፡ እታ ዘላቶ እውን የግድፍዎ” ኢሉ ስርዓቱ ገለጸ።—ማቴዎስ 25:26, 29

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብዛ ምሳሌ እዚኣ ብዙሕ ኪሓስቡሉ ዘለዎም ነጥብታት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ብሕድሪ ዝሃቦም ዕዮ፡ ማለት እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ፡ ዓብዪ ዋጋ ኸም ዘለዎ ኺግንዘቡ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ዕዮ እዚ ብትግሃት ኪዓይይዎ እውን ይጽበዮም እዩ። የሱስ ነቲ ኺገብርዎ ዝሃቦም ዕዮ ስብከት ኪፍጽሙ ኸለዉ፡ ኵላቶም ሕደ ዕዮ ኺዓይዩ ኣይጽበዮምን እዩ። ኣብታ ምሳሌ ኸም እተጠቕሰ፡ ነፍሲ ወከፎም “ከከም ዓቕሞም” ዚከኣሎም ኪገብሩ ኣለዎም። ከምኡ ኺብሃል ከሎ ኸኣ፡ ሓደ ሰብ “ሃካይ” እንተ ዀይኑን ገንዘብ ጐይታኡ ንምርባሕ ዚከኣሎ እንተ ዘይገይሩን ንየሱስ ባህ ኣየብሎን እዩ።

ግናኸ፡ እቶም ሃዋርያት፡ “ንዘለዎ ዘበለ፡ ይውሰኾ” ዚብል መረጋገጺ ምስ ሰምዑ፡ ብዙሕ ባህ ኢልዎም ኪኸውን ኣለዎ።